Wednesday, July 17, 2019


                ጉባኤ ኬልቄዶን (451) ራብዓይ ክፋል 



     ምክፍፋል ቤተ ክርስትያን


ናይ ኣውጣኪ ክሕደት ንምእራም ወይ ነቲ ከሓዲ ንምውጋዝ ብ449 ዓ.ም. ኣብ ኤፌሶን ናይ ዝተኣከበ ጉባኤ ሓላፊ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስትያን መራሒ ነበረ። እቲ ኣኼባ ብሊቀ መንበርነት ንኽመርሕ ንቅዱስ ዲዮስቆሮስ መጸዋዕታ ዝለኣኸሉ ቴዎዶስዮስ ንጉስ ዘይንእስ ብመሰረት እዚ ጉብኤ ተኻይዱ ኣውጣኪ እምነቱ ንኽገልጽ ምስ ተሓተ ናቱ እምነት ካብ ናይ ጉባኤ ኒቅያ ዝተኣከቡ ኣቦታትን ካብ ናይ ቅዱስ ቄርሎስ ትምህርት ዝተፈልየ ዘይምዃኑ ስለ ዝገለጸ ካብ ውግዘቱ ተፈቲሑ ናብ ናይ ቀደም ስርሑ ንኽምለስ ጉባኤ ወሰነሉ ።
በዚ ናይ ጉባኤ ውሳኔ መስረት፡ ናይ ቊስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳሳት ፍልፕያኖስ ካልኦት’ውን ብንስጥራዊ እምነቶም ተወጊዞም ። ካብ ሽዑ ግዜ በዓል ፍልፕያኖስን ካልኦት ንስጢሮሳውያንን ምስ ናይ ሮማ ቤተ ክርስትያን መራሒ ልዮን ሓድነት ብምፍጣር ኣብ ሊዕሊ ዲዮስቆሮስ ናይ በቐል ስጉምቲ ዝወስድሉ መንገዲ ክደልዩ ጀመሩ ። ነዚ ሓሳባቶም
እዚ ንምስላጥ ዝሓገዞም ኩነታት ድማ፡ ቀዳማይ ኣውጣኪ ናብ ናይ ቅድም ናይ ክሕደት ትምህርቱ ተመልሱ ምርካቡ እዩ ። ኮይኑ ከኣ ብማእከልነት ዲዮስቆሮስ ዝተኻየደ ጉባኤ ትኽክልነት ዝምርምር ካልእ ጉባኤ ክእከብ ኣለዎ ። ኢሎም ደጋጊሞም ዝሓተትዎ ሕቶ ንጉስ ቴዎዶስዮስ ውሳኔኡ ትኽክልን ቅኑዕን ስለ ዝኾነ ካልእ ጉባኤ ኣድልዪ ኣይኮነን ብምባል ንሕቶኦም ክሳብ ብሕይወት ዝነበረሉ ጊዜ ውዱቕ ብምግባር ኣይተቀበሎምን ።
ብ450 ዓ.ም. ንጉስ ቴዎድስዮስ ወራሲ ወዱ ዘይብሉ ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ፡ ብርክልያ ሓውቱ ካብ ኣሕሉቕ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓደ መርቅያኖስ ኣእቲዋ ንዝፋኑ መንበር መንግስቱ ወረሰ። ሰብኣይንን ሰበይትን ከኣ ብእምነት ንስጥሮሳውያን ስለ ዝነበሩ ንናይ ዲዮስቆሮስ ተቓወምቲ ጥጡሕ ባይታ ተፈጥረሎም ።
በዚ መሰረት እዚ፡ ብ451 ዓ.ም. ኣብ ኬልቄዶን ዝተኣከበ ጉባኤ መብዛሕቲኦም ኣባላት ንስጥሮሳውያን ኣብ ቅድሚ ዝነበርሉ ጉባኤ ዲዮስቆሮስ ናይ ኣውጣኪ ክሕደት ተኸታሊ እዩ ዝብል ክሲ ተመስሪትዎ ዓቢይ ክርክር ተላዕለ ። እዚ ክሲ እዚ ቀዳማይ ገርካ ምቑጽጻር ፡ካልኦት ዝተፈላለዩ ክስታት እውን ቀሪቦ ነይሮም እዮም። ቀደሙ ውን እንተ ኾነ ናይቲ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ሊዕሊ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ናይ በቐል ስጉምቲ ንምውሳድ እዩ ዝነበረ። ኣብ ይማኖታውያን ሰባት ዘይትጽበዮ ብተንኮል፡ ብሓደ ወገን ካብ ቤቱ ንኸይወጽእ ብዋርድያ ኣሓልዮም፣ብኻልእ ወገን ከኣ ጸዊዕናዮ ከይመጽአ ተሪፉ ንምባል መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎምሉ፣ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኣብ ዘይብሉ ብጠርናፊ ዘይብሉ ጉባኤ ኣብ ሊዕሊ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ዝደለይዎ ውሳኔኦም ምስ ኣቃንዑ ግን ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኣብ ኣኼባ ንኽርከብ ደልዮም ነይሮም ። ንሱ ግን ኣብ ጠርናፊ ማእከልነት ዘይብሉ ጉባኤ ንምርካብ ፍቓደኛ ኣይኮነን ።
ድሕሪ እዚ ንንጉስ ውሳኔኦም ኣእሚኖም ንድዮስቆሮስ ጋግራ ኣብ ዝተባህለ ደሴት ከም ዝሕየር ገበሩ ። ክሳብ ዕለተ ሞቱ ዝተረፈ ዘመነ ሕይወቱ ድማ ኣብዛ ጋግራ ዝተባህለት ደሴት ብምሕያር እዩ ዘሕለፎ። ናይ ኬልቄዶን ጉባኤ፡ ሕገ ኣልቦነት ውሳኔ ካብ ዘይተቐበሉ ወገን ናይ ግብጺ፣ ናይ ኢዮርሳሌም፣ ናይ ሶርያን ኣርመንን ኣብያተ ክርስትያናት ይርከባ ።በዚ ነገር እዚ ናይ ምብራቕን ናይ ምዕራብን ኣብያተ ክርስትያናት ወገናዊነት ዝተኸተለ መጸዋዕታ ዓለም ለኻውነት ምባል ተሪፉ፡ ሓንቲ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን ናብ ክልተ ተኸፍለት ።
ናይ ምዕራባውያን ወገናት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ባሕርይን ሓደ ፍቓድን ጥራሕ ኣለዎ ኢልካ ምእማን ንናይ ኣውጣኪ ክሕደት ምስዓብ እዩ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብ ክልተ ባሕርይ ክልተ ፍቓድ ዝብል እምነት ክጸንዑ ከለዉ፦ ምብራቓውያን ወገናት ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ብሓርይ ክልተ ፍቓድ ኣለዎ ኢልካ ምእማን ናይ ንስጥሮስ ክሕደት ምኽታል ምሓዝ እዩ ብምባል ኣብ ሓደ ባሕርይን ሓደ ፍቓድን ሓደ ኣካልን ዝብል እምነት ጸንዑ።
ክልቲኦም ወገናት እነቶም ንምግላጽ ኢሎም በብወገኖም ዘቕረብዎ ናይ መከራኸሪ ሓሳባት እዞም ዝስዕቡ እዮም ።
ምዕራባውያን ወገናት ክልተ ባሕርይ ክልተ ፍቓድ ዝብልሉ ምኽንያት ክገልጹ ከለዉ ምንም እኳ መለኮትን ትስብእትን ከም ዝተወሃሃዱ ዝእመን እንተኾነ እዚ ተዋህዶ እዚ ብዘይ ምትሕውዋስን ምፍላስን ክሳብ ዝኾነ ክልተ ብሕርይ ክልተ ፍቓድ ደኣ ንብል እምበር ሓደ ባሕርይ ጥራይ ክንብል ኣይግባኣናን እዩ ፣እንተ ዘይኮይኑ ኣውጣኪ ንምንታይ ተወጊዙ ኢሎም ይሓቱ ።
