Tuesday, July 16, 2019




ኢየሱስ ክስርቶስ ፈራዲ ከም ዝኾነ ፡ ካልኣይ ክፋል
 

እዚ ብጥቕስታት ጥራይ ነቕርቦ ዘለና
ጽባሕ ከም እዚ እንርኦ ዘለና እንተ ኾይኑ
እዞም ሓቐኛታት ቃላት ከምቲ ዝድለ ትርጉሞም ሒዞም ዘይክርከቡ
ይኽእሉ ኢዮም ።ስለዚ ሎሚ ኣብ ልቢ ኩሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ጸሪጾም እንተ ጸኒሖም ጽባሕ ብትርጉም ይኹን ብሓሳብ ኣይታለሉን እዮም ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን


ኢየሱስ ክርስቶስ ወልድ ከም ዝኾነ
ህጻን ተወሊዱልና ወዲ ውን ተዋሂቡና እዪ ንሱ ከኣ ገዛኢና ክኽውን እዪ።ንሱ ግሩም መኻሪ ብርቱዕ ኣምላክኽ ዘለኣለማዊ ኣቦ መስፍን ሰላም ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ ።ት’ኢሰያ 9፡6 ።
ቓል ብቅድሙ ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓል ውን ኣምላኽ ነበረ፡ንሱ ብቅድሙ ኣብ ኣምላኽ ነበረ ብእኡ ኩሉ ተፈጥረ ።ዮሃ 1፡1።
እቲ ቓል ስጋ ኮነ ጸጋን ሓቕን መሊእዎ ከኣ ኣባና ሓደረ ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዱ ነብኡ ርኤና ።ዮሃ 1፡14 ።
ነታ ሰበይቲ ውን ደጊምሲ ባዕላትና ሰሚዕና ደኣ እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ክርስቶስ መድሕን ዓለም ምኻኑ ፈሊጥና እምበኣር ብዘረባኺ ኣይኮናን እንኣምን ዘለና በልዋ። ዮሃ 4፡42።
ቶማስ ከኣ መሊሱ ጐይታይን ኣምላኽይን በሎ ኢየሱስ ከኣ ስለ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣምንካ እቶም ከይረኣዪ ዝኣምኑ ብጹኣን እዮም በሎ። ዮሃ 20፡28
ቦኽሪ ወዳ ክሳብ እትወልድ ኣይፈላጣን ስሙ ድማ ኢየሱስ ኢሉ ሰመዮ ማቴ 1፡25
ካብ ኣቦ ኩሉ ተዋሂብኒ ኣሎ ብዘይካ ኣቦ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን ነቦ ድማ ብዘይካ ወልድን እቲ ንሱ ኽገለጸሉ ዝፈቱን እንተ ዘይኮይኑ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የልቦን ማቴ 11 ፡27 ሉቃ 10 ፡22
ሽዑ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ወልድ ነቲ ኣብኡ ክገብሮ ዝረኣዮ እንተ ዘይኮኑ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ክገበር ኣይክእልን እዪ ነቲ ኣቦ ዝገበሮ ዘበለ ኩሉ ወልድ ውን ይገብሮ። ዮሃ 5፡19 ።
ኣቦ ንውልድ የፍቅሮ እዪ ነቲ ዝገብሮ ዘበለ ከኣ የርእዮ እዩ ንስኻትኩም ምእቲ ክትድነቑ ከኣ ካብዚ ዝዓቢ ግብሪ ከርእዮ። ዮሃ 5፡0 ።
ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዪ እንተኾነ ኩሉ ፍርዲ ዘበለ ንውልድ ሃቦ። ዮሃ 5፡22 ።
ከምቲ ነቦ ሕይወት ዘለዎ ወልድ ውን ናይ ባዕሉ ሕይወት ክህልዎ ሃቦ ። ዮሃ 5፡26 ።
ኣቦ ንወልድ ምእንቲ ከኽብር’ሲ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኩሉ ክገብረልኩም እየ ።ዮሃ 14፡13 ።
እቲ ንወልድ ዝኽሕድ ኣቦ ኣብኡ የለን እቲ ንወድ ዝኣምን ነቦ ይኣምን 1ይ ዮሃን 2፡23 ።
እቲ ካብ መጀምርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ኾይኑ ከኣ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም 1ይ ዮሃ 2፡24 ።
እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝጸንዕ ኣብን ወልድን ኣብኡ ኣለዉ 2ይ ዮሃ 1፡9
እምበኣር ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕምዎም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም። ማቴ 28፡19


