Sunday, April 19, 2020


                    
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን 

           ቅዱስ ሚካኤል 

ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኵሎም መላእኽቲ ሓለቓ ኾይኑ ብፍላይ ከኣ ናይ ኃይላት ሓለቓ እዩ፣ ንሱ ዘይተራድኦ ቕዱስ፣ ነቢይ፣ ጻድቕ፣ ሰማዕት የልቦን ኪበሃል ይከኣል፣ ሕጂ ግና ካብቶም ዝተራድኦም ብኸፊል፥ ካብ ብዙኅ ብውሑዱ፥ ካብ ብሙሉኡ ብኽፋሉ ካብ’ቲ ኣብ ድርሳነ ሚካኤልን ስንክሳርን ዘሎ ከም ኣብነት ኣብዚ ዚስዕብ ተጻሒፉ ንኣንበብቲ ቐሪቡ ኣሎ።
ዕለት 12 መስከረም ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል። ሓደ መምለኺ ጣዖት ንጉሥን ሃብታምን ሰብኣይ ነበረ። እቶም ዜምልኾም ዝነበረ ኣማልኽቲ (ጣዖታት) “ዕለት ሞትካ ቐሪቡ እዩ’ሞ ኣንጠረኛታት ጸዊዕካ ካብ ሞት እትኅብኣሉ ሳጹን ኪሠርሑልካ ንገር” በልዎ። ንሱ ኸኣ ሃብታም ብምዃኑ ንጊዜኡ ጸዊዑ ሳጹን ኣሥሪሑ፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ዚተሠርሐ ሳጹን ተኃብአ፥ ኣብኡ ተኃቢኡ ኸኣ ናብ ባሕሪ ከጥሕልዎ ኣዘዘ። ሽዑ ጊዜ ሞቱ ኣኺሉ መልአከ ሞት ንነፍሱ ኻብ ሥጋኡ ኺፈሊ ተኣዚዙ እንተመጽአ ሰኣኖ እሞ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ከም ዝሰኣኖ ነገረ። እግዚኣብሔር ብትእዛዙ ነታ ባሕሪ ኣውፅእዮ በላ’ሞ ኣውፅኣቶ፥ መልአከ ሞት መጺኡ ነፍሱ ኻብ ሥጋኡ ፈልዩ ናብ’ቲ ናይ ዘለዓለም ፍርዱ ደርበዮ። ስለ’ዚ ኸም’ዚ ናይ’ዚ ሃብታምን ንጉሥን መምለኺ ጣዖታት ፣
ንኣምላኽን መላእኽቱን እንተነዓቕኩም ፍርድኹም ገሃነመ እሳት እዩ። ምእንቲ ስም ቅዱስ ሚካኤል፥ ቅዱስ ገብርኤል፥ ቅዱስ ሩፋኤል፥ 24 ካህናተ ሰማይ፥ ኣርባዕተ እንስሳ ንድኻ ቈሪሱ እንጌራ ዝሃበ ከምኡ’ውን ዝሑል ጣሳ ማይ ዘስተየ፥ እዞም ቅዱሳን መላእኽቲ ምእንታኡ ለይትን መዓልትን ብዘይዕረፍቲ እዮም ዚልምኑ። እግዚኣብሔር ኪዳን ስለዝሃቦም ኣብ’ቲ ናይ ዘለዓለም መንግሥቱ ኸምኡ’ውን ኣብ’ቲ መጽሓፈ ሕይወት ስሙ ጽሒፉ ናይ ዘለዓለም ዕረፍቲ ይህቦ። ከም’ቲ ኣብ ወንጌል “ሃቡ ኪወሃበኩም” (ማቴ. 7፣7) ዚበሎ፣ ምእንቲ ኣስማት ቅዱሳን መላእኽቲ ክንልምንን፣ ክንምጽውትን ይግባእ።
ቅዱስ ሚካኤል ንቕዱስ ፋሲለደስ ሰማዕት ከምዝረድኦ። ቅዱስ ፋሲለደስ ኣቦ ቅዱስ ኣውሳብዮስ ንቅዱስ ዮስጦስ ድማ ኣኮኡ እዩ፥ ታሪኹ ብንጹር ኣብ ምዕራፍ 2 ናይ 5ይ መጽሓፍ ኣሰረ ቅዱሳን ታሪኽ ሰማዕታት ከምዝተጻሕፈ ቅዱስ ሚካኤል ንቕዱስ ፋሲለደስ ናብ ሰማይ ኣደይቡ ቦታ ኃጥኣንን ጻድቃንን ኵሉ ኣርእዩ ኣውረዶ፣ ከምኡ ድማ ብተጋድሎ ኣብ እምነቱን ሰማዕትነቱን ኪጸንዕ ከምዘለዎ የጸናንዖ ነበረ። ገድሉ ኽሳብ ዚፍጽም ድማ ቕዱስ ሚካኤል ኣይፍለዮን ነበረ። ከምቲ ንቕዱስ ፋሲለደስ ዝረድኦ ንዅላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይርድኣና ኣሜን። 
ዕለት (12) ዓሠርተው ክልተ መስከረም ዚንበብ። እዚ ዕለት እዚ ወርኃዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ሊቀመላእኽቲ ኾይኑ ቅዱስ ሚካኤል ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ አሞጽ ተላኢኹ ነቲ ዚነበሮ ኃጢኣት ኣጥፍኣሉ፣ ድኅር’ዚ ነቢይ ኢሳይያስ ንዕሥራን ሸሞንተን (28) ዓመታት ነቢይ ኾይኑ ኣገልገለ። ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ ናብ ንጉሥ ሕዝቅያስ ተላኢኹ ኣብ ርእሲ እቲ ዝተኣወጀሉ ዕድመ 15 ዓመት ከምዚውሰኽ ተነበየሉ እሞ ብድኅሪኡ ንንጉሥ ምናሴ ወዱ ወለደ፣ እቲ ጸላኢ ንጉሥ ሕዝቅያስ ዝነበረ ሰናክሬም ድማ ኣብ ጣዖቱ ኪሰግድ ከሎ ብኢድ ኣድራማሌክን ሶርሶርን ደቁ ተቐቲሉ ሞተ። ስለ’ዚ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀመላእኽቲ ወርኂ ወርኂ ከነብዕል መምህራን ቤተክርስቲያን ይእዝዙና።
ዕለት ዓሠርተው ክልተ ጥቅምቲ ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል። ኣብ ከባቢ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ዚቕመጥ ሓደ ድኻ ሰብኣይ ኣማኒ ነበረ፣ ኵሉ ጊዜ ኸኣ በቢሰዓቱ ኣብ’ቲ ቅድሚ ቤተክርስቲያን ዚርከብ ሥእሊ ቅዱስ ሚካኤል ቆይሙ ብፍጹም እምነት እናበኸየ “ኦ ቅዱስ ሚካኤል ናይ ዕለት ምግብን ኽዳንን ክህበኒ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ለምነለይ” እናበለ ይጽሊ ነበረ፣ በዚ ኸም’ዚ ዓይነት ጸሎት ንነዊኅ እዋን ቀጸለ እሞ፥ ሓደ መዓልቲ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ ብራእይ ለይቲ “ኣንታ ሃካይ ሰብኣይ ሓንቲ ስራሕ ዘይትሠርሕ፥ ኮፍ ኢልካ ትውዕል ኣይትሓርስ ኣይትዘርእ ነዚ ምኽኣል እንተሰዓንካስ ክባርኸልካን ከብዝኃልካንሲ ኣይትነግድን’ዶ“ሕጂ ኸኣ ናብ ቤተክርስቲያን ኪድ እሞ ነቲ ኣመኃዳሪ ቤተክርስቲያን ገንዘብ ኣለቅሓኒ በሎ። ኣነ ኸኣ ክባርኸልካን ከብዝኃልካን እየ”፣ ሽዑ እቲ ድኻ ሰብኣይ ናብቲ ዝተባህለ ኤጲስ ቆጶስ ከይዱ ገንዘብ ከለቅሖ ለመኖ። ሽዑ እቲ ኤጲስ ቆጶስ ዋሕስከ ኣበይ ኣሎካ እቲ ድኻ ሰብኣይ ብጀካ ቅዱስ ሚካኤል ዋሕስ የብለይን ምስበሎ እቲ ኤጲስ ቆጶስ ካብቲ ገንዘብ ቤተክርስቲያን ኣለቅሖ እሞ ናብ ርኁቕ ሃገር ከይዱ ንሓደ ዓመት ዚኣክል ነጊዱ ብዙኅ መኽሰብ ረኸበ። ሽዑ እቲ ልቓሕ ዝኸፍለሉ ዕለት ምስኣኸለ ብኣካል ከይከይድ ስለዝረኃቖ፥  ሓንቲ ሳጹን ኣሥሪሑ ኣብኡ ብመፍትሕ ኣእትዩ ብምዕፃው፣ ደብዳቤ’ውን ኣብ ውሽጣ ኣእትዩ፣ ንቕዱስ ሚካኤል ናብ’ቲ ኤጲስ ቆጶስ ከብጽሓሉ ብምእማን ናብ’ቲ ባሕሪ ደርበያ እሞ ሓደ ዓቢይ ዓሣ ውሒጡ ኣብቲ ኸባቢ እቲ ቤተክርስቲያን ዘሎ ዓሣ ዚገፉሉ በጽሐ። ዓውደ ዓመት’ውን ቀሪብዎም ስለዝነበረ እቲ ኤጲስ ቆጶስ ነቲ ቀሺ ገበዝ ካብቲ ባሕሪ ዓሣ ኺገዝእ ኣዘዞ፣ ቀሺ ገበዝ ናብ ገፈፍቲ ዓሣ ኸይዱ ኻብቶም ዓሣታት መሪጹ ገዚኡ መጺኡ እንተሓረደ እተን እቲ ነጋዳይ ዝለኣኸን ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ሣንዱቕ፥ ኣብ ማእከላ ድማ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ታሪኽ ዚገልጽ ደብዳቤ ረኸበ። ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። ዕለት 12 ጥቅምት ቅዱስ ሚካኤል። ንነቢይ ሳሙኤል ናብ እንዳ ዕሤይ ከይዱ ንንጉሥ ዳዊት ካብቶም ኵላቶም ደቂ ዕሤይ ፈልዩ ኺቐብዖ ለኣኾ፣ ንንጉሥ ዳዊት ከኣ ዕድሚኡ ምሉእ ይራድኦ ነበረ (1ይሳሙ. 16፣1-13)፣
ዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) ኅዳር ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል። ቅዱስ ሚካኤል ሊቀመላእክት በዛ ዕለት እዚኣ ንመስፍን ኢያሱ ወዲ ነዌ ተራእዮ፥ መስፍን ኢያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ ኸሎ ኣዕይንቱ ቋሕ ኣቢሉ ረኣየ። እንሆ ድማ እተመልሐ ሴፍ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ነበረ። ኢያሱ ኸኣ ናብኡ ኸይዱ “ንስኻ ናትና’ዶ ወይሲ ናይ ጸላእትና ኢኻ” በሎ። ንሱ ድማ “ኣይፋለይ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሔር ኮይነ ደኣ ሕጂ መጺአ ኣሎኹ” በለ። ኢያሱ ድማ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰጊዱ “ጐይታይ ንባርያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ፧” በለ። እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሔር ድማ ንኢያሱ “እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ እያ እሞ ኣሣእንካ ካብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” በሎ፣ ኢያሱ ድማ ኸምኡ ገበረ” (ኢያ. 5፣15)። ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ንዅላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይሓግዘና
ኣሜን።
ዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) ታኅሣሥ ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል። ሓደ ብሃይማኖቱ ቕኑዕ ዝኾነ ዱራታኦስ ዝተባህለ ሰብኣይን፥ ቴዎብስትያ ዝተባህለት ሰበይቱን ቆሎንያ ኣብ ዝተባህለት ሃገር ይነብሩ ነበሩ፣ ብወርቂ ብሩር እንስሳ አባጊዕ፣ ኣእዱግ፣ ኣግማል፣ ኣባቕል፣ ኣፍራስን፣ ሃብታማት ኮይኖም ንድኻታትን መሳኪንን ወርኂ ወርኂ ዕለት
12 በዓል ቅዱስ ሚካኤል ብምዝካር ይሳስዩ ነበሩ። ድኅሪ ነዊኅ እዋን ኣብታ ሃገር ንሠለስተ ዓመት ዚኣክል ዝናም ስለዘይዘነመ ብርቱዕ ጥሜትን ደርቅን ኮነ። ስድራቤት እንዳ ዱራታኦስ ንዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) ኅዳርን ዝኽሪ ቅዱስ ሚካኤል ዚኸውን ከምኡ’ውን ንመሥዋዕቲ ቅዳሴ ሥርናይን ወይንን፣ ከምኡ'ውን በጊዕ፣ ላም ምስ ሰኣኑ ቴዎብስትያ ኣብ ውሽጢ ቤታ ኾይና ኸምዚ እናበለት በኸየት፣ “ኦ ቕዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ፣ ካን ድዩ እዚ በዓልሲ ኪድፈን” እናበለት ከላ ዱራታኦስ በዓል ቤታ’ውን መጽአ’ሞ “እዛ ኃውተይ እንታይ እዩ ዘብክየኪ ዘሎ ኣጆኺ ጥራይ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ስለ’ቲ ዅሉ ዝገበረልና ነመስግኖ እምበር ዝኽሪ ቅዱስ ሚካኤልሲ ኣይድፈንን እዩ። ስለ’ዚ ንሱ ዅሉ ስለ ዚፈልጥ ንቤተክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሥርናይን ወይንን መግዝኢ ዚኸውን ክዳነይ ክሸይጥ እየ” በላ እሞ ንሳ ኸኣ “ኽዳንካ ኣይትሸይጥን ኢኻ። ናተይ ክዳን ዘይምሻጥካስ ጸሊእካኒ ዲኻ ኽልቴና ሓደ ኣካል’ዶ ኣይኮንናን ነቲ እግዚኣብሔር ሓደ ዚገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ ዚብል ቃል ጐይታ’ዶ ረሲዕካዮ ኢኻ” (ማቴ. 19፣6)። ንሱ “ኽዳን ሰብኣይ እንተበለየ ደሓን ኣየኅፍርን እዩ፥ ኽዳን ሰበይቲ እንተበለየ ግና የኅፍር እዩ እሞ እቲ ናትኪ መብዓሊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ኪኾነኪ” በላ፣  ደጊማ ንሳ ኸም’ቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዚበሎ “ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ፍልልይ የልቦን” (ገላ. ፫፣፳፯ /3፣27) በለቶ እሞ ንሱ ድማ “ሕራይ ይኹን እንተ ኢልክስ ሎሚ በዚ ናተይ ሽያጥ ክዳን ሥርናይን ወይንን ገዚአ ንቐሺ ገበዝ ክህቦ፥ ጽባሕ ድማ በቲ ናትኪ ኽዳን በጊዕ እገዝእ” በለ፣ ግድን ናተይ ኢኻ እትሸይጥ ምስ በለቶ ንሱ ንጽባሒቱ ኽዳን በዓልቲ ቤቱ ኂዙ ናብ በዓል ኣባጊዕ ኸደ፣ ነቲ ሸያጢ አባጊዕ (በዓል አባጊዕ) “ብሠለስተ ዲናር ዚሽየጥ በጊዕ’ዶ ኣሎካ” ኢሉ ሓተቶ፣ እቲ በዓል ኣባጊዕ ድማ “እወ ኣሎኒ” በሎ፣ “በል ሕጂ ገንዘብ ስለዘይብለይ እዚ ኽዳን በዓልቲ ቤተይ ክሳብ ሠለስተ መዓልቲ ከም ትሕጃ ይኹንካ ገንዘብ እንተረኺበ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ከምጽኣልካ እየ። ምናልባሽ ገንዘብ እንተዘይረኺበ ድማ እዚ ኽዳን በዓልቲ ቤተይ ንኣኻ ትወስዶ” በሎ። ሽዑ እቲ በዓል አባጊዕ “ኣብ ገዛይ ብዙኅ ክዳውንቲ ስለዘሎኒ ኽዳን በዓልቲ ቤትካ ኣይደልን እየ” በሎ እሞ እናጐሃየ ናብ ቤቱ ኺምለስ ከሎ ቕዱስ ሚካኤል ሊቀመላእኽቲ ኣብ ፃዕዳ ፈረስ ተፃዒኑ ብዙኃን ሰራዊት (ወተሃደራት) መላእኽቲ ኣኸቲሉ መጽአ እሞ ርእይ ምስ ኣበሎ ፈርሀ። ካብቲ ጠጠው ኢሉሉ ዝነበረ መንገዲ ድማ ተኣልየ፥ ሽዑ ቕዱስ ሚካኤል “ዎ ዱራታኦስ ከመይ ኢልካ ውዒልካ ኻበይ ከም ዝመጻእካ እስከ ንገረኒ እዚ ኣብ ክሣድካ ዘሎ ኽዳን ሰበይቲ ይመስል፧ እንታይ እዩ” በሎ፣ ዱራታኦስ ኵሉ እቲ ዘጋጠሞ ሓደ ብሓደ ነገሮ። ቅዱስ ሚካኤል ብተምሳል ሓደ ዓቢይ ሰብ
“ኣነ እንተተወሓስኩኻ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ትኸፍል ዲኻ” በሎ።  ዱራታኦስ “እወ ጐይታይ እኸፍል እየ” በለ። ቅዱስ ሚካኤል ካብቶም ሰራዊቱ ሓደ መልኣኽ ልኢኹ ነቲ ሸያጥ በጊዕ “ንዱራታኦስ ሓደ በጊዕ ሃቦ፣ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ኺኸፍለካ እዩ” በሎ፣ እቲ መልኣኽ ካብቲ በዓል አባጊዕ ሓደ በጊዕ ንዱራታኦስ ሃቦ።  ቅዱስ ሚካኤል ንኻልኣይ ጊዜ ንዱራታኦስ “ምስ እዞም ምሳይ ዘለዉ ሰባት ኣብ ቤትካ’ዶ መኅደርካኒ” ዱራታኦስ “እወ፣ ይኹን ኦ ጐይታይ ኅደር” በሎ። ቅዱስ ሚካኤል “ሥጋ ኸብቲ ኣይበልዕን እየ’ሞ ንድራረይ ዚኸውን ዓሣዶ ምረኸብካለይ” ዱራታኦስ “ዓሣ እንተረኺበ ክገዝኣልካ እየ” በሎ። ቅዱስ ሚካኤል “ዋጋኡኸ ኽንደይ እዩ” ዱራታኦስ “ክዳን በዓልቲ ቤተይ ሂበ ኸምጽእ እየ” በለ። ሽዑ ቕዱስ ሚካኤል ብመንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ሰብ ፍሽኽ በለ። “ብጀካ ኽዳን በዓልቲ ቤትካ ኻልእ ክዳን ዚሽየጥ የብልካን ድዩ” ዱራታኦስ “እወ የብለይን ጐይታይ”። ቅዱስ ሚካኤል “ናብዞም ገፈፍቲ ዓሣ ንሠለስተ መዓልቲ እንተተወሓስኩኻ ትኸፍል’ዶ” ንሱ ኸኣ “እወ እኸፍል እየ” በለ፣
ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ኻብቶም ሰራዊቱ ልኢኹ ሓደ ዓሣ ኣምጺኡ ሃቦ፣ ዱራታኦስ ተሓጒሱ ንቕዱስ ሚካኤል ኦ ጐይታይ ተንሥእ ናብ ቤተይ ንእቶ።ቅዱስ ሚካኤል ድማ ቕድም ንስኻ ናብ ቤትካ ኃሊፍካ ተዳሊኻ ጽናሕ፣ ኣነ ኸኣ ድኅሬኻ ኽመጽእ እየ፣ ዱራታኦስ ከኣ ዓሣን በጊዕን ኂዙ ናብ ቤቱ ኣተወ፣ ቴዎብስትያ በዓልቲ ቤቱ ኸኣ ማዕፆ ክትከፍት ወፅአት፣ በዓል ቤታ በጊዕን ዓሣን እቲ ኽዳና’ውን ኣብ ክሣዱ ፆይሩ ምስረኣየት “ኦ ጐይታይ በጊዕን ዓሣን እቲ ኽዳነይ ከኣ ኣብ ክሣድካ እርኢ ኣሎኹ፣ እሞ እዚ ዅሉ እዚ ደኣ ብምንታይ ገዚእካዮ” ንሱ “ሓደ ኅያዋይ ሰብ ኣነ ስኢነ ኽምለስ ከሎኹ ምስ ብዙኃን ሰባት ኣብ መንገዲ ጸኒሑ ጸውዓኒ። ኻብቶም ምስኡ ዚነበሩ ወተሃደራት ሓደ ልኢኹ ኻብ በዓል በጊዕ፣ በጊዕ፣ ካብ በዓል ዓሣ፣ ዓሣ  ኣምጺኡ ሃበኒ” ኢሉ እናነገራ ኸሎ፥ እንሆ ቕዱስ ሚካኤል ምስ መላእኽቱ ኣብ’ቲ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ “ኦ ቴዎብስትያ ከመይ ኢልኪ ውዒልኪ” ንሳ “እግዚኣብሔር ይመስገን፣ ንስኻ ኸ ብጸሎት ቅዱስ ሚካኤል ጽቡቕ ኣሎና” በለት፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ዱራታኦስ ንበዓልቲ ቤቱ “እቲ ዝበልኩኺ ሰብኣይ እንሆ እዚ እዩ” በላ፣ ንሳ ብሓጐስ ነቲ ብመኰንን ዝተመሰለ ቕዱስ ሚካኤል “ምስ ኣገልገልትኻ ንዓ ናብ ቤት እቶ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኣይትበል ምኽንያቱ ንስኻ ኽቡር ኢኻ” በለቶ። ቅዱስ ሚካኤል ንዱራታኦስ “ኣነ ናብ ቤተክርስቲያን ክኸይድ እየ’ሞ ንስኻ ነዚ በጊዕን ነዚ ዓሣን እናጠባሕካ ኣብ ቤት ጽንሓኒ ንስኻን በዓልቲ ቤትካን ስራሕኩም ኣዳልዉ” ኢሉ ናብ ቤተክርስቲያን ከደ።  ሽዑ ዱራታኦስ ናብ እንዳወይኒ እንተኸደ ወይኒ፥ ናብ እንዳ እንጌራ እንተኸደ እንጌራ፥ ናብ እንዳ ዘይቲ እንተኸደ ዘይቲ፥ ናብ እንዳመዓር እንተኸደ መዓር፥ ናብ እንዳቕብኢ እንተኸደ ቕብኢ፥ ናብ እንዳእኽሊ እንተኸደ እኽሊ ዅሉ በቢዓይነቱ መሊኡ ጸንሖ። ናብ ቤት መኽዘን እንተኸደውን መኻዚኖኡ መሊኡ ጸንሖ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ኺንገር ዘይከኣል ሃብትን በረኸትን ኣብ ቤቶም ተመልአ። ሽዑ ተሓጒሶም ብጸሎትን ስግደትን “ቅዱስ ሚካኤል ቤትና ዝባረኸ እግዚኣብሔር ይባረኽ” በሉ። ሽዑ ነቲ በጊዕ ጠብሖ’ሞ ዘይውዳእ ሥጋ ኾነ። ድኅሪኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዱ “ኦ ቕዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ንአይ ንባርያኻ መሓረኒ፣ ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ለምነለይ፣ ሎሚ መዓልቲ ቤተይ በረኸት መሊኡለይ ኢሉ ኣመስጊኑ፥ በረኸት ካህን ተቐቢሉ ኻብ ቤተክርስቲያን ወፂኡ፥ ንደቁ ንዅሎም ድኻታትን መሳኪንን ሕዝቢ ጸውዑ” በሎም፣ ንሳቶም ነዞም ኵላቶም ዝተጠቕሱ ጸውዕዎም እሞ ተኣኪቦም ቤትን ኣፍ ደገ ዓንቀጽን መልኡ፣ ዱራታኦስ ንዅላቶም ዕዱማት መኣዲ ቐረበሎም እሞ ዅላቶም በሊዖም ጸጊቦም ኣመስገኑ፣ ብዓቢይ ሓጐስ ከኣ ስም እግዚኣብሔር ኣመስገኑ፣ ቅዱስ ሚካኤል ምስ ሰራዊቱ መጺኡ ብዝኂ እቲ ሕዝቢ ርእዩ ተገረመ። ንዱራታኦስ ከኣ ኸምዚ በሎ “ነዚ ዅሉ ሕዝቢ ደኣ ኣብ’ዚ ዘመን እዚ ጥሜትን ብድብድን እናሃለወ ኸሎ ኣጋቢእካ ኽኢልካ ሽግር ከም ዘሎ ኣይፈለጥካን ዲኻ ክንድ'ዚ ዚኸውን ሕዝቢ ኣብ ቤትካ ጸዊዕካ ተብልዕ” በሎ። ዱራታኦስ “እወ ጐይታይ ሓቅኻ ኣሎኻ ግና እቶም ንስኻ ዝሃብካኒ በጊዕን ዓሣን ኣብ’ዚ ቤተይ ምስ ኣተዉ ቤተይ በረኸት መልአ፣ ኣኅዋተይ ድማ ጸዊዐዮም፣ ምኽንያቱ ሎሚ መዓልቲ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ኵሉ ሳዕ ዝዝክሮ በዓለይ እዩ”። ሽዑ ቕዱስ ሚካኤል ተንሢኡ ኣብ ማእከል ኣብ ልዕሊ እቲ ብጽቡቕ ምንጻፍ ዝተነጽፈ ዓራት ኮይኑ ንዱራታኦስ “ነቲ ዓሣ ኣምጽኣዮ” በሎ እሞ ኣምጽኣሉ። “በል ጥብሓዮ እሞ ኸብዱ ድማ ቕደዶ” ዱራታኦስ ድማ ጠብሖ። ኸብዱ ድማ ቐደዶ እሞ ብማኅተም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተኃትመ ወርቂ ረኸበ። ሽዑ ቕዱስ ሚካኤል ነቲ ማሕተም ተቐቢሉ “ኣስተውዕል ነዚ ማሕተም ከኣ ኽፈቶ” በሎ። ንሱ ነቲ ሣንጣ ዚመስል ማሕተም ከፈቶ እሞ ሠለስተ ሚእቲ ወርቂ ዲናር ረኸበ። ቅዱስ ሚካኤል ንዱራታኦስ ሎሚ ኣብ ቤትካ ስለዝኣቶኹ እዚ
ገንዘብ እዚ ተቐበል፥ ጐይታ’ውን ሎሚ ናባኻ ለኣኸኒ። ዱራታኦስን ቴዎብስትያን “ኦ ጐይታና እንታይ ትብል ኣሎኻ” ንቤትናኸ ብዘይካ ሎሚ መዓዝ ረኣኻዮ ስለ’ዚ ነገር’ዚ ኸኣ በደልና ኅደገልና ነፍስናን ሥጋናን ገንዘብናን ንብረትናን ኵሉ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ሚካኤል እዩ፣ እዚ ሠለስተ ሚእቲ ወርቂ ዲናር ጐይታኻ ንአኻ ዝሃበካ እዩ፣ ንኣና'ውን ኣምላኽ ቅዱስ ሚካኤል እቲ ዝግብኣና ሂቡና ኣሎ፣ ስለ’ዚ ነቲ ብጽሒትካ ስለ’ምንታይ ውሰድዎ ትብለና” ሎሚ መዓልቲ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ’ዶ ኣይፈለጥካን ኢኻ ብስሙን ብስም ኣምላኹን ድማ እዚ ዅሉ በረኸት ረኸብና። ቅዱስ ሚካኤል ከኣ “እዚ ገንዘብ እዚ እንተኾነ’ውን እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ንአኻትኩም እዩ ሂብኩም ስለ’ዚ ሠለስተ ሚእቲ ወርቂ ዲናር ንኣኻትኩም ውሰዱ። ካብኡ ሠለስተ ዲናር ዕዳኹም ክፈሉ ሓደ ዲናር ንሥርናይን ወይንን፣ ሓደ ዲናር ንበጊዕ፥ ሓደ ዲናር ከኣ ንዓሣ ኽፈሉ” በሎም።
    ቅዱስ     ሚካኤል     ደጊሙ      ንዱራታኦስን        ንቴዎብስትያን
“ኣለሊኹምኒ’ዶ ኣሎኹም” በሎም፣ ንሳቶም ከኣ “ብዘይካ ሎሚ ርኢናካ ስለዘይንፈልጥ ኣየለለናካን” በልዎ። ንሱ ኸኣ “በሉ ኣነ ሚካኤል ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሔር እየ፣ ንስኻትኩም ንኣሽቱ ኸሎኹም ኣቦታትኩም ብስመይን ብስም ኣምላኸይን ኪምጽውቱ ኸለዉ ኣነ ኣብ ቤትኩም ኃዲረ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ለይትን መዓልትን ምእንታኹም እልምን ነበርኩ። ሕጂ ኸኣ ኣንቱም ብፁዓን ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ኃዲርኩም እዩ እሞ ተሓጐሱ። ንቴዎብስትያ ኸኣ “ኦ ቴዎብስታያ ትማሊ ብብኽያት ካብ ዝኽሪ ቅዱስ ሚካኤል ዝበኵርሲ ሎሚ ሞት ይሕሸኒ ኽትብሊ ከሎኺ ሰሚዐኪ እየ፥ ንበዓል ቤትኪ ዱራታኦስውን ክዳነይ እዩ ዝሽየጥ ክትብሊዮ ኸሎኺ ሰሚዐኪ” እየ።
“ኦ ዱራታኦስን ቴዎብስትያን ጸጋኹም ኣብ ሰማይ ብፈጣሪና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረቱ ዘይውዳእ ንዘለዓለም አባኻትኩም ይንበር፣  እግዚኣብሔር ንመሥዋዕትኹም፥ ምጽዋትኩም፥ ዝገበርክምዎ ሕጂ ኣብ’ዚ ዓለም ዘኪሩ እዩ’ሞ ኣብቲ ዳኅረዋይ ዕለት መንግሥተ ሰማይ ኬውርሰኩም እዩ።
ደጊሙ ኻብ ኵሉ መከራን ሽግርን ዘድኃንኩኹም፥ መሥዋዕትኹም ዘፍቀርኩ፥ ምጽዋትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዘዕረግኩልኩም ኣነ ሚካኤል ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሔር እየ። ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ሠናይ ነገር ዘበለ ኣይትስእኑን ኢኹም” በሎም እሞ ንሳቶም ድማ ሰገዱሉ። ቅዱስ ሚካኤል ከምዚ ኢልዎም ናብ ሰማይ ዓረገ። ዱራታኦስን ቴዎብስትያን ካብ’ቲ ናይ ቅድሞም ዝበለጸ ብዅሉ መዋዕል ሕይወቶም ግብሪ-ሠናይ ፈጸሙ።
በረኸት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።
ተወሳኺ ዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) ታኅሣሥ ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንቕዱስ ሚካኤል ናብ ሃገረ ባቢሎን ናብቶም ሠለስተ ደቂ አናንያ፣ አዛርያ፣ ሚሳኤል ለኣኾ፣ (ዳን. 3፣1-30)። ዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) ጥር ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል። ኣብዚ ዕለት እዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንቕዱስ ሚካኤል ናብ ያዕቆብ ወዲ ይስሓቅ ካብ ኢድ ኤሳው ኬድኅኖ ለኣኾ፣ ከምኡ'ውን ባሕሪ ዮርዳኖስ ኣሳጊሩ ናብ ላባ ኣኮኡ ኣብጺሑ ንልያን ንራሔልን ኣመርዕዩ ብሰላም ናብ ዓዱ ኸምዚምለስ ሓገዞ፣
ከምኡ'ውን ንኤሳው ኃዉ ብሰላምን ፍቕርን ከምዚቕበሎ ልቡ ኣራኅርኃሉ፣ (ዘፍ. 33፣1-19) ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፣  ዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) የካቲት ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ
ሚካኤል። ኣብዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንቕዱስ ሚካኤል ናብ ሶምሶን ረኣይታዊ ለኣኾ፣ ሶምሶን ንዅሎም ሰብ ፍልስጥኤም ኪቐትልዎ ምስደለዩ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊኦም ኃይሊ ሃቦ እሞ ኣጥፍኦም፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኸኣ ሓደ ሽሕ (1000) ፍልስጥኤማውያን ብመንከስ ኣድጊ ቐተለ፣ ብጽምኢ ማይ ኪመውት ምስ ደለየ ድማ ቕዱስ ሚካኤል
ተራእዩ ኻብ መንከስ ኣድጊ ማይ ኣውኂዙ ኣስተዮ (መሳ. 15፣1-20)።
ናይ ቅዱስ ሚካኤል ረድኤት ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) መጋቢት ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል። ኣብዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሔር ንቕዱስ ሚካኤል ናብ በለዓም ወዲ
ቦዔር ጠንቋላይ ለኣኾ። ባላቕ ወዲ ቦዔር ንሕዝቢ እስራኤል ኪረግመሉ ኣብ ዚጸውዖ ቕዱስ
ሚካኤል ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ኣደንገፆ እሞ ፈርሀ።  እታ ኣድጊ ድማ ብልሳን ደቂ ሰባት ተዛረበት። እቲ ናብ መርገም
ዝተሓስበ ናብ በረኸት ተቐየረ (ዘኊ. 22፣1-41, ዘኊ. 23፣1-3, ዘኊ.24፣
1-25)።

ዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) ሚያዝያ ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል። ኣብዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሔር ንቕዱስ ሚካኤል ናብ ነቢይ ኤርምያስ ልኢኹ ኻብ ጸባብ ቤት ማእሰርቲ ንጉሥ ሴዴቅያስ ዘእተዎ ብምኽንያት ኣቤሜሌክ ሓለቓ ወተሃደራት ገይሩ ኣውፅኦ እሞ ነቢይ ኤርምያስ ካብ ምርኮ ኢየሩሳሌም ኣምላኽ ከድኅኖ ጸለየሉ። ቈጽሊ በለስ ከምጽእ ለኣኾ እሞ ኣብኡ ኸኣ ንስሳን ሽዱሽተን ዓመት ዚኸውን ከም ሓንቲ ለይቲ ደቀሰ፣ እቲ ዝቐንጠቦ ቘጽሊ በለስ ከኣ ንስሳን ሽዱሽተን ዓመት ደቂ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽሳብ ዚምለሱ ብሓዲሹ
ጸንሐ፣ ንነቢይ ኤርምያስ መምህሩ ኸኣ ሃቦ።
ረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፣
ዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) ግንቦት ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል። ኣብዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሔር ንቕዱስ ሚካኤል ናብ ነቢይ ዕንባቆም ሃገረ ኢየሩሳሌም ለኣኾ። ንነቢይ ዕንባቆም ብጐተና ጸጕሪ ርእሱ ተሰኪሙ ኣብ ኣገልግል ዝበሰለ ኅብስትን ጸብሒ ብርስንን ኂዙ ናብቲ ዳንኤል ተኣሲርሉ ዘሎ ጒድጓድ ባቢሎን ኣብጽሓሉ፣ ንነቢይ ዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ኣድኃኖ፥ እቲ መግቢ ኸይጐደለ ንነቢይ ዕንባቆም ነቲ መግቢ ኂዙ ናብቶም ዓፃዶ ኸምዘብጽሓሎም ገበሮ፣ (ተረ ዳን. 14፣33)።
ዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) ሰኔ ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል። ኣብ ሓደ ሃገር ሓደ ዓቢይ ኣስተራኒቆስ ዝተባህለ ኬልቂያዊ መኰንን ነበረ፣ ሰበይቱ ኸኣ ኣፎምያ ትበሃል ነበረት፣ እዞም ክልተ ሰብ ቃል ኪዳን ፈራህቲ እግዚኣብሔር ኮይኖም ንቕዱስ ሚካኤል ከኣ ብዙኅ የፍቅርዎ ነበሩ፣ በብወርኁውን ዝኽሪ ቕዱስ ሚካኤል ብምዝካር ንድኻታት፣ ንመሳኪን የብልዑ ነበሩ። ኣስተራኒቆስ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም ምስ ሓመመ ኣፎምያ ሥእሊ ቕዱስ ሚካኤል ኣሥኢሉ ኺገድፈላ፥ ኣብኡ'ውን ክትምኅፀን ሓተተቶ። ኣስተራኒቆስ ድማ ኸም’ቲ ዝሓተተቶ ኣሥኢሉ ኣምጽኣላ፣ ኣፎምያ ኸኣ ሰብኣያ ምስሞተ ለይትን መዓልትን ኣብ ትሕቲ ሥእሊ ቕዱስ ሚካኤል ኮይና “ኦ ኣምላኽ ቅዱስ ሚካኤል መሓረንን ዓቅበንን” እናበለት ትጽሊ ነበረት፣ በዚ ጽቡቕ ግብራ ስለ ዝቐንኣላ ጸላኢ ሠናይ ሰይጣን ብተምሳል ብዙኃን ኣረግቶት አንስትን ደቅን እናመጽአ ይፈታተና ነበረ። ኣብ’ቲ ዓንቀጽ ቤታ ኾይኑ ኸኣ ኣጸውዓ እሞ ንሳ እናተወላወለት መጺኣ “ደሓንዶ ውዒልክን ንዕነ በላ ናብ ቤት ኣቲኽን በረኸት ኪኾነኒ ጸልያለይ ሥእሊ ቅዱስ ሚካኤል ከኣ ተሳለማ ምኽንያቱ በዓል ቤተይ ቅድሚ ምማቱ ኣማኅፂኑኒ እዩ። ድኅሪ ሞት በዓል ቤተይ ናብ ቤተይ ተባዕታይ ዚበሃል ስለዘይኣተወ እቶም ኣወዳት ዘበልኩም ከይትኣትዉ፣ ብስም እግዚኣብሔር አምሕለኩም ኣሎኹ” በለት።  እቲ ሰይጣን ብተምሳል ኣረግቶት ኣንስቲ ዝመጽአ “ንሕና ናብ ቤትኪ ኣይንኣቱን ኣብ ዘይቤትናውን ጸሎት ኣይንገብርን ኢና፣ ምኽንያቱ ኣብ ቦታና ቕድሚ ናብ’ዚ ምምጻእና ጸሊናልኪ ኢና፣ ንስኺ ብዙኅ ጾምኪ፥ ብዙኅ ጸለኺ፥ ብዙኅ ለመንኪ፥ እንታይ ከሰብኪ ኣነ ዝብለኪ ዘይትገብሪ ብብዝኂ ጾምክን ጸሎትክን ቅድሚ እቲ ግቡእ ዕድሜኺ ብጓሂ ክትሞቲ ኢኺ፣ ገንዘብኪ ድማ ንድኻታትን መሳኪንን ብምሃብ ስለዝወዳእኪዮ ክትደኽዪ ኢኺ፥ ዝቐብረኪ ኸኣ ኽትስእኒ ኢኺ፣ ንስኺ ድኅሪ ሞት ሰብኣየይ ኣብ ቤተይ ዝኣተወ ሰብኣይ የልቦን” በልኪ፣ ግና ኸም’ቲ መጽሓፍ ዚብሎ ኵላ ሰብኣይ ዘየብላ ሰበይቲ ኣብ ቤታ በረኸት የልቦን።
