ጐይታ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ
17፡21 ኦ ኣቦይ ኣነ ዝልምኖ ኩላቶም ሓደ ንኽኾኑ እየ ኢሉ ፍቓዱ ብዝገለጸልና መሰረት ጸላኤ ሰናያት ኣብ ማእከል ቤተክርስትያን
ኣትዩ ጽልእን ክርክርን ወገናዊ ስሚዒትን ብምፍጣር ናይ ክርስቶስ ጐይታ ቤተ ክርስቲያን ናብ ክልተ ከም እትኽፈል ክሳብዕ ዝገበረሉ
ግዜ ክሳዕ 450 ዓመተ ምሕረት ኩለን ናይ ዓለም ኣብያተ ክርስትያናት ብሓደ እምነት እየን ዝነበራ ። ንመሰረታዊ እምነት ዝቃወም
ተቓርኖ እንተ ኣጋጠመ እውን ናይ ኩለን ኣያተ ክርስትያናት መራሕቲ ተኣኪቦም ነቲ ዝተረኽበ ሽግራት ናይ መፍትሒ ውሳኔ የመሓላልፉ
ደኣ ነበሩ እምበር ሽግራት እናረኣዩን እናሰምዑን ስቕ ኢሎም ብሸለልትነት ኣየሕልፍዎምን እዮም ዝነበሩ ።እዚ ናይ ቤተክርስትያን
ሽግር ንምውጋድ ብሓደ ኮንካ መፍትሒ ምፍጣር ከኣ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ዝነበረ እዩ እምበር ሓዱሽ ዳሕራይ ግዜ ዝተጀመረ ኣሰራርሓ
ኣይኮነን ። ናይ እዮርሳሌም ጉባኤ (51’ ዓ.ም.)
ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ምዕራፍ
15 ከም እንምልከቶ ጳውሎስን ባርነባስን ኣብ ኣንጾክያ ቤተ ክርስቲያን መስሪቶም ንቡዙሓት ኣረማውያን ብናይ ክርስትና ሃይማኖት
ምስ ኣእመኑ ካብ ናይ ፈርሳውያን ወገን ዝኾኑ ሓደ ሓደ ኣመንቲ ተላዒሎም ናብ እምነት ክርስቶስ ንዝኣተዉ ኣረማውያን ክግዘሩን ናይ
ሙሴ ሕጊ ክሕልዉን ኣለዎም ብምባል ህውከትን ክርክርን ምስ ኣለዓዓሉ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንምዝርራብን መፍትሒ ንምድላይን ሓዋርያትን
ኣርድእትን ተኣኪቦም ዘተ ገበሩ ። ድሕሪ እቲ ዘተ ሰባት መሪጾም ምስ ጳውሎስ ባርናባስን ናብ ኣንጾክያ ደብዳቤ ንምልኣኽ ወሰኑ።
ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ከኣ እዚ ዝስዕብ ነበረ። ንሕና ሓዋርያትን ሽማግለታትን ኣሕዋትኩም ፡ኣብ ኣንጾክያን ሶርያን ኪልቅያን እትነብሩ
ካብ ኣረማውያን ወገን ዝኾንኩም ኣመንቲ ኣሕዋትና ፡ሰላምታና ነቕርበልኩም ።ሓደ ሓደ ካባና ወገን ዝኾኑ ሰባት ንሕና ከይኣዘዝናዮም
ናባኻትኩም መጺኦም ብዝተዛረብኹም ቃላት ከም ዘሸገርኹምን ዝሃወኹኹምን ሰሚዕና ኣሎና ። ብዛዕባ እዚ ብሓደ ድሕሪ ምእካብና ሉኡኻት
መሪጽና ፍትዋት ኣሕዋትና ምስ ባርናባስን ጳውሎስን ናባኻትኩም ንኽንልእኮም ተሰማማዕና ። በርናባስን ጳውሎስን ምእንቲ ጐይታና ኢየሱስ
ክርስቶስ ሕይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ እዮም።ብጽሑፍን ብቓልን ውሳኔና ንኽነግርኹም ንይሁዳን ሲላስን ልኺእናዮም ኣሎና ።ብዘይካ እዞም
ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ካልእ ከቢድ ዝኾነ ጾር ኸይነጽረኩም መንፈስ ቅዱስን ንሕናን ወሲና ኣሎና ።
1ይ ንጣዖት ብምስዋዑ ምኽንያት
ዝረኸሰ መግቢ ኣይትብልዑ
2ይ ተሓሪዱ ደሙ ዘይፈሰሰ
ሕሉቕ እንስሳ ኣይትብልዑ ።
3ይ ካብ ዝሙት ረሓቑ ።
ካብዞም ነገራት እዚኣቶም
እንድሕሪ ተሓሊኹም ጽቡቕ ትገብሩ ኣለኹም ደሓን ኩኑ። እዚ ናይ ውሳኔ መልእኽቲ ምስ ኣንበቡ ምእመናን ተጸናኒዖም ብሰላም ነበሩ።
ጉባኤ
ንቅያን ውሳኔታቱን (325 ዓ.ም.)