ኢየሱስ ክርስቶም ፈራዲ ከም ዝኾነ

ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ ፡እንተኾነ ኩሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ ፡እዚ ከኣ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ጌይሩ ኩሉ ሰብ ንወልድ ምእንቲ ከኽብሮ እዩ እቲ ንወልድ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ ውን ኣየኽብሮን እዩ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ እቲ ንቃለይ ዝሰምዕ በቲ ዝለኣኸኒ ውን ዝኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ ። ዮሓ 5፡22_29
ካብ ርእሰይ ገለ ነገር እኳ ክገብር ኣይክእልን እየ ከምቲ ዝሰማዕኩዎ እፈርድ ፍቃድ እቲ ዝለእኸኒ እምበር ፍቃደይ ስለ ዘይደሊ ከኣ ፍርደይ ቅኑዕ እዩ ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ ምስክረይ ሓቂ ኣይኮነን ፡ንኣይ ዝምስክረለይ ካልእ ኣሎ ፡እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዝምስክሮ ምስክርነት ከኣ ሓቂ ምኻኑ እፈልጥ እየ ። ዮሓ 5፡30
ንስኻትኩም ከም ፍርዲ ሰብ ኢኹም እትፈርዱ ዘለኹም ኣነ ግና ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እየ ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦን ኢና እመበር በይነይ ኣይኮንኩን እሞ ኣነ እንተፈረድኩ ፍርደይ ሓቂ እዩ ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ከም ዝኾነ ኣብ ሕግኹም ጽሑፍ እዩ ፡ብዛዕባ ርእሰይ ዝምስክር ኣነ ባዕለይ ኣለኹ ፡እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይውን ይስክረለይ ኣሎ ።ዮሓ 8፡15_18
ሽዑ ንሳቶም ንስኻ መን ኢኻ በልዎ ፡ኢየሱስ ከኣ ኣነ እቲ ካብ መጀመርታ ሕዘ ዝነገርኩኹም እየ ፡ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ ኣለኒ ፡እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቂ እዩ ። ዮሓ 8፡25_26
ኢየሱስ ድማ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ክርእዩ እቶም ዝርእዩ ከኣ ምእንቲ ኺዖሩ ኢለ ንፍርዲ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ መጺአ ዘለኹ በለ፡ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈርሳውያን ገሊኣቶም ነዚ ሰሚዖም ንሕና ኸ ዕውራት ምዃና ዲና በልዎ ፡ኢየሱስ ድማ ዕውራት እንተ ትኾኑስ ሓጢኣት ኣይምኾነኩምን ነይሩ ፥ሕጂ ግና ንርኢ ኢና ትብሉ ኣለኹም ስለዚ ሓጢኣትኩም ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ በሎም ። ዮሓ 9፡39_41
ነቲ ንኣይ ዝኣቢ ንቓለይ ውን ዘይቕበል ዝፈርዶ ኣሎ፡ እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ ፡መኽንያቱ ኣነ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር ፥ካብ ርእሰይ ኣይኮንኩን እቲ ትእዛዙ ከኣ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ከም ዝኾነ ይፈልጥ እየ ።ዮሓ 12፡48
ኣቦ ብወልድ ምእንቲ ክኸብርሲ ብስመይ ዝለምንኩምዎ ዘበለ ኩሉ ክገብረልኩም እየ ፡ብስመይ ዝኾነ ነገር እንተ ለመንኩም ውን ክገብረልኩም እየ ። ዮሓ 14፡13_14
በታ መዕልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም ኣነ ንቦ ምእንታኹም ክልምኖ እየ ኣይብለኩምን እየ ፡መኽንያቱ ንስኻትኩም ኣነ ካብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም እዩ ። ዮሓ 16፡26_29
ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኣጥምቀኩም ኣለኹ እቲ ድሕረይ ዝመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ ፡ኣነስ ኣሳእኑ ክጸውር እኳ ኣይበቕዕን እየ ፡ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ ፥ስርናዩ ኣብ ቆፍኡ ኺእክብ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ከንድዶ እዩ ። ማቴ 3፡11_12
ካብቲ እምባ ክወርድ ከሎ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።እንሆ ከኣ ሓደ ለምጻም ቀሪቡ “ጐይታይ! ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ እና በለ ሰገደሉ ።ኢየሱስ ከኣ ኢዱ ዘርጊሑ ፍቓደይ እዩ ንጻህ እና በለ ተንከዮ ብኡብኡ ከኣ ካብ ለምጹ ነጽሐ ።ኢየሱስ ድማ ንሓደ እኳ ከይትነግር ተጠንቀቕ ግና ሰብነትካ ብኻህን ኣመርምር ንኣታቶም ንምስክር ምእንቲ ክኾኖም እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ በሎ ማቴ 8፡1_4
ኢየሱስ ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ ፡ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ ቐሪቡ ፡ጐይታይ !ወደይ መጻጉዕ ኮይኑ ኣብ ገዛ ደቂሱ ኣዝዩ ይቚንዞ ኣሎ እና በለ ለመኖ ።ኢየሱስ ድማ እኔኹ መጺአ ከሕውዮ እየ በሎ ።እቲ ሓለቓ ሚእቲ ከኣ ጐይታይ! ንስኻ ናብ ቤተይ ክትእቱ ኣይበቅዕን እየ ፡ግና ሓንቲ ቃል ጥራይ ተዛረብ ወደይ ድማ ኺሓዊ እዩ ።ኣነ ውን ትሕቲ ስልጣን ዝሓደርኩ ሰብ እየ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣለዉ ነዚ ኪድ እብሎ ይኸይድ ነቲ ኻልእ ንዓ እብሎ ይመጽእ ንጊልያይ ድማ እዚ ግበር እብሎ ንሱ ድማ ይገብር እና በለ መለሰሉ ።ኢየሱስ ነዚ ሰሚዑ ተደነቐ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ድማ ኸምዚ በሎም ኽንዲዚ ዝኣክል እምነት ኣብ እስራኤል ኣብ ሓድ እኳ ከምዘይረኸብኩ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ክመጹ ኢዮም ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቕን ያዕቆብን ኪቕመጡ እዮም እብለኩም ኣለኹ ደቂ መንግስቲ ግና ናብቲ ኣብ ግዳም ዘሎ ጸልማት ክድርበዩ እዮም ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቕምቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ ። ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚኢቲ ኪድ ከምዝኣመንካዮ ይኹነልካ በሎ እቲ ወዲ ከኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ ። ማቴ 8፡ 5_13
ኢየሱስ ናብ ጃልባ ደይቡ ተሳገረ ፥ ናብ ዓዱ ውን መጸ። እንሆ ከኣ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሓደ ልሙስ ኣምጽእሉ ፥ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ ፡ነቲ ልሙስ ኣጆኻ እዚ ወደይ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ በሎ ።እንሆ ከኣ ገሊኦም ካብ መምህራን ሕጊ ንሓድሕዶም ብልቦም እዝስ ይጻረፍ ኣሎ በሉ ።ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዚ በሎም ።”ስለምንታይ ብልብኹም ክፉእ እትሓስቡ ኣየናይ ይቕልል፥ ሓጢኣትካ ትሓዲጉልካ ምባልዶ ወይ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል እምበኣር ከስ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ክትፈልጡ ኢሉ ሽዑ ነቲ ልሙስ ተንስእ ዓራትካ ኣልዕልካ ናብ ቤትካ ኪድ በሎ ተንሲኡ ድማ ናብ ቤቱ ከደ እቶም ህዝቢ ከኣ እዚ ርእዮም ፈርሁ ንሰብ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንዝሃበ ኣምላኽ ድማ ኣመስገንዎ ።ማቴ 9፡1_ 8
ኢየሱስ ካብኡ ምስ ሓለፈ ክልተ ዕውራት ዓው ኢሎም “ኦ ወዲ ዳዊት ምሓረና !”እና በሉ ሰዓብዎ ።ናብ ቤት ምስ ኣተወ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹ ፥ኢየሱስ ድማ እዚ ኽገብር ከም ዝኽእል ዶ ትኣምኑ ኢኹም በሎም ።ንሳቶም ከኣ እወ ጐይታይ በልዎ ።ንሱ ድማ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም እናበለ ኣዕይንቶም ተንከዮም።ኣዕይንቶም ከኣ ተኸፍታ ።ኢየሱስ ድማ ሓደ እኳ ከይፈልጥ ተጠንቀቑ እናበለ ብጽኑዕ ኣስማዓሎም ።ንሳቶም ግና ወጺኦም ኣብ ኩላ እታ ሃገር ዝናኡ ዘርግሑ ። ማቴ 9፡27_31
እዚ ነገራት እዚ ኽብሎም ከሎ ሓደ መራሒ ቤት ጸሎት ኣይሁድ መጸ ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞይታ እሞ ንዓ ኢድካ ኣንብረላ ክትሓዊ ድማ እያ እና በለ ሰገደሉ ።ኢየሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛምርቱ ሰዓቦ ።እንሆ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ ብልባ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኪፈ ኽሓዊ እየ ትብል ስለ ዝነበረት ብድሕሪኡ መጺኣ ዘፈረ ክዳኑ ተንከፈት።ኢየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ ኣጆኺ እዛ ጓለይ እምነትኪ ኣሕውያትኪ በላ ። እታ ሰበይቲ ድማ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።ኢየሱስ ኣብ ገዛ መረሒ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ምስ በጽሐ ነፋሕቲ መለኸት ዋይ ዋይ ዝብሉ ሕዝብን ረኣየ ፡እዛ ጓለይ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን እሞ ኣልግሱ በሎም ።ንሳቶም ድማ ሰሓቕዎ ።እቶም ሕዝቢ ምስ ወጹ ኣትዩ ኢዳ ሓዛ እታ ጓል ከኣ ተንሰአት።ኣብ ኩላ እታ ሃገር ውን ዝናኡ ተሰምዐ ። ማቴ 9፡18_26 ተመሳሳሊ ጥቅሲ 1 ነገስ 17፡17 2ነገ 4፡26
ኢየሱስ ነቶም ዓሰተው ክልተ ደቀ መዛምርቱ ጸዊዑ ንርኹሳት መናፍስቲ ከውጽእዎም ንብዘሎ ሕማም ድናሰን ኬሕውዩ ስልጣን ሃቦም ። ማቴ 10፡1_2
ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ክልእኮም እዩ ንሳቶም ከኣ ንኹሎም ምኽንያት ሓጢኣት ዝኾኑን ገበርቲ ክፉእን ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም እዮም ።ኣብ እቶን ሓዊ ክድርብይዎም እዮም ።ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ ።ሽዑ ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣብኦም ከም ጸሓይ ክበርሁ እዮም እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ ። ማቴ 13፡41_43
ኢየሱስ ብራባዓይቲ ክፍለ ግዜ ናይ ለይቲ ብማየ ማይ እና ኸደ ንብኣቶም ኣቢሉ መጸ ።እቶም ደቀ መዛምርቱ ብማየ ማይ ክኸይድ ምስ ረኣይዎ ተሸበሩ ፡ብፍርሂ ድማ ምትሃት እዩ ኢሎም ኣእወዩ ።ኢየሱስ ግና ብኡብኡ ኣጆኹም ኣነ እየ ኣይትፍርሁ ኢሉ ተዛረቦም ።ጴጥሮስ መሊሱ ጐይታይ ንስኻ እንተ ኼንካስ ብማየ ማይ ናባኻ ክመጽእ ኣዝዘኒ በሎ።ንሱ ኸኣ ንዓ በሎ ፣ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ ብማየ ማይ እናኸደ ናብ ኢየሱስ ኣቢሉ መጸ ።ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና ፈርሀ ፥ክጥሕል ምስ ጀመረ ድማ ጐይታይ ኣድሕነኒ ኢሉ ኣእወየ ።ኢየሱስ ድማ ብኡብኡ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ ኣታ በዓል ውሑድ እምነት ስለምንታይ ከ ተጠራጠርካ በሎ ።ናብ ጃልባ ምስ ደየቡ እቲ ንፋስ ሃድአ ።እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸኣ ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ እናበሉ ሰገድሉ ።ማቴ 14፡28_33
ኢየሱስ ካብኡ ወጺኡ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ኣልገሰ ።እንሆ ድማ ሓንቲ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኣብ ወሰናስን እቲ ምድሪ ኦ! ጐይታይ ወዲ ዳዊት ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ ኣሎ እሞ ራህርሃለይ እናበለት ጨርሐት ። ንሱ ግና ሓንቲ ቃል እኳ ኣይመለሰላን።ደቀ መዛምርቱ ከኣ ቐሪቦም ደሕረና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣፋንዋ ኢሎም ለመንዎ ።ንሱ ግና ብዘይካ ናብተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተለኣኽኩን ኢሉ መለሰ ።ንሳ ድማ ጐይታይ ርድኣኒ እንበለት ቀሪባ ሰገደትሉ ።ንሱ ከኣ መሊሱ እንጌራ ዉሉድ ኣልዒሊካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኮነን በላ ።ንሳ ኸኣ እወ ጐይታይ ኣኽላባት ውን እምበር ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ ኢዮም በለቶ። ሽዑ ኢየሱስ ኣቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓቢይ እዩ ከምቲ ዝደለኽዮ ይኹነልኪ ኢሉ መለሰላ ።በታ ሰዓት እቲኣ ከኣ ጓላ ሓወየት ። ማቴ 15 ፡21 _28
ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛምርቱ ክስዕበኒ ዝደሊ ሕይወቱ ይመንን መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ ከመይ እቲ ንሕይወቱ ኬድሕና ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ ።እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ክረኽባ እዩ ።ንሰብ ከ ኩሉ ዓለም ረቢሑስ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ፧ሰብ ከ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ፧ ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣብኡ ምስ መላእኽቱ ክመጽእ እዩ እሞ ንስፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ እዩ ።ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኽመጽእ ከሎ ክሳዕ ዝርእይዎ ካብዞም ኣብዚ ቖይሞም ዘለዉ ዘይሞቱ ከም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ በሎም ። ማቴ 16፡24 _28
