ኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን !
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን !
ንሳቶም ካብ
ኣቦታት ዝተወልዱ እዮም ክርስቶስ’ውን ብስጋ ካብኣቶም እዪ ዝተወልደ ንሱ ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ ንዘለኣለም ብሩኽ እዩ ኣሜን።ሮሜ 9፡5
ንሱ
ብባህሪኡ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ኣይገድፍን ኢሉ ኣይተኸራኸረን፡ እንተ ኾነ ሰብ ብምዃን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ። ፊሊ 2፡6 ።
ክርስቶስ ናይቲ ዘይርአ ኣምላኽ ምስልን ልዕሊ ኩሉ
ፍጥረት ዝኾነ በዂሪ ወዱ ንእግዚኣብሔር እዩ ።ከመይ ኣብ ሰማያት ዘሎ ዝርአን ዘይርአን መናብርቲ ይኹኑ ጐይትነት፡ሊቃናት ይኹኑ ስልጣናት ኩሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮም።ቈላሲ 1፡15_17
ንምድሪ ቐደም ፈጠርካያ ሰማያት ከኣ
ግብሪ ኣእካውካ እዮም። ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም ንስኻ ግና ክትነብር ኢኻ። መዝ’ዳዊት 102፡25_27.።
ንጉስ እስራኤል ተበጃዊ ዝኾነ እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ
ቀዳማይን ዳሕራዋይን ኣነ እየ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን ት/ኢሰ 44፡6-7
ኢየሱስ ከኣ
እንሆ ቐልጢፈ እመጽእ ኣለኹ እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዝሕሉ ከኣ ብጹእ እዩ” በለኒ ። ራኢ ዮሃ 22፡7 ።
እቲ
ቐዳማይ ዳሕረዋይን ሞይቱ ዝነበረ ከምዚ ይብል ኣሎ። ጸበባኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ ግና ኸ ሃብታም ኢኻ። ራኢ ዮሃ 2፡8 ።
ናይ
ዘለኣለም ሕይወት ከኣ ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን እቲ ዝለኣካዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑን ምፍላጥ እዩ ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝግበኣኒ ግብሪ ፈጺመ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ እየ ኦ ኣቦይ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈትጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ ዮሃ 17፡3_7 ።
ኩሉ
ናተይ ናትካ እዪ፡እቲ ናትካ’ውን ናተይ እዪ፡ኣነ ውን ኣብኣቶም ከበርኩ። ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ ኣነ ውን ናባኻ እመጽእ ኣለኹ ። ዮሃ 17፡10_12 ።
ኣነ
ኣብ ኣቦ ከም ዘለኹ ኣቦ እውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዝገብር ዘሎ እምበር፡እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ዘረባ ካብ ርእሰይ ኣይኮንኩን ዝዛረቦ ዘለኹ።ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ ኣቦ ውን ኣባይ ምህላዉ እነግረኩም ኣለኹ። ዮሃ 14፡10_11 ።
ኣቦ
ንምውታን ከም ዘተንስኦም ሕያዋንውን ከም ዝገብሮም፡ ወልድ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደልዮም ሕያዋን ይገብሮም። ዮሃ 5፡21 ።
ኢየሱስ ግና
ኣቦይ ክሳብ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ ፡ኣነ ውን እዓዪ ኣለኹ ኢሉ መለሰሎም ዮሃ 5፡17.
ኣነ
ከኣ ናይ ዘለኣለም ሕይወት እህበን ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን ካብ ኢደይ’ውን ዝምንዝዐን ሓደ እኳ የልቦን እቲ ንኣኣተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኩሉ ይዓቢ እዪ ካብ ኢድ ኣቦይ ኪምንዝዐን ዚኽእል ከኣ ሓደ እኳ የልቦን ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና እና በለ መለሰሎም። ዮሃ 10፡28_30.።ዮሃ 10፡36_38 ።
ንሕና ግና
ኩሉ ካብኡ ዝኾነ፡ ምንባርና ከኣ ንዕኡ ዝኾነ ሓደ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣለና።ከምኡ ውን ብእኡ ኩሉ ዝተፈጥረን ንሕና ውን ብእኡ እንነብርን ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና። 1ይ ቆሮ 8፡6 ።
እቶም ዉሉድ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ
ስለ ዝኾኑ ኢየሱስ ውን ከምኦም ሰብ ኮነ እዚ ከኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ድያብሎስ ምእንቲ ክስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባራዪ ኮይኖም ዝነብሩ ከኣ ሓራ ምእንቲ ከውጽእ ኢሉ እዩ ።ዕብ 2፡14 ።
ኢየሱስ ከኣ
እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ ንነብሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቢ ምሳይ ኣሎ ። ራኢ 22፡12 ።
ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚኣብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ። መዝ’
47፡5 ።
ነቲ
ካብ መላእኽቲ ንቁሩብ ግዜ ትሕት ኢሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና ብምኽንያት ሞቱ ሕጂ ኣኽሊል ክብሪን ግርማን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና።ሕጂ ከኣ ንሱ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ኪንዲ ኩሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዪ። ዕብ 2፡9
ነቲ
ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ መዲሓኒና ዝኾነ ኣምላኽ ቅድሚ ኩሉ ዘመናትን ሕጂን ንዘለኣለም ዓለምን ክብሪ ግርማ ሓይሊ ስልጣን ይኹኖ ኣሜን። ይሁዳ 1፡25 ።
ነቶም ቃል
ኣምላኽ ዝሰበኽልኩም መራሕቲ ዘክርዎም ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዕልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ ኢየሱስ ክርስቶስ ትማሊን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዪ።ዕብ 13፡7 8.።