ንጉባኤ ንቅያ ቀንዲ ምኽንያት
ዝኾነ ናይ ኣርዮስ ክሕደት እዩ ። ኣርዮስ ብ270 ዓ.ም ኣብ ልብያ ተወሊዱ ብትምህርቲ ምስ ዓበየ ቀጺሉ ኣብ እስክንድርያ ዝርከብ
መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ተማህረ ።ተሪር ዝመልሓሱ ሰብ፡ ፈላጢ ኣእምሮኛ ከም ዝነበረ ይዝንተወሉ ።በዚ ምኽንያት እዚ መጀመርታ
ናይ ዲቁና ፡ቀጺሉ ድማ ናይ ክህነት መዓርግ ተቀበለ። ናይ መንፈሳዊ ፍልጠት ዕድል ዝርከብ ግን ብናይ እግዚኣብሔር ረዲኤት ደኣሉ
እምበር ናይ ዓለም ፍልስፍናዊ ጥበብ ኣጽኒዕካ ብምንባብ ስለ ዘይኮነ ኣርዮስ ኣብ ዓለማዊ ፍልጠቱ ብምምርኳስ ዓለማዊ ምሳሌታት ብምሃብ
ወልድ ፍጡር እዩ ፥ናብ ዝብል ይቕረ ኣብ ዘይብሃሎ ክሕደት ኣተወ። ነዚ ክሕደት እዚ ዝሰምዐ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ናይ እስክንድርያ
ቤተክርስቲያን መራሒ ሊቀ ጳጳሳት ተፍጻሜ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ስሕተቱ ገለጸሉ እሞ ፡ካብ ስሕተቱ ተመሊሱ ብኦርቶዶክሳዊት እምነት
ጸኒዑ ንኽነብር ሚዒዱ እንተ ኣጠንቀቖ ኣይፋለይን ኢሉ ኽሕደቱ ብምቕጻሉ ካብ ክህነቱ ሲዒሩን ኣውጊዙን ኣባረሮ ። ብናይ ድዮቅልጥያኖስ
ንኽርስትያን ምስጓጒ ምኽንያት ፓትርያርክ ቅዱስ ጴጥሮስ ተታሒዙ ምስ ተኣስረ ፥ኣርዮስ ካብ ውግዘቱ ከይፈትሓኒ ክመውት እዩ ኢሉ
ብምፍርሑ ይቕረ ኢሉ ንኽፈትሖ ናብ ፓትርያርክ ዝልምኑ ሽማግለ ሰዲዱ ነበረ እሞ ፡ፓትርያርክ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣርዮስ ብሰማይን ብምድርን
ውጉዝ ኢሉ ደኣ ንውግዘቱ መሊሱ ኣጽንዓሉ እምበር ናይ ሽማግለ ልመና ኣይተቐበሎን ። ነዚ እምቢ ዘበሎ ምኽንያት ንምግላጽ ናይ ለበዋኡ
ትእዛዝ ንምትሕልላፍን ንተማሃርኡ ኣኪላስ (ኣርኬላኦስን) እለእስክንድርዮስን ኣጸዊዑ ከምዚ በሎም ።እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሰማይን
ምድርን ሰማዕትነተይ ንምፍጻም ይሓግዘኒ እሞ ፣ድሕሪ ሎሚ ተመሊስኩም ብህይወት ስጋ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም ።ንስኻ ኣኬላኦስ ብድሕረይ
ፓትርያርክ ክትስየም ኢኻ ።ብጻይካ እለእስክድርዮስ ድማ ብድሕሬኻ ፓትርያርክ ክኸውን እዩ ። ኣብ ሊዕሊ ኣርዮስ ጭከናን ዝተሓብአ
ተንኮልን ዘለኒ ኣይምሰልኩም ።ንኣርዮስ ዘወገዝኩ ኣነ ዘይኮንኩ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ ፣ምኽንያቱ በዛ ለይት እዚኣ
ጾሎተይ ኣብጺሐ ምስ ደቀስኩ ገጹ ከም ጸሓይ ዘብርህ ነዊሕ ክዳን ክሳብ ኣእጋሩ ዝተኸድነ መንእሰይ ናባይ ክኣቱ ረኣኹ ። ክዳኑ
ተቐዲዱ ብኢዱ ሒዙ ስለ ዝረኣኽዎ ፡ጐይታይ ክዳንካ መን ቀዲዱልካ ፧ኢለ ብዓውታ እንተ ሓተትክዎ ክዳነይ ዝቐደደ ኣርዮስ እዩ እሞ
፡ኣይትቀበሎ ፡ይቕረ ኣይትበለሉ፣
ሎሚ ክሓቱኻ ዝመጹ ሰባት
ኣለዉ እሞ ፡ሕራይ ኣይትበሎም በለኒ ።ስለዚ ንስኻትኩም ድማ ምስ ኣርዮስ ሕብረት ኣይሃልኹም ኢሉ ተላበዎም ።
ፓትርያርክ ቅዱስ ጴጥሮስ
ብሰማዕትነት ድሕሪ ምሟቱ ብ312 ዓ.ም. ኣርኬላኦስ (ኣኪላስ ) ናይ ቤተክርስቲያን እስክንድርያ መንበረ ፓትርያሪክ ብምዃን ድሕሪ
ምርካቡ ኣርዮስ ብኽሕደቱ ዝተጣዕሰ ብምምሳል ብመንፈሳዊ መልክዕ ቀረበ ። ናይ ኣርዮስ ሸምገልቲ ብሽምግልና ክልምኑ ስለ ዝቐረቡ
ኣርኬላኦስ ንናይ ፓትራሪክ ቅዱስ ጴጥሮስ ለበዋ ሸለል ብምባል ንኣርዮስ ተቐቢሉ ናይ ሓንቲ ቤተክርስቲያን ካህን ሓላፊ ገይሩ ሸሞ።
ይኹን ደኣ እምበር ኣኪላስ (ኣርኬላኦስ ) ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ዘይበዝሕ ግዜ ብሞት ተፈልዩ ፡እለ እስክንድሮስ ስለ ዝተተክአ ንኣርዮስ
ብዛዕባ ክሕደቱ ተቓዊሙ ኣውገዞ ።ናይ ኣርዮስ ደገፍቲ ምስ ፓትራርክ ከሰማምዕዎ እንተ ፈተኑ ፓትራይርክ ቅዱስ እለእስክንድሮስ ናብኦም
ተኲሩ ብምጥማት ንኸይቕበለካ ኣቦይ ስለ ዝተላበወኒ ምሳኻ ኣይራኸብን እየ እሞ ናባይ ከይትመጽእ ኢሉካ ኢልኩም ንኣርዮስ ንገርዎ፣እዚ
ድማ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ትእዛዝ ስለ ዝኾነ ብኃጢኣትካ ናብ መድኃኒና ተናዘዝ እሞ ንሱ እንተ ተቐቢሉካ ኣነ ንኽቕበለካ
ኸኣ ከፍቕደለይ እዩ በልዎ በሎም ። ካብዚ ግዜ እዚ ጀሚሩ ኣርዮስ
ናይ ክሕደት ትምህርቱ ንኽስፋሕፍሕ ንእለእስክንድሮስ ብግልጺ ክቓወሞ ጀመረ። ፓትርያሪክ ግና ንናይ ኣርዮስ ናይ ጥፍኣት ትምህርቱ
