ጉባኤ ቊስጥንጥንያ (381 ዓ.ም. )
ካልኣይ ጉባኤ ናይ ቊስጥንጥንያ ይቕጽል
ኣብ ቊስጥንጥንያ ዝተኣከበ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ፡ሰለስተ ክሕደታት ንኽምርምር ቀሪቡሉ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ቀዳማይ ናይ ኣቡሊናርዮስ፣ ካልኣይ ናይ ኣውሳብዮስ ሳልሳይ ናይ መቅደንዮስ ክሕደታት እዮም።
ኣብሊናርዮስ ፦ እዚ ሰብ እዚ ናይ ላዞቅያ ኤጲስ ቆጶስ ነበረ። ናይ ፍልስፍና ትምህርቱ ናብ ክሕደት ኣምርሖ። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮት ኣብ ክንዲ ናይ ስጋ ሕይወት ዝኾነት ነብሲ ቦታ ተተኪኡ ሕማምን፡ ስቕለትን፡ ሞትን ተቐበለ ኢሉ መሃረ። ኣብ ማእከል መለኮታዊ ኣካላት ከኣ ምብልላጽ ምህላዉ ኣሚኑ መንፈስ ቅዱስ ዓቢይ እዩ፣ ወልድ ከኣ ዝበለጸ ዓቢይ እዩ፣ ኣብ ግን ልዕሊ ኩሎም ዓቢይ እዪ በለ።ኣውሳብዮስ ፦ ናይ ሰብ ሰብኣልዮስ ክሕደት ብምሕዳስ እግዚኣብሔር ሓደ ኣክል ደኣሉ እምበር ሰለስተ ኣካላት የብሉን ።ስላሴ ብምባል ብሰለስትነት ዝንገር ከኣ፡ ብዘመነ ኦሪት ከም ኣብ ስለ ዝተፈልጠ፣ ብዘመነ ሓዲስ ሰብ ኮይኑ ከም ወልድ ስለ ዝተገልጸ እሞ፡ ከም መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣብ ሊዕሊ ሓዋርያት ስለ ዝወረደ እዩ ።መቕደንዮስ ፦ እዚ ሰብ እዚ ካብ ተኸተልቲ ኣርዮስ ሓደ ነበረ። ኣርሳውያን ብወገን ቈስጠንጢኖስ ዘይንእስ ብዝነብሮም ተሰማዕነት ብ343 ዓ.ም. ናይ ቊስጥንጥንያ ኤጲስ ቅጶስ ኮይኑ ተሾመ ።ብትምህርቱ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኩሉ ፍጡር ዝተነዝሐ ናይ እግዚኣብሔር ፍጡር ደኣሉ እምበር ከም ኣብን ወልድን ሳልሳይ ኣካል ኣይኮነን፣ ብመልክዕ መላእኽቲ ተፈጢሩ፡ ካብ መላእኽቲ ግን ክብ ዝበለ እዩ በለ።ብ362 ዓ.ም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ መንበሩ ምስ ተመልሰ ኣብ እስክንድርያ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣኪቡ ኣውገዞ። ዓቢይ ቴዎዶስዮስ’ውን በቲ ግዜ እቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ተኣኪቡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክዝቲ ኣዘዘ ።ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተረኽቡ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ጢሞጢዎስ፡ መላትዮስ ዘኣንጾክያ፡ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት ዘእንዝናዙ፡ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስን ይርከብዎም። ጉባኤ ከኣ 381 ዓ.ም. ብዘን ቴዎዶስዮስ ብሚኢትን ሓምሳን ኤጲስ ቆጶሳት ኣባልነት ተኻየደ።መቅዶንዮስ እምነቱ ኣብ ጉባኤ ንኽገልጽ ተሓቲቱ፡ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 1፡3 ኩሉ ብእኡ ተፈጥረ፡ ካብ ዝተፈጥረ ኩሉ ብዘይ ብእኡ ዝተፈጥረ የለን” ብዝብል ጥቕሲ መሰረት ብምግባር መንፈስ ቅዱስ ፍጡር እዩ በለ። እቲ ጉባኤ ከኣ መልሲ ብምሃብ ሓደ መንፈስ ንሱ ድማ ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ጥራይ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። ከም ናትካ ኣበሃህላ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ፍጡር እዩ እንድሕሪ ደኣ ኢልካ እግዚብሔር ሕያው ኣይኮነ ምባል እዩ ።