ንኻልኣይ ጊዜውን ስምዒ ክነግረኪ እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠረ፣ ኣነ ኸኣ ሎሚ ንኣኺ ስለዝፈትወኪ እዚ ነገር’ዚ ኽነግረኪ ዝመጻእኩ፣ ውላድ ዘይብልኪ እንተደኣ ሞይትኪ ዚወርሰክን ዚቐብረክን የብልክን። ስለ’ዚ ኣነ ንንጉሥ ኣኖሬዎስ ሰበይቱ ብወረርቲ ኸምዝሞተት ፈሊጠ ኣሎኹ፥ ንሱ ድማ ንእኡ እትበቅዕ ሰበይቲ ይደሊ ስለዘሎ ንእኡ ኼማጽኣልኪ፥ ሰበይቱ ኽትኮንዮ ኣብ መንግሥቱ ምስኡ ኃቢርኪ ትነግሢ፥ ኦ ኣፎምያ ሰበይቲ ኣስተራኒቆስ እዚ ዝብለኪ ዘሎኹ ንጉሥ ናባኺ እዩ ልኢኹኒ ዘሎ። ዅሉ ወርቅን ብሩርን ከኣ ኽህበኪ እየ” ኢሉ ኣሎ” በላ። ቅድስት ኣፎምያ ነቲ ብዓበይቲ መነኮሳት ዝተመሰለ ሰይጣን “አባ ኣስኬማኻ ሠናይ ቃልካ ግና ግናይ” ኣበየናይ መጽሓፍ እዩ ኣይትጹሙ ኢሉ ዝነገረካ

ኣይትጸልዩ ዝበለካኸ ኣየናይ መጽሓፍ እዩ ከምኡ'ውን ንድኻታት ኣይትትኰቡ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ክልተ ሰብኡት ከም እትምርዖኸ ሰብኣይውን ክልተ ኣንስቲ ኼእቱኸ ባዕልኻ ዲኻ ሓድሽ ሕጊ ተውፅእ ዘሎኻ ወይስ ካልእ እዩ ነጊሩካ ወይ ከ ንኣይ ብኃጢኣት ከተውድቐኒ ኢኻ ደሊኻ ንሕና ካብ ቀደም ዝሰማዕናዮን እንፈልጦን ብጾም፣ ብጸሎት፣ ብምጽዋት ኃጢኣት ከም ዚድምሰስ፣ መውስቦ እንተኾነ’ውን ሓደ ምስ ሓንቲ፣ ሓንቲ ምስ ሓደ ዚብል ኢና ንፈልጥ። ከም’ቲ ነቢይ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ዝሰበኸሎም እሞ ብጾምን ጸሎትን ዝደኃኑ፥ ኸምኡውን ነቢይ ኢዩኤል “ብዅሉ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ብጾም፣ ብጸሎት፣ ብብኽያት ኽዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ቅደዱ ዚበሎ እዩ (ዮና. 3፣1)፣ ጐይታ'ውን ኣብ ወንጌል “ሰብ ብመብልዕን መስተን ዘይኮነስ ብቓል እግዚኣብሔር ከምዚነብር እዩ ዝነግረና” (ማቴ. 4፥4)። ንስኻ ደኣ ስለምንታይ ኢኻ ጾምኪ፣ ጸሎትኪ፣ ምጽዋትኪ ስለዘይጠቕመኪ ኅደግዮ እትብለኒ ዘሎኻ ኻልኣይ ከኣ ኽልተ ሰብኡት ኣእትዊ ኢልካኒ ሓዋርያ ጳውሎስ “ኵሉ ሰብኣይ ብሰበይቱ ይንበር፥ ኵላ ሰበይቲ ኸኣ ብሰብኣያ ትንበር’ዶ ኣይበለን እዩ።” ብዛዕባ ርግቢትውን (ዑፍ መንጢጥ) ዝሰማዕክዎ ነገር ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ሰብኣያ እንተሞይቱ ምስ ካልእ ተባዕታይ ኣይትቐርብን እያ፣ ንምልክት ድማ ብጽፍራ ጌራ መልሓሳ ትጭንድሕ(ትብሕጭር) ካልእ ተባዕታይ ኪዕምጻ ኢሉ እንተመጽኣ ትንቁ እሞ ኻልኦት መጺኦም ይረድእዋ፣ ንስኻ ግና ኽልተ ሰብኡት ኣእትዊ ትብለኒ ኣሎኻ፥ እዚ ግብሪ እዚ ኸኣ ግብሪ ሰይጣን እዩ፣ “ኣንታ ርኹስ ሕጂ'ውን ንስኻ ሰይጣን ኢኻ መስለኒ ወይ ከኣ ሰፈር ሰይጣን ኢኻ፣ ስለ’ዚ ኣነ ኻብ ቤተይ ሥእሊ ቕዱስ ሚካኤል ከምጽኣልካ እየ እሞ ኽትሳለም” ኢላ ናብ ቤታ እትው ኢላ ሥእሊ ቕዱስ ሚካኤል ኂዛ እንተረኣያ ኸም ዑፍ ኮይኑ ምስ ሰራዊቱ ነፊሩ ኸደ። ንኻልኣይ ጊዜውን ጾምኪ፣ ጸሎትኪ፣ ምጽዋትኪ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር በጺሑ እዩ ኢሉ ከስሕታ ምስ መጽአ፥ ኸምኡ’ውን ኣነ ቕዱስ ሚካኤል እየ ስገድለይ ኢሉ ኼስሕታ እንተሓሰበ ንሳ ግና እቲ ትእምርቲ መስቀል ዘለዎ በትርኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ” ንሱ “ከምኡ ኣይኮነን፥ ብኣና ብመላእኽቲ ኸምኡ ትእምርቲ ዘለዎ የብልናን” በላ። ንሳ “ሓደ ንጉሥ ልኡኹ ኺልእኽ ከሎ ብዘይ ማኅተም ድዩ ዚልእኽ፣ ከምኡ ድማ መላእኽቲ ኻብ ሰማይ ኪወርዱ ኸለዉ ነቲ ማኅተም ዘይብሉ ከመይ ጌይሮም መልኣኽ ኢሎም የኣምንዎ፧ ከምኡውን ይዅንንዎን ኣይቕበልዎን ከኣ እዮም። ንስኻ ናይ ብሓቂ መልኣኽ እንተዄንካ ኽኸይድ እሞ ሥእሊ ቕዱስ ሚካኤል ከምጽኣልካ ኽትሳለም በለቶ፥ ኣብ’ዚ እዋን እዚ እቲ ሰይጣን ገጹ ናብ ጽልመት፥ ኣዕይንቱ ናብ ሓዊ፥ ኣፉ ከም ሓደ ዓቢይ ጸድፊ ጸልማት ዝመልኦ፥ ኻብ ኣፉ ድማ ኸም ትኪ እናወፅአ ነፊሩ መጺኡ ንኣፎምያ ኺሓንቃን ኪቐትላን ምስደለየ፥ ንሳውን ንቅዱስ ሚካኤል ብጸሎት ምስ ጸውዓቶ መጺኡ ኻብ ኢድ እቲ ሰይጣን ኣድኃና፣ ነቲ ሰይጣን ከኣ በቲ ምስኡ ዘሎ በትሩ ኣብ ምድሪ ረጊጹ ዘበጦ። (እዚ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሥእሊ ቅዱስ ሚካኤል ካብዚ ዚተወስደ እዩ)። ቅዱስ ሚካኤል ንቕድስቲ ኣፎምያ “እቲ ዅሉ ጽቡቕ ግብርኺ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዓሪጉልኪ እዩ” ኢሉ ኣበሢርዋ ናብ ሰማይ ዓረገ። ንቕድስት ኣፎምያ ኸኣ ዕለት ሞታ ከም ዝቐረበ ነገራ እሞ ናብ ቤተክርስቲያን ከይዳ ቕዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ተቐበለት። ነቲ ጳጳስ ዘቝረባ ምስ ሰዓብቱ ኸኣ ናብ ቤታ ኺመጽእ ዓደመቶ። ነተን ደቃውን ዘሎ ወርቃ ንድኻታት ኪህባላ ኣዘዘተን። ሽዑ እቲ ጳጳስ፣ ካህናት፣ ዲያቆናትን ኣኸቲሉ ናብ ቤታ መጽአ ንሳ ነቲ ጳጳስ ኣብ ትሕቲኡ ወዲቓ “ጸሎት ንስሓ ድገመለይ፥ እዚ ዅሉ ዝተረፈ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት ሃበለይ” በለቶ። ሥእሊ ቕዱስ ሚካኤል ከኣ ኣምጽኡለይ ኢላ ኣብ ገጻ ኣንበረት