ወዲ ሰብ ምስ ኩሎም መላእኽቱ ብኽብሩ ኣብ ዚመጸሉ ግዜ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ኺቕመጥ እዩ ። ኩሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ እዮም ። ጓሳ ኣባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈሊ ከምኡ ከኣ ንሱ በብወገኖም ክፈልዮም እዩ ።ነባጊዕ ብየማኑ ነጣል ድማ ብጸጋሙ ኬቕውም እዩ ። ማቴ 25፡31_46
እቲ ዝጸውዖ ፈርሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ እዚ ነቢይ እንተ ዝኸውንሲ እዛ ትትንክዮ ዘላ ሰበይቲ ሓጥእ እያ እሞ እንታወይትን ከመይ ዝበለትን ምዃና ምፈልጠ ነይሩ “ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።ኢየሱስ ከኣ ስምኦን ዝብለካ ኣለኒ በሎ፣ ንሱ ኸኣ መምህር ተዛረብ በሎ፣ንሓደ መለቅሒ ክልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፣ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፣ኣብቲ ሓደ ድማ ሓሙሳ ዲናር ነበሮ ።ዝፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና ንኽልቲኦም ሓደገሎም ።ካብኣቶም እቲ ኣዝዩ ዜፍቕሮ መኖም እዩ ፧ስምኦን ከኣ ንዓይሲ እቲ ብዙሕ ዝተሓድገሉ ይመስለኒ “ኢሉ መለሰ ኢየሱስ ከኣ ቅኑዕ ፈረድካ በሎ ።ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ንስምዖን ከምዚ በሎ ፣ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያ ዶ ኣለኻ ፧ናብ ቤትካ ኣትየ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፣ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ፥ብጸጉሪ ርእሳ ውን ደረዘት።ንስኻ ኣይተሳለምካንን እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኣእጋረይ ካብ ምስዓም ኣየቋረጸትን።ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይቀባእካንን እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ቕብአት ።ስለዚ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሓዲጉላ እዩ እብለካ ኣለኹ ።እቲ ሒደት ዝሕደገሉ ግና ሒደት እዩ ዘፍቅር ።ንእኣ ድማ ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ በላ ። እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኸኣ ብልቦም እዚ ሓጢኣት ኺሓድግ ዝኽእልስ መን ኮን ኮይኑ እዩ ኢሎም ሓሰቡ ።ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ እምነትኪ ኣድሕናትኪ ብሰላም ኪዲ በላ ። ሉቃ 7፡48
ንሳቶም ከኣ ናብታ ኣብ ማዕዶ ገሊላ እትርከብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ብጃልባ ተሳገሩ ።ኢየሱስ ካብ ጃልባ ኣብ ምድሪ ምስ ወረደ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብኣይ ካብታ ከተማ ወጺኡ ተጓነፎ ።ንሱ ከኣ ንነዊሕ ዘመን ክዳን ዘይክደን ኣብ መቓብር እምበር ኣብ ቤት ዘይቅመጥ እዩ ዝነበረ ።ንኢየሱስ ምስ ረኣዮ ወዲቑ ሰገደሉ ፣ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ንስኻ ምሳይ ኣነ ኸኣ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ከይተሳቕየኒ ኣማሕጽነካ ኣለኹ እናበለ ብዓቢይ ድምጺ ጨርሐ ።ኢየሱስ ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ክወጽእ ኣዘዞ ።ብዙሕ እዋን ይሕዞ ስለ ዝነበረ ድማ ብሰንሰለትን ብመቚሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ ።እንተ ኾነ ነቲ መእሰሪኡ ይበትኮ ነበረ እቲ ጋኔን ከኣ ናብ ምድረ በዳ ክኸይድ ይደፍኦ ነበረ ።ኢየሱስ ከኣ ስምካ መን እዩ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ ለጌዎን በለ ።ናብ መዓሙቕ ሲኦም ክጸድፉ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ ። ሉቃ 8፡26_30
ሓደ ኻብቶም ዝተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእ ውን ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን እና በለ ጸረፎ ።እቲ ኻልኣዩ ግና ኣታ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ፍርዲ ከሎኻ’ኸ ኣምላኽ ዶ ኣይትፈርህን ኢኻ ፧ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዝግበኣና ተፈዴና እዚ ግና ሓንቲ ክፍኣቲ እኳ ኣይገብረን ኢሉ ገሰጾ ።ንኢየሱስ ከኣ ኦ ኢየሱስ ጐይታይ ብመንግስትኻ ኽትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ በሎ ።ኢየሱስ ድማ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ እለካ ኣለኹ በሎ ።ሉቃ 23፡39_ 43
ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ ብዕብራይስጥ ቤተ ሳይዳ ዝብሃል ሓሙሽተ ገበላ ዘለዎ ቐላይ ነበረ ።ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋጽ ዝጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት ዕዉራት ሓንካሳት ልሙሳት ይድቅሱ ነበሩ ።እናሓንሳእ መልኣኽ እግዚኣብሔር ናብቲ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውጾ ነበረ ።እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ ዝተናወጸ ማይ ዝኣተወ ኸኣ ካብ ዘለዎ ኹሉ ሕማም ይሓዊ ነበረ ።ሳላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሓመመ ሓደ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ ።ኢየሱስ ድማ ንእኡ ደቂሱ ምስ ረእዮ ነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ ክትሓዊ’ዶ ትደሊ ኢኻ በሎ ።እቲ ሕሙም ከኣ ጐይታይ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን።ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ ኢሉ መለሰሉ ።ኢየሱስ ከኣ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ በሎ እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሓወየ ዓራቱ ኣልዒሉ ከደ ። ዮሓ 5፡2_10
ንሕና ኸኣ ናይቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝገበሮ ኹሉ ምስክር ኢና። ንሳቶም ንእኡ ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ ።ኣምላኽ ግና ንእኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ ።ብጋህዲ ኸም ዝርአ ከኣ ገበሮ። እንተኾነ ጐይታ ብጋህዲ ዝተራእየ ንኣና ነቶም ምስክር ምእንቲ ኽንከውን ኣምላኽ ቅድም ዝሓረየና ፡እወ ንኣና ነቶም ካብ ምውታት ድሕሪ ምትንስኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰቴናን እምበር ንኹሉ ሕዝቢ ኣይኮነን ።ኣምላኽ ንሕያዋንን ንምውታን ክፈርድ ዝመደቦ ንሱ ምኻኑ ንሕዝቢ ክንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና ።ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዝረክብ ኩሎም ነበያት ይምስክሩሉ ኣለዉ ።ግ’ሃ 10፡39 _43
ስለዚ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ በታ ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ ከምኡ ክኸውን እዩ ።ሮሜ 2፡16
ካብና ንርእሱ ኢሉ ዝነብር ወይ ንርእሱ ኢሉ ዝመውት ሓደ እኳ የልቦን ።ብሕይወት እንተ ነበርና ንጐይታ ኢና እንነብር ። እንተ ሞትና ውን ንጐይታ ኢና እንመውት ።ስለዚ ብሕይወት እንተ ነበረና ወይ እንተ ሞትና ናይ ጐይታ ኢና።ስለዚ ኸኣ ጐይታ ክርስቶስ ጐይታ ምውታትን ሕያዋንን ምእንቲ ክኸውን ኢሉ ሞይቱ ተንስአ ።ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውኻ እትፈርድ፧ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቖ ፧ኩላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና ። ከመይ ኣነ ሕያው እየ ይብል እግዚኣብሔር ፥ኩሉ ብርኪ ክሰግደለይ ፥ ኩሉ ልሳን ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ክእመን እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ።እምበኣር ከስ ነፍሲ ወከፍና ብናይ ገዛእ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ክህብ እዩ ። ሮሜ 14፡7_12
ስለዚኸስ ሰብ ንኣና ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ ከም መገብቲ ምስጢራት ኣምላኽን ገይሩ ይቚጸረና ።ኣብ ርእሲዚ ኸኣ መገብቲ ዘበሉ እሙናት ኮይኖም ኪርከቡ ይግብኦም ። ኣነ እኳ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ ግዲ የብለይን።ንገዛእ ርእሰይ ውን ኣይፈርድን እየ ።ሕልናይ ኣይወቕሰንን እዩ፥በዚ ግና ጻድቕ እየ ማለት ኣይኮነን እቲ ዝፈርደኒ ኣምላኽ እዩ ። ስለዚ ነቲ ኣብ ጸልማት ዝተሓብአ ናብ ብርሃን ዘምጽእ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዝገልጽ ጐይታ ክሳዕ ዝመጽእ ቅድሚ እቲ ምዱብ ግዜ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ምስጋንኡ ካብ ኣምላኽ ክቕበል እዩ። 1ይ ቆሮ 4፡1_6
ኣትን ኣንስቲ ከምቲ ንጐይታ ኢየሱስ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዝኦም። ኣቱም ሰብኡት ነንስትኹም ኣፍቅርወን፥ ከምኡ ውን ኣይተጨክኑለን ።ኣቱም ውሉድ ንጐይታ ባህ ዘብሎ ንሱ እዩ እሞ ንወለድኹም ብኹሉ ተኣዘዝዎም ።ኣቱም ኣቦታት ሕልናኦም ከይዓርቦም ነቶም ውልድኩም ኣይተኾርይዎም ። ኣቱም ገላዉ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም ዝኾኑ ንገጽ ርአ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኮነስ ብቕኑዕ ልቢ ንእግዚኣብሔር እናፈራህኩም ብኹሉ ተኣዝዝዎም ።ነቲ ርስቲ ካብ ጐይታ ከም ዓስቢ ኸም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኮነስ ንጐይታ ከም እትገብርዎ ጌርኩም ካብ ልቢ ግበርዎ ።እቲ እተገልግልዎ ሓቀኛ ጐይታ ክርስቶስ እዩ። እቲ ክፉእ ዝገበረ ኣብ ክንዲ እቲ ኽፉእ ግብሩ ኺፍደ እዩ ። ከመይ ኣብ እግዚኣብሔር ኣድልዎ ገጽ የልቦን ። 2ይ ቆሮ 3፡ 18_25
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንሕያዋንን ንምውታትንን ከፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ ኢየሱስን ብምጽኣቱን ብመንግስቱን ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር እማሕጽነካ ኣለኹ፥ብኹሉ ዓቕሊ ነቲ ቓል እናመሃርካ ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን ትጋህ ኣረድእ፡ገስጽ፡ምኸር። 2ይ ጢሞ 4፡1_ 6
ግናኸ ነታ ነብዪት እየ እናበለት ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣዖታት ዝተሰውዐ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኤልዛቤል እትበሃል ሰበይቲ ስቕ ኢልካ ብምርኣይካ ፈሪደልካ ኣለኹ ።ምእንቲ ክትንሳሕ ኢለ ግዜ ሂበያ ነይረ ፥ንሳ ግና ኻብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን ። ስለዚ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ክድርብያ እየ ። ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ ኻብቲ ተግባራታ እንተ ዘይተነስሑ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ ። ንደቓ ውን ክቐዝፎም እየ ፥ ብዘለዋ ኣብያተ ቤተክርስትያን ከኣ ኣነ ናይ ሰብ ሓሳብን ትምኒትን ዝምርምር ምዃነይ ከፈልጣ እየን።ንነፍሲ ወከፍኩም ውን ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ። ራኢ 2፡20_23
እቲ ገንሸል ነቲ ሓሙሳይ ማኅተም ምስ ፈትሖ ድማ ነፍሳት እቶም ምእንቲ ቃል ኣምላኽን ስለ እቲ ዝሃብዎ ምስክርነትን ዝተሓርዱ ኣብ ትሕቲ መሠውዒ ረኣኹ ።ዓው ብዝበለ ድምጺ ከኣ ፥ ኦ ! ቅዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ ፧ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ’ኸ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም እናበሉ ጠርዑ። 
           ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል
            ወለወላዲቱ ድንግል
             ወለመስቀሉ ክቡር
              ኣሜን !!!!