ንምቅዋም ተላዒሉ ፡መንፈሳዊ ብዃኑ ብፍልጠቱን ብትሪ መልሓሱን ንዝተፈልጠ ኣብቲ ግዜ እቲ ዕድሜኡ ወዲ 22 ዓመት ንዝኾነ ሊቐ ድያቆናት
ኣትናቲዎስ ሓጋዚኡን ፍሉይ ጸሓፊኡን ገይሩ ሸሞ ። ብ319
ዓ.ም. እለእስክንድሮስ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣኪቡ ንኣርዮስ ካብ ሓድነት ምእመናን ኣውጊዙ ፈለዮ።
ከምኡ ውን ብ321 ዓ.ም. ካብ እስክንድርያን ልብያን ዝተረኽቡ ሓደ ሚኢቲ ጳጳሳት ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ከም ዝውገዝ ገበረ ።
ኣርዮስ ከኣ ካብ እስክንድርያ ተላዒሉ ብኣተሓሳስብኡን ትምህርቱን ተሰማሚዖም ናብ ዝነበሩ ናይ ፍልስጥኤምን ናይ ንእሽቶ እስያን
ጳጳሳት ከደ ። ንሳቶም ውን ንናይ ክሕደት ትምህርቱ ንኽነዝሕ ዘፍቐድሉ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ንፓርትያሪክ እለእስክንድሮስ ንኽቕበሎ
ሓተቱ ።ፓትርያሪክ ግን ወንጌል ዮሓንስ ቅድሚ ኩሉ ቃል ነበረ ፣እቲ ቃል ከኣ ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ፣እቲ ቃል ውን እግዚኣብሔር
ነበረ ፣ ዝብል ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ብምቅራን ብናይ ክሕደት ትምህርቱ ክሳብ ዝቐጸለ እንቢ ኣይቕበሎን እየ በለ ።ካብኣቶም ጳጳሳት
ውሑዳት ብናይ እለእስክንድሮስ ኣበሃህላ ክሓብሩ ከለዉ ካልኦት ግን ብ322 ዓ.ም. ብ323 ዓ.ም. ክልተ ዝተኸታተለ ኣኼባ ብምግባር
ንናይ ፓትርያሪክ እንእስክንድሮስ ፍርዲ ዝስዕር ውሳኔ ኣሕለፉ ።ኣርዮስ ድማ ናብ እስክንድርያ ተመሊሱ መርዛም ዝኾነ ትምህርቲ ከንዝሕ
ጀመረ ።ፓትርያሪክ እንእስክንድሮስ መሊሱ እንደገና ስለ ዘባረሮ ናብ ዝነበሮ ተመልሰ ። በቲ ግዜ እቲ ናይ ኣርዮስ ደጋፊ ዝነበረን
ኣብ ናይ ቁስጥንጥንያ ቤተ መንግስቲ ተሰማዕነት ዝነበሮን ናይ ኒቆምድያ ኤጲስ ቆጶስ ኣውሳብዮስ ኣብ ማእከል እለእስክንድሮስን ኣርዮስን
ንዘሎ ዘይምስምማዕ መፍትሒ ንምድላይ፡ ኣብቲ ጉዳይ እቲ ኢዱ ንኽመልስ ንቁስጠንጢኖስ ሓተቶ። በቲ ግዜ እቲ ንጉስ ነቲ ጉዳይ ጠመተ
ብምሃብ ንኦስዮስ ዝተባህለ ኤጲስ ቆጵስ ብውክልና ናብ እስክንድርያ ለኣኾ። ኦስዮስ ከይዱ ኣብ ማእከል እለእስክንድሮስን ኣርዮስን
ዘሎ ኩነታት ድሕሪ ምጽንዑ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ንኽካየድ ናብ ንጉስ ሓሳብ ኣቕረበ ።
ብናይ ኦስዮስ መተሓሳሰቢ መስረት ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ኣብ ከተማ ንቅያ ዓለም ለኻዊ ናይ
ቤተክርስቲያን ኣኼባ ንኽግበር እሞ፡ ነቲ ሽግር መፍትሒ ንኽድለየሉ ንናይ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት መራሕቲ፡ ጻዊዒት ኣመሓላለፈ፣በቲ
ጻውዒት መሰረት ናብቲ ኣኼባ ንምርካብ ካብ ዝመጹ 318 ናይ ዓለም ኤጲስ ቆጶሳት ሓደ ናይ እስክንድርያን ፓትራያሪክ እለእስክንድሮስ
ይርከቦም ምስኡ ከኣ ሓጋዚኡን ፍሉይ ጸሓፊኡን ዝኾነ ሊቀ ያቆናት ኣትናቴዎስ መጺኡ ነበረ።እዚ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ንናይ ጉባኤ ንቅያን
ንናይ ሃይማኖት ክርስትና ኦርቶዶክስን ዓቢ ኣሰተዋጽኦ ሞያ ዝገበረ ሰብ እዩ ።
ኣብቲ ጉባኤ ዝተኻየደሉ ብመጀመርታ ኣርዮስ እቲ ዝብሎ ንኽገልጽ ምስ ተሓተተ ክዛረብ ከሎ
ወልድ ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ፡ ኣብ ነበረ፣ ንወልድ ድማ ከም ማንም ፈጠሮ እሞ ፡ወዲ እግዚኣብሔር ከም ዝኸውን ገበሮ ፣እዚ ማለት፡
ኣብ ንወልድ ድሕሪ ምፍጣሩ ስልጣን ሂቡ ኩሉ ከም ዝፈጥር ገበሮ” ኢሉ ክዛረብ ከሎ እዚ ድፍረቱ ንቡዙሓት ናይቲ ጉባኤ ኣባላት ስለ
ዘቆጥዐ ንኸይሰምዑ ኣእዛኖም ዝለኾቱ ነይሮም። ሽዑ እለእስክንድሮስ ክሓቶ ኸሎ ከምዚ በሎ፣ ኣምልኾን ስግደትን ዝግባእ ንዝፈጠረና
ድዩስ ንዘይፈጠረና በሎ፣ ኣርዮስ ንዝፈጠረና እባ ክብል መለሰ ። እለእስክንድሮስ ንስኻ ባዕልኻ ከም ዝገለጽካዮ ፍጡር እዩ ፡ ዝበልካዮ
ወልድ ዝፈጠረና ካብ ኮነ እሞ ፍጡር ንዘይኮነ ንኣብ እንቕርቦ ኣምልኾን ስግደትን ንወልድ ምቕራብና ክሕደት ማለት እዩ። መኽንያቱ
ብናትካ ኣበሃህላ ፍጡር ስለ ዝኾነ፣ እዚ ከኣ ንትምህርትኻን ንእምነትካን ብልሽውነት እኹል መረድኢ እዩ እንተ በሎ ኣርዮስ ገለ
መልሲ ከይሃበ ስቕ በለ ። ካብ ናይ ኣርዮስ ደገፍቲ ሓደ ናይ ቂሳርያ ኤጲስ ቅጶስ ዮሳብ እምነቱ ንኽገልጽ ምስ ተሓተ ቅድመይ ካብ
