Tuesday, July 23, 2019


             ትርጉም ጸሎተ ሃይማኖት  

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!

ምእትእስሳር ጸሎት ሃይማኖትን ቅዱሳት መጻሕፍትንወልድ ፍጡር እዩ ብምባል ናይ ክሕደት ትምህርቲ ንዝመሃረ ኣርዮስ ንምጋዝ ብ325 ዓ.ም. ዝተኣከቡ 318ን ናይ ዓለም ኤጲስ ቆጶሳትን መንፈስ ቅዱስ ከኣ ፍጡርን ናይ ወልድ ኣገልጋልን እዩ ኢሉ ናይ ክሕደርት ትምህርቲ ንዝመሃረ መቅዶንዮስ ንምውጋዝ ብ381 ዓ.ም. ዝተኣከቡ 150 ናይ ዓለም ኤጲስ ቆጶሳትን ከሓድትን ክሕደቶምን ድሕሪ ምውጋዞም ንናይ ክርስትና ሃይማኖት መሰረት ዝኾነ ብሽም ጸሎተ ሃይማኖት ዝፍለጥ ናይ እምነት ቀኖና ስርዓት ወሲኖም ።እዚ ቀኖና እዚ ከኣ ብዛዕባ እምነትና ኣጠቓላሊ ውሳኔታት ኣብ ሊዕሊ ምዃኑ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ ጐይትነት ፡ዓለም ከይተፈጥረ ካብ ምውላዱ ኩሉ ፍጥረት ዝፈጠረ ንሱ ምዃኑ ፦ምንም እኳ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ እንተኾነ ንደቂ ሰብ ከድሕን ኢሉ ካብ ሰማይ ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብመንፈስ ቅዱስ ምውላዱ፦መከራ ምቕባሉ፦ምማቱ፦ካብ ምውታን ተፈልዩ ፡ድሕሪ ምትንሣኡ ፣ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ የማን ኣብ ምቕማጡ፦ካልኣይ ከኣ ንመጽኢ ንናይ መወድእታ ፍርዲ ተመልሱ ክመጽእ ምዃኑ ፦ምስክርነት ተዋሂብዎ ኣሎ።ሓደ ሓደ ወገናት ነዚ ናይ ሃይማኖት ቀኖና (ጸሎተ ሃይማኖት ) ከም ቁም ነገር ኣብ ሊዕሊ ዘይምርኣዮም፦ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ውን ርክብ ዘይብሉ ይመስሎም ።  ቀዳምሞት ቅዱሳን ኣቦታት መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝኾነ ሲኖዶሳቶም (ጉባኤታቶም )ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሃይማኖት ቀኖናታት ኣብ ዝሰርዕሉ ግዜ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መሰረት ብምግባር ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ደኣ’ምበርብናታቶም ድሌት ጥራይ ዝሠርዑ ዘይምዃኖም፡ ኣብዚ ድሕርና እንርእዮ ምትእስሳር ጸሎተ ሃይማኖት ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከመይ ጌሮም ከም ዘወሃሃድዎ ንምምልካት ዝኣክል ነዚ ኣብ ታሕቲ እነቅርቦ ዝርዝር ንመልከት ፦ ኩሉ ብዝሓዘ ፡ ሰማይን ምድርን፡ ዝርአን ዘይርአን ዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ እግዚኣብሔር ኣብ ነኣምን ።v ብዘይካይ ካልኦት ኣማላክቲ ኣይሃልውኻ ።(ዘፀ 20፡3)
v እግዚኣብሔር ብ6 መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኡ ዝርከብ ኩሉ ፍጥረትን ፈጠረ። (ዘፀ 20፡11)
v እምበኣር ሎሚ እግዚኣብሔር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ብዘይካኡ ካልእ ከም ዘየሎ ሎሚ ፍለጥ ፡ኣብ ልብኻ ድማ ኣንብሮ። (ዘዳ 4፡39)
v  ዎ እስራኤል ስማዕ ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሔር እዩ። (ዘዳ 6፡4 )
v ከምኡ ውን እቲ ሊዕሊ ኩሉን ብኹሉን ኣብ ኩሉን ዝነብርን ሓደ ኣምላኽ ኣቦ ኩሉን ኣሎ ።(ኤፌ 4፡6)
v ናትና ኣምላኽ ግን ናይ ኩሉ ነገር ፈጣሪ ዝኾነን፡ ንሕና’ውን ናቱ ዝኾና ሓደ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ።(1ይ ቆሮ 8፡6)
ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ዝኾነ ብሓደ ጐይታ ወልደ ኣብ ብኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ነኣምንv እግዚኣብሔር ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ  ሎሚ ወደልኩኻ በለኒ።(መዝ 2፡7)
v  ቅድሚ ኮኾብ ጽባሕ ካብ ከርሲ ወለድኩኻ።(መዝ 110፡3)
v ብእኡ ዝኣምን ኩሉ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክረክብ ደኣ እምበር  ንኸይጠፍእሲ እግዚኣብሔር ሓደ ወዱ ንሞት ኣሕሊፉን ክሳብ ምሃብ ንዓለም ፈተዋ ። (ዮሓ 3፡16)
v ብጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ እመን ንስኻን ቤተ ሰብካን ክትድሕኑ ኢኹም።(ግ.ሓ 16፡31)
v  ኩሉ ነገር ብእኡ ዝተፈጥረን ንሕና ድማ ብእኡ እንነብርን ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ። (1ይ ቆሮ 8፡6)
v  ስለዚ ንኽብሪ ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ሰማይን ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኩሉ ፍጥረት ብብርኩ ክምብርከኽ እዩ፦እግዚኣብሔር ኣብ ክብሪ ብምሃብ ከኣ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ብርግጽ ጐይታ ከም ዝኾነ ብጋህዲ ክእመን እዩ። (ፊሊ 2፡10_11)
 ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ ዝተወልደ እምበር ዝተፈጥረ ኣይኮነን፡ በመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ።v ቃል ቅድሚ ኩሉ ነበረ፦እቲ ቃል ድማ ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ ፦ እቲ ቃል ውን እግዚኣብሔር ነበረ። (ዮሓ 1፡1)
v ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና ።( ዮሓ 10፡30)
v  ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ረኣየ። (ዮሓ 14፡13)
v ናይ ኣብ ዝኾነ ኩሉ ናተይ እዩ ።ዮሓ 16፡15)
v ካብ ኣቦ ወጺአ ናብ ዓለም መጽእኩ፦ እንደገና ነዚ ዓለም ሓዲገ ናይ ኣብ ክኸይድ እየ። (ዮሓ 16፡28)
v እቲ ፍርዲ ከኣ እዚ እዩ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፦ ደቂ ሰብ ግን ግብሮም ክፉእ ሰለ ዝኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ፈተዉ።(ዮሓ 3፡19)
v ኩሉ ብእኡ ኮነ። ኩሉ ነገር ብእኡ ተፈጥረ ፣ካብ ዝተፈጥረ ነገር ድማ ብዘይካ ብእኡ ሓንቲ እኳ ዝተፈጥረ የለን ።(ዮሓ 1፡3
v ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ፡ ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ሓይልታት ሰማይ መናብርት ይኹኑ ጐይቶት፡ ሊቃናት ይኹኑ ስልጣናት ኩሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮም ።(ቆላ 1፡16)
    ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ድሕነትና ካብ ሰማያት ወረደ ፡ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ድማ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሰብ ኮነ ።v እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ውን ክትወልድ እያ፦ ስሙ ከኣ ኣማኑኤል ኢላ ክትጽውዖ እያ ።(ኢሰ 7፡14)
v ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ኩነታት ከምዚ እዩ።ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ከላ ከይተራኸቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጸኒሳ ተረኽበት ።(ማቴ 1፡18)
v እቲ መልኣኽ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ክወድር እዩ፦ሓይሊ ልዑል ውን ከጽልለኪ እዩ፦ስለዚ ከኣ እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ክበሃል እዩ እዩ።(ሉቃ 1፡35)
v እቲ ዝተወሰነ ግዜ ምስ ኣኸለ እግዚኣብሔር ንወዱ ለኣኸልና፣ንሱ ካብ ሰበይቲ ተወልደ ፦ሕጊ ንምፍጻም ከኣ ተኣዛዚ ኮነ ።(ገላ 4፡4)
ከምቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተጻሕፈ። ብዘመን ጲላጦስ ጴንጠናዊ ከኣ ምእንታና ተሰቕለ ፡ መከራ ተቐበለ፡ ሞተ ፡ተቐብረ፡ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ተንሰአ።v ብዘይካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ ናይ ሰማይ ዝዓረገ የለን (ዮሓ (3፡13)
v  ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጸሮ፦ ንስቓይና ከኣ ኣብ ነብሱ ጸዓኖ፦ንሱ ግና ብሰሪ ገበና ቆሰለ ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ ፡ንሕና ውን ብስንብራቱ ሓዌና ።(ኢሰ 53፡4-5)
v ስለዚ ጲላጦስ እዚ ነገር እዚ ናዕቢ ንምልዓል እንተ ዘይኮይኑስ ካልእ ገለ እኳ ከም ዘይጠቕም ምስ ረኣየ ማይ ኣምጺኡ ኣነ ካብ ደም እዚ ጻድቕ ሰብ እዚ ንጹሕ እየ ባዕልኹም ትፈልጡ እና በለ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕዝቢ ኣእዳዉ ተሓጽበ። (ማቴ 27፡24)
v ጐይታ ኢየሱስ ብዓቢ ድምጺ ጨርሐ እሞ ነፍሱ ድማ ወጸት።(ማቴ 27፡50)
v ንሕይወቱ ተሓጒሱ ንሞት ወፈያ ፡ምስ በደለኛትት ተቘጽረ ፦ንሱ ግን ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ጾር ሓጢኣቶም ምእንቲ ክሕደገሎም ከኣ ምእንቲ በደለኛታት ለመነ።(ኢሰ 53፡12)
v ዮስየፍ ድማ ነቲ ስጋ ወሲዱ ብጽሩይ በፍታ ገነዞ ፦ኣብቲ ኣብ ከውሒ ዘውቀሮ ናይ ባዕሉ ሓዱሽ መቓብር’ውን ኣንበሮ፦ሓደ ዓቢ እምኒ ኣንከራርዩ ድማ ነቲ ኣፍ መቓብር ኣጺዎ ከደ ። ( ማቴ 27፡59-60)
v ከምቲ ንሱ ካብ ምውታን ክትንስእ እየ ኢሉ ዝተዛረቦ ተንሲኡ እዩ እሞ ኣብዚ የለን ።(ማቴ 28፡6)
v ንምንታይ ነቲ ሕያው ምስ ምውታን ትደልይኦ ኣለኽን፧ ንሱ ተንሲኡ እዩ ኣብዚ የለን ።(ሉቃ 24፡5)
v ተቐብረ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ከኣ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተንሥአ ። (1ይ ቆሮ 15፡4)
v እንድሕሪ ደኣ ክርስቶስ ካብ ምውታን ተፈልዩ ዘይተንሲኡ ስብከትና ኮነ ዝሃብናኩም ትምህርቲ ከንቱ ምዃኑ እዩ ።(1ይ ቆሮ 15፡14)
ብስምጋና ናብ ሰማያት ዓረገ፦ ኣብ የማን ኣብኡ ተቐመጠ፦ኣብ ሕያዋንን ኣብ ሙታንን ክፈርድ’ውን መሊሱ ብምስጋናን ብኽብርን ከምጽእ እዩ።v ክባርኾም ከሎ ከኣ ካብኣቶም ተፈልየ ናብ ሰማይ ከኣ ዓረገ ።(ሉቃ ፡56)
v እዚ ድሕሪ ምዝራቡ ድማ ንሳቶም እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ዓረገ፦ካብ ኣዕይንቶም ከኣ ደመና ሠወረቶ። (ግ.ሓ 1፡19)