ሳይሳይ ክፋል
ኣብ ዝመጽእ ብዛዕባ ስላሴ ከነቕርብ ኢና ሰላም ቅነ

Monday, July 15, 2019



               ጉባኤ ቊስጥንጥንያ (381 ዓ.ም. )



  ካልኣይ ጉባኤ ናይ ቊስጥንጥንያ ይቕጽል 
   ኣብ ቊስጥንጥንያ ዝተኣከበ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ፡ሰለስተ ክሕደታት ንኽምርምር ቀሪቡሉ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ቀዳማይ ናይ ኣቡሊናርዮስ፣ ካልኣይ ናይ ኣውሳብዮስ ሳልሳይ ናይ መቅደንዮስ ክሕደታት እዮም።

ኣብሊናርዮስ ፦ እዚ ሰብ እዚ ናይ ላዞቅያ ኤጲስ ቆጶስ ነበረ። ናይ ፍልስፍና ትምህርቱ ናብ ክሕደት ኣምርሖ። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮት ኣብ ክንዲ ናይ ስጋ ሕይወት ዝኾነት ነብሲ ቦታ ተተኪኡ ሕማምን፡ ስቕለትን፡ ሞትን ተቐበለ ኢሉ መሃረ። ኣብ ማእከል መለኮታዊ ኣካላት ከኣ ምብልላጽ ምህላዉ ኣሚኑ መንፈስ ቅዱስ ዓቢይ እዩ፣ ወልድ ከኣ ዝበለጸ ዓቢይ እዩ፣ ኣብ ግን ልዕሊ ኩሎም ዓቢይ እዪ በለ።

ኣውሳብዮስ ፦ ናይ ሰብ ሰብኣልዮስ ክሕደት ብምሕዳስ እግዚኣብሔር ሓደ ኣክል ደኣሉ እምበር ሰለስተ ኣካላት የብሉን ።ስላሴ ብምባል ብሰለስትነት ዝንገር ከኣ፡ ብዘመነ ኦሪት ከም ኣብ ስለ ዝተፈልጠ፣ ብዘመነ ሓዲስ ሰብ ኮይኑ ከም ወልድ ስለ ዝተገልጸ እሞ፡ ከም መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣብ ሊዕሊ ሓዋርያት ስለ ዝወረደ እዩ ።

መቕደንዮስ ፦ እዚ ሰብ እዚ ካብ ተኸተልቲ ኣርዮስ ሓደ ነበረ። ኣርሳውያን ብወገን ቈስጠንጢኖስ ዘይንእስ ብዝነብሮም ተሰማዕነት ብ343 ዓ.ም. ናይ ቊስጥንጥንያ ኤጲስ ቅጶስ ኮይኑ ተሾመ ።ብትምህርቱ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኩሉ ፍጡር ዝተነዝሐ ናይ እግዚኣብሔር ፍጡር ደኣሉ እምበር ከም ኣብን ወልድን ሳልሳይ ኣካል ኣይኮነን፣ ብመልክዕ መላእኽቲ ተፈጢሩ፡ ካብ መላእኽቲ ግን ክብ ዝበለ እዩ በለ።

ብ362 ዓ.ም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ መንበሩ ምስ ተመልሰ ኣብ እስክንድርያ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣኪቡ ኣውገዞ። ዓቢይ ቴዎዶስዮስ’ውን በቲ ግዜ እቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ተኣኪቡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክዝቲ ኣዘዘ ።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተረኽቡ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ጢሞጢዎስ፡ መላትዮስ ዘኣንጾክያ፡ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት ዘእንዝናዙ፡ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስን ይርከብዎም። ጉባኤ ከኣ 381 ዓ.ም. ብዘን ቴዎዶስዮስ ብሚኢትን ሓምሳን ኤጲስ ቆጶሳት ኣባልነት ተኻየደ።

መቅዶንዮስ እምነቱ ኣብ ጉባኤ ንኽገልጽ ተሓቲቱ፡ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 1፡3 ኩሉ ብእኡ ተፈጥረ፡ ካብ ዝተፈጥረ ኩሉ ብዘይ ብእኡ ዝተፈጥረ የለን” ብዝብል ጥቕሲ መሰረት ብምግባር መንፈስ ቅዱስ ፍጡር እዩ በለ። እቲ ጉባኤ ከኣ መልሲ ብምሃብ ሓደ መንፈስ ንሱ ድማ ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ጥራይ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። ከም ናትካ ኣበሃህላ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ፍጡር እዩ እንድሕሪ ደኣ ኢልካ እግዚብሔር ሕያው ኣይኮነ ምባል እዩ ።ሕያው ኣይኮነ እንድሕሪ ደኣ ኢልና ኸኣ ዓቢ ክሕደት እዚ እዩ በሎ።

እቲ ጉባኤ ንመቅዶንዮስ ኣእሚኑ ናብ ኦርቶዶክሳዊት እምነት ንኽመልሶ እንተ ፈተነ መቅዶንዮስ ግን በዓል ድልየት ስለ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ምውጋዙ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝተጀመረ ናይ ሃይማኖት ጸሎት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ውን ንኣምን ካብ ዝብል ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ኣብጽሖ ።

ኣውሳብዮስ እምነቱ ንኽገልጽ ምስ ተሓተ ሥላሴ ክንብል ከሎና ሓድ ኣካል ሓደ መለኮት ዘለዎ ኣምላኽ ማለት ደእ እዩ እምበር፡ ንሰለስተ ኣካላት ዘመልክት ኣይኮነን፡ በለ። ኣፈ ጉባኤ ዝነበረ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ጢሞቴዎስ ከምዚ ክብል መልሰሉ።ስላሰ ሓደ ኣክላ እንተ ደኣ ኮይኑ ስላሴ ዝብል ስም ክህሉ ኣይክእልን እዩ፣ብኣብን ብወልድን ብመንፈስ ቅዱስን ዝተጠመቕካዮ ጥምቀት’ውን ዋጋ የብሉን ማለት እዩ ።ከም ኣባሃህላኻ እንተ ኾይኑ ስላሴ ሕማም ተቐቢሉ ሞይቱ ማለት እዩ፣ ወልድ ኣብ ዮርዳኖስ ምጥማቑን፣ መንፈስ ቅዱስ በተምሳል ርግቢ ምውርዱን፣ ኣብ ከኣ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ምድማጹ ዝምስክር ወንጌል ተሳዒሩ ማለት እዩ” በሎ።