ዝነበሩ ናይ ቂሳርያ ኤጲስ ቆጶሳት ዝተረከብክዎ እምነት ብምባል፡ ብዛዕባ ናይ ጐይታ መለኮታዊ ክብሪ ብሩህ ዘይኮነ ዝተሓማመሰ ቃላት
እምነት ከምዚ ዝስዕብ ኣቕረበ። ኩሉ ብዝሓዘ ዝርአን ዘይርአን ኩሉ ዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ እግዚኣብሔር ኣብ ይኣምን። ናይ እግዚኣብሔር
ቃል ብዝኾነ ብሓደ ጐይታ ብኢየሱ ክርስቶስ ይኣምን፣ ካብ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ ፣ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፣ ካብ ሕይወት
ዝተረኽበ ሕይወት በዂሪ ኩሉ ፍጥረት ሓደ ውሉድ ቅድሚ ኩሉ ዘመናት ካብ ኣብ ዝተወልደ፣ ብእኡ ኩሉ ነገር ተፈጥረ፣ ምእንቲ ድሕነትና
ስጋ ለቢሱ ኣብ ማእከል ደቂ ሰባት ነበረ፣መከራ ተቐቢሉ ሞይቱ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ካብ ሞት ተንስአ፣ናብ ኣብ ዓረገ ኣብ ሕያዋንን
ሙውታንን ንኽፈርድ ተመሊሱ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ውን ንኣምን። ኣቀራርብኡ ናይ ብዙሓት ሰባት ሓሳባት ብዘይ ምርዋዩ
ክተኻኸሉ ካብ ዝግብኦም ጉዳያት ሓደ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ ዝብል ሓረግ ንኽውስኾ ብቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝቐረበ ሓሳባት ብናይ
ኣርዮስ ደገፍቲ ተቓውሞ እኳ እንተ ገጠሞ ብዙሓት ሰባት ወገን ድምጺ ተቐባልነት ረኸበ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ንዝቕረቦ ሓረግ መተካእታ
ኣርዮሳውያን ብመለኮቱ ንኣብ ዝመስል ዝብል ሓረግ ኣቕሪቦም፣ ርእይቶኦም ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን። ድሕሪ’ዚ ተተኻኺሉ ብጉባኤ
ዝጸደቐ ናይ እምነት ቀኖና እዚ ዝስዕብ እዩ ።
ኩሉ ብዝሓዘ ሰማይን ምድርን ዝርአን ዘይርአን፥ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሔር ኣብ
ንኣምን። ዓለም ከይተፈጥረ ካብኡ ዝተወልደ፥ ንኣብ ሓደ ወዱ ብዝኾነ ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንኣምን። ካብ ብርሃን ዝተረኽበ
ብርሃን፥ ካብ ሓቐኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፥ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ፥ በመለኮቱ ምስ ኣብ ዝመዓራረ፥ ኩሉ ብእኡ ዝኾነ፥
ምእንታና ምእንቲ ሰባት ንዓና ንምድሓን ካብ ሰማያት ወረደ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ኮነ ፥ ሰብ ኮይኑ
ብዘበን ጴንጠናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ ፥ ሓመመ፥ ሞተ ፥ ተቐብረ፥ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታን ተፈልዩ ተንስአ ፥ ኣብ
ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ፥ ኣብ የማን ኣብኡ ተቐመጠ፥ ካልኣይ’ውን ኣብ ሕያዋንን ምውታንን ንኽፈርድ
ብጐይትነት ክመጽእ እዩ፥ ንመንግስቱ መወዳእታ የብሉን። ካብ ኣርዮስ ዝቐረቡ ናይ ክርክር ጥቕስታት ኩሉ መልሲ ምስ ተዋህቦን፥ብዙሕ
ክርክር ድሕሪ ምክያዱን ኣርዮስ ተወጊዙ ንኽፍለ ንጉስ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ ።
ኣርዮስ ተወጊዙ ድሕሪ ምፍላዪ፥ እቲ ጉባኤ ካልኦት ጉዳያት ኣርቒቑ ።ንሳቶም ድማ እዞም
ዝስዕቡ እዮም በዓለ ትንሳኤ ናይ ትንሳኤ ጐይታ በዓል፡ ኣብ ክንዲ ፋሲካ ኣይሁድ ስለዝኾነ፡ ቅድሚ ፋሲካ ኣይሁድ ክውዕል ስለዘይግብኦን፡
ጐይታ ውን ምስ ደቀ መዛምርቱ በዓል ፈሲካ ዘኽበረ ቅድሚ ስቕለቱ ብምዃኑ፡ ኩሉ በዓል ትንሳኤ ድሕሪ ፋሲካ በዓል ኣይሁድ ዝውዕል
ሰንበት ንኽኸውን ወሰነ ።ከምኡ ከኣ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን መራሒ፡ በዓለ ትንሳኤ ዝውዕለሉ መዓልቲ፡ ንኻልኦት ጳጳሳት
ኩሎም፡ ከፍልጥ ኣለዎ ኢሉ እቲ ጉባኤ ውሳኔ ኣሕለፈ። ናይ ኣስዩ ኤጲስ ቆጶስ መላትዮስ ኣብ ዝኾነ መንበር ዝርከብ ናይ ቤተ ክርስቲያን