ኣነ
ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረእዪ ከምዚ ኣባይ እትርእይዎ ዘለኹም መንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ በሎም። ሉቃስ 24፡39.።
እምበኣር ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕምዎም ደቂ
መዛሙርተይ ግበርዎም። ማቴ 28፡19 ።
ሕይወት ተጊሊጻ እያ ንሕና ኸኣ ሪኢናያ ኢና ንምስክር’ውን ኣለና እታ ንዓና ዝተገልጸት ምስ ኣቦ ዝነበረት ዘለኣለማዊት ሕይወት ድማ ንነግረኩም ኣለና ምሳና ሕብረት ምእንቲ ክህልወኩም ኢልና ድማ ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግረኩም ኣለና።ሕብረትና ውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ። 1ይ ዮሃ 1፡2_4 ።
እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእኩኹም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ብጀካይ ድማ መድኃኒ የብልኩምን። ሆሲእ 13፡4 ።
ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ ብኡብኡ ካብ ማይ ወጸ እንሆ ከኣ ሰማያት ተኸፍተ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ኪዓልብ ረኣየ እንሆ ድማ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዪ ዚብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ። ማቴ 3፡16 ።
ምስ ረኣኹዎ ድማ ከም ምዉት ኮይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቅኩ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ከምዚ ዝስዕብ በለኒ፣ “ኣይትፍራሕ ኣነ እቲ ቀዳማይን እቲ ዳሕረዋይን እቲ ህያውን እየ።ሞይተ ውን ነበርኩ እንሆ ከኣ ንዘለኣለም ዓለም ሕያው እየ። ራኢ 1፡17 ።
ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፥እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦ ዘሎ፥እቲ በይኑ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ። ዮሃ 1፡18 ።
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ካባና ጽቡቅን ክፉእን ዝፈልጥ ኮነ ሕጂ ከኣ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ከይነብ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ኣይብላዕ በለ። ዘፍ 3፡22 ።
እምበኣር ነሓድሓዶም ምእንቲ ከይሰማምዑ ንዑ ንውረድ እሞ ቋንቆኦም ንደባልቕ በለ። ዘፍ 11፡7 ።
ንሳቶም ከኣ ንሓድሕዶም እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እዩ ኩላ ምድሪ ከኣ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ እና በሉ ይቀባበሉ ነበሩ።ኢሰያ 6፡1
ሽሕ እኳ ኣምላኽ ተባሂሎም ዝጽውዑ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይቶትን ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኣለዉ እንተ ተባህለ፡ ንሕና ግና ኩሉ ካብኡ ዝኾነ ምንባርና ከኣ ንእኡ ዝኾነ ሓደ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣለና።ከምኡ ውን ብእኡ ኩሉ ዝተፈጥረን ንሕና ውን ብእኡ እንነብርን ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና ። 1ይ ቆሮ 8፡5-6
እቲ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ንእኡ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ክንፈልጦ ኢሉ ምስትውዓል ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና ።ንሕና ኣብቲ ሓቂ ዝኾነ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኢና ዘለና ።ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ሕይወትን እዪ ። 1ይ ዮው 5፡20
ደቀየ ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ከምቲ ክርስቶስ ጻድቕ ዝኾነ እቲ ጽድቒ ዝገብር ከኣ ጻድቕ እዩ ።ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ዝሓጥእ ዘሎ ድያብሎስ እዩ እሞ ሓጢኣት ዝገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ ።ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ከፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገጸ ። 1ይ ዮው 3፡7-8
እዚ ኩሉ ብምስላ እየ ዝተዛረብኩኹም ካብ ሕጂ ንደሓር ብዛዕባ ኣቦ ብምስላ ዘይኮነ ንዓኻትኩም ብግልጺ ዝዛረበላ ግዜ ክትመጽእ እያ ።በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም ኣነ ነቦ ምእንታኻትኩም ክልምኖ እየ ኣይብለኩምን እየ ምኽንያቱ ንስኻትኩም ኣነ ካብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም እዩ ካብ ኣቦ ወጺአ ናብ ዓለም መጻእኩ ከም በሓዱሽ ንዓለም ሓዲገ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣለኹ ።ዮው 16፡25-28
እቶም ዉሉድ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዝኾኑ ኢየሱስ ውን ከምኦም ሰብ ኮነ፡እዚ ከኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ሊዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕር ፡ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባራዩ ኾይኖም ዝነበሩ ኸኣ ሓራ ምእንቲ ኸውጽእ ኢሉ እዩ ፡ከመይ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር ንመላእኽቲ ከድሕን ኣይመጸን ። ዕብ 2፡14
ኣብ ዝመጽእ 2ይ ክፋል ድማ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ፈርዲ ድዩ ኣማላዲ
ዝብል ብስፍሕ ዝበለ ከነቕርብ ኢና
ክሳብ ሽዑ ስላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትና ይኹን
ኣሜን ።
ተወሳኺ ጽሑስ ምስ እንደሊ older posts ትብል ብምጽቃጥ ንወከስ
No comments:
Post a Comment