ካብ ሕደቱ ንኽምለስ ምኽሪ ተዋሂብዎ ስለ ዘይተመልሰ ብውግዘት ከም ዝፍለ ተገብረ ።

ናይ ኣውሳብዮስ ክሕደት መሰረቱ ክሕደት ሰብኣልዮስ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ሰብኣልዮስ ዝዓበየሉ ሊብያ እዩ ።እዚ ክሕደት እዚ ከኣ ክሳዕ ሮም ኣብጺሕዎ ነይሩ። ንናይ ሰብኣልዮስ ክሕደት ከኣ ብ258 ዓ.ም. ኣብ ሮም ብ261 ዓ.ም. ድማ ኣብ እስክንድርያ ዝተኣከቡ ነናይ ሃገሩ ሲኖዶሳት ኣውጊዞምዎ እዮም ።
ኣቡሊናርዮስ ከኣ ብታርኡ ብዛዕባ እምነቱ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ ወልድ ሰብ ዝኾነ ብዘይካ ነባቢት ነፍስ መለኮቱ ምስ ስጋ ሰብ ብምውህሃድ እዩ፣ መኽንያቱ መለኮቱ ኣብ ክንዲ ነፍስ ልብን ቦታ ተተኪኡ ስለ ዝኣተወ እዩ”ኢሉ ገለጸ።
እቲ ጉባኤ ድማ ንናይ ኣቡሊናርዮስ ኣበሃህላ እዚ ዝስዕብ መልሲ ሂብሉ። እግዚኣብሔር ወልድ ምስ ባሕርይና ዝተዋሃሃደ ንዓና ንምድሓን እዩ፣ ናይ እንስሳ ብሕርይ ዘለዎ ስጋ ጥራሕ ተወሃሂዱ እንድሕሪ ደኣ ኮይኑ ንእንስሳ እምበር ንሰብ ኣየድሓነን ማለት እዩ ።ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ብግዜ ትንሳኤ ምውታን ዝትንስእ ብነባቢትን ፈላጢትን ሕያዊትን ነፍሲ ኮይኑ እዩ። ዋጋ ጽድቁ ኮነ ወይ ናይ ኩነኔ ውሳኔ ዝቕበሎ ውን ብወገን ነፍሲ እዩ ። ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ጥቕሙ ነዚ እዩ ።ኣብ ነባቢት ፈላጢትን ሕያዊትን ነፍሲ እንተ ዘይወሃሃድ ነይሩ፡ ጐይታ ንርእሱ ወዲ ሰብ ኢሉ ኣይምጸውዓን ነይሩ ።

ኣቡሊናርዮስ ካብ ክሕደቱ ንኽምለስ እቲ ጉባኤ ብዙሕ እንተ መኸሮ’ኳ ንኽምለስ ፍቓደኛ ስለ ዘይኮነ ብውግዘት ከም ዝፍለ ተገብረ ።ድሕሪ’ዚ እቲ ጉባኤ ሸውዓተ ቀኖናታት ኣቚሙ ስርሑ ደምደመ ።እቶም ዘቖሞም ስርዓታት ኣብ ፍትሒ መንፈሳዊ ማለት ፍትሐ ነገስት ተጻሒፎም ኣለዉ።

     ሳልሳይ ጉባኤ ኣብ ዝመጽእ ተኸታተሉ !

     ምንጪ ትምህርተ መለኮት ወስርዓተ ኣምልኮት

Sunday, July 14, 2019




         ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን


            ቀዳማይ ክፋል

1)መጽሓፍ ቅዱስ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ዝብል ሓረግ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝብል ክልተ ቃላት ዝተረኽበ ሓረግ ክኽውን ከሎ መጽሓፍ ዝብል ቃል ኣብ ሓደ ጥራዝ ተጠቕሊሉ ዝተኣከበ ጽሑፍ ክገልጽ ከሎ ቅዱስ ዝብል ቃል ብእብራይስጥ ክዳሽ ብሱሪስት ካዲሽ ብግእዝን ብዓረብን ቅዱስ ካብ ዝብል ቃል ዝተረኽበ እዩ ። ትርጉሙ ዝተቐደሰ ዝተፈልየ ዝጸነዐ ማለት እዩ ።

መጽሓፍ ቅዱስ በዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ ዝተጠቕለሉ ምኽንያታት ቅዱስ (ፍሉይ) ይገብሮ፥

ሀ. ብእግዚኣብሔር መንፈስ ዝተላዕሉ ቅዱሳት ሰባት ዝጸሓፍዎ ስለዝኾነ

ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ወጻኢ ዝኾኑ ናይ ታሪኽ ናይ ምርምር ናይ መጽናዕቲ ናይ ልብ ወለድ ናይ ትምህርት ናይ ካልኦት ዓይነት መጻሕፍቲ ፈጠርቶም ወይ ዋናታቶም ባዕላቶም እቶም ደረስቲ እዮም ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ዋንኡ ወይ ከኣ ፈጣሪኡ እግዚኣብሔር ብምዃኑ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ይፍለ ።ነዚ ናይ እግዚኣብሔር ዋንነት ኣብ መጽሓፍ እግዚኣብሔር ድለዩን ኣንብቡን ክብል ብዝተዛረቦ ንርዳእ፡ ኢሳ 34፡16 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዋንኡ እግዚኣብሔር እዩ ክንብል ከለና ብእኡ (ብእግዚኣብሔር ) ተጻሒፉ ብሓንሳብ ካብ ሰማይ ዝተዋህበ ማለት ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ዘሓረዮም ቅዱሳት ሰባት ብጸጋ ሓዲሩ ዝጸሓፎ (እናመርሖም) ዝተጻሕፈ ማለት እዩ ።

ነዚ መርትዖ ክኾነና እዞም ዝስዕቡ ኣበሃህላታት ንመልከት ኣብ ዘጸ 17፡14 ።እግዚኣብሔር ድማ ንሙሴ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ስሙ ፈጺመ ክድምስሶ እየ እሞ እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፎ ንእያሱ ውን ኣብ እዝኑ ኣስመዓዮ በሎ ፡ከምዚ ዝብል ቃል ንረክብ ። ካብዚ ከም እንርድኦ ሙሴ ናይ ኦሪት ዘጸኣት መጽሓፍ ካብ ባዕሉ ዝጸሓፎ ዘይኮነስ ብናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ተመሪሑ ዝጸሓፎ ምዃኑ እዩ።

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኩሉ ትንቢት ትርጉም ካብ ርእሱ ከምዘይኮነ ቅድሚ ኩሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢት ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅፍዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን ብምባል ዝተዛረቦ ውን እግዚኣብሔር ኣብ ዝመረጾም ቅዱሳን ሓዲሩ ከመይ ከም ዝዛረቡን ከምኡ ውን ከመይ ከምዝጸሓፍን ከም ዝገለጸሎም የረድእ ። 2ይ ጴጥ 1፡20

ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ደሴት ፍጥሞ ኣብ ማሕዩር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንዘርእዮ ራእይ ኣብ መጽሓፍ ጺሒፉ ነቶም ሸውዓተ ኣብያተ ክርስትያን ክልእኽ ዝኣዘዞ እግዚኣብሔር እዩ ንዝረኣኻዮ ኣብ መጽሓፍ ጺሕፍካ ናብ ኤፈሶን ናብ ሰርምኔስ ናብ ጴርጋሞን ናብ ተያጥሮን ናብ ሶርዴስ ናብ ፊላደልፊያን ሎዶቅያን ኣብ እስያ ናብ ዘሎ ናብቶም ሸውዓተ ኣብያተ ክርስትያን ለኣኽ ኢሉኒ። ከምዝበሎ ፥ ራእይ 1፡11 ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብእግዚኣብሔር መንፈስ ዝተመርሑ ቅዱሳን ዝጸሓፍዎ ብዃኑ ፍሉይ እዩ ንብል ።

ለ) ብዕድሜኡ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ነገራት ሓደ ዕድሚኡ እዩ ። ካብኡ ቀዲሙ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ስለዘየሎ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋነቱ ፍሉይ ይገብሮ ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መጀመርያ መጽሓፍ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ሻውዓይ ወለዶ ብዝኾነ ብሄኖክ ዝተጻሕፈ ክኸውን ከሎ ብ1486 ዓ.ዓ ወይ ከኣ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 4014 ዓመት ዝተጻሕፈ እዩ። ስለዚ ፍሉይ እዩ ።

ሐ) ወዲ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብርግጸኛ ዝዛረብ ምዃኑ

መጽሓፍ ቅዱስ ክጽሓፍ ዝጀመረ ካ 1486 ዓ.ዓ ጀሚሩ ክኸውን ከሎ ጸሓፍቲ ግን ቅድሜኦም ንዝተገብረ ፍጻሜ ብርግጸኛነት ከም ዝዛረቡ ንርእይ ። ኢቀ ነብያት ሙሴ ንዝጸሓፎ መጽሓፍ ድሕሪ 3800 ዓ.ዓ ወይ ከኣ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ (1700 ዓመት 1300 ዝብሉ ኣለዉ ) ክኸውን ከሎ ክንዲዚ ብዙሕ ሽሕ ዓመት ኣቀዲሙ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ናይ ስነ ፍጥረት ስራሕ ክዛረብ ከሎ ግን ብይኸውን ብግምት ዘይኮነስ ብርግጽ እዩ ነይሩ ። እግዚኣብሔር መጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ ከምዝብል ዘፍ 1፡1 ።