መራሒ፡ ልዕሊ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ኤጲስ ቅጶሳት ደኣሉ እምበር፡ ካብ ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ ኤጵስ ቆጶሳት ተላዒሉ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን
ስርዓት ወጻኢ ክኸውን የብሉን። በዚ መሰረት፡ እዚ መላትዮስ ካብ ማንም ስልጣነ ክህነት ተሳዒሩ ከም ታራ ሰብ ኰይኑ ንኽነብር ተወሰነ።
ናይ መላትዮስ ጥፍኣት እዚ ዝስዕብ ነበረ
ግዚኡ ዲዮቅልጥያኖስ ንኽርስቲያን
ዘሳጒጐሉ ዘመን እዩ ዝነበረ እሞ መላትዮስ ተታሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ ኣብ ክንዲ ናይ ሰማዕትነት ኣኽሊል ምውሳድ ካብ ፍርሃት
ዝተላዕለ ናይዚ ሓላፊ ዓለም ሕይወት መሪጹ፡ ሃይማኖቱ ኪሒዱ ንጣዖት ዕጣን ኣቕረበ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ብጾቱ ኤጲስ ቆጶሳት፡
ኣብ እምነቱ ክጸንዕ ከም ዘለዎ ዘበራትዕ ምኽሪ ሊኢኾምሉ ነይሮም። ይኹን ደኣ እምበር ንምኽሮም ኣይተጠቕመሉን። ደሓር ግን ብንስሓ
ተመልሰ ።ድሕሪ’ዚ ኩሉ በደል እዚ፡ብኢደ ወነኑ ኣብ ናይ ሓላፍነት መንበሩ ተመሊሱ ኤጲስ ቆጶሳትን ካህናትን ድያቆናትን ብምሻም
ካብ ናይ እስክንድርያ መንበር፡ ናይ ምፍላይ ዝንባሌ ብምርኣይ ናይ ፓትራይርክ ትእዛዝ ምቕባል ኣበየ ። ድሕሪ’ዚ ፓትራይርክ ቅዱስ
ጴጥሮስ ተፍጻሜ ሰማዕት ጳጳሳት ኣኪቡ ብሲኖዶስ ንመላትዮስ ንሱ ንዝሸሞም ኩሎምን ንኽሰዓሩ፡ ወሰነ። ምስዚ ኩሉ ግን ስልጣን ከም
ዘለዎ ኮይኑ ደኣ ቀጸለ እምበር ብናይ ሲኖዶስ ውሳኔ መሰረት ደው ኣይበለን። መናፍቓን ዘጠመቕዎም ሰባት፡ ብስም ስላሴ ኣሚኖም ስለ
ዘይጥመቑ፡ ጥምቐቶም ቅቡልን ቀዋምን ክኸውን ኣይክእልን። ብቤተ ክርስቲያን ሕጋዊ ዝኾነ ጥምቀት ተጠሚቑ ዝነበረ ሰብ እሞ፡ ናብ
መናፍቕነት ድሕሪ ምእታዉ ብንስሓ እንተ ተመልሰ፡ ግን ካልኣይ ጥምቀት ኣየድልዮን እዩ ኢሉ እቲ ጉባኤ ወሲኑ ። ብዛዕብ ብድንግልና
ምንባር ኩሉ ብመዓርገ ክህነት ደረጃ ዝኾነ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣገልጋሊ ብድንግልና ከነብር ኣለዎ፡ ተባሂሉ ንዝቐረበ ሓሳብ በፍንትዮስ
ዝተባህለ ኤጲስ ቆጶስ ከምዚ ዝብል ርእይቶ ኣቕረበ ።ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ ዝያዳ ንኸይዓቢ ኣብ ልዕሊ ካህናት ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ
ኣርዑት ሸኸም ክንጽዕኖም ኣይግባእን እዩ ። ጉባኤ ሲኖዶስ በዚ ርእይቶ እዚ ተሰማሚዑ፣ ካህናት ብሕጊ ሰበይቲ ከእትዉ፡ ንኽፍቀድ፥
ኤጲስ ቆጶሳት ጥራሕ ግን ብድንግልና ንኽነብሩ ኣንስቶም ዝሞታኦም ካህናት ከኣ ተመሊሶም ካልኣይ ንኸይምርዓዉ ኢሉ ወሰነ ። ተወሰኽቲ
ቀኖናታት ጉባኤ ኒቅያ
ቅድሚ ምፍጻም እቲ ጉባኤ
ዝተኣከቡ ኣቦታት ናይ ቤተ ክርስትያን ምሕደራ ዕስራ ቀኖናታት ሰርዑ ። ኣብዚ ግን ዓሰርተው ሸብዓተ ተጠቂሰን ኣለዋ ።
1.ብምኽንያት ሕማም ሓኪም፡
ፍረ ነብሱ ዝሰለቦ፣ ብጥቕዓት ጸላኢ ዝተሰልበ፥ ወይ ሓለቕኡ ብተኣማንነት ቤቱ ንምሕላው ዝሰለቦ፣ እሞ ቤተ ክርስቲያን ንምግልጋል
ብቑዕ ኮይኑ እንተ ተረኽበ ብመዓርግ ክህነት ከገልግል ፍቓደኛ እንተ ኾነ ሕጊ ኣፍቒድሉ ኣሎ ። ባዕሉ ብድሌቱ ፍረ ነብሱ ዝሰለበ
ሰብ ግን መዓርገ ክህነት ኣይፍቀዶን። ኣብ ኣገልግሎት መዓርገ ክህነት ከሎ ንርእሱ ዝሰለበ ሰብ ከኣ ካብ ክህነቱ ክሰዓር ኣለዎ
።
2. ብጣዕሚ ኣድላዪ ኮይኑ
ብምርካቡ ወይ ብግዲ ክኸውን እንተ ኸኣለ’ውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና ዝቓወሙ ብዙሓት ኲነታት ተፈጺሞም እዮም ።ካብ ኣረሚነት
ሓደስቲ ብእምነት ዝመጹ ሰባት ቅሩብ ግዜ ትምህርቲ ምስ ተዋህቦም ተቐባልነት ረኺቦም ንግዜኡ ተጠሚቆም ንኤጲስ ቆጶስነት ኮነ ንክህነት
ዝተመደቡ ኣለዉ።ካብ ሕጂ ንደሓር ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ክኽልከል ኣለዎ ።ሓዋርያ ጳውሎስ ውን ሓዲሽ ኣማኒ ምስ ተጠመቐ ንምልምማድ
ዝኣክል ግዜ ክህልዎ ከም ዝግባእ ንኸረድእ ድያብሎስ ብትዕቢት ተነፊሑ ከም ዝተፈርዶ፣ ንኸይፍረዶ ሓዱሽ ኣማኒ ናይ ቤተ ክርስቲያን
ኣማኒ ኣይኹን።
(1ይ ጠሞ 3፡6 )
3.ምስ
ኣዲኡ ወይ ሓፍቱ ሓትንኡ ወይ ናብ ዝሙት ገጽ ድልየት ኣለዋ ተባሂላ ዘይትግመት ሰበይቲ እንተ ዘይኮይኑ፣ ሓደ ኤጲስ ቆጶስ ወይ
ሓደ ካህን ወይ ሓደ ድያቆን ወይ ዝኾነ ናይ ቤተክርስቲያን ኣገልጋሊ ምስ ማንም ሰበይቲ ሓቢሩ ንኸይነብር እዚ ዓቢ ጉባኤ ብጥብቒ
