Sunday, July 14, 2019




         ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን


            ቀዳማይ ክፋል

1)መጽሓፍ ቅዱስ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ዝብል ሓረግ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝብል ክልተ ቃላት ዝተረኽበ ሓረግ ክኽውን ከሎ መጽሓፍ ዝብል ቃል ኣብ ሓደ ጥራዝ ተጠቕሊሉ ዝተኣከበ ጽሑፍ ክገልጽ ከሎ ቅዱስ ዝብል ቃል ብእብራይስጥ ክዳሽ ብሱሪስት ካዲሽ ብግእዝን ብዓረብን ቅዱስ ካብ ዝብል ቃል ዝተረኽበ እዩ ። ትርጉሙ ዝተቐደሰ ዝተፈልየ ዝጸነዐ ማለት እዩ ።

መጽሓፍ ቅዱስ በዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ ዝተጠቕለሉ ምኽንያታት ቅዱስ (ፍሉይ) ይገብሮ፥

ሀ. ብእግዚኣብሔር መንፈስ ዝተላዕሉ ቅዱሳት ሰባት ዝጸሓፍዎ ስለዝኾነ

ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ወጻኢ ዝኾኑ ናይ ታሪኽ ናይ ምርምር ናይ መጽናዕቲ ናይ ልብ ወለድ ናይ ትምህርት ናይ ካልኦት ዓይነት መጻሕፍቲ ፈጠርቶም ወይ ዋናታቶም ባዕላቶም እቶም ደረስቲ እዮም ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ዋንኡ ወይ ከኣ ፈጣሪኡ እግዚኣብሔር ብምዃኑ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ይፍለ ።ነዚ ናይ እግዚኣብሔር ዋንነት ኣብ መጽሓፍ እግዚኣብሔር ድለዩን ኣንብቡን ክብል ብዝተዛረቦ ንርዳእ፡ ኢሳ 34፡16 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዋንኡ እግዚኣብሔር እዩ ክንብል ከለና ብእኡ (ብእግዚኣብሔር ) ተጻሒፉ ብሓንሳብ ካብ ሰማይ ዝተዋህበ ማለት ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ዘሓረዮም ቅዱሳት ሰባት ብጸጋ ሓዲሩ ዝጸሓፎ (እናመርሖም) ዝተጻሕፈ ማለት እዩ ።

ነዚ መርትዖ ክኾነና እዞም ዝስዕቡ ኣበሃህላታት ንመልከት ኣብ ዘጸ 17፡14 ።እግዚኣብሔር ድማ ንሙሴ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ስሙ ፈጺመ ክድምስሶ እየ እሞ እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፎ ንእያሱ ውን ኣብ እዝኑ ኣስመዓዮ በሎ ፡ከምዚ ዝብል ቃል ንረክብ ። ካብዚ ከም እንርድኦ ሙሴ ናይ ኦሪት ዘጸኣት መጽሓፍ ካብ ባዕሉ ዝጸሓፎ ዘይኮነስ ብናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ተመሪሑ ዝጸሓፎ ምዃኑ እዩ።

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኩሉ ትንቢት ትርጉም ካብ ርእሱ ከምዘይኮነ ቅድሚ ኩሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢት ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅፍዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን ብምባል ዝተዛረቦ ውን እግዚኣብሔር ኣብ ዝመረጾም ቅዱሳን ሓዲሩ ከመይ ከም ዝዛረቡን ከምኡ ውን ከመይ ከምዝጸሓፍን ከም ዝገለጸሎም የረድእ ። 2ይ ጴጥ 1፡20

ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ደሴት ፍጥሞ ኣብ ማሕዩር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንዘርእዮ ራእይ ኣብ መጽሓፍ ጺሒፉ ነቶም ሸውዓተ ኣብያተ ክርስትያን ክልእኽ ዝኣዘዞ እግዚኣብሔር እዩ ንዝረኣኻዮ ኣብ መጽሓፍ ጺሕፍካ ናብ ኤፈሶን ናብ ሰርምኔስ ናብ ጴርጋሞን ናብ ተያጥሮን ናብ ሶርዴስ ናብ ፊላደልፊያን ሎዶቅያን ኣብ እስያ ናብ ዘሎ ናብቶም ሸውዓተ ኣብያተ ክርስትያን ለኣኽ ኢሉኒ። ከምዝበሎ ፥ ራእይ 1፡11 ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብእግዚኣብሔር መንፈስ ዝተመርሑ ቅዱሳን ዝጸሓፍዎ ብዃኑ ፍሉይ እዩ ንብል ።

ለ) ብዕድሜኡ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ነገራት ሓደ ዕድሚኡ እዩ ። ካብኡ ቀዲሙ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ስለዘየሎ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋነቱ ፍሉይ ይገብሮ ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መጀመርያ መጽሓፍ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ሻውዓይ ወለዶ ብዝኾነ ብሄኖክ ዝተጻሕፈ ክኸውን ከሎ ብ1486 ዓ.ዓ ወይ ከኣ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 4014 ዓመት ዝተጻሕፈ እዩ። ስለዚ ፍሉይ እዩ ።

ሐ) ወዲ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብርግጸኛ ዝዛረብ ምዃኑ

መጽሓፍ ቅዱስ ክጽሓፍ ዝጀመረ ካ 1486 ዓ.ዓ ጀሚሩ ክኸውን ከሎ ጸሓፍቲ ግን ቅድሜኦም ንዝተገብረ ፍጻሜ ብርግጸኛነት ከም ዝዛረቡ ንርእይ ። ኢቀ ነብያት ሙሴ ንዝጸሓፎ መጽሓፍ ድሕሪ 3800 ዓ.ዓ ወይ ከኣ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ (1700 ዓመት 1300 ዝብሉ ኣለዉ ) ክኸውን ከሎ ክንዲዚ ብዙሕ ሽሕ ዓመት ኣቀዲሙ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ናይ ስነ ፍጥረት ስራሕ ክዛረብ ከሎ ግን ብይኸውን ብግምት ዘይኮነስ ብርግጽ እዩ ነይሩ ። እግዚኣብሔር መጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ ከምዝብል ዘፍ 1፡1 ።

ብተወሳኺ ውን ወዲ ሰብ ድሕሪ ምፍጣሩ እቲ ጸሓፊ ብዛዕባቲ ንሱ ዘይነበሩ ዘመን ክዛረብ ከሎ ብርግጽ እዩ ። ንኣብነት እግዚኣብሔር ድማ ንኣብርሃም በሎ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጽእ ኢሉ ደኣ ኣዚዝዎ እምበር ንኸይወጽእስ ኣይኣዘዞን ። ዘፍ 12፡1 ሓደ ናይ ተሪኽ ወይ ናይ ምርምር መጽሓፍ እንተዝኸውን ነይሩ ግን ግምቱ ብዘይከውን ወይ ከኣ ከይኮነ ኣይተርፍን ብዝብል ግምታዊ ኣዘራርባ የቐምጦ እምበር ርግጸኛ ክኸውን ኣይክእል እዩ ። ነቢይ ሙሴ እግዚኣብሔር ሰማይን ምድርን ከይፈጠረ ኣይተርፍን እዩ ወይ ፈጢሩ ከይከውን ዘይኮነስ ፈጢሩ ከም ዝበለ ንርኢ። እዚ ኸኣ ፍሉይ ይገብሮ ።