ምብራቓውያን ወገናት ድማ ኣውጣኪ ዝተወገዘሉ ሓደ ብሕርይ ሓደ ፍቓድ ሓደ ኣካል ኣብ ዝብል እምነት ብምጽንዑ ዘይኮነስ ፡ ትስብእት ምስ መለኮት ብምሕዋስን ምውሓጥን ጠፊኡ ናይ መለኮት ባሕርይ ጥራሕ ተሪፉ ብምባሉ እዩ ኢሎም መብርሂኦም ይቕጽሉ እሞ መልኮትን ትስብእትን ተወሃሂዶም ምስ ተባህለ ድሕሪ ምውህሃዶም ሓደ ባሕርይ ሓደ ፍቓድ እምበር ክልተ ምባል ግቡእ ኣይኮነን ። እንተ ዘይኮይኑ ንስጥሮስ ንምንታይ ተወጊዙ ኢሎም ይሓቱ ።
ምዕራባውያን ወገናት ናትና ሃይማኖት ዓለም ለኻዊ እዩ ንምባል ካቶሊክ ፡ ምብራቓውያን ወገናት ድማ ትኽክለኛ ቅኑዕ ሃይማኖት ናትና እዩ ንምባል ኦርቶዶክስ ዝብል ስም መጸዋዕታ መሪጾም ንሓንሳብን ንመጨረሻን ጊዜ ከፈላለዩ ከለዉ ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንስጥሮሳዊት ኢላ ኣውጊዛታ፡ ካትሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከኣ ንኦርቶድክሳዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ኣውጣኪ እምነት ሰዓቢት ኢላ ኣውጊዛታ።እዚ ኣበሃህላ እዚ ከም ሓቂ ተቖጺሩን ተኣሚንሉን ኣብ ክልቲአን ኣብያተ ክርስትያን ዝነብር ዘሎ ታሪኽ እዩ።ናይ ኬልቄዶን ጉባኤ ቅንዕናን መንፈሳውነትን ዝጐደሎ ኣብ ሊዕሊ ምዃኑ ድሕሪ እዚ ሓደ ሓደ ቅኑዕ ሓሳባት ዝነበሮም መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ፡ ነዚ ሽግር እዚ ብዘተን ስምምዕን መፍቲሒ ተረኺብሉ ፡ ናይ ቅድም ናይ ቤተ ክርስትያን ሓድነት ንኽምለስ ፈተነ እንተ ገበሩ እኳ ንሓሳባቶም ዝድግፍ ሰብ ተሳኢኑ ተሪፉ ፡ ጽልእን በቐልን ምንዕዓቕን ምንቕቓፍን ምቕጻሉ ንናይ ክርስትና መሰረታዊ ዕላማ ዝቃወም ተግባር እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ዘይርሳዕ ሓደ ጸሊም ነጥቢ ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ጐይታ ኣብዛ ዓለም ከም ሰብ ኮይኑ ነይሩ፣ ከም ሰብ ጸሎት ኣብ ዝጸለየሉ ግዜ ምእንቲ ምእመናን ማለት ምእንቲ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ምጽላዪ ኣብ ዮሓ. 17፡20-23 ክንምልከት ንኽእል ።


          ኣርባዕተ ጉባኤ ብሓጺሩ ነዚ ይመስል !


     ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል 
         ወለወላዲቱ ድንግል 
         ወለመስቀሉ ኩቡር 
            ኣሜን !!!! 


      ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) ሳልሳይ ክፋል 



ምኽንያት ጉባኤ ኤፌሶን ናይ ቢላግዮስን ናይ ንስጥሮስን ክሕደት እዮም ።

ቢላግዮስ ፡ እዚ ሰብ’ዚ ብ405 ዓ.ም. ኣብ ብሪታንያ ዝተወልደ ክኸውን ከሎ ናብ ሮምን ናብ ፍሊስጥኤምን ብዙሕ ግዜ ተመላሊሱ እዩ ።ኣብኡ ምስ መንኮሰ ኸኣ ናይ ክህነት መዓርግ ተቐበለ ።
ናይዚ ሰብዚ ክሕደት እዚ ዝስዕብ እዩ። ናይ ኣዳም ሓጢኣት ናብ ደቁ ኣይተመሓላለፈን ፣ ሓደ ሰብ ክውለድ ከሎ ኣዳም ኣብ ሓጢኣት ቅድሚ ምውዳቑ ብዝነበሮ ኰይኑ ይውለድ ። ምስ እዚ ድማ ሓደ ሰብ ብናይ ተፈጥሮ ባሕርይ ብድልየቱ ናብ ዝለዓለ ናይ ቕድስና ደረጃ ዝበጽሕ ረዲኤት እግዚኣብሔር ብዘይ ምድላይ እዩ ኢሉ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ጐይታ ምእንቲ ድሕነትና ሰብ ኮይኑ ንዝተዋረዶ ክብሪ ዘየውህብ እዩ ፣ንናይ ክርስቶስ ደም፡ ክብሪ ዝቕንስን ነዞም ዝስዕቡ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጥቕስታት ዝቃረንን እዩ ።
እንሆ ብዓመጻ ተጸንስኩ ኣደይ ከኣ ብሓጢኣት ወለደትኒ(መዝ 51፡3)
ብሰሪ ሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፣ ብሓጢኣት ምኽንያት ውን ሞት መጸ፣ ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ተመሓላለፈ (ሮሜ 5፡12 )
ብምኽንያት ኣዳም ኩሉ ሰብ ከም ዝመውት ከኡ ኸኣ ብክርስቶስ ምኽንያት ኩሉ ሕይወት ይረክብ ።(1ይ ቆሮ 15፡22)
ብዓለም ለኻዊ ናይ ኤፌሶን ጉባኤ ክሳዕ ዝውገዝ እዚ መናፍቕ እዚ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ካብ ሃገር እናተዛዋወረ ምስፍሕፋሕ ቀጸለ።
መናፍቕ ፓትርያሪክ ንስጥሮስ ንናይ ኤፌሶን ጉባኤ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ናይ ንስጥሮስ ክሕደት እዩ ። ንሱ ናይ ጐይታ ክርስቶስ መልኮትን ናይ እመቤታችን ናይ ኣምላኽ ወላዲትነትን ዝኸሓደ እዩ ። ናይ ክሕደት ትምህርቱ ከምዚ ዝብል እዩ፡ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ቅድሚ ኩሉ ዝነበረ ምዃኑ ይኣምን እየ። ማርያም ኣደ ኣምላኽ እያ ማለት ግን ኣይኣምንን። ኣደ ክርስቶስ ምዃና ኣይከሓድን፣ ነገር ግን ንትስብእቲ ንስጋ እዩ እግዚኣብሔር ኣይወለደትን። ነገር ግን ካብ ስጋ ዝተወልደ ስጋ እዩ ፣ካብ መንፈስ ዝተወልደ ከኣ መንፈስ እዩ ። ፍጡር ኮይኑ ዝወለደቶ ናይ እግዚኣብሔር መሳርሒ ዝኾነ ሰብ ደኣሉ እምበር ፈጣሪ ኣይኮነን። በዚ መሰረት ንጐይታ ክልተ ባሕርያትን ክልተ ኣካልን ክልተ ፍቓድን ድልየትን ኣለዎ። ብናቱ ኣበሃህላ ሰብኣ ሰገል ንሕጻን ጐይታ ኢየሱስ ምስጋዶም ስሕተት እዩ፣ ምኽንያቱ ብናቱ እምነት፡ ሕጻን ጐይታ ኢየሱስ መለኮት ዘይተዋሃሃደ ሰብ ስለ ዝኾነ ።(ማቴ 2፡11)