ከልኪሉ ።
4.ኤጲስ ቆጶስ ዝሽየም እንተ ተኻኢሉ ብኢድ ኩሎም ኣብ ሃገረ ስብከት ዝርከቡ ኤጲስ ቆጶሳት ክኸውን ይግባእ
።እንተ ዘይኮይኑ ግን እንተ ወሓደ ብኢድ ሰለስተ ኤጲስ ቆጶሳት ክኸውን ኣለዎ ። ነዚ ድማ ንምምራጹ ዝድግፉ ምዃኖም ብጽሑፍ ከረጋግጹ
ይግባእ። ኮይኑ ከኣ ምቕብኡ ብሓለቓ ኤጲስ ቆጳሳት ክኸውን ኣለዎ ።እንተ ዘይኮይኑ ግን ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን።
5.ብናይ ሃገረ ስብከታት ኤጲስ ቆጶሳት ካብ ሕብረት ምእመናን ዝተኸልከሉ ካህናት ወይ ካብ ምእመናን ወገን፣
ብኻልኦት ተቐባነት ንኸይረኽቡ ዝተወሰነ ውሳኔ በመሰረት ሕጊ ቀዋሚ ይኹን። ምናልባት ዝተኸልከሉ ምኽንያት ካብ ጉድለት ፍልጠቶም
ዝተላዕለ፣ ወይ ብሓፈሻዊ ጽልኢ፣ ወይ ከኣ ብናይ ግሊ ጽልኢ ኤጲስ ቆጶስ ንኸይከውን መርመራ ይገበሮ ተመሳሳሊ ኲነታት ንምምርማር
ናይ ኩሎም ሃገረ ስብከታት ኤጲስ ቆጶሳት ብሓፈሻ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ክእከቡ ኣለዎም ። እዞም ክልተ ኣኼባታት ዝካየደሎም ግዜ
ሓደ ቅድሚ ዓቢ ጾም ንእግዚኣብሔብር ንጽህ ውህበት ልቢ ንምቕራብ ፥ ካልኣይ ከኣ ብመጸው ግዜ ቀውዒ እዩ ። ኣብ ልዕሊ ሓደ ኤጲስ
ቆጶስ በደለኛታት ኰይኖም ዝተረኽቡ ሰባት ብናይ ኤጲስ ቆጶሳት ጉባኤ ይቕረታ ክሳብ ዝግበረሎም ካብ ተሳትፎ ምእመናን ክልኩላት ይኹኑ
። ብሓፈሻ ሓደ ኤጲስ ቆጶስ ብዘይ ፍቓድ ሓለቓ ኤጲስ ቆጶሳት (መትሮፖሊስ ) ክሽየም ዘይግብኦ ምዃኑ እዚ ዓቢይ ሲኖዶስ ወሲኑ
። ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ኣርኣእያ ካብ ካልኦት ኤጲስ ቆጶሳት ዝተፈልየ እንተ ኾነ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ስርዓት መሰረት ብድምጺ
ብልጫ ይውሰን።
6.ካብ ቅድም ጀሚሩ ተተሓሒዙ ዝመጸ ልምድን ባህልን ትውፊትን ከም ዝተመልከተ ናይ እዮርሳሌም ኤጲስ ቆጶስ
ዝተፈልየ ክብሪ ኣለዎ ። ተግባርነቱ ንርእሲ ከተማ ቂሳርያ ዘይትንክፍ ኮይኑ ንናይ ኢዮርሳሌም ኤጲስ ቆጶስ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ
።
7.ንርእሳቶም ካብ ዝኾነ ነገር ንጹሓን ኢና ዝብሉ ሰባት ናብ ዓለም ለኻውነትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ቤተክርስትያን
ቀሪቦም ብኣብሮተ ኢድ ቡራኬ ተገይሩሎም በዚ ኩነታት እዚ ብመዓርገ ክህነት ንኸገልግሉ ከም ዝኽእሉ እዚ ዓቢይ ሲኖዶስ ውሳኔ ኣሕሊፉ
። ቅድሚ እዚ ኩሉ ግን ናይ ቤተ ክርስትያን ሓድነት ምስ ቤተ ክርስትያን ሓደ ምዃን ድልየት ምህላዎምን ስርዓት ከም ዘኽብሩን ብጽሑፍ
ከረጋግጹ ኣለዎም ።
8.ኲነታቶም ከይተመርመረ ካህናት ዝኾኑ ሰባት፣ ወይ ኩነታቶም ተመርሚሩ ብሓጢኣቶም ድሕሪ ምንዛዞም ካብ ሕጊ
ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ እንተ ተሸሙ ቤተ ክርስቲያን እትደልዮ፣ ነቐፌታ ዘይብሉ መራሒ ብምዃኑ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እቲ ስርዓት ኣይቅበሎምን
። (1ይ ጠሞ 1፡2)
9, ዝኾነ ሓጢኣተኛ ሰብ እንታይነቱ ብዘይምፍላጡ፣ ወይ ብሸያሚኡ እናተፈልጠ ኣብ ናይ ክህነት
ደረጃ እንተ ተሾመ ሕጊ ዝእዝዞ ይፈጸመሉ ።እዚ ድማ ካብ መዓርጉ ይሰዓር ማለት እዩ
።
10.ናይ
ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ስርዓት ከም ዘመልክቶ ሓደ ንሞት ዝቐረበ ተነሳሒ ቅዱስ ቅርባን ንምቕባል ዝፍቐደሉ ክኸውን ከሎ ድሕሪ እዚ
ካብ ሕማሙ እንተ ሓወየ፣ ግን ብቑዕ ምዃኑ ከይተረጋገጸ ኣብ ኣፍ ሞት ከሎ ብምቚራቡ፣ ድሕሪ ምሕዋዩ በቒዑ እዩ ክበሃል ስለ ዘይከኣል
ብቑዕ ክሳብ ዝኸውን መስርዑ ምስቶም ገና ንምቑራብ ብጾሎት ተጸበይቲ ዝኾኑ ሓቢሩ ክጸንሕ ኣለዎ ።
11,ሃይማኖታውያን ተማሃሮ
ብሓጢኣት እንተ ወደቑ ሰለስተ ዓመት ምስ ወሃብቲ ቀኖናኦም ድሕሪ ምሕላፎም፡ ምስ ናይ ሃይማኖት ተማሃሮ ንኽጽልዩ ክፍቀደሎም ዓቢይ
ቅዱስ ሲኖዶስ ወሲኑ ።
12.ብምኽንያት ብዙሕ ሁከትን
ክርክርን፡ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ዘሎ ልምዲ ፈጺሙ ንኽተርፍ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኽበ ።ናይ ሓደ ኤጲስ ቆጶስ ኮነ ካህን ወይ ድያቆን
ካብ ሓደ ከተማ ናብ ሓደ ከተማ ወይ ዓዲ ምዝውዋር ንሓዋርያዊ ሕጊ ዝቓረን ስራሕ እዩ ።
13.