መ) ኣቐዲሙ ብዛዕባ ዝመጽ ብርግጽ ዝዛረብ ስለዝኾነ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝሓለፈ ብርግጽ ከም ዝዛረብ ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ውን ብዘይ ጥርጥር ዝዛረብ ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ ።ካልኦት መጻሕፍቲ ግን ብዛዕባ ንመጻኢ ዝኸውን ነገር ብናይ ባዕሎም ሜላ ብመጽናዕት ምርምርን ወይ ከኣ ብግምት ከምዚ ከኸውን ይኽእል እዩ ደኣ ይብሉ እምበር ከምዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ብርግጽ ኣይዛርቡን እዮም ።

ንኣብነት ነቢይ ኢሰያስ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ እያ ስሙ ኸኣ ኣማኔኑኤል ኢላ ክትጽውዖ እያ እምበር ትጠንስ ትኸውን ትወልድ ትኸውን ኣማኑኤል ክበሃል ከኣ ይኽእል ኣይበለን ። ኢሰ 7፡14 ነቢይ ኢሰያስ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ትንቢት ዝተፈጸመ ንሱ ምስ ተዛረበ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ክኸውን ከሎ ካብ ቃሉ ከኣ ዋላ ሓንቲ ከይተፈጸመ ዝተረፈ የልቦን ።

ከምኡ ውን ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ምጽኣት ብርግጽ ካብ ክብሩ ጽባቔ ካብ ጽዮን እግዚኣብሔር ግልጺ ኮይኑ ክመጽእ እዩ ኢሉ እምበር ከምጽእ ይኸውን ወይ ከኣ ከይመጽእ ኣይተርፍን ኣይበለን መዝ 50፡3

ሰ) ንዘንብብዎን ንዝሰምዕዎን ስለ ዝባርኽ

ንኻልኦት መጻሕፍቲ ብንምባብ ፍልጠት ይርከብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ቃሉ ብምስማዕ ግን በረኸት ይርከብ ። ራእይ 1፡3 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ዝመክር ዝግስጽ ዘጸናንዕ መምህር እዩ ። 2ይ ጢሞ 3፡17 ራእይ 3፡15-19

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ምግቢ እዩ ። ኣብ መዝሙረ ዳዊት ቃልካ ንጎሮሮይ ጥዑም እዩ ካብ መዓርን ወለላን ዝበለጸ ንዓይ ጢዒሙኒ ከምዝተባህለ መዝ 118፡103 ዳግም ብነቢይ ሕዝቅኤል እዚ መጽሓፍ ብላዕ ኣፈይ ከፊቱ ነታ መጽሓፍ ውን ኣኾለሰኒ ከብድኻ ውን በዚ ኣነ ዝህበካ መጽሓፍ ምላእ በለኒ ኣነ ውን በላዕኩዋ ኣውሽጢ ኣፈይ ጥዕምቲ ከም መዓር ጠዓመት ተባሂሉ እዩ ።ህዝ 3፡1-3

ሰብ ካብ እግዚኣብሔር ብዝወጽእ ቃል ኩሉ እምበር ብእንጀራ ጥራይ ኣይነብር እዩ ዝብል ቃል ውን ናይ እግዚኣብሔር ቃል ናይ ነብሲ መግቢ ምዃኑ የረድኣናን የመልክተልናን ።ሉቃ 4፡4 ዘዳ 8፡3 ከምኡ ውን ቅዱስ ጴጥሮስ ተንኮል ዘይብሉ ናይ ቃል ጸባ ተመነዩ ። 1ይ 2፡3 ከምዝበሎ ።

በዚኦም ናይ መጽሓጽ ቅዱስ ክፍልታት ከም እንርድኦ እቶም ናይ ስጋ ምግቢ ዝምገቡ ኣብ ሰብነቶም ወይ ነብሶም ለውጢ ከርእዩ ከለዉ እቶም ቃል እግዚኣብሔር ዝምገቡ ኣብ ገምገም ቃላይ ከምዝተተኽለት ኦም ኣኣብ ግዜኡ ፍረ ከም እትህብ ንሶም ውን ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍረ እናፍረዩ ከም ዝነብሩን ኣብ ነብሶም ውን ጣዕሚ ከምዝሕድር ንርዳእ ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ዘርኢ እዩ ጽቡቕ ፍረ የፍሪ ።ማር 14፡20 ቃለ እግዚብሔር ብግቡእ ዝተማህሩ ስነምብባሮም ዝቀንዐ ተኣማንነቶም ዝጸንዐ እዩ ። የዋህነት ልግስና ይኣኽለኒ ምባል ፍቕርን ነዚኦም ዝኣመሰሉን ሰናይ ፍረታት ቃለ እግዚኣብሔር ካብ ምምጋብ ይርከብ ።

ቃለ እግዚኣብሔር ካብ ወርቂ ዝበልጽ ገንዘብ እዩ ። ንትእዛዝካ ካብ ወርቅን ዕንቁን ኣብሊጸ ፈተኹዎ ከምዝተባህለ። መዝ 119፡127 ነዚ መንግስተ ሰማይ ዘውርስ እግዚኣብሔር ብወርቅን ዕንቁን ክገዝእዎ ኣይክእሉን እዮም ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብርሃን እዩ ንጸልማት የጥፍእ ። ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመንገደይ ብርሃን እዩ ከም ዝብል መዝ 119፡105.።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል መኻሪ እዩ ። ቃል መንገዲ ይመርሕ ኣታ ወደይ ስማዕ ጥበበኛ ኩን ንልብኻ ውን ብመንገዱ ኣቕናዓዮ ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን እንዳ በለ ይመክር ። ምሳሌ 23፡19-20

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል

መንገዲ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት የብጽሕ ። ሕጂ ድማ ንእግዚኣብሔር ከድሕነኩምን ምስ ኩላቶም ቅዱሳን ከረስትየኩምን ዝኽእል ቃል ጸግኦም የመሓላልፍ ኣለኹ ።ከም ዝብል ግ.ሓዋ 20፡32

ዳኛ እዩ ይፈርድ ዝሰማዕኩሞ ቃል እምበር ዝፈርደኩም ኣነ ኣይኮንኩን ከም ዝብል ዮሓ 12፡48.።

ይቕድስ ብጹኣን’ሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዑን ዝሕልዉን እዮም ከም ዝተባህለ ሉቃ 1፡28.።

መድሓኒትና እዩ ይፍውስ ንእግዚኣብሔር ትፈርሑ እዚ ቃል ምድሓን እዚ ናብኻትኩም እዩ እተላእከ ክብል ግ.ሓዋ 13፡26

ንድያብሎስ ንዋጋኣሉ ሴፍ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ውደዩ ናይ መንፈስ ሴፍ ውን ማለት ቃል ኣምላኽ ሓዙ ክብል ኤፈ 6፡17.። ዕብ 4፡12 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ተስፋ ንዝቆረጹ ተስፋ ንዝሓዘኑ ምጽንናዕ ይህብ ስለዚ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ እዩ ።