ነዘን ክሕደታት እዚአን ንምርኣይ ብቴዎዶስዮስ ዘይንእስ ዘመነ መንግስት ብ431 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኤፌሶን 200 ኣባላት ኤጲስ ቆጶሳት ዝተረኽብዎ ጉባኤ ናይቲ ጉባኤ ኣካቢ ወይ ጠርናፊ ናይ እስንድርያ ሊቀ ጳጳስ ዓቢይ ቄርሎስ ነይሩ ።
ጉባኤ ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ ማለት ኣብ ኣኼባ ንኽርከብ ብንጉስ ዝተወከለ በዓል ስልጣን ምስ ንስጥሮስ ብምምሽጣር፡ ናይ ምሽጋር ፈተነ ድሕሪ ምግባሩን፡ ንንስጥሮስ ከኣ እንደገና ኣብ ጉባኤ ንኽርከብ ዝቐረበሉ መጸዋዕታ ንምቕባል ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ ኣብ ዘለዎ ከሎ ምስ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ተወጊዙ። ከምኡ’ውን ናይ ብላግዮስ ክሕደት ኣውጊዞም ።
ንካሓደቲ ካብ ክህነቶም ብምስዓርን ካብ ሕብረተ ሰብ ምፍላይን ፍርዱ ዝሃበ ጉባኤ ናይ ክርስቶስ መልኮትን ትስብእትን ብዘይምትሕውዋስን ብዘይ ምፍልላይን ድሕሪ ምውሃሃዶም፡ ጐይታ ሃደ ኣካልን ሓደ ብሕርይን ዘለዎ ምዃኑን፡ እግዝእትነ ማርያም ከኣ ኣደ ኣምላኽ ምዃና ብምእማን፡ ናይ እምነት ቆኖና መቕድም ውሳኔ ኣሕሊፉ ።እዚ ናይ እምነት ቀኖና መቕድም እዚ ዝስዕብ እዩ ።
ኦ ናይ ሓቀኛ ብርሃን ኣደ ነኽብረኪ ኢና፣ መጺኡ ነብስና ነዘድሓነ ናይ ኩሉ ዓለም መድሓኒት ስለ ዝወድክልና ኦ ቅድስት ድንግል ኣደ ኣምላኽ ነመስግነኪ ኣሎና።
ናይ ሓዋርያት መመክሒ ፣ ናይ ሰማዕታት ኣኽሊል፣ ናይ ቅዱሳን ዕረፍቲ፣ ናይ ቤተ ክርስትያን መሰረት፣ ዝኾንካን ፣ኃጢኣትና እትሰሪ ጐይታናን ንጉስናን ክርስቶስ ክብሪ ንዓኻ ይኹን ።ስለ ስሉስ ቅዱስ ንሰብኽን ንምህርን፣ ንሓደ መለኮት ንሰግድን ነኽብርን፣ ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና፣ ኦ ጐይታ ባርኸና፣ ኣሜን ።
እዚ ጉባኤ እዚ ሸሞንተ ቀኖናታት ሰሪዑ ኣቚሙ ኣብ ፍትሐ መንፈሳዊ ከኣ ተጻሒፉ ኣሎ።
ካልኣይ ጉባኤ ኤፌሶን (449 ዓ.ም.)
ናይ ኣውጣኪ ክሕትን ናይ ንስጥሮስ ክሕደትን ናይ ብዙሓት ኣተሓሳስባ ካብ መስመሩ ከም ዝውጽእ ገይሩ እዩ ።ንሓደ ሓደ ካብ ናይ ኣትናቴዎስን ቄርሎስን ትምህርቲ ተቓራኒ ዝኾነ፡ ናብ ናይ ክልተ ባሕርይን ክልተ ድልየትን ፍቓድን ዝብል ትምህርቲ ከም ዝስዕቡ ክገብር ከሎ፡ ንኻልኦት ከኣ በንጻሩ ናይ መለኮትን ትስብእትን ምውህሃድ ብምጥፋእን ብምትሕውዋስን፡ ትስብእት ጠፊኡ፡ መለኮት ጥራሕ ተሪፉ”ናብ ዝብል ክሕደት ወሲድዎም ።ነዚ ካልኣይ ክሕደት ዝሰዓበ ከኣ ኣውጣኪ ዝተባህለ ሰብ እዩ።