ፍርሓት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ናይ ቤተ ክርስቲያን
ቀኖና ዘይፈልጡ፡ ቤተ ክርስትያኖም ሓዲጎም ናብ ካልእ ቤት ክርስቲያን ዝኸዱ ካህናት ኮነ ድያቆናት ወይ ካልኦት ኣገልገልቲ ቤተ
ክርስቲያን፡ ናይ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት ከይዶም ተቐባልነት ክረኽቡ ኣይግባእን ። ናብ ዝነበርዎ ቤተ ክርስቲያን ክምለሱ ኣለዎም
።እምቢ ኢሎም እንተ ኸዱ ግን ምትሕብባር ክግበረሎም ኣይግባእን ። ንሓደ ቤተ ክርስቲያኑ ገዲፉ ናብ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ዝኸይድ
ሰብ፡ ካብቲ ዝመጾ ቤተ ክርስትያን ፍቓድ ከይረኸበ ኤጲስ ቆጶስ ኮነ ወይ ማንም ብክህነት ዘሕደሮ ክህነቱ ዋጋ የብሉን ።
14.
ገንዘቡ ብሓርጣ ዘየለቕሕ ንዘለዓለም ኣይሕወኽን ዝብል
ቃል እግዚኣብሔር ረሲዖም ብኣነዋሪ ዝኾነ ስስዕቲ፡ ጥቕሚ ብምድላይ ብዙሓት ሰባት ገንዘቦም ብሓረጣ የለቕሑ እዮም።(መዝ 15፡5)
ዝኾነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ንድራር እለት ውን ይኹን እዚ ቀኖና ወይ ስርዓት’ዚ ካብ ዝተሰርዓሉ ግዜ ጀሚሩ ብሓረጣ ገንዘቡ
ኣለቂሑ ዝተረኽበ ካብ ሽመት ክህነት ተሳዒሩ ተራ ሰብ ክኸውን እቲ ጉባኤ ወሲኑ ።
15.
ድያቆናት ናይ ኤጲስ ቆጶሳት ተላኣኽቲ ምዃኖምን ደረጅኦም
ካብ ካህናት ትሕት ዝበለ ምዃኑን ተረዲኦም እንታይነቶም ይፍለጡ ። ዝቐርብሉ ድሕሪ ካህናት ኮይኑ፡ ዘቚርቦም ከኣ ኤጲስ ቆጶስ ወይ
ቀሺ እዩ ። ከምኡ ውን ድያቆናት ኣብ ማእከል ካህናት ኮፍ ክብሉ የብሎምን ።ምኽንያቱ እዚ ኩሉ ተግባር እዚ ሕግን ናይ ደረጃ ቅደም
ተኸተልን ዝጻረር እዩ ። ድሕሪ እዚ ውሳኔ እዚ ርእሱ ከትሕት ዘይደሊ ድያቆን እንተልዩ ካብ ኣገልግሎት ዲቑና ክኽልከል ኣለዎ ።
16.
ናይ ጳውሎስ ሳምሳጢ ሳዓብቲ እምነት ዝነብሩ ናብ ዓለም
ለኻዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝምለሱ ናይ ግድን እንደገና ብስም ስላሴ ክጥመቑ ኣለዎም ።
17.
ሓደ ሓደ ሰባት ብመዓልቲ ሰንበትን በዓላት ሓምሳን
ብብርኮም ተንበርኪኾም ይጽልዩ እዮም ። በዘን መዓልታት እዚኣተን ግን ኩሉ ሰብ ቆይሙ ንኽጽሊ ንኹሉ ኣብ ዘለዎ ሕጊ ንኽኸውን ቅዱስ
ሲኖዶስ ወሲኑ።
ጉባኤ ንቅያ ኣብ ዝተፈጸመሉ ኣብ ሓሙሻይ ወርሒ፡ ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ እለእስክንድሮስ
ብሞት ስለ ዝተፈልየ መታካእትኡ፡ ናይ ኒቅያ ጉባኤ ንናይ መውዳእታ ጉባኤ ኒቅያ ኣጽጋቢ ዓቢ ውጺኢት ዘበርከተ ቅዱስ ኣትናቴዎስ
ተሾመ ። እለእስክንድሮስ ምስ ሞተ፡ ኣርዮሳውያን ንኣርዮስ ካብ ውግዝቱ ንምፍታሕ ብዙሕ ፈተነ ገበሩ ።እዚ ፈተነ እዚ ዝገበረዎ
ናይ ኣርዮስ እምነት ሒዛ ብዝነብረት ቆስጠንድያ ብዝተባህለት ሓፍቲ ንጉስ ነገስት ቈስጠንጢኖስ ምኽንያት እዩ ። ኣርዮስ ብንስሓ
ዝተመልሰ ብምምሳል ንንጉስ ኣታሊሉ ብ329 ዓ.ም. ናይ ኣርዮስ ደጋፊ ዝነበረ ናይ ኒቆምዳ ኤጲስ ቆጶስ ኣውሳብዮስን ካልኦት ፈተወቲ
ኣርዮስን ኣኼባ ጌሮም፡ ኣርዮስ ካብ ውግዘቱ ንኽፍታሕ ወሰኑ። ምስ ናይ ውሳኔኦም ፋይል ብምትሕሓዝ ኣትናቴዎስ ንኣርዮስ ንኽቕበሎ
መልእኽቲ ለኣኹ ።ኣትናቴዎስ ግን ኣይቕበሎን እየ በለ ።እንቢ መቢሊኡ ከኣ ንንጉስ ብዝርዝር ጺሒፉ ሰደደሉ ።ኣርዮሳውያን በዚ ዕድል’ዚ
ተጠቒሞም ኣብ ማእከል ኣትናቴዎስን ንጉስን ዘይምስምማዕ ከም ዝፍጠር ገበሩ ። ፈለማ ንኣትናቴዏስ ንምብዳል ንምብቃል ዝተገብረ ፈተነ፡
ኣትናቴዎስ ዝርከበሉ ኣብ ከተማ ጢሮስ፡ ኣኼባ ንኽግበር ተወሰነ ። ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ዝነበሩ ኣባላት መብዛሕቲኦም ኣርዮሳውያን
ጸላእቲ ኣትናቴዎስ ስለ ዝነበሩ፡ ብግፍዕን ብተንኮልን ኣትናቴዎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽኣቱ ወሲኖም። ንጉስ ፍቓዶም ብምፍጻም ትሬቭ
ኣብ ዝተባህለት ከተማ ኣሰሮ ። እዚ ከኣ ኣብ ጉባኤ ከተማ ጢሮስ ኣትናቴዎስ ብናይ ሓሶት ክሲ ተኸሲሱ ነጻ እኳ እንተ ወጸ ብናይ
እዚ ጠንቒ ወይ ሰበብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወሉ ግዜ 337 ዓ.ም. እዩ። ኣትናቴዎስ ብምእሳሩ ኣርዮሳውያን ዕድል ረኺቦም፡ ኣብ
ክንዲ ኣትናቴዎስ ንኣርዮስ ክሸሙ እንተ ፈተኑ፡ ምእመናን ስለ ዘይተሰማምዕሉ ኣዋሪዶም ኣባረርዎ። ሽዑ ንጉስ ንኣብ መንበር ቊስጥንጥያ
ዝነበረ ፓትርያሪክ ንኣትናቴዎስ ሓጋዚ ዝነበረ እስክንድርን ንቊስጥንጥንያ ኣጸዊዑ ንኣርዮስ ተቐቢሉ ምስኡ ሓቢሩ ንኽቕድስ ኣዘዞ።
ፓትርያሪክ ግን ኣርዮስ ወልድ ፍጡር እዩ ዝብል፣ እዚ ብልሽው እምነት ዘለዎ ከመይ ጌርና ኣብ ናይ ምእመናን ሓድነት ክንቕበሎ ንኽእል
ኢሉ እንተ መለሰ፡ ንጉስ ግን ካብ ሕጂ ሒዙ ኣርዮስ ብንስሓ ተመሊሱ እዩ በሎ ። ፓትርያሪክ ከኣ እምበኣር እምነቱ ብኽታም የረጋግጽ
እሞ ይምሓል ከኣ በሎ። ኣርዮስ ከኣ ቀንዲ እምነቱ ኣብ ልቡ ሓቢኡ ንዝተሓተትሉ ብሓሶት ፈረመን መሓለን። ሽዑ ናይ ኣርዮስ ተንኮል
ዝተረድአ ፓትርያሪክ ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣተወ፡ ኣብ መሬት ወዲቑ ከምዚ ኢሉ ጸለየ፣ ኦ ጐይታ ኣርዮስ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ
ኣትዩ ክቕድስ እንተ ደኣ ኮይኑ ንባርያኻ ብሞት ኣሰናብቶ፣ ወይ ከኣ ንኣርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ሒዙ ናብ ቤተ ክርስቲያንካ
ከይኣቱ ከልክሎ ኢሉ ጸለየ። ኣርዮስ ተቐባልነት ንኽረክብ ናይ ንጉስ ትእዛዝ ምስ ተመሓላለፈ፡ ብፈተውቱን ደገፍቱን ተሰንዩ ብሓጎስ
እናተዘራረበ ወጸ። ይኹን ደኣ እምበር ካብኣቶም ተፈልዩ ናብ ዓይኒ ምድሪ ከደ እሞ፡ ንተኸታሊኡ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ንኽጽበዮ ሓበሮ።
ኣብኡ ብምድንጓዩ ተኸታሊኡ ማዕጾ እንተ ኳሕኮሐ መልሲ ሰኣነ እሞ፡ ማዕጾ ከፊቱ እንተ ረኣየ ናይ ኣርዮስ ከብዲ ውሽጡ ወጽዩ ተዘርዚሩ
ሰውነቱ ኣብ መሬት ተዘርጊሑ ሞይቱ ተረኽበ ። ናይ ኣርዮስ ፍጻሜ በዚ ይኹን ደኣ እምበር ናይ ክሕደት ትምህርቱ ንብዙሓት በኪሉ
ስለ ዝነበረ ኣብ ማእከል ኣትናቴዎስን ኣርዮሳውያንን ብዝተገብረ ክርክር፡ ኣርዮሳውያን ምስ ነገስታት ብምስምማዕን ብምምሽጣርን ንቅዱስ
ኣትናቴዎስ ሓሙሽተ ግዜ ዝኣክል ካብ መንበሩ ብምልዓል ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝኣቱ ገበሩ
። ካልኣይ ጉባኤ ይቅጽል. . .
ተወሳኺ ጽሑፍ ምስ እንደሊ older posts ትብል ብምጽቃጥ ንወከስ
ምንጪ ፡ትምህርተ መለኮት ወስርዓተ ኣምልኮት
No comments:
Post a Comment