1) ዘመን ዘይቅይሮ ብምዃኑ

ብብዙሓት ደረስቲ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ እዋን ግዜ መዘራረቢ ኣርእስቲ እንዳ ኾኑ ብእኡ ኣቢሎም እናኣረጉ ንታሪኽ ጥራሕ ዝተቐመጡን ዝቕመጡን እዮም ።መጽሓፍ ቅዱስ ግና ዘይኣርግ ብዝሒ ናይ ዘመን ዘይቕይሮ ዘለኣለማዊ እዩ። ናይ ኣምላኽና ቃል ግና ንዘለኣለም ጸኒዑ ይነብር ብምባል ዘይኣርግ ምዃኑ ነቢይ ኢሰያስ 40፡8 ቃልካ መዓልቲ መዓልቲ ሓዱሽ እዩ ይብል ።

ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግን ኣይሓልፍን እዩ ኢሉ ምዝራቡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝጽሓፍ ብዙሕ ግዜ ኮይኑዎ ኣሎሞ በዚ ግዜ ይሰርሕ በዚ ግዜ ኣይሰርሕን ዘይበሃል ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ከሎ ውን ንሱ ጸኒዑ ዝነብር ምዃኑ የረድእ ።ማቴ 24:35 ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ጐይታ ቃል ንዘለኣለም ይነብር ኢሉ ከም እተዛረቦ ቃል እግዚኣብእሔር ዘመን ኣይቕይሮን እዩ ። 1ይ ጴሮ 1፡25

ስለዝኾነ ኸኣ ብዘመነ ኦሪት ዝተዋህበ ሕጊ ሎሚ ውን ኣብ ዘመነ ሓዱሽ ንመጻኢ ሰማይን ምድርን ምስ ሓለፈ ዝነብር ሕያው እዩ ።መጽሓፍ ቅዱስ ኣሪጉ ብዃልእ ይልወጥ ወይ እዞም ክፍልታት ይለወጡ ኣይበሃልን እዩ ።

2) ንምታይ ቅዱስ ተባሂሉ

መጽሓፍ ቅዱስ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ቅዱስ ተባሂሉ

ሀ) በዞም ኣብ ላዕሊ ካብ ፊደል “ሀ” ክሳብ “ረ” ዝተዘርዘሩ ምኽንያታት ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ዝተፈለየ ብዃኑ ቅዱስ ተባሂሉ ።

ለ) ዋንኡ እግዚኣብሔር ቅዱስ ስለዝኾነ ቅዱስ ተባሂሉ ። ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ ኩሉ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ።ሰባት ንእግዚኣብሔር ክፍለዩ ከለዉ ማለት እግዚኣብሔር ንዝተፈላላየ ስራሕ ከመርጾም ከሎ ቅዱሳን ይበሃሉ ። ነዚ እዩ ኸኣ እግዚኣብሔር ንሊቀ ነብያት ሙሴ ንደቂ ኣሮን ድማ ቀምሽ ግበረሎም ቅናውቲ ውን ግበረሎም ንኽብርን ንጌጽን ከኣ መጠምጠምያታት ግበረሎም ። እዚ ንኣሮን ሓውኻን ንደቁ ኸኣ ምስኡን ክደኖም ቅባኣዮም ድማ ኣእዳዎም ውን ምልኣሎም ካህናት ክኾኑ ከኣ ቀድሶም ዝበሎም ። ዘጽ 28፡ 40-41

ቅዱስ ዮሓንስ ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ነበርኩ ኢሉ ዝተዛረበላ ሰንበት ናይ ጐይታ እግዚኣብሔር ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ብዃና ቅድስቲ እያ ። ራእይ 1፡10 እግዚኣብሔር ብሳበዓይቲ መዓልቲ ከኣ ኣዕረፈ ስለዚ እግዚኣብሔር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ካብ መዓልታት ኩሉ ሰንበት ናይ እግዚኣብሔር ምዃና ተቐዲሳ ። ዘጸ 20፡11 ከምኡ ውን መጽሓፍ ቅዱስ ኩሉ ናይ ግእዚኣብሔር ቃል ብምዃኑ ቅዱስ እዩ ።

ሐ) ንሰብ ናብ ቅድስና ዝወስድ ብምዃኑ ቅዱስ ተባሂሉ ። መጻሕፍቲ ኣሚንካ ምቕባል ናይ እግዚኣብሔር ድምጺ ምስማዕ እዩ ናብ ጽድቂ ንምብጻሕ ኣቐዲምካ ምእማን የድሊ ።እምነት ካብ ምስማዕ እያ ምስማዕ ውን ብቓል ክርስቶስ እዩ ከምዝተባህለ ሮሜ 10፡17. እምነት ንምሓዝ ከኣ ቃል እግዚኣብሔር ቀዳማይ ነገር እዩ ።ከምኡ ውን ከይሰምዑ ኸ ከመይ ጌሮም ይኣምኑ ብዘይሰባኻይ’ከ ከመይ ጌሮም ክሰምዑ ከምዝበሎ እቲ ሓዋርያ ንምእማን ቃል እግዚኣብሔር የድሊ ። ሮሜ 10፡14

መጽሓፍ ቅዱስ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ ። ከምቲ ዝጸወዓኩም ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩም ውን ብኹሉ ናብራኹም ቅዱሳት ኩኑ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ ንስኻትኩም ውን ፍጹማን ኩኑ እንዳበለ ናይ ቅድስና መንገዲ ዝመርሕ ስለዝኾነ ቅዱስ ተባሂሉ ። ዘሌ 19፡2 1ይ ጴጥ 1፡15-16 ማቴ 5፡48 ቃል እግዚኣብሔር ዝሕልዉ ኩሎም ናብ ቅድስና ምብጽሖም ኣየጠራጥርን ነዚ እዩ ኸኣ ንነባቢ መለኮት (ታኦሎጐስ) ንቅዱስ ዮሓንስ ናይዚ መጽሓፍ ቃል ትንቢት ዝሕልዉ ብጹእ እዩ ። ክብል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝገለጸሉ ።ራእይ 22፡7

መ) ንኽብሪ ቅዱሳን ዝዝክር ብምዃኑ ቅዱስ ተባሂሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም ብዛዕባ ቅዱሳን መላእኽቲ ብዛዕባ ቅዱሳን ሰማዕታት ብዛዕባ ቤተመቅደስ ብዛዕባ ንዋያተ ቅዱሳት ብዛዕባ ዝተቀደሱ መዓላታት ዝኣመሰሉ ዝዛረብ ስለዝኾነ ቅዱስ ተባሂሉ ።

ሰ) ንዘንበብዎ ንዝሰምዕዎ ንዝኣምኑሉን ዝተሳለምዎን ኹሎም ዝቕድስ ዝባርኽ ስለዝኾነ ቅዱስ ተባሂሉ ።

3. መጽሓፍ ቅዱስ ንምንታይ ይጠቅም ፧

ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሚ ዘርዚርካ ምውዳእ ማለት ማይ ናይ ባሕሪ ብጭልፋ ቀዲሕካ ምውዳእ ማለት እዩ ። ይኹን እምበር ብሓፈሻዊ መልክዑ እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይክኣሉ ።