ብተወሳኺ ውን ወዲ ሰብ ድሕሪ ምፍጣሩ እቲ ጸሓፊ ብዛዕባቲ ንሱ ዘይነበሩ ዘመን ክዛረብ ከሎ ብርግጽ እዩ ። ንኣብነት እግዚኣብሔር ድማ ንኣብርሃም በሎ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጽእ ኢሉ ደኣ ኣዚዝዎ እምበር ንኸይወጽእስ ኣይኣዘዞን ። ዘፍ 12፡1 ሓደ ናይ ተሪኽ ወይ ናይ ምርምር መጽሓፍ እንተዝኸውን ነይሩ ግን ግምቱ ብዘይከውን ወይ ከኣ ከይኮነ ኣይተርፍን ብዝብል ግምታዊ ኣዘራርባ የቐምጦ እምበር ርግጸኛ ክኸውን ኣይክእል እዩ ። ነቢይ ሙሴ እግዚኣብሔር ሰማይን ምድርን ከይፈጠረ ኣይተርፍን እዩ ወይ ፈጢሩ ከይከውን ዘይኮነስ ፈጢሩ ከም ዝበለ ንርኢ። እዚ ኸኣ ፍሉይ ይገብሮ ።

መ) ኣቐዲሙ ብዛዕባ ዝመጽ ብርግጽ ዝዛረብ ስለዝኾነ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝሓለፈ ብርግጽ ከም ዝዛረብ ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ውን ብዘይ ጥርጥር ዝዛረብ ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ ።ካልኦት መጻሕፍቲ ግን ብዛዕባ ንመጻኢ ዝኸውን ነገር ብናይ ባዕሎም ሜላ ብመጽናዕት ምርምርን ወይ ከኣ ብግምት ከምዚ ከኸውን ይኽእል እዩ ደኣ ይብሉ እምበር ከምዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ብርግጽ ኣይዛርቡን እዮም ።

ንኣብነት ነቢይ ኢሰያስ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ እያ ስሙ ኸኣ ኣማኔኑኤል ኢላ ክትጽውዖ እያ እምበር ትጠንስ ትኸውን ትወልድ ትኸውን ኣማኑኤል ክበሃል ከኣ ይኽእል ኣይበለን ። ኢሰ 7፡14 ነቢይ ኢሰያስ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ትንቢት ዝተፈጸመ ንሱ ምስ ተዛረበ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ክኸውን ከሎ ካብ ቃሉ ከኣ ዋላ ሓንቲ ከይተፈጸመ ዝተረፈ የልቦን ።

ከምኡ ውን ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ምጽኣት ብርግጽ ካብ ክብሩ ጽባቔ ካብ ጽዮን እግዚኣብሔር ግልጺ ኮይኑ ክመጽእ እዩ ኢሉ እምበር ከምጽእ ይኸውን ወይ ከኣ ከይመጽእ ኣይተርፍን ኣይበለን መዝ 50፡3

ሰ) ንዘንብብዎን ንዝሰምዕዎን ስለ ዝባርኽ

ንኻልኦት መጻሕፍቲ ብንምባብ ፍልጠት ይርከብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ቃሉ ብምስማዕ ግን በረኸት ይርከብ ። ራእይ 1፡3 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ዝመክር ዝግስጽ ዘጸናንዕ መምህር እዩ ። 2ይ ጢሞ 3፡17 ራእይ 3፡15-19

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ምግቢ እዩ ። ኣብ መዝሙረ ዳዊት ቃልካ ንጎሮሮይ ጥዑም እዩ ካብ መዓርን ወለላን ዝበለጸ ንዓይ ጢዒሙኒ ከምዝተባህለ መዝ 118፡103 ዳግም ብነቢይ ሕዝቅኤል እዚ መጽሓፍ ብላዕ ኣፈይ ከፊቱ ነታ መጽሓፍ ውን ኣኾለሰኒ ከብድኻ ውን በዚ ኣነ ዝህበካ መጽሓፍ ምላእ በለኒ ኣነ ውን በላዕኩዋ ኣውሽጢ ኣፈይ ጥዕምቲ ከም መዓር ጠዓመት ተባሂሉ እዩ ።ህዝ 3፡1-3

ሰብ ካብ እግዚኣብሔር ብዝወጽእ ቃል ኩሉ እምበር ብእንጀራ ጥራይ ኣይነብር እዩ ዝብል ቃል ውን ናይ እግዚኣብሔር ቃል ናይ ነብሲ መግቢ ምዃኑ የረድኣናን የመልክተልናን ።ሉቃ 4፡4 ዘዳ 8፡3 ከምኡ ውን ቅዱስ ጴጥሮስ ተንኮል ዘይብሉ ናይ ቃል ጸባ ተመነዩ ። 1ይ 2፡3 ከምዝበሎ ።

በዚኦም ናይ መጽሓጽ ቅዱስ ክፍልታት ከም እንርድኦ እቶም ናይ ስጋ ምግቢ ዝምገቡ ኣብ ሰብነቶም ወይ ነብሶም ለውጢ ከርእዩ ከለዉ እቶም ቃል እግዚኣብሔር ዝምገቡ ኣብ ገምገም ቃላይ ከምዝተተኽለት ኦም ኣኣብ ግዜኡ ፍረ ከም እትህብ ንሶም ውን ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍረ እናፍረዩ ከም ዝነብሩን ኣብ ነብሶም ውን ጣዕሚ ከምዝሕድር ንርዳእ ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ዘርኢ እዩ ጽቡቕ ፍረ የፍሪ ።ማር 14፡20 ቃለ እግዚብሔር ብግቡእ ዝተማህሩ ስነምብባሮም ዝቀንዐ ተኣማንነቶም ዝጸንዐ እዩ ። የዋህነት ልግስና ይኣኽለኒ ምባል ፍቕርን ነዚኦም ዝኣመሰሉን ሰናይ ፍረታት ቃለ እግዚኣብሔር ካብ ምምጋብ ይርከብ ።

ቃለ እግዚኣብሔር ካብ ወርቂ ዝበልጽ ገንዘብ እዩ ። ንትእዛዝካ ካብ ወርቅን ዕንቁን ኣብሊጸ ፈተኹዎ ከምዝተባህለ። መዝ 119፡127 ነዚ መንግስተ ሰማይ ዘውርስ እግዚኣብሔር ብወርቅን ዕንቁን ክገዝእዎ ኣይክእሉን እዮም ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብርሃን እዩ ንጸልማት የጥፍእ ። ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመንገደይ ብርሃን እዩ ከም ዝብል መዝ 119፡105.።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል መኻሪ እዩ ። ቃል መንገዲ ይመርሕ ኣታ ወደይ ስማዕ ጥበበኛ ኩን ንልብኻ ውን ብመንገዱ ኣቕናዓዮ ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን እንዳ በለ ይመክር ። ምሳሌ 23፡19-20

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል

መንገዲ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት የብጽሕ ። ሕጂ ድማ ንእግዚኣብሔር ከድሕነኩምን ምስ ኩላቶም ቅዱሳን ከረስትየኩምን ዝኽእል ቃል ጸግኦም የመሓላልፍ ኣለኹ ።ከም ዝብል ግ.ሓዋ 20፡32

ዳኛ እዩ ይፈርድ ዝሰማዕኩሞ ቃል እምበር ዝፈርደኩም ኣነ ኣይኮንኩን ከም ዝብል ዮሓ 12፡48.።

ይቕድስ ብጹኣን’ሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዑን ዝሕልዉን እዮም ከም ዝተባህለ ሉቃ 1፡28.።

መድሓኒትና እዩ ይፍውስ ንእግዚኣብሔር ትፈርሑ እዚ ቃል ምድሓን እዚ ናብኻትኩም እዩ እተላእከ ክብል ግ.ሓዋ 13፡26

ንድያብሎስ ንዋጋኣሉ ሴፍ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ውደዩ ናይ መንፈስ ሴፍ ውን ማለት ቃል ኣምላኽ ሓዙ ክብል ኤፈ 6፡17.። ዕብ 4፡12 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ተስፋ ንዝቆረጹ ተስፋ ንዝሓዘኑ ምጽንናዕ ይህብ ስለዚ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ እዩ ።

1) ዘመን ዘይቅይሮ ብምዃኑ

ብብዙሓት ደረስቲ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ እዋን ግዜ መዘራረቢ ኣርእስቲ እንዳ ኾኑ ብእኡ ኣቢሎም እናኣረጉ ንታሪኽ ጥራሕ ዝተቐመጡን ዝቕመጡን እዮም ።መጽሓፍ ቅዱስ ግና ዘይኣርግ ብዝሒ ናይ ዘመን ዘይቕይሮ ዘለኣለማዊ እዩ። ናይ ኣምላኽና ቃል ግና ንዘለኣለም ጸኒዑ ይነብር ብምባል ዘይኣርግ ምዃኑ ነቢይ ኢሰያስ 40፡8 ቃልካ መዓልቲ መዓልቲ ሓዱሽ እዩ ይብል ።

ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግን ኣይሓልፍን እዩ ኢሉ ምዝራቡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝጽሓፍ ብዙሕ ግዜ ኮይኑዎ ኣሎሞ በዚ ግዜ ይሰርሕ በዚ ግዜ ኣይሰርሕን ዘይበሃል ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ከሎ ውን ንሱ ጸኒዑ ዝነብር ምዃኑ የረድእ ።ማቴ 24:35 ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ጐይታ ቃል ንዘለኣለም ይነብር ኢሉ ከም እተዛረቦ ቃል እግዚኣብእሔር ዘመን ኣይቕይሮን እዩ ። 1ይ ጴሮ 1፡25