እሞ ብሰላም ዓረፈት። እቲ ሥእሊ ኸኣ ሰብ ከየልዓሎ ኣብ’ቲ ናይ ቀደም ቦታኡ ብዘይ መስቀሊ ተሰቕለ እቲ ሥእሊ ኸኣ ቘጽሊ ኣውፅአ ዅላቶም ብዘለዉ ናይ’ቲ ሃገር ሕሙማት ብኡኡ ይፍወሱ ነበሩ። ዕረፍቲ ቕድስቲ ኣፎምያ ዕለት 12 ሰኔ እዩ፣ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ረድኤት ናይ ቅድስት ኣፎምያ ጸሎት ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን፣  ተወሳኺ ብዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) ወርኂ ሰኔ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንቕዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ጣዖት ናይ ግብጺ ንኸፍርስ ለኣኾ።
ንግሥቲ ኣክላኡበጥራ ዝተባህለት ንግሥቲ ጓል በጥሊሞስ ንጉሥ ግብጺ ብስም ኮኾብ ዙኃል ዘሥርሓቶ ዓቢይ ጣዖት ግብጻውያን ብዕለት
12 ሰኔ የኽብርዎ ነበሩ።
ኣብ’ቲ ዕለት በዓሉ መሥዋዕቲ እናሓረዱ ንሠለስተ ሚእቲ ዓመታት
(300) ዚኣክል፣ አባ እለእስክንድሮስ ክሳብ ዚሽየም የምልኽዎ ነበሩ።  ኣብ እስክንድርያ አባ እለ እስክንድሮስ ሊቀጳጳሳት ምስተሸመ ግና ነቲ ዓቢይ ጣዖት ኪሰብሮ ደለየ’ሞ  ሓደ ሓደ ዘይረብሑ ደቂ እቲ ኸባቢ ዚኾኑ ሰባት ከልከልዎ፣ ጸኒሑ ጻድቕ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ምስ ነገሠ አባ እለ እስክንድሮስ ንኻልኣይ ጊዜ ነቲ ዓቢይ ጣዖት ኪሰብሮ እንተደለየ እቶም ዘይረብሑ ሰብ እስክንድርያ ኸም ቀደሞም ከልከልዎ። “ቅድሜካ ዓሠርተው ሸሞንተ (18) ሊቃነ ጳጳሳት ተሸይሞም ነዚ ልማድና ዘይከልኡናስ፥ ከመይ ኢልካ ትኽልክለና” በልዎ፣ ሽዑ አባ እለ እስክንድሮስ ንጣዖት ምምላኽ ዓቢይ ኃጢኣት ምዃኑ ምሂሩ፣ ኣረዲኡ ባዕላቶም ነቲ ጣዖት ሰቢሮም ብታቦት ቅዱስ ሚካኤል ኪትክእዎ ኣእመኖም።
ረድኤት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፣
ተወሳኺ ኣብዚ ወርኂ ሰኔ ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል። ሓደ ንእግዚኣብሔር ዚፈርህ ሰብኣይ ነበረ፥ ኣብ ወርኂ ወርኂ ድማ ዝኽሪ ቕዱስ ሚካኤል ይዝክር ነበረ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ወርኂ ኅዳርን፥ ወርኂ ሰኔን፥ ኣብ ጐረቤቱ ሓደ ምሕረት ዘይብሉ ሰብኣይ ክፉእ ዝኾነ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፣ ነዞም ቡሩኻት ስድራቤት ብኽፉእ ዓይኑ ይጥምቶም ኣብ ርእሲ ምንባሩ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ኪገብሩ ኸለዉ ኸኣ የላግጸሎም ነበረ።  እቲ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ዘብዕል ሕያዋይ ሰብኣይ ዕለተ ሞቱ ምስ ቀረበ ንበዓልቲ ቤቱ “ዝክር ቅዱስ ሚካኤል ክትደፍንን ከተብኵርን” ከምዘይብላ ተላብይዋ ሞተ፣ እሞ ናይ ዘለዓለም መንግሥተ ሰማያት ወረሰ፣ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ንሳ ፅንስቲ ነበረት እሞ እትወልደሉ ጊዜ ኣኺሉ ኪትጸዓር ከላ ናብ ቅዱስ ሚካኤል ጸሎት ገበረት ቅዱስ ሚካኤል ከኣ መጺኡ ተራዲእዋ ብሰላም ተጋላገለት፥ ነቲ ዝተወልደ ሕፃን ከኣ ባረኾ፥ ከምዚ'ውን በላ።- “እዚ ሕፃን እዚ ነዚ ምሕረት ዘየብሉ ሃብታም ሰብኣይ ጐረቤትኪ ኪወርሶ እዩ።” እቲ ሃብታም ሰብኣይ ከኣ ብመስኮት ኮይኑ ነዚ ቓላት እዚ ይሰምዖ
ነበረ፣ እዚ ምስ ሰምዐ ኸኣ ዓቢይ ኃዘን ኃዘነ ኪቐትሎውን ደለየ። ይኹን እምበር ቅዱስ ሚካኤል ይሕልዎ ነበረ፥ ድኅሪ ዓሠርተ ዓመት ነታ ኣዲኡ ዅነታት ሽግርን ጥሜትን ኣጋጠማ’ሞ እቲ ምሕረት ዘየብሉ ሃብታም ሰብኣይ “እዚ ወድኺ ኺለኣኸኒ ሃብኒ እሞ ዕሥራ ዲናር ክህበኪ እየ” በላ። ንሳ ምስቲ ኣጋጢምዋ ዝነበረ ሽግር ዕሥራ (20) ዲናር ክህበኪ ምስ በላ ብሓጐስ ተቐቢላ ወዳ ሃበቶ። ንሱውን ብሓጐስ ተቐቢሉ ኣብ ሣንዱቕ ዓሺጉ ብመፍትሕ ዓፅዩ ምስ መፍትሑ ናብ ባሕሪ ኣጥሓሎ። ይኹን እምበር እቲ ነቲ ሕፃን ዚኃዘ ሣንዱቕ መንገዲ ዓሠርተ መዓልቲ ምስ ከደ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ተገፊዑ ኣብ ሓደ ወደብ (ማርሳ) ወፅአ።
ኣብቲ ኸባቢ ሓደ ሕያዋይ ሓላው ኣባጊዕ ሰብኣይ ነበረ እሞ ነቲ ሣንዱቕ ርእዩ ኣልዒሉ ናብ ቤቱ ወሰዶ፥ ኸመይ ጌረ ኽኸፍቶ እየ ኢሉ እናሓሰበ ኸሎ እግዚኣብሔር ኣብ ሕሊናኡ ኃዲሩ ናብ’ቲ ባሕሪ ኺኸይድ ኣብኡ ድማ ሓደ ዓሣ ዚገፍፍ ጸኒሕዎ በጃኻ እባ ብስመይ መርበብካ ናብ ባሕሪ ደርቢ እሞ ናይ'ቲ ዝወፅአ ዓሣ ዋጋ ኽኸፍለካ እየ” በሎ፣ ሽዑ ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ እሞ ሓደ ዓቢይ ዓሣ ተታኂዙ ወፅአ፥ ዋጋኡውን ከፈሎ፣ ኣብ ቤቱ ኸይዱ እንተጠብሖ ኸኣ እታ ናይ’ቲ ሣንዱቕ (ሳጹን) መፍትሕ ኣብኡ ጸንሓቶ፣ ብእኣ ጌሩ ኸፊቱ ኣብ ውሽጣ እቲ ኺቕተል ዝተሓስበ ሕፃን ጸንሖ እሞ ኣዝዩ ተገረመ። ነቲ ሕፃን ስሙ “ባሕራን” ኢሉ ሰመዮ” ትርጉሙ “ኣብ ባሕሪ
ዝተረኽበ” ማለት እዩ፣ ከም ወዱ ገይሩ ኂዙ ኸኣ ኬዕብዮ ጀመረ። ናይቲ ምሕረት ዘይብሉ ኺቐትሎ ዚደሊ ሃገርን፣ ናይቲ ዘዕብዮ ዘሎ ሓላዊ አባጊዕን ርኅቀቱ ብእግሪ መንገዲ ዓሠርተ (10) መዓልቲ ኾይኑ ድኅሪ ዕሥራ ዓመት እቲ ሃብታም ሰብኣይ ደሃይ እቲ ዘጥሓሎ ሕፃን ኪፈልጥ እንተኸደ  ኣብ ቤት እቲ ሓላዊ አባጊዕ ኪኃድር ሓተተ እሞ ኣኅደሮ፣ ኣብ ኣዘራርባኦም ንባሕራን “ባሕራን፥ ባሕራን” ኪብልዎ ምስ ሰምዐ፥ ስለምንታይ ደኣ ባሕራን (ተላሶን) እትብልዎ ኣሎኹም ኢሉ እንተሓተተ እቶም ዝፈለጡ ሰባት “እዚ ሕፃን እዚ ኻብ ባሕሪ ስለዝተረኽበ እዩ ባሕራን ተባሂሉ ዝተጸውዐ” ኢሎም ነገርዎ፣ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ሃብታም ሰብኣይ እቲ ንሱ ኣብ ሣንዱቕ ዓፅዩ ዚደርበዮ ምዃኑ ስለዝተረድአ ጐሃየ። ሕጂ ሓደ ሰይጣናዊ ዝኾነ ሕሳብ ሓሰበ፥ ንሱ ድማ ነቲ ሓላዊ ኣባጊዕ “ነዚ ቖልዓ ዝረሳዕኩዎ ነገር ካብ ቤት ከምጽኣለይ ክልእኮ ፍቐደለይ እሞ ዕሥራ(20) ዲናር ክህበካ እየ” በሎ። እቲ ሓላው ኣባጊዕ ገንዘብ ምስ ሰምዐ ብታሕጓስ ንባሕራን ኣጸዊዑ ኣምጺኡ ኣረከቦ። እቲ ምሕረት ዘየብሉ ሃብታም ሰብኣይ ናብ ቤቱ ነቲ መጋቢኡን ንሰበይቱን “ነዚ ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኂዝዋ ዚመጽእ ዘሎ ባሕራን (ተላሶን) ዝተባህለ መንእሰይ እታ ደብዳበ እናተነበት ከላ ሓደ ሰብ ከይፈለጠ ቐቲልካ ኣብ ጕድጓድ ቅበሮ” ትብል ደብዳበ ጽሒፉ ምስኡ ድማ መብጽሒ ዚኾኖ ስንቂ ኣስነቖ። ባሕራን (ተላሶን) ነዛ ቕተልዎ እትብል ደብዳበ ኂዙ መንገዲ ሓደ መዓልቲ ምስከደ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሚካኤል ብኣምሳል ወተሃደር ኣብ ፈረስ ዝተጻዕነ መሲሉ መጺኡ “ከመይ ኢልካ ውዒልካናበይ ደኣ ትኸይድ ኣሎኻ እዚ ኣብ ኢድካ ዘሎ ደኣ እንታይ እዩ” በሎ። ባሕራን “እዚ መልእኽቲ ናይ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ዚኃዘ ደብዳበ ናብ ቤቱ ከብጽሓሉ ዝለኣኸኒ እዩ” በሎ፣ ቅዱስ ሚካኤል “አርእየኒ መልእክተ ወሶቤሃ ፈርሀ እምኔሁ ባሕራን ወወሀቦ መልእክተ” ሽዑ ቅዱስ ሚካኤል እስኪ እዛ ደብዳቤ ኣርእየኒ በሎ እሞ ባሕራን ከኣ ፈሪሁ ኣርኣዮ። ቅዱስ ሚካኤል ናብ’ቲ ደብዳቤ ኡፍ በለ እሞ እቲ ቕተልዎ ዚብል ተጻሒፉ ዝነበረ ተደምሲሱ፥ ብኣንጻሩ ቕዱስ ሚካኤል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሉ “ኣነ እገለ ዝተበሃልኩ ሃብታም፥ ናብ ርኁቕ ቦታ ገይሸ ስለዘሎኹ ነዛ ደብዳበ እዚኣ ንዘብጻሓልኩም ባሕራን ዝተባህለ መንእሰይ ነታ እገሊት ዝተባህለት ጓለይ ኣመርዕውዎ፣ ብዘሎ ዅሉ ንብረተይን ሃብተይን ናይ ቤተይን ናይ በረኻን ሂበዮ ኣሎኹ፣ ኣነ ግና ከይመጻእኹ ክድንጒ ስለዝኾንኩ ቐልጢፍኩም ኣመርዒኹምዎ ጽንሑኒ፣ ኣብ ቤተይ ከኣ ዝደለየ ኪገብር ኣፍቂደሉ እየ” ኢሉ ቕዱስ ሚካኤል ነታ ደብዳቤ ቐይሩ ናብ’ቲ እንዳሃብታም ኬብጽሓ ሃቦ እሞ ንሱ ኸኣ ኣብጽሓ። ሽዑ ነቲ መጋቢ (ነታ ሰበይቲ) ሃቦ እሞ ኣንብብ ምስ ኣበለ እቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ፍሉይ መፈለጥታ ተረዲኡ መርዓ ኺግበር ኣዘዘ፣ ብሕጊ ቤተክርስቲያን ከኣ ነታ ዝተባህለት ጓል’ቲ ሃብታም ኣመርዓውዎ። ንኣርብዓ መዓልቲ ዚኣክል ከኣ ተሓጐሱ ኣብ መፈጸምታ ኣርብዓ መዓልቲ እቲ እኩይ ሃብታም ካብ መገሻኡ ቐቲሎምዎ እዮም ዚኾኑ ኢሉ መጽአ። ሽዑ ኣብቲ ቤት ብማዕዶ ናይ ጻውትን ከበሮን ድምፂ ሰምዐ እሞ “እንታይ ደኣለይ ዝሰምዕ ዘሎኹ በለ ሰባት ድማ “በታ ዝለኣኽካያ መልክዕ እገሊት ጓልካ ነቲ ባሕራን ዝተባህለ ዝለኣኽካዮ መንእሰይ ኣመርዒናዮ ዅሉ ሕጊ መርዓ ተፈጺሙ ድሮ 40 መዓልቲ ኾይኑ” በልዎ።
እቲ ሃብታም ሰብኣይ እዚ ነገር'ዚ ምስ ሰምዐ ኡይ! ኢሉ ኻብ ፈረሱ ናብ ሴፉ ወዲቑ ሞተ፣ እታ ሰበይቱውን ሰብኣይኪ ሞይቱ ምስ በልዋ ብስንባደ ሞተት፣ ባሕራን ከምቲ ኺውለድ ከሎ ትንቢት ዝተነግረሉ ምስ በዓልቲ ቤቱ ወራሲ ናይ’ዚ ሃብታም ሰብኣይ ኮነ።
ድኅሪኡ መዓርገ ክህነት ተዋሂቡ፥ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስቲያን ሓኒጹ፥ ወርኃዊ ዝኽሪ ኸየቋረጸ ዕድሚኡ ምሉእ ግቡእ ኣምላኻዊ ኣገልግሎቱ ፈጸመ። እቲ ዅሉ ዝገበረሉ ቕዱስ ሚካኤል ምዃኑ ስለዝተረድኦ ኣብ’ቲ ቤተ ክርስቲያን ሥእሊ ቕዱስ ሚካኤል ኣሥርሐ፣ ካብ’ቲ ሥእሊ ድማ ብዙኅ ተኣምራት ተራእየ፥ ብዙኃን ሕሙማት ተፈወሱ። ባሕራን ምሉእ ሕይወቱ ንኣምላኽ ቅዱስ ሚካኤል እግዚኣብሔር
ሕጉን ትእዛዙን ፈጺሙ ምስ ስድራ ቤቱ መንግሥተ ሰማያት ወረሰ።

ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።  ዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) ሐምሌ ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል።

ኣብዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሔር ንቕዱስ ሚካኤል ሊቀመላእኽቲ ናብ ሰራዊት ሰናክሬም ንጉሥ ፋርስ ልኢኹ ንኢየሩሳሌምን ንንጉሥ እስራኤል ሕዝቅያስን ኣድኃነ።
ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፣
ዕለት ዓሠርተው ክልተ (12) ነሓሴ ዚንበብ ድርሳን ቅዱስ ሚካኤል። ኣብዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሔር ንቕዱስ ሚካኤል ንቕዱስ ቈስጠንጢኖስ ኪረኣዮ ለኣኾ። ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጸላእቱ ኸኣ ኃይሊ ሃቦ ንመንግሥቱውን ኣጽንዓሉ። “ኣብያተ ጣዖታት ይተዓፀዉ፥ ኣብያተ ክርስቲያናት ይረኃዉ ኢሉ ኣውጁ ቤተክርስቲያናት ሓነጾ። ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
መወከሲ፣- ድርሳነ ሚካኤል
መዘከርታ እቲ ካብ ስም እግዝእትነ ማርያም፣ ብብዝኂ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሃገርና ከም ካልኣይ ዚስራዕ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ኣብያተ ክርስቲያን እዩ።  

                     በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን             ቅዱስ ሚካኤል  ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኵሎም መላእኽቲ ሓለቓ ኾይኑ ብፍላይ ከኣ ናይ ኃይላት ሓለቓ...