v ንሱ ክዓርግ ከሎ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ ከለዉ፦እንሆ ጸዓዱ ክዳውንቲ ዝተኸድኑ  ክልተ ሰብኣይ ኣብ ጥቕኦም ደው ኢሎም፦ ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ኢኹም ናብ ሰማይ ኣማዕዲኹም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘለኹም እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ጐይታ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ስማይ ክዓርግ ከሎ ዝረኣኽምዎ ከምኡ ኢሉ ከኣ ከምጽእ ኢዩ። (1፡10-11)
v እስጢፋኖስ ግን መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ጠሚቱ ክብሪ እግዚኣብሔር ረኣየ ፣ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን  ኣብ የማን እግዚኣብሔር ቆይሙ ረኣዮ። (ግ.ሓ 7፡55)
v ብለይቲ ረእይ ረኣኹ እንሆ ድማ ወዲ ሰብ ዝመስል ምስ ደመና ሰማይ መጸ፡ ኩሎም ወገናት ኣሕዛብን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኩሎምን ንኽግዝእዎ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ተዋህቦ፦ ግዝኣቱ ከኣ ዘይሓልፍ ዘለዓለማዊ ግዝኣት እዩ ፥መንግስቱ ድማ ፈጺሙ ዘይሓልፍ እዩ።(ዳን 2፡13_14)
v ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣብኡ ምስ መላእኽቱ ክመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክህቦ እዩ። (ማቴ 16፡27)
v ንሱ ኣብ ቤት ይዕቆብ ንዘለዓለም ክነግስ እዩ ፡ ንመንግስቱ ድማ መወድእታ የብሉን ።(ሉቃ 1፡33)
v ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን ድምጺ ሊቀ መላእክትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ ። (1 ተሰ 4፡16)
ጐይታን ሕይወትን ብዝኾነ ካብ ኣብ ብዝሰረጸ ኣብ ነብያት ሓዲሩ ብዝተዛረበ ብመንፈስ ቅዱስ’ውን ነኣምን፡ ምስ ኣብን ምስ ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን ።  v ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቂ መዛምርተይ ግበርዎም።(ማቴ 28፡20)
v ዳዊት ንርእሱ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ከምዚ በለ።(መዝ 110፡1-2 ማር 12፡36)
v እቲ ኣነ ካብ ኣብ  ዝሰደልኩም መጸናንዒ ካብ ኣቦ ዝወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ክምስክረለይ እዩ ። (ዮሓ 15፡26)
v ዝኾነ ትንቢት ብናይ ሰብ ድልየት ፈጺሙ ኣይመጽእን፣ እንታይ ደኣ እቶም ቅዱሳን ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ እግዚኣብሔር ተቐቢሎም ዝተዛረብዎ እዩ።( 2 ጴጥ 1፡21 )
v ኣብ ሰማይ ዝምስክሩ ሰለስተ እዮም፣ ንሳቶም ከኣ መንፈስን ማይን ደምን(ኣብን ቃልን መንፈስ ቅዱስን ) እዞም ሰለስተ ሓደ እዮ።(1 ዮሓ 5፡7)
ሊዕሊ ኩሉ ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ዓለም ለኻዊት ዝኾነት ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን’ውን ነኣምን።v ንስኻ ጴጥሮስ ከውሒ ኢኻ ፥ ኣብዛ ሊዕሊ ከውሕነትካ ንቤተ ክርስትያነይ ክሓንጻ እየ ። ነዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይከናውጽዋን እዮም ።(ማቴ 16፡18)
v ንዓኣቶም እንተ ዘይሰምዐ ንቤተ ክርስትያን ይንገር፡ ንቤተ ክርስትያን እንተ ዘይሰምዓ ግን፡ ከም ኣረሚ ከም ከሓዲ ይቈጸር። (ማቴ 18፡17)
ንስርየት ሓጢኣት ብዝኾነ ብሓንቲ ጥምቀት እውን ነኣምን፥ንዘለዓለም ዝመጽእ ሕይወትን ፥ ትንሳኤ ሙታንን ከኣ ተስፋ ንገብር፣ ኣሜን።v ጴጥሮስ ከምዚ በሎም ተነስሑ፡ ሓጢኣትኩም ንኽሕደገልኩም ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ ። ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ውህበት ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ክትቅበሉ ኢኹም።( ግ.ሓ 2፡38)
v ሓደ ጐይታ ሓደ እምነት ሓንቲ ጥምቀት ኣሎ። (ኤፌ 4፡5)
v ጥምቀት ማለት ካብ ሰውነት ርስሓት ምጽራይ ዘይኮነስ ብጽቡቕ ሕልና ናብ እግዚኣብሔር ዝቐርብ ልመና እዩ፥ እቲ ትድሕነሉ ምኽንያት’ውን ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጥማቕ እዩ። (1 ጴጥ 3፡21)
v ጐይታ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ከይተወልደ ከቶ ናብ መንግስተ እግዚኣብሔር ክኣቱ ኣይክእልን ። ( ዮሓ 3፡51)
v ካብቶ ኣብ መሬት ደቂሶም ዘለዉ ብዙሓት ገሊኦም ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት፡ ገሊኦም ድማ ናብ ናይ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለዓለም ነውርን ክትንስኡ ኢዮም ። (ዳኒ 12፡2 )
v ሙታን ምስ ተንስኡ ኣብ ሰማይ ከም ዘለዉ መላእኽቲ እግዚኣብሔር እዮም ዝኾኑ እምበር ፡ኣየእትዉን ኣይተኣታተዉን እዮም፥ብዛዕባ ሙታን ከም ዝትንስኡ’ኸ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ እግዚኣብሔር ኣብ እሾኽ ቈጥቋጥ ኰይኑ ኣምላኽ ኣብርሃምን፡ ኣምላኽ ይሓቅን፡ ኣምላኽ ያዕቆብን እዩ ዝበሎ’ዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ ስለዚ እግዚኣብሔር ናይ ሕያዋን ኣምላኽ ደኣሉ’ምበር ናይ ምውታን ኣምላኽ ኣይኮነን። (ማር 12፡25-26)
v ጽቡቕ ዝገበሩ ካብ ሞት ተንሲኦም ብሕይወት ከነብሩ ኢዮም። ክፉእ ዝገበሩ ግን ካብ ሞት ተንሲኦም ናብ ፍርዲ ክወጽኡ ኢዮም እሞ፡ ኣይትደነቑ።(ዮሓ 5፡29)
v ንሕና ግን ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ካብኣ’ውን መድኃኒና ክመጽእ፡ ንሱ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበ ኣለና። ንሱ በቲ ንኹሉ ዝመልከሉን ዝከኣሎን ሓይሊ ነቲ ክቡር ሰውነቱ ምእንቲ ክመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ክልውጥ እዩ። ( ፊሊ 3፡20-21)
   እምበኣር ከምዚ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዚ ናይ ጸሎተ ሃይማኖት መበገሲኡ መጽሓፍ ቅድሳዊ ከም ዝኾነ ነቶም ካሓድያን ጽኑዕ መረዳእታ ክኸውን ንዓናድማ ኣብ መጽሓፍ ኣይተጻሕፈን እንዳ በሉ ንዘሸጉርና ነዚ ኣብነት ጌርና ኩሉ ናይ ቤተክርስትያን ጸሎት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወጸ ደኣ እምበር ሓዱሽ ድርሰት ካብ ቃል ክርስቶስ ዝተፈልየ ከም ዘይኮነ ተቢዕና መታን ክምልሰሉን ክንፈጦን ከነጽንዖን ይግባእ።    ወስብሓት ለእግዚኣብሔር ኣሜን!!!!

<<ምንጪ፥ መጽሓፈ ትምህርተ መለኮት ወስርዓተ ኣምልኮት>>      x
x

                     በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን             ቅዱስ ሚካኤል  ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኵሎም መላእኽቲ ሓለቓ ኾይኑ ብፍላይ ከኣ ናይ ኃይላት ሓለቓ...