ጉባኤ ኬልቄዶን (451) ራብዓይ ክፋል
ምክፍፋል ቤተ ክርስትያን
ናይ ኣውጣኪ ክሕደት ንምእራም ወይ ነቲ ከሓዲ ንምውጋዝ ብ449 ዓ.ም. ኣብ ኤፌሶን ናይ ዝተኣከበ ጉባኤ ሓላፊ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስትያን መራሒ ነበረ። እቲ ኣኼባ ብሊቀ መንበርነት ንኽመርሕ ንቅዱስ ዲዮስቆሮስ መጸዋዕታ ዝለኣኸሉ ቴዎዶስዮስ ንጉስ ዘይንእስ ብመሰረት እዚ ጉብኤ ተኻይዱ ኣውጣኪ እምነቱ ንኽገልጽ ምስ ተሓተ ናቱ እምነት ካብ ናይ ጉባኤ ኒቅያ ዝተኣከቡ ኣቦታትን ካብ ናይ ቅዱስ ቄርሎስ ትምህርት ዝተፈልየ ዘይምዃኑ ስለ ዝገለጸ ካብ ውግዘቱ ተፈቲሑ ናብ ናይ ቀደም ስርሑ ንኽምለስ ጉባኤ ወሰነሉ ።በዚ ናይ ጉባኤ ውሳኔ መስረት፡ ናይ ቊስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳሳት ፍልፕያኖስ ካልኦት’ውን ብንስጥራዊ እምነቶም ተወጊዞም ። ካብ ሽዑ ግዜ በዓል ፍልፕያኖስን ካልኦት ንስጢሮሳውያንን ምስ ናይ ሮማ ቤተ ክርስትያን መራሒ ልዮን ሓድነት ብምፍጣር ኣብ ሊዕሊ ዲዮስቆሮስ ናይ በቐል ስጉምቲ ዝወስድሉ መንገዲ ክደልዩ ጀመሩ ። ነዚ ሓሳባቶምእዚ ንምስላጥ ዝሓገዞም ኩነታት ድማ፡ ቀዳማይ ኣውጣኪ ናብ ናይ ቅድም ናይ ክሕደት ትምህርቱ ተመልሱ ምርካቡ እዩ ። ኮይኑ ከኣ ብማእከልነት ዲዮስቆሮስ ዝተኻየደ ጉባኤ ትኽክልነት ዝምርምር ካልእ ጉባኤ ክእከብ ኣለዎ ። ኢሎም ደጋጊሞም ዝሓተትዎ ሕቶ ንጉስ ቴዎዶስዮስ ውሳኔኡ ትኽክልን ቅኑዕን ስለ ዝኾነ ካልእ ጉባኤ ኣድልዪ ኣይኮነን ብምባል ንሕቶኦም ክሳብ ብሕይወት ዝነበረሉ ጊዜ ውዱቕ ብምግባር ኣይተቀበሎምን ።ብ450 ዓ.ም. ንጉስ ቴዎድስዮስ ወራሲ ወዱ ዘይብሉ ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ፡ ብርክልያ ሓውቱ ካብ ኣሕሉቕ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓደ መርቅያኖስ ኣእቲዋ ንዝፋኑ መንበር መንግስቱ ወረሰ። ሰብኣይንን ሰበይትን ከኣ ብእምነት ንስጥሮሳውያን ስለ ዝነበሩ ንናይ ዲዮስቆሮስ ተቓወምቲ ጥጡሕ ባይታ ተፈጥረሎም ።በዚ መሰረት እዚ፡ ብ451 ዓ.ም. ኣብ ኬልቄዶን ዝተኣከበ ጉባኤ መብዛሕቲኦም ኣባላት ንስጥሮሳውያን ኣብ ቅድሚ ዝነበርሉ ጉባኤ ዲዮስቆሮስ ናይ ኣውጣኪ ክሕደት ተኸታሊ እዩ ዝብል ክሲ ተመስሪትዎ ዓቢይ ክርክር ተላዕለ ። እዚ ክሲ እዚ ቀዳማይ ገርካ ምቑጽጻር ፡ካልኦት ዝተፈላለዩ ክስታት እውን ቀሪቦ ነይሮም እዮም። ቀደሙ ውን እንተ ኾነ ናይቲ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ሊዕሊ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ናይ በቐል ስጉምቲ ንምውሳድ እዩ ዝነበረ። ኣብ ይማኖታውያን ሰባት ዘይትጽበዮ ብተንኮል፡ ብሓደ ወገን ካብ ቤቱ ንኸይወጽእ ብዋርድያ ኣሓልዮም፣ብኻልእ ወገን ከኣ ጸዊዕናዮ ከይመጽአ ተሪፉ ንምባል መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎምሉ፣ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኣብ ዘይብሉ ብጠርናፊ ዘይብሉ ጉባኤ ኣብ ሊዕሊ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ዝደለይዎ ውሳኔኦም ምስ ኣቃንዑ ግን ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኣብ ኣኼባ ንኽርከብ ደልዮም ነይሮም ። ንሱ ግን ኣብ ጠርናፊ ማእከልነት ዘይብሉ ጉባኤ ንምርካብ ፍቓደኛ ኣይኮነን ።ድሕሪ እዚ ንንጉስ ውሳኔኦም ኣእሚኖም ንድዮስቆሮስ ጋግራ ኣብ ዝተባህለ ደሴት ከም ዝሕየር ገበሩ ። ክሳብ ዕለተ ሞቱ ዝተረፈ ዘመነ ሕይወቱ ድማ ኣብዛ ጋግራ ዝተባህለት ደሴት ብምሕያር እዩ ዘሕለፎ። ናይ ኬልቄዶን ጉባኤ፡ ሕገ ኣልቦነት ውሳኔ ካብ ዘይተቐበሉ ወገን ናይ ግብጺ፣ ናይ ኢዮርሳሌም፣ ናይ ሶርያን ኣርመንን ኣብያተ ክርስትያናት ይርከባ ።በዚ ነገር እዚ ናይ ምብራቕን ናይ ምዕራብን ኣብያተ ክርስትያናት ወገናዊነት ዝተኸተለ መጸዋዕታ ዓለም ለኻውነት ምባል ተሪፉ፡ ሓንቲ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን ናብ ክልተ ተኸፍለት ።ናይ ምዕራባውያን ወገናት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ባሕርይን ሓደ ፍቓድን ጥራሕ ኣለዎ ኢልካ ምእማን ንናይ ኣውጣኪ ክሕደት ምስዓብ እዩ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብ ክልተ ባሕርይ ክልተ ፍቓድ ዝብል እምነት ክጸንዑ ከለዉ፦ ምብራቓውያን ወገናት ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ብሓርይ ክልተ ፍቓድ ኣለዎ ኢልካ ምእማን ናይ ንስጥሮስ ክሕደት ምኽታል ምሓዝ እዩ ብምባል ኣብ ሓደ ባሕርይን ሓደ ፍቓድን ሓደ ኣካልን ዝብል እምነት ጸንዑ።ክልቲኦም ወገናት እነቶም ንምግላጽ ኢሎም በብወገኖም ዘቕረብዎ ናይ መከራኸሪ ሓሳባት እዞም ዝስዕቡ እዮም ።ምዕራባውያን ወገናት ክልተ ባሕርይ ክልተ ፍቓድ ዝብልሉ ምኽንያት ክገልጹ ከለዉ ምንም እኳ መለኮትን ትስብእትን ከም ዝተወሃሃዱ ዝእመን እንተኾነ እዚ ተዋህዶ እዚ ብዘይ ምትሕውዋስን ምፍላስን ክሳብ ዝኾነ ክልተ ብሕርይ ክልተ ፍቓድ ደኣ ንብል እምበር ሓደ ባሕርይ ጥራይ ክንብል ኣይግባኣናን እዩ ፣እንተ ዘይኮይኑ ኣውጣኪ ንምንታይ ተወጊዙ ኢሎም ይሓቱ ።ምብራቓውያን ወገናት ድማ ኣውጣኪ ዝተወገዘሉ ሓደ ብሕርይ ሓደ ፍቓድ ሓደ ኣካል ኣብ ዝብል እምነት ብምጽንዑ ዘይኮነስ ፡ ትስብእት ምስ መለኮት ብምሕዋስን ምውሓጥን ጠፊኡ ናይ መለኮት ባሕርይ ጥራሕ ተሪፉ ብምባሉ እዩ ኢሎም መብርሂኦም ይቕጽሉ እሞ መልኮትን ትስብእትን ተወሃሂዶም ምስ ተባህለ ድሕሪ ምውህሃዶም ሓደ ባሕርይ ሓደ ፍቓድ እምበር ክልተ ምባል ግቡእ ኣይኮነን ። እንተ ዘይኮይኑ ንስጥሮስ ንምንታይ ተወጊዙ ኢሎም ይሓቱ ።ምዕራባውያን ወገናት ናትና ሃይማኖት ዓለም ለኻዊ እዩ ንምባል ካቶሊክ ፡ ምብራቓውያን ወገናት ድማ ትኽክለኛ ቅኑዕ ሃይማኖት ናትና እዩ ንምባል ኦርቶዶክስ ዝብል ስም መጸዋዕታ መሪጾም ንሓንሳብን ንመጨረሻን ጊዜ ከፈላለዩ ከለዉ ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንስጥሮሳዊት ኢላ ኣውጊዛታ፡ ካትሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከኣ ንኦርቶድክሳዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ኣውጣኪ እምነት ሰዓቢት ኢላ ኣውጊዛታ።እዚ ኣበሃህላ እዚ ከም ሓቂ ተቖጺሩን ተኣሚንሉን ኣብ ክልቲአን ኣብያተ ክርስትያን ዝነብር ዘሎ ታሪኽ እዩ።ናይ ኬልቄዶን ጉባኤ ቅንዕናን መንፈሳውነትን ዝጐደሎ ኣብ ሊዕሊ ምዃኑ ድሕሪ እዚ ሓደ ሓደ ቅኑዕ ሓሳባት ዝነበሮም መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ፡ ነዚ ሽግር እዚ ብዘተን ስምምዕን መፍቲሒ ተረኺብሉ ፡ ናይ ቅድም ናይ ቤተ ክርስትያን ሓድነት ንኽምለስ ፈተነ እንተ ገበሩ እኳ ንሓሳባቶም ዝድግፍ ሰብ ተሳኢኑ ተሪፉ ፡ ጽልእን በቐልን ምንዕዓቕን ምንቕቓፍን ምቕጻሉ ንናይ ክርስትና መሰረታዊ ዕላማ ዝቃወም ተግባር እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ዘይርሳዕ ሓደ ጸሊም ነጥቢ ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ጐይታ ኣብዛ ዓለም ከም ሰብ ኮይኑ ነይሩ፣ ከም ሰብ ጸሎት ኣብ ዝጸለየሉ ግዜ ምእንቲ ምእመናን ማለት ምእንቲ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ምጽላዪ ኣብ ዮሓ. 17፡20-23 ክንምልከት ንኽእል ።
ኣርባዕተ ጉባኤ ብሓጺሩ ነዚ ይመስል !
ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ኩቡር
ኣሜን !!!!