ቀዳማይ ወዲ ሰብ ክምርሓሉ ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንደቂ ሰባት ናብ ዘለኣለማዊ ድሕነት ክበጽሑ መንገዲ ዝመርሕ እዩ ። ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ክትኣምኑ ኣሚንኩም ውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ክትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ ። ክብል ዮሓ 20፡31 ሓቂ ካብ ሓሶት ብርሃን ካብ ጸልማት ጽቡቕ ካብ ኩፉእ ፈልዮም ይፈልጥሉ ። ቅዱስ ዳዊት ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመገደይ ብርሃን እዩ ። ክብል ዝተዛረቦ ነዚ እዩ ዘረጋግጸልና። መዝ 119፡105 ማህቶተ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንናይ መንፈስ ወዱ ንጠሞቴዎስ እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ክበጽሑ እዮም ።ንስኻ ግና ካብ እኒመን ከምእተመሃርካ ፈሊጥካ ነተን ካብ ቁልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ ኢየሱስ ንምድሓን ከልብማኻ ዝኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ በቲ እተመሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ ።እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምስ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ ፍጹም ምእንቲ ክኸውንሲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ ንተግሳጽ ንምቕናዕ ንጽድቂ ዝኸውን ምእካብ ይጠቅም እዩ ። ብምባል ዘርዚሩ ኣብርሂዎእ እዩ ። 2ይ ጢሞ 3፡13-17

ካብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ትምህርቲ ከምእንርድኦ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድሓን ፡ንፍጹምነት፡ ንጽቡቕ ስራሕ ንምድላው፡ ንትምህርቲ ፡ንተግሳጽ ፡ልቢ ንምቕናዕ ፡ንምኽሪ ከምዝጠቕም እዩ።ካብዚ ብተወሳኺ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ንዝርአ (ንዘብጻሕናዮ) ንቅዲሚት ንዝመጽእ ጥበብ ኩሉ መበገሲ እዩ።ኣብ ዓለም ንዘሎ ጥበብ መበገሲ ምዃኑ ካልእ ንደቂ ሰባት ዝህቦ ጥቕሚ እዩ። ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ ናይ ስራሕ ክፍልታት ንርኣይ፥

ምህንድስና

ሓደ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከሎ ናይ ምህንድስና ፍልጠት ይረኽበሉ ።እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ኖህ ብጥፍኣት ማይ ንርእሱን ቤተሰቡን እንስሳታቱን ከድሕን ብዝተዋህቦ ፍልጠት መርከብ ሰሪሑ ። ኖህ ነዚ ጥበብ ዝረኸቦ ካብ እግዚኣብሔር እዩ ።

ንዓኻ ካብ ኦም ሰፌር መርከብ ስራሕ ።ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ ውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕትራን ለቕልቃ ከምዚ ከኣ ግበራ ምናሕ እታ መርከብ ሰለስተ ሚኢቲ እመት ምግፋሓ ሓሙሳ እመት ቁመታ ድማ ሳላሳ እመት ይኹን። ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቑመቱ መስኮት ግበረላ ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎብኣ ግበሮ ታሕታዋይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ እግበረላ ኢሉ ከመይ ጌሩ ከምዝሰርሕ ገለጸሉ ። ዘፍ 6፡14-16

ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ ሰብ ብዛዕባ ናይ መርከብ ስራሕ ጥበብ ጠቓሚ ፍልጠት ይረክብ ።

ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ኣሰራርሓ ክፈልጥ ዝደሊ ስብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣሰራርሕኡን ጥበቡን ኣብ ውሽጢ ከማልኦም ዝግባእ ክፍልታት ብዝግብእ ይርዳእ ።ዘጸ 25፡8 28፡43 2ይ ዜና 3፡3 4፡22 ዘጸ 36፡1 40፡32 2ይ ነገስ 6፡1-38

ሕክምና

ናይ ሕክምና ጥበብ ንደቂ ስባት ዝሃበ እግዚኣብሔር እዩ ። እግዚኣብሔር ንኖህ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዘድሕኑ መድሓኒታት ከመይን ካበይን ከምዝቕመሙ ካብ ዝነገሮ ግዜ ጀሚሩ ደቂ ሰባት መድሓኒት ክጥቀምሉ ጀሚሮም። ብምድሪ ዕንጸይቲ ከድሕን ኣጋንንቲ ካብ ዘምጽእ ሕማም (ድዌ ዝድሕነሉ ምስ ዘስሕትሉ ንኖህ ሂቡዎ ።ከም ዝተባህለ ኩፋ 10፡7 ካብዚ ንርዳእ መድሓኒት ካብ ኣታኽልቲ ከም ዝስራሕ እዩ ።

ንጉስ ህዝቅያስ ብጣዕሚ ኣብ ዝሓመመሉ ግዜ ንብዩ ኢሰያስ ጽባጥ በለስ ጌሮም ነቲ ዝሓበጠ ይለብጥዎ እሞ ክሓዊ እዩ ኢሉ ነበረ። ኢሰያ 38፡21 ንሳቶም ውን ከምኡ ገበሩ እሞ ንጉስ ህዝቅያስ ሓወየ ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብ ሉቃስ ወንጌል 10፡29-37 ብምሳሌ መሲሉ ብዛዕባ እቲ ርህሩህ ሳምራዊ ክምህር ከሎ ብዛዕባ መድሓኒት ዝተዛረቦ ይርከብ ርህሩህ ሳምራዊ ሸፋቱ ቀጥቂጦም ኣቑሲሎም ገዲፎሞ ዝኸዱ ሰብ ምስ ረኸበ ናብኡ ቀረበ ዘይቲን ወይንን ከኣ ኣብ ልዕሊ ቁስሉ ኣፍሰሰሉ ። ሉቃ 10፡34 እዚ ከኣ ዘይትን ወይኒን ንቁስሊ ዝፍውሱ መድሓኒታት ምዃኖም የርድእ ። ነዚ ከኣ ሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከሎ መድሓኒት ካበይ ከመይን ከምዝቕመም ከምኡውን ኣቃምምኡ ክርዳእ ይኽእል ።

ምምዳርን ዳንነትን

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምምሕዳር ሰፊሕ ትምህርቲ ይርከብ ። ናይ ሊቀ ነብያት ሙሴ ታሪኽ ኣብ ናይ ኦሪት መጻሕፍቲ ምንባብ ንህዝቢ ብትዕግስትን ብርህራሄን ብፍቕርን ከምይ ጌርካ ምምራሕ ከምዝግባእ የርድእ ። ብፍላይ ከኣ ቅድሚ ገዛእ ርእሱ ንህዝቢ የቐድም ከምዝነበረ። ህዝበ እስራኤል ጣኦት ብምላኽ ንእግዚኣብሔር ኣብ ዘሕዘንሉ ግዜ እግዚኣብሔር ንሙሴ ነዞም ሰባት ከጥፍኦም እየ ኢልዎ ። ሽዑ ሙሴ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም እንተ ዘይኮነስ ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍ ሕኸኸኒ ብምባል ንርእሱ በጃ ህዝቡ የሕሊፉ ከምዝሃበ ንርኢ ። ዘጽ 32፡32

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ መስፍን ኢያሱ ታሪኽ ኣብ መጽሓፈ ኢያሱ ናይ ንጉስ ዳዊትን ናይ ጠቢብ ሰለሙንን ታሪኽ ኣብ 1ይን 2ይን ሳሙኤል ነግስትን ዜና መዋዕል ብምንባብ የመሓስርዎ ዝነበሩ ህዝቢ ከመይ ብጥበብ ይመርሑ ከምዝነብሩ ምግንዛብ ይከኣል ።

ንኣብነት ጠቢብ ሰለሙን ኣብ ሓደ ገዛ ዝነብራ ዝነበራ ክልተ ኣንስቲ እታ ሓንቲ ናይታ ካልኣይቲ ቆልዓ ስለዝቐየረትላ ንፍትሒ ናብኡ ኣብ ዝቐረባሉ ግዜ ከመይ ብጥበቡ ከምዝፈረደ ብምንባብ ዳኛታት ከመይ ክፈርዱ ከምዝግብኦም ክርድኡ ይኽእሉ ። 1ይ ነገስ 3፡16-28

ሕርሻ

ኣብ ኩሉ ዘመን ሂወትካ እንጀራ ካብእ ብጻዕሪ ክትበልዕ ኢኻ >> ብኸምዚ ከኣ እግዚኣብሔር ንኣዳም ካብ ኤዶን ገነት ኣውጺእዎ ። ነታ ዝተፈጥረላ መሬት ክሓርስ ምእንቲ ብጻዕሩ ከበልዕ እግዚኣብሔር ንኣዳም ዝሃቦ ትእዛዝ ዘንበበ ኹሉ ሕርሻ ብኸመይን መዓስ ከምዝተጀመረን ይርዳእ ። ዘፍ 3፡17-23

በተወሳኺ ንመሬት ኩሉ ግዜ በብዓመት ካብ ምሕራስ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ከይሓረሱን ከይዘርኡን ናይ ምጽናሕ ትምህርቲ ቅድሚ 3500 ዓመታት ብዘመነ ሙሴ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ መምርሒ እዩ ። ሽዱሽተ ዓመት ንምድርኻ ዝርኣዮ በታ ሳብዓይቲ ዓመት ግና ግደፋ ኣዕርፋ ። ዘጸ 23፡10 እታ መሬት ኣብ ሳብዓይ ዓመት ምዕራፍ ንዝመጽእ ዓመት (ዘመን) እኹል ልሙዕ ሓመድ ከምእትክብ የረድእ ። እዚ ኣብ ዘመናዊ ኣተሓራርሳ ዝድግፍ ክኸውን ከሎ ናይዚ ጥበብ መበገሲኡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ።

ሓደ ሓደ ሃገራት (ሃገርና ኤርትራ ወሲኽካ ) ዝጥቀምሉ ምዕቃብ እኽሊ ኣብ ግዜ ሽግር ዮሴፍ ወልደ ያዕቆብ ዘምሃረና ጥበብ እዩ ። ዘፍ 41፡25-36

ካልኣይ፥- ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝን ፍቓድን ንምፍላጥ እዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሔር ንደቂ ስባት ዝሃቦ ሕጊ ዘረድኦ ብምዃኑ እዚ ምሥጢር ንደቂ ሰባት ብርሃን ዝገልጽ መምህር ስለዝኾነ ጥቕሙ ኣዝዩ ዝዓዘዘ እዩ ።ነዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ምእንቲ ክትሕልዉ ኣብ እቲ ልዕሊ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኹ ካብኡ ኸኣ ከይትንክዩ ብምባል ምስ ምድራውን ምስ ናይ ሰብ ፍቃድ ከይንሕውሶ ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝን ፍቓድን የፍልጠና።ዘጸ 4፡2

ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብሙሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ ።እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ ። እታ እትመስላ ኻልአይቲ ድማ ንብጻይካ ከም ነብስኻ ኣፍቅሮ እያ ። ዝብል ቃል ንናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ የፍልጥ። ማቴ 22፡37-39

ንፍቓዱ ኣመልኪቱ ኸኣ ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣምን ኩሉ ናይ ዘለኣለም ሂወት ምእንቲ ክረብክ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ ።ኣምላኽ ንወዱ ዓለም ብእኡ ክትድሕን እምበር ንዓለም ክፈርድሲ ኣይለኣኸን ።ይብል ዮሓ 3፡16-17

ሳልሳይ ብዛዕባ እግዚኣብሔር መግቦትን ህልውናን ንምፍላጥ

መግቦት ማለት ስልጣን ኣገዛዝኣን ሓለዋን ዘጠቓልል ክኸውን ከሎ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ስልጣን እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ባሕርን መዓሙቕን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ ። መዝ 135፡6 ብተወስኺ ንኢዱ ዝኽልኽል ወይ እንታይ ትገብር ዝብሎ የልቦን። ክብል ናይ እግዚኣብሔር ስልጣን የርኢ ። ዳኒ 4፡3 ኣነ ንነብሰይ በጃ ከሕልፋ መሊሰ’ውን ክወስዳ እየ እሞ ስለዚ ኣቦይ የፍቅረኒ እዩ ።ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳ የለን ።በጃ ከህልፋ ስልጣን ኣለኒ ። መሊሰ ክወስዳ ውን ስልጣን ኣለኒ ። ዝበሎም ንስልጣኑ ዘረድእ እዩ ። ዮሓ 10፡17-18

ብዛዕባ ግዝኣቱ እግዚኣብሔር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቖመ መንግስቱን’ውን ኣብ ልዕሊ ኹሉ ትገዝእ ኣላ። ብምባል እግዚኣብሔር ናይ ኩሉ ግዜ ገዛኢ ምዃኑ የርኢ ። መዝ፡103፡19 እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ነገስታት ጐይታ ጐይቶትውን ክብል ከሎ ናይ እግዚኣብሔር ገዛኢነት ምግላጹ እዩ ። 1ይጥኢሞ 6፡15 ብተወሳኺውን እቲ ገንሸል ግና ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዪ እሞ ክስዕሮም እዩ ።ይብል ራእይ 17፡14

ናይ እግዚኣብሔር ሓለዋ ኣመልኪቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል እግዚኣብሔር ንከተማ እንተዘይሓለዋ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ ። መዝ 127፡1 ከምኡውን እነሆ እቲ ንእስራኤል ዝሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቕስን እዩ ። መዝ 121፡4 ይብል ።

እግዚኣብሔር ጓሳይየይ እዩ ዝጎድለኒ የብለይን ብምባል ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እግዚኣብሔር ሓለዋ ተዛሪቡ ። መዝ 23፡1 ዎ ጓሳ እስራኤል ጽን በል ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ መዝ 80፡1 ።

ቅዱስ ዳዊት እግዚኣብሔር ንዝፈጠሮ ኹሉ ዝገበሮ ምንክባኻብ እቲ ንሰማያት ብደመና ዘጎልብብ ንምድሪ ዝናብ ዘዳሉ ና ኣኽራን ሳዕሪ ዘብቁል ነቲ ንእስሳን ነጨጫዊት ኳኻትን ዝምግብ ብምባል ይገልጾ መዝ 147፡8-9 ናይዚ ዕላአም ፈትእርን መጋብን ንሱ ጥራይ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ይምህር ።

ትዕግስተኛ ኣቦና እዮብ ውን ብባሕርን ብምድርን ብዙሕ ዓይነት ፍጥረታት ፈጢሩ ዘመሓድር እግዚኣብሔር ጥራይ ምዃኑ ይዛረብ እዮ 39፡1-30 ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ዑፍ ዶ ብእስራዮን ይሽየጣ ኣይኮናን ሓንቲ ካብኣተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ ብምባል ንፍሲ ወከፍ ፍጡር ዝብገሮ ሓለዋ የረድእ ። ማቴ 10፡29

4) መጽሓፍ ቅዱስ መን ጺሕፍዎ

መጽሓፍ ቅዱስ ዋንኡ እግዚኣብሔር ክኸውን ከሎ ጸሓፍቱ ግና ካብኡ ዝተላእኹ ቅዱሳን ሰባት እዮም ብዝሖም ካብ ኣርባዓ ንላዕሊ ክኾኑ ከለዉ ካብኦም ሓደ እኳ ብዘይፍቓድ እግዚኣብሔር ኣይጸሓፈን ። ንሳቶም ከኣ ንእግዚኣብሔር ጸሓፉ ዝበሎም ጺሒፎም ንኣብነት ሊቀ ነብያት ሙሴ ጸሓፍ ተባሂሉ ዝጸሓፈ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ ። ዘጸ 17፡14 ዘጸ 34፡31፡13

ነብዩ ኤርምሚያስ ውን እነሆ እግዚኣብሔር ቃላተይ ኣብ ኣፍካ እንብር ኣለኹ ኢሉ ዝተዛረቦ ከምዝጸሓፈ ።ኤር 1፡10

ዝጥቕለል መጽሓፍ ውሰድ እሞ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁድን ብዛዕባ ኩላቶም ህዝብታትን ካብቲ እተዛረብኩኻ መዓልቲ ካብ ዘመን ዮስያስ ጀሚረ ክሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ኹሉ ቃላት ኣብኡ ጸሓፍ ።ተባሂሉ ኤርምያስ ከምዝጸሓፈ ንርኢ ። ብተወሳኺ ነዘን ዝነገርኩኻ ቃላት ኩለን ኣብ መጽሓፍ ጸሓፈን ኢሉ እግዚኣብሔር ንኤርምያስ ከም ዝኣዘዞ ተጻሒፉ ኤር 38፡2 ኤር 30፡2

ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ዝተቐበልዎ ብምባል ዝተዛረቦ ነዚ የረድእ 2ይ ጴጥ 1፡20 ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሓንስ ጸሓፍ ተባሂሉ ከምዝጸሓፎ ክዛረብ ከሎ ንእትርእዮ ኣብ መጽሓፍ ጺሕፍካ ናብ ኤፈሶን ናብ ሰርሜነስ ናብ ጰኢርጋሞን ናብ ትያጥሮን ናብ ሰርዴስ ናብ ፍልድልያም ናብ ሎዶቅያ ኣብ እስያ ናብ ዘለዋ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስትያናት ለኣኽ ኢሉኒ ኢሉ ።ራእይ 1፡11

ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፍዎ ቅዱሳን ሰባት ዝተፈላለየ ስራሕን መነባብሮን ከምኡውን ዝተፈላለየ ዘመን ቦታን ዝነብሩ እዮም ። ይኹን እምበር ኩሎም ጸሓፍ እናተባህሉ ኣብ ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ ዝነበሮም ናይ ስራሕ ናይ ዘመን ናይ ቦታ ፍልልይ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓዲኦም መልእኽቲ ምስቲ ካልእ ዘይጋጮ ምዃኑ ዕጹብ ድንቂ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ የርኢ ።ካብቶም ጸሓፍቲ ካህናት ነብያት ነገስታት ሓረስቶት ይርከብዎም ።

ንኣብነት ካብ ናይ ብሉይ ኪዳን ጸሓፍቲ ኤርምያስ ፡ህዝቅኤል፡ ዘካርያስ፡ ካህናትን ነብያትን ክኾኑ ከለዉ ሳሙኤል፡ኤልያስ ፡ ዳኒኤልን ሆሴዕን ከኣ ነብያት እዮም ። ቅዱስ ዳዊትን ደቁን ከኣ ነገስታት እዮም። ካብቶም 12 ደቂቀ ነብያት ሓደ ዝኾነ ዓሞጽ ሓረስታይ ከምዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ። ኣሞጽ 1፡1

ካብ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ጸሓፍቲውን ክምኡ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ክፍሊ ዝነብሮም ይርከብዎም ። ንኣብነት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሓንስ ገፈፍቲ ዓሳ ኔሮም። ሉቃ 1፡11 እዚኣቶም ኣብቲ ግዜ ዝይተማህሩን በቲ ሕብረተ ሰብ ዝተናዕቑን ኔሮም። ናይ ሉቃስ ወንጌልን ግብሪ ሃዋርያትን ዝጸሓፈ ቅዱስ ሉቃስ ከኣ ሓኪም ኔሩ። ኣብ ቆላ 4፡14 ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ ከኣ ተቐባሊ ቐረጽ ኔሩ ። ማቴ 9፡9

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ዝመረጾም ሓዋርያት ቅድሚ ምጽውዖም ዋላኳ ዘይተማህሩ ይንበሩ ደኣምበር እግዚኣብሔር ዝገለጸሎም ብዝግባእ ጽሒፎም ሚህሮም እዮም። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ኣሕዋተየ ኣብቲ ጻውዒትኩም እሞ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት ብዙሓት ስልጡናት ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን ኣምላኽ ግና ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ከሕፍርሲ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ። ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ከሕፍር ከኣ ኣምላኽ ነቲ ድኹም እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ ። ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ከይምካሕ ውን ኣምላኽ ነቲ ኣነ ገለ እየ ዝብል ከንቱ ምእንቲ ኽገብር ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኮነ ሓረየ ። ብምባል ኣረዲኡ። 1ይቆሮ 1፡26-28

እቶም መጻሕፍቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ምጽሓፎም ሓሊፉ ዝተጻሕፈሎም ቦታታት ከምኡ ዝተፈላለየ እዩ ። ንኣብነት እቶም ሓሙስተ ናይ ሙሴ መጻሕፍቲ ኣብ ሲና ምድረ በዳ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ከኣ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ እስራኤል ቦታታትን ተጻሒፎም፡ናይ ህዝቄል ናይ ዳኒኤልን ናይ መብዛሕትኦም ናይ ደቂቀ ነብያት መጻሕፍቲ ኣብ ስደት ኣብ ባቢሎን ክኸውን ከሎ ናይ ዮዲትን ናይ ኣስቴርን መጻሕፍቲ ኸኣ ኣብ ፋርስ ዝተጻሕፉ እዮም ።

ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ከኣ ናይ ቅዱስ ጴሮስን ሓደ ሓደ ናይ ቅዱስ ጳውሎስን መልእኽትታትን ኣብ ሮም ከተማ ከምኡውን ኣብ ካልኦት ቤት ማእሰርቲ ናይ ዮሓንስ ራእይ ከኣ ኣብ ፍጥሞ ማሕዩር ዝተጻሕፉ እዮም ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝገብሮ ብኸምዚ ብዝተፈላልየ ዘመንን ቦታን ዝተጻሕፉ እኩባት መጻሕፍቲ እንተኾነ’ኳ መልእኽቱ ግና ዘይተመዛበለ ርቱዕ፡ ቀጥተኛ ናይ ሓደ ሓሳብ ምስቲ ኻልእ ዝሳማማዕ ምዃኑ እዩ ።


መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ ተጻሒፉ ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ 1400 ዓ.ዓ ክሳዕ 400 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ዘመን እዩ ተጻሒፉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ዘመን ኣብ ሓደ ቦታ ብሓደ ሰብ ተጻሒፉ ዝተወድአ ኣይኮነን ።መጽሓፈ ሄኖክ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 4014 ዓመት ተጻሒፉ። ኩሎም መጻሕፍቲ ከም ፍልልይ ግዚኦም ድማ ኣጸዋውዖኦምን ጽሑፋቶምን ዝተጻሕፍሉ ቦታታትን ዝተፈላለዩ እዮም ።ግናኸ ዋላኳ በዚ መልክዕ እዚ እንተተፈላለዩ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም ስለ ዝጸሓፍዎ ናይ ሓሳብ ምግርጫው የብሉን ።1ይጵጥ 2፡21

ንኣብነት ካብ ጸሓፍቱ ንምጥቃስ ፥

ሰለሙን ንጉስ ኔሩ 1ይ ነገስ 1፡1

ህዝቄል ካህን ኔሩ ህዝ 1፡1

ኣሞጽ ጓሳ ኔሩ ኣሞ 1፡1

ማቴዎስ ቀራጺ ኔሩ ማቴ 9፡9

ሉቃስ ሓኪም ኔሩ ቆላ 4፡14

ኣብ ላዕሊ ከምዝተገልጸ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ቅዱሳን ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ዓይነት ዝተዋፈሩን ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ቦታን ዝነብሩ ዝነበሩ እዮም።

5) መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ብምንታይ ቋንቋ ተጻሒፉ ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ብእብራይስጥ ቋንቋ ተጻሒፉ። ዋላኳ እቲ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ (ብሉይ ኪዳን) ብእብራይስጥ ቋንቋ እንተተጻሕፈ ክሳብ ሓሙሻይ ሚኢቲ ክፍለ ዘመን ብሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተጻሒፉ እዩ።





1) ብሶርያ

2) ብናይ ጥንት ላቲን (ቮልጌት)

3) ብቅብጥ (ኮፕት)

4) ብኤርትራ (ግእዝ)

5) ብኣርመን

በዞም ኣብ ላዕሊ ዝረቋሕናዮም ቋንቋታት ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ። ምኽንያቱ ካብቲ ዋና ናይ እብራይስጥ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝተቐድሐ (ስለዝተገልበጠ)፥

ብ1525 ዓ.ም ቴንዳይል ዝተባህለ እንግሊዛዊ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብእንግሊዘኛ ተርጒምዎ። ብ1534 ዓ.ም ሉተር ናብ ቋንቋ ጀርመን ተርጒምዎ። በዚ ኩነታት መጽሓፍ ቅዱስ በብቋንቋኡ እንዳተቐድሐ ኣብዚ እዋንዚ ካብ 1500 ንላዕሊ ዝኾኑ ቋንቋታት ክጸሓፍ በቂዑ።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ቋንቋ ናብ ቋንቋ

ኣብ ብሉይ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ መጀመርያ ካብ ዝተጻሕፈሉ ካብ ቋንቋ እብራይስጥ ናብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክትርጎም ክኢሉ። ካብ ናይ ብሉይ መጻሕፍቲ ትንቢት ዳኒኤል ብቋንቋ ኣራማይክ እዩ ተጻሒፉ።

ኣብ ግእዝ ከምኡውን ኣብ ናይ እንግሊዘኛ ናይ ብሉይ ኪዳን መጻሕፍቲ ሓደ ሓደ ቃላት ብቕጥታ ካብ እብራይስጥ ተወሲዶም ይርከቡ ። ንኣብነት ኤልሻዳይ ኩል ዝኽእል ኣምላኽ፡ ያህዌህ ይርኢ እግዚኣብሔር ይርኢ ናይ መሪባ ጠብ ቤቴል ናይ እግዚኣብሔር ገዛ፡ ማህናይም ናይ ክልተ ሰራዊት ሰፈር፡ ኤቤንኤዘር እግዚኣብሔር ረድኢና፡ ጐይታ ጻባኦት ናይ ሓያላን ጐይታ፡ ሃሌሉያ ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ ዝብሉ ይርከብዎም ።

እዚ ካብ ዘመነ ብሉይ ዝጅምር እዩ።ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ምትርጓም ንእግዚኣብሔርን ንፍቓዱን ወይ ከኣ ትእዛዙን ንምፍላጥ ፍሉይ ኣስተዋጽኦ ጌሩ እዩ ። ብርግጽ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከይነብሩ ሃይማኖት ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር ብዙሓት ንኽጥቀሙሉ ኣይተዓደሉን።ስለዚ ከኣ እግዚኣብሔር ንጸሓፍቲ እንዳለዓዓለ ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣቢሉ ፍጥረቱ መንነቱ ንኽፈልጡ ከምኡውን ክገብርዎም ዝግብኦም ክፈልጡ ገበረ። በዚ ምኽንያት መጀመርያ ዝተጻሕፉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብቋንቋ እብራይስጥ ጥራሕ ስለ ዝነበረ ንኻልእ ህዝብታት ምእንቲ ክበጽሕ ተርጎምቲ መጻሕፍቲ ኣለዓዒሉ ።

መብዛሕትኡ ናይ ሓዱሽ ኪዳን መጻሕፍቲ ብቋንቋ ግሪኽ እዩ ተጻሒፉ ። ወንጌል ዝብል ቃል ኣንገልሊዎን ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝወጸ ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ኸኣ ናይ ብስራት ማለት እዩ። ይኹን እምበር ካብ ናይ ሓዱሽ ኪዳን መጻሕፍቲ ወንጌል ማቴዎስ ብእብራይስጥ ናይ ማርቆስ ወንጌል ከኣ ብላቲን (ብሮማይስጥ) ቋንቋ ተጻሒፉ ።እዚ ኣብ ግዜኡ ብገፊሕ ዝዝረብ ዝነበረ ቋንቋ ብምዃኑ እዩ። ኣይሁድ ንጐይታናን ድሕሪ ምስቃሎም ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉስ ኣይሁድ ንዝብል ዓረፍተ ነገር ዝጸሓፍዎ ብስለስተ ቋንቋ እዩ።

ቀዳማይ ብእብራይስጥ ክኸውን ከሎ ናይታ ሃገር ሰባት ቋንቋ ብምዃኑ ካልኣይ ሮማይስጥ (ላቲን) ክኸውን ከሎ ኣብቲ እዋን ሮማውያን ንእስራኤል የመሓድርዎ ስለዝነበሩ። ሳልሳይ ግሪክ (ጽርዕ) ምዃኑ ግን ኣብቲ ግዜ ብገፊሑ ዝንገር ቋንቋ ስለዝነበረ እዩ። ዮሓ 19፡20

ዋላኳ ሓደሓደ መጽጻሕፍቲ ኣቐዲሞም ብቋንቋ ላቲን ተተርጒሞም ከምዝነበሩ ዝንገር እንተኾነ ኣብ ራብዓይ ክ.ዘመን ( ኣብ ዘመነ መንግስት ሄረዲሞስ ብ366 ከም ኣ.ፈ ) ዝተላዕለ)ዓቢ ናይ ቤተክርስትያን ኣቦ ኣባጅሮም ናብ ኢዮርሳሌም ተጓዒዙ ን40 ዓመታት ናይ እብራይስጥ ናይ ግሪክ ቋንቋታት ብዝግባእ ኣጽኒዑ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቬልጌት ተርጒምዎ እዩ ። ትርጉሙ ከኣ ቮልጌት ብምባል ይፍለጥ ።ቮልጌት ኣብ ሮም ዝነብሩ ዝነበሩ ቩልጌስ እናተባህሉ ዝጽውዑ ሰባት ቋንቋ እዩ (ሄርኒመስ ) ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ቩልገስ ቋንቋ ናብ ላቲን እናተርጎሞ ኸሎ ዓሪፉ። እቲ ንሱ ዝጀመሮ ብድሕሪኡ ዝተላዕሉ ሰባት ከምዝፈጸምዎ ይንገር።

ካብኡ ካብ ላቲን ናብ ጥንታዊት ናይ ጀርመን ቋንቋ ጐቲክ ተተርጒሙ ኣብ መበል ዓስርተ ሽዱሽተ ክፍለ ዘመን ዝተላዕለ ማርቲን ሉተር ኣቅበሉን ዝበሉ እቲ ካብ ናይ ኣቦ ጅሮም ትርጉም ዝተመልሰ ናይ ጐቲክ ትርጉም እዩ ። ሃገርና ኤርትራ ኸኣ ናይ ሓዱሽ ኪዳን መጻሕፍቲ ቅድም ኢላ ከዝረኸበቶ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ 4ይ ሚኢቲ ክፍለ ዘመን ብኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣቢሎም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ግእዝ ተተርጒሞም እዮም። ካብኡ ኣብ 5ይ ሚኢቲ ክፍለ ዘመን ናብ ሃገርና ብዝኣተዉ ዝመጹ ተስኣቱ ቅዱሳን ኣቢሉ ምሉእ ብምሉእ ናይ ሓዱሽ ኪዳን መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ግእዝ ተተርጒሞም እዮም።

ሶርያ ኸኣ ናብ ሱርሱት ቋንቋ ዝተተርጎሙ ብዙሓት ቅዱሳን መጻሕፍቲ ከምዝነበራ ይንገር ኣብ 5ይ ክፍለ ዘመን ናይ ሮሃ ኤጲስቖጶስ ዝኾነ ራቡለን ናይ መንበግ ኤጵስቆጶስ ዝነበረ ፊሊክስዮስ ኣብ 7ይ ሚኢቲ ክፍለ ዘመን ከኣ ቶማስ ዘሄራክልያ ኣብ ሃገሮም ኣብ ሶርያ ንዝነበሩ ትርጉማት ብምስትኽኻል ይፍለጡ። ኣብ ኣርመንያ ቅዱስ ሚስሮንን ቅዱስ ሳህክ ካብ 3ይ ክሳብ 4ይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ኣርመን መሊሶም እዮም።

ናይ ፕሮቴስታንት መስራቲ ዝኾነ ማርቲን ሉተር መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ናብ ቋንቋ ጀርመን ምስ ተርጎሞ ዳሕራይ ኣብ ኤውሮፓ ዓቢ (ኣመላኻኽታ) ሽግር ተፈጢሩ ። ብፍላይ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ፕሮቴስታትን ዘይምርድዳእ እናሓየለ ከደ። እዚውን ሉተር ናይ ኣባ ጅሮም ትርጉም ኣይቅበልን ኢሉ ብናቱ ክምራሕ ስለዝጀመረ እዩ ።

ካብኡ ብ1525/26 ዓ.ም ቴንዳሎ ዝተባህለ እንግሊዛዊ ዝተወሰኑ መጻሕፍቲ ናብ እንግሊዘኛ ተርጒሙ ። ካቶሊክ ከኣ ተንዳሎ ንሉተር ተኸቲሉ ዝተርጎሞ ብምዃኑ ተቓወምዎ። ንዕኡውን ብ1536 ብኣ.ፈ መናፍቅ እዩ ኢሎም ቀተልዎ ።ናይ ተንዳሎ ተኸታሊ ዝነበረ ኮቨርዳቤ ናይ መምህሩ ስራሕ ወዲኡ ኣብ 1539 ብኣ.ፈ ናይ ማቴዎስ መጽሓፍ ቅዱስ(Mattew bible) ኢሉ ኣሕተመ ብ1552 ብኣ.ፈ ናብ ናይ ስልጣን መንበር ዝመጸት ጓል ንጉስ ሄንሪ ንግስት ሜሪ ኣኽራሪት ካቶሊክ ብምዃና ተቓወመት። ካብኡ ብ1568 ከኣ (the bishops bible)ብንግስቲ ኤልሳቤጥ ዘመን ተሓትመ። ብ1610 ኸኣ (the douay rbiems bible) ዝተባህለ ምስ ናይ ላቲን ትርጉም ዝመሳሰል ንካቶሊክ ኣብ ፈረንሳይ ተሓትመ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ድሕሪ ምሟታ ብ1603 ንጉስ ጀምስ ብ1604 ዝተመሓየሸ ናይ ኢንግሊዝ ትርጉም ንኽሕተም ሓደ ግሩብ ኣቋቒሙ በዚ መስረት ናይ ዱወይ ራይምስ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተሓትመ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብ1605 ስርሑ ተጻፊፉ ንሕትመት በቐዐ ።





ካልኣይ ክፋል ይቕጽል. . .

ምንጪ ፣ ቤተ ክርስትያን ሓመረ ኖህ ኪዳነምሕረት ናይሮቢ!!












































No comments:

                     በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን             ቅዱስ ሚካኤል  ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኵሎም መላእኽቲ ሓለቓ ኾይኑ ብፍላይ ከኣ ናይ ኃይላት ሓለቓ...