ስለዝኾነ ኸኣ ብዘመነ ኦሪት ዝተዋህበ ሕጊ ሎሚ ውን ኣብ ዘመነ ሓዱሽ ንመጻኢ ሰማይን ምድርን ምስ ሓለፈ ዝነብር ሕያው እዩ ።መጽሓፍ ቅዱስ ኣሪጉ ብዃልእ ይልወጥ ወይ እዞም ክፍልታት ይለወጡ ኣይበሃልን እዩ ።

2) ንምታይ ቅዱስ ተባሂሉ

መጽሓፍ ቅዱስ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ቅዱስ ተባሂሉ

ሀ) በዞም ኣብ ላዕሊ ካብ ፊደል “ሀ” ክሳብ “ረ” ዝተዘርዘሩ ምኽንያታት ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ዝተፈለየ ብዃኑ ቅዱስ ተባሂሉ ።

ለ) ዋንኡ እግዚኣብሔር ቅዱስ ስለዝኾነ ቅዱስ ተባሂሉ ። ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ ኩሉ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ።ሰባት ንእግዚኣብሔር ክፍለዩ ከለዉ ማለት እግዚኣብሔር ንዝተፈላላየ ስራሕ ከመርጾም ከሎ ቅዱሳን ይበሃሉ ። ነዚ እዩ ኸኣ እግዚኣብሔር ንሊቀ ነብያት ሙሴ ንደቂ ኣሮን ድማ ቀምሽ ግበረሎም ቅናውቲ ውን ግበረሎም ንኽብርን ንጌጽን ከኣ መጠምጠምያታት ግበረሎም ። እዚ ንኣሮን ሓውኻን ንደቁ ኸኣ ምስኡን ክደኖም ቅባኣዮም ድማ ኣእዳዎም ውን ምልኣሎም ካህናት ክኾኑ ከኣ ቀድሶም ዝበሎም ። ዘጽ 28፡ 40-41

ቅዱስ ዮሓንስ ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ነበርኩ ኢሉ ዝተዛረበላ ሰንበት ናይ ጐይታ እግዚኣብሔር ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ብዃና ቅድስቲ እያ ። ራእይ 1፡10 እግዚኣብሔር ብሳበዓይቲ መዓልቲ ከኣ ኣዕረፈ ስለዚ እግዚኣብሔር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ካብ መዓልታት ኩሉ ሰንበት ናይ እግዚኣብሔር ምዃና ተቐዲሳ ። ዘጸ 20፡11 ከምኡ ውን መጽሓፍ ቅዱስ ኩሉ ናይ ግእዚኣብሔር ቃል ብምዃኑ ቅዱስ እዩ ።

ሐ) ንሰብ ናብ ቅድስና ዝወስድ ብምዃኑ ቅዱስ ተባሂሉ ። መጻሕፍቲ ኣሚንካ ምቕባል ናይ እግዚኣብሔር ድምጺ ምስማዕ እዩ ናብ ጽድቂ ንምብጻሕ ኣቐዲምካ ምእማን የድሊ ።እምነት ካብ ምስማዕ እያ ምስማዕ ውን ብቓል ክርስቶስ እዩ ከምዝተባህለ ሮሜ 10፡17. እምነት ንምሓዝ ከኣ ቃል እግዚኣብሔር ቀዳማይ ነገር እዩ ።ከምኡ ውን ከይሰምዑ ኸ ከመይ ጌሮም ይኣምኑ ብዘይሰባኻይ’ከ ከመይ ጌሮም ክሰምዑ ከምዝበሎ እቲ ሓዋርያ ንምእማን ቃል እግዚኣብሔር የድሊ ። ሮሜ 10፡14

መጽሓፍ ቅዱስ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ ። ከምቲ ዝጸወዓኩም ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩም ውን ብኹሉ ናብራኹም ቅዱሳት ኩኑ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ ንስኻትኩም ውን ፍጹማን ኩኑ እንዳበለ ናይ ቅድስና መንገዲ ዝመርሕ ስለዝኾነ ቅዱስ ተባሂሉ ። ዘሌ 19፡2 1ይ ጴጥ 1፡15-16 ማቴ 5፡48 ቃል እግዚኣብሔር ዝሕልዉ ኩሎም ናብ ቅድስና ምብጽሖም ኣየጠራጥርን ነዚ እዩ ኸኣ ንነባቢ መለኮት (ታኦሎጐስ) ንቅዱስ ዮሓንስ ናይዚ መጽሓፍ ቃል ትንቢት ዝሕልዉ ብጹእ እዩ ። ክብል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝገለጸሉ ።ራእይ 22፡7

መ) ንኽብሪ ቅዱሳን ዝዝክር ብምዃኑ ቅዱስ ተባሂሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እመቤታችን ቅድስት ድንግል ማርያም ብዛዕባ ቅዱሳን መላእኽቲ ብዛዕባ ቅዱሳን ሰማዕታት ብዛዕባ ቤተመቅደስ ብዛዕባ ንዋያተ ቅዱሳት ብዛዕባ ዝተቀደሱ መዓላታት ዝኣመሰሉ ዝዛረብ ስለዝኾነ ቅዱስ ተባሂሉ ።

ሰ) ንዘንበብዎ ንዝሰምዕዎ ንዝኣምኑሉን ዝተሳለምዎን ኹሎም ዝቕድስ ዝባርኽ ስለዝኾነ ቅዱስ ተባሂሉ ።

3. መጽሓፍ ቅዱስ ንምንታይ ይጠቅም ፧

ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሚ ዘርዚርካ ምውዳእ ማለት ማይ ናይ ባሕሪ ብጭልፋ ቀዲሕካ ምውዳእ ማለት እዩ ። ይኹን እምበር ብሓፈሻዊ መልክዑ እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይክኣሉ ።

ቀዳማይ ወዲ ሰብ ክምርሓሉ ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንደቂ ሰባት ናብ ዘለኣለማዊ ድሕነት ክበጽሑ መንገዲ ዝመርሕ እዩ ። ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ክትኣምኑ ኣሚንኩም ውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ክትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ ። ክብል ዮሓ 20፡31 ሓቂ ካብ ሓሶት ብርሃን ካብ ጸልማት ጽቡቕ ካብ ኩፉእ ፈልዮም ይፈልጥሉ ። ቅዱስ ዳዊት ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመገደይ ብርሃን እዩ ። ክብል ዝተዛረቦ ነዚ እዩ ዘረጋግጸልና። መዝ 119፡105 ማህቶተ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንናይ መንፈስ ወዱ ንጠሞቴዎስ እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ክበጽሑ እዮም ።ንስኻ ግና ካብ እኒመን ከምእተመሃርካ ፈሊጥካ ነተን ካብ ቁልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ ኢየሱስ ንምድሓን ከልብማኻ ዝኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ በቲ እተመሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ ።እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምስ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ ፍጹም ምእንቲ ክኸውንሲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ ንተግሳጽ ንምቕናዕ ንጽድቂ ዝኸውን ምእካብ ይጠቅም እዩ ። ብምባል ዘርዚሩ ኣብርሂዎእ እዩ ። 2ይ ጢሞ 3፡13-17

ካብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ትምህርቲ ከምእንርድኦ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድሓን ፡ንፍጹምነት፡ ንጽቡቕ ስራሕ ንምድላው፡ ንትምህርቲ ፡ንተግሳጽ ፡ልቢ ንምቕናዕ ፡ንምኽሪ ከምዝጠቕም እዩ።ካብዚ ብተወሳኺ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ንዝርአ (ንዘብጻሕናዮ) ንቅዲሚት ንዝመጽእ ጥበብ ኩሉ መበገሲ እዩ።ኣብ ዓለም ንዘሎ ጥበብ መበገሲ ምዃኑ ካልእ ንደቂ ሰባት ዝህቦ ጥቕሚ እዩ። ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ ናይ ስራሕ ክፍልታት ንርኣይ፥

ምህንድስና

ሓደ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከሎ ናይ ምህንድስና ፍልጠት ይረኽበሉ ።እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ኖህ ብጥፍኣት ማይ ንርእሱን ቤተሰቡን እንስሳታቱን ከድሕን ብዝተዋህቦ ፍልጠት መርከብ ሰሪሑ ። ኖህ ነዚ ጥበብ ዝረኸቦ ካብ እግዚኣብሔር እዩ ።

ንዓኻ ካብ ኦም ሰፌር መርከብ ስራሕ ።ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ ውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕትራን ለቕልቃ ከምዚ ከኣ ግበራ ምናሕ እታ መርከብ ሰለስተ ሚኢቲ እመት ምግፋሓ ሓሙሳ እመት ቁመታ ድማ ሳላሳ እመት ይኹን። ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቑመቱ መስኮት ግበረላ ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎብኣ ግበሮ ታሕታዋይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ እግበረላ ኢሉ ከመይ ጌሩ ከምዝሰርሕ ገለጸሉ ። ዘፍ 6፡14-16

ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ ሰብ ብዛዕባ ናይ መርከብ ስራሕ ጥበብ ጠቓሚ ፍልጠት ይረክብ ።

ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ኣሰራርሓ ክፈልጥ ዝደሊ ስብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣሰራርሕኡን ጥበቡን ኣብ ውሽጢ ከማልኦም ዝግባእ ክፍልታት ብዝግብእ ይርዳእ ።ዘጸ 25፡8 28፡43 2ይ ዜና 3፡3 4፡22 ዘጸ 36፡1 40፡32 2ይ ነገስ 6፡1-38