ሕያው ኣይኮነ እንድሕሪ ደኣ ኢልና ኸኣ ዓቢ ክሕደት እዚ እዩ በሎ።እቲ ጉባኤ ንመቅዶንዮስ ኣእሚኑ ናብ ኦርቶዶክሳዊት እምነት ንኽመልሶ እንተ ፈተነ መቅዶንዮስ ግን በዓል ድልየት ስለ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ምውጋዙ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝተጀመረ ናይ ሃይማኖት ጸሎት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ውን ንኣምን ካብ ዝብል ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ኣብጽሖ ።ኣውሳብዮስ እምነቱ ንኽገልጽ ምስ ተሓተ ሥላሴ ክንብል ከሎና ሓድ ኣካል ሓደ መለኮት ዘለዎ ኣምላኽ ማለት ደእ እዩ እምበር፡ ንሰለስተ ኣካላት ዘመልክት ኣይኮነን፡ በለ። ኣፈ ጉባኤ ዝነበረ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ጢሞቴዎስ ከምዚ ክብል መልሰሉ።ስላሰ ሓደ ኣክላ እንተ ደኣ ኮይኑ ስላሴ ዝብል ስም ክህሉ ኣይክእልን እዩ፣ብኣብን ብወልድን ብመንፈስ ቅዱስን ዝተጠመቕካዮ ጥምቀት’ውን ዋጋ የብሉን ማለት እዩ ።ከም ኣባሃህላኻ እንተ ኾይኑ ስላሴ ሕማም ተቐቢሉ ሞይቱ ማለት እዩ፣ ወልድ ኣብ ዮርዳኖስ ምጥማቑን፣ መንፈስ ቅዱስ በተምሳል ርግቢ ምውርዱን፣ ኣብ ከኣ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ምድማጹ ዝምስክር ወንጌል ተሳዒሩ ማለት እዩ” በሎ።ካብ ሕደቱ ንኽምለስ ምኽሪ ተዋሂብዎ ስለ ዘይተመልሰ ብውግዘት ከም ዝፍለ ተገብረ ።ናይ ኣውሳብዮስ ክሕደት መሰረቱ ክሕደት ሰብኣልዮስ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ሰብኣልዮስ ዝዓበየሉ ሊብያ እዩ ።እዚ ክሕደት እዚ ከኣ ክሳዕ ሮም ኣብጺሕዎ ነይሩ። ንናይ ሰብኣልዮስ ክሕደት ከኣ ብ258 ዓ.ም. ኣብ ሮም ብ261 ዓ.ም. ድማ ኣብ እስክንድርያ ዝተኣከቡ ነናይ ሃገሩ ሲኖዶሳት ኣውጊዞምዎ እዮም ።ኣቡሊናርዮስ ከኣ ብታርኡ ብዛዕባ እምነቱ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ ወልድ ሰብ ዝኾነ ብዘይካ ነባቢት ነፍስ መለኮቱ ምስ ስጋ ሰብ ብምውህሃድ እዩ፣ መኽንያቱ መለኮቱ ኣብ ክንዲ ነፍስ ልብን ቦታ ተተኪኡ ስለ ዝኣተወ እዩ”ኢሉ ገለጸ።እቲ ጉባኤ ድማ ንናይ ኣቡሊናርዮስ ኣበሃህላ እዚ ዝስዕብ መልሲ ሂብሉ። እግዚኣብሔር ወልድ ምስ ባሕርይና ዝተዋሃሃደ ንዓና ንምድሓን እዩ፣ ናይ እንስሳ ብሕርይ ዘለዎ ስጋ ጥራሕ ተወሃሂዱ እንድሕሪ ደኣ ኮይኑ ንእንስሳ እምበር ንሰብ ኣየድሓነን ማለት እዩ ።ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ብግዜ ትንሳኤ ምውታን ዝትንስእ ብነባቢትን ፈላጢትን ሕያዊትን ነፍሲ ኮይኑ እዩ። ዋጋ ጽድቁ ኮነ ወይ ናይ ኩነኔ ውሳኔ ዝቕበሎ ውን ብወገን ነፍሲ እዩ ። ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ጥቕሙ ነዚ እዩ ።ኣብ ነባቢት ፈላጢትን ሕያዊትን ነፍሲ እንተ ዘይወሃሃድ ነይሩ፡ ጐይታ ንርእሱ ወዲ ሰብ ኢሉ ኣይምጸውዓን ነይሩ ።ኣቡሊናርዮስ ካብ ክሕደቱ ንኽምለስ እቲ ጉባኤ ብዙሕ እንተ መኸሮ’ኳ ንኽምለስ ፍቓደኛ ስለ ዘይኮነ ብውግዘት ከም ዝፍለ ተገብረ ።ድሕሪ’ዚ እቲ ጉባኤ ሸውዓተ ቀኖናታት ኣቚሙ ስርሑ ደምደመ ።እቶም ዘቖሞም ስርዓታት ኣብ ፍትሒ መንፈሳዊ ማለት ፍትሐ ነገስት ተጻሒፎም ኣለዉ።
ሳልሳይ ጉባኤ ኣብ ዝመጽእ ተኸታተሉ !
ምንጪ ትምህርተ መለኮት ወስርዓተ ኣምልኮት
No comments:
Post a Comment