እዚ ኣውጣኪ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ጥቓ ቚስጥንጥንያ ዝርከብ ናይ ሓደ ገዳም ሓላፍን ንሃይማኖት ከኣ ብጣዕሚ ቀናኢ ከም ዝነበረ ይንገረሉ ። ንናይ ንስጥሮስ ክሕደት ብጣዕሚ ካብ ምጽልኡ ዝተላዕለ በቲ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ንምጅማር ዝገበሮ ናብ ዝገደደ ክሕደት ኣምርሐ ።ናይ ትስብእት ባሕርይ ብናይ መለኮት ባሕርይ ተዋሒጡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ዝተሓዋወሰ ጠባይ ባሕርይ ኣለዎ ኢሉ።ኣብ ግዜኡ ናይ ቊስጥንጥንያ ፓትርያሪክ ዝነበረ ፍሊፕያኖስ ብናይ ክልተ ኤጲስ ቆጶሳትን ብናይ ሳላሳን ሰለስተን ናይ ገዳማት ኣሕሉቕን ጉባኤ ባዕሉ ብዝገበሮ ኣኼባ ጉባኤ ገይሩ ንኣውጣኪ ኣውጊዙ ካብ ናይ ገዳሙ ሓላፍነት ዝስዕርን ናይ ንስጥሮስ ክሕደት ንምሕዳስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክለተ ባሕርይን ክልተ ፍቓድን ከም ዘለዎ ዝገልጽ ውሳኔ ኣሕለፈ ።ኣውጣኪ ግን ናብ ንጉስ ቴዎዶስዮስ ዘይንእስን ናብ ናይ ሮማ ኤጲስ ቆጶስ ልዮንን ይግባይ ስለ ዝበለ ናይ ጉባኤ ትኽክልነት ዝምርምር ኣኼባ ንኽግበር ንጉስ ብዝኣዘዞ መሰረት ኣኼባ ተገይሩ። ኣብ ስምምዕ ስለ ዘይበጽሐ ብዘይ ገለ ውሳኔ ተበተነ። እቶም ናይ ጉባኤ ኣባላት መብዛሕትኦም ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ዝነበሩ እዮም እሞ ቅድም ኣብ ሊዕሊ ንስጥሮስ ዘሕለፍዎ ውሳኔኦም ናይ ምልዋጥ ዝንባሌ ኣርኣዩ ።እቲ ንጉስ ከኣ ናይ ይግባይነት ጉባኤ ወሳንነት ምስአን ርእዩ ፡ ዓለም ለኻዊ ናይ ቤተ ክርስትያን ጉባኤ ንኽእከብ ወሲኑ ትእዛዝ ኣሕሊፉ። ሽዑ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስትያን መራሒ ንዝነበረ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ እቲ ጉባኤ ብናቱ ኣካቢነት ኣኼባ ንኽካየድ መልእኽቲ ኣመሓላለፈሉ ።
ብወርሒ ነሓሰ 449 ዓ.ም. 130 ኤጲስ ቆጶሳት ኣባልነት ብዘለዎ ብቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኢቀ መንበርነት ጉባኤ ተኻይዱ ። ኣውጣኪ እምነቱ ንኸነጽር ምስ ተሓተ ኣብ ንቅያ ናይ ዝተኣከቡ ኣቦታትን ከምኡ’ውን ናይ ኣትናቴዎስን ቄርሎስን እምነት ከም ዝኣምን ብጽሑፍን ብቓልን ዘርዚሩ ምስ ኣረድአ እቲ ጉባኤ ገለ ጥፍኣት ስለ ዘይረኸበሉ ነጻ ሰዲድዎ። ምስ ኣውጣኪ ዝነበሩ እሞ ብፍልፕያኖስ ዝተወገዙ መነኮሳት ከኣ ነጻ ኮይኖም ናብ ገዳሞም ንኽምለሱ ተወሰነ ።ድሕሪ’ዚ ፍልፕያኖስ እምነቱ ከንጽር ተሓቲቱ ናይ ንስጥሮስ ክሕደት ኣሕዲሱ ብኽልተ ብሕርይን ብኽልተ ፍቓድን እምነት ስለ ዝጸንዐ ንሱን ሽድሽተ መንኮሳትን ተወጊዞም ።
ኣውጣኪ ከኣ ካብ ውግዘቱ ንኽፍታሕ እቲ ጉባኤ ድሕሪ ምውሳኑ መሊሱ ንናይ ቅድም ክሕደቱ ኣሕዲሱ ስለ ዝተረኽበ ንመወድእታ ናይ ቤተ ክርስትያን ምፍልላይ ምኽንያት ጠንቂ ዀነ ።
      ራብዓይ ጉብኤ ኬልቄዶን  ይቕጽል. . . 

                     በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን             ቅዱስ ሚካኤል  ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኵሎም መላእኽቲ ሓለቓ ኾይኑ ብፍላይ ከኣ ናይ ኃይላት ሓለቓ...