ሕክምና

ናይ ሕክምና ጥበብ ንደቂ ስባት ዝሃበ እግዚኣብሔር እዩ ። እግዚኣብሔር ንኖህ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዘድሕኑ መድሓኒታት ከመይን ካበይን ከምዝቕመሙ ካብ ዝነገሮ ግዜ ጀሚሩ ደቂ ሰባት መድሓኒት ክጥቀምሉ ጀሚሮም። ብምድሪ ዕንጸይቲ ከድሕን ኣጋንንቲ ካብ ዘምጽእ ሕማም (ድዌ ዝድሕነሉ ምስ ዘስሕትሉ ንኖህ ሂቡዎ ።ከም ዝተባህለ ኩፋ 10፡7 ካብዚ ንርዳእ መድሓኒት ካብ ኣታኽልቲ ከም ዝስራሕ እዩ ።

ንጉስ ህዝቅያስ ብጣዕሚ ኣብ ዝሓመመሉ ግዜ ንብዩ ኢሰያስ ጽባጥ በለስ ጌሮም ነቲ ዝሓበጠ ይለብጥዎ እሞ ክሓዊ እዩ ኢሉ ነበረ። ኢሰያ 38፡21 ንሳቶም ውን ከምኡ ገበሩ እሞ ንጉስ ህዝቅያስ ሓወየ ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብ ሉቃስ ወንጌል 10፡29-37 ብምሳሌ መሲሉ ብዛዕባ እቲ ርህሩህ ሳምራዊ ክምህር ከሎ ብዛዕባ መድሓኒት ዝተዛረቦ ይርከብ ርህሩህ ሳምራዊ ሸፋቱ ቀጥቂጦም ኣቑሲሎም ገዲፎሞ ዝኸዱ ሰብ ምስ ረኸበ ናብኡ ቀረበ ዘይቲን ወይንን ከኣ ኣብ ልዕሊ ቁስሉ ኣፍሰሰሉ ። ሉቃ 10፡34 እዚ ከኣ ዘይትን ወይኒን ንቁስሊ ዝፍውሱ መድሓኒታት ምዃኖም የርድእ ። ነዚ ከኣ ሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከሎ መድሓኒት ካበይ ከመይን ከምዝቕመም ከምኡውን ኣቃምምኡ ክርዳእ ይኽእል ።

ምምዳርን ዳንነትን

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምምሕዳር ሰፊሕ ትምህርቲ ይርከብ ። ናይ ሊቀ ነብያት ሙሴ ታሪኽ ኣብ ናይ ኦሪት መጻሕፍቲ ምንባብ ንህዝቢ ብትዕግስትን ብርህራሄን ብፍቕርን ከምይ ጌርካ ምምራሕ ከምዝግባእ የርድእ ። ብፍላይ ከኣ ቅድሚ ገዛእ ርእሱ ንህዝቢ የቐድም ከምዝነበረ። ህዝበ እስራኤል ጣኦት ብምላኽ ንእግዚኣብሔር ኣብ ዘሕዘንሉ ግዜ እግዚኣብሔር ንሙሴ ነዞም ሰባት ከጥፍኦም እየ ኢልዎ ። ሽዑ ሙሴ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም እንተ ዘይኮነስ ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍ ሕኸኸኒ ብምባል ንርእሱ በጃ ህዝቡ የሕሊፉ ከምዝሃበ ንርኢ ። ዘጽ 32፡32

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ መስፍን ኢያሱ ታሪኽ ኣብ መጽሓፈ ኢያሱ ናይ ንጉስ ዳዊትን ናይ ጠቢብ ሰለሙንን ታሪኽ ኣብ 1ይን 2ይን ሳሙኤል ነግስትን ዜና መዋዕል ብምንባብ የመሓስርዎ ዝነበሩ ህዝቢ ከመይ ብጥበብ ይመርሑ ከምዝነብሩ ምግንዛብ ይከኣል ።

ንኣብነት ጠቢብ ሰለሙን ኣብ ሓደ ገዛ ዝነብራ ዝነበራ ክልተ ኣንስቲ እታ ሓንቲ ናይታ ካልኣይቲ ቆልዓ ስለዝቐየረትላ ንፍትሒ ናብኡ ኣብ ዝቐረባሉ ግዜ ከመይ ብጥበቡ ከምዝፈረደ ብምንባብ ዳኛታት ከመይ ክፈርዱ ከምዝግብኦም ክርድኡ ይኽእሉ ። 1ይ ነገስ 3፡16-28

ሕርሻ

ኣብ ኩሉ ዘመን ሂወትካ እንጀራ ካብእ ብጻዕሪ ክትበልዕ ኢኻ >> ብኸምዚ ከኣ እግዚኣብሔር ንኣዳም ካብ ኤዶን ገነት ኣውጺእዎ ። ነታ ዝተፈጥረላ መሬት ክሓርስ ምእንቲ ብጻዕሩ ከበልዕ እግዚኣብሔር ንኣዳም ዝሃቦ ትእዛዝ ዘንበበ ኹሉ ሕርሻ ብኸመይን መዓስ ከምዝተጀመረን ይርዳእ ። ዘፍ 3፡17-23

በተወሳኺ ንመሬት ኩሉ ግዜ በብዓመት ካብ ምሕራስ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ከይሓረሱን ከይዘርኡን ናይ ምጽናሕ ትምህርቲ ቅድሚ 3500 ዓመታት ብዘመነ ሙሴ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ መምርሒ እዩ ። ሽዱሽተ ዓመት ንምድርኻ ዝርኣዮ በታ ሳብዓይቲ ዓመት ግና ግደፋ ኣዕርፋ ። ዘጸ 23፡10 እታ መሬት ኣብ ሳብዓይ ዓመት ምዕራፍ ንዝመጽእ ዓመት (ዘመን) እኹል ልሙዕ ሓመድ ከምእትክብ የረድእ ። እዚ ኣብ ዘመናዊ ኣተሓራርሳ ዝድግፍ ክኸውን ከሎ ናይዚ ጥበብ መበገሲኡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ።

ሓደ ሓደ ሃገራት (ሃገርና ኤርትራ ወሲኽካ ) ዝጥቀምሉ ምዕቃብ እኽሊ ኣብ ግዜ ሽግር ዮሴፍ ወልደ ያዕቆብ ዘምሃረና ጥበብ እዩ ። ዘፍ 41፡25-36

ካልኣይ፥- ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝን ፍቓድን ንምፍላጥ እዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሔር ንደቂ ስባት ዝሃቦ ሕጊ ዘረድኦ ብምዃኑ እዚ ምሥጢር ንደቂ ሰባት ብርሃን ዝገልጽ መምህር ስለዝኾነ ጥቕሙ ኣዝዩ ዝዓዘዘ እዩ ።ነዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ምእንቲ ክትሕልዉ ኣብ እቲ ልዕሊ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኹ ካብኡ ኸኣ ከይትንክዩ ብምባል ምስ ምድራውን ምስ ናይ ሰብ ፍቃድ ከይንሕውሶ ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝን ፍቓድን የፍልጠና።ዘጸ 4፡2

ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብሙሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ ።እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ ። እታ እትመስላ ኻልአይቲ ድማ ንብጻይካ ከም ነብስኻ ኣፍቅሮ እያ ። ዝብል ቃል ንናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ የፍልጥ። ማቴ 22፡37-39

ንፍቓዱ ኣመልኪቱ ኸኣ ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣምን ኩሉ ናይ ዘለኣለም ሂወት ምእንቲ ክረብክ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ ።ኣምላኽ ንወዱ ዓለም ብእኡ ክትድሕን እምበር ንዓለም ክፈርድሲ ኣይለኣኸን ።ይብል ዮሓ 3፡16-17

ሳልሳይ ብዛዕባ እግዚኣብሔር መግቦትን ህልውናን ንምፍላጥ

መግቦት ማለት ስልጣን ኣገዛዝኣን ሓለዋን ዘጠቓልል ክኸውን ከሎ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ስልጣን እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ባሕርን መዓሙቕን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ ። መዝ 135፡6 ብተወስኺ ንኢዱ ዝኽልኽል ወይ እንታይ ትገብር ዝብሎ የልቦን። ክብል ናይ እግዚኣብሔር ስልጣን የርኢ ። ዳኒ 4፡3 ኣነ ንነብሰይ በጃ ከሕልፋ መሊሰ’ውን ክወስዳ እየ እሞ ስለዚ ኣቦይ የፍቅረኒ እዩ ።ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳ የለን ።በጃ ከህልፋ ስልጣን ኣለኒ ። መሊሰ ክወስዳ ውን ስልጣን ኣለኒ ። ዝበሎም ንስልጣኑ ዘረድእ እዩ ። ዮሓ 10፡17-18

ብዛዕባ ግዝኣቱ እግዚኣብሔር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቖመ መንግስቱን’ውን ኣብ ልዕሊ ኹሉ ትገዝእ ኣላ። ብምባል እግዚኣብሔር ናይ ኩሉ ግዜ ገዛኢ ምዃኑ የርኢ ። መዝ፡103፡19 እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ነገስታት ጐይታ ጐይቶትውን ክብል ከሎ ናይ እግዚኣብሔር ገዛኢነት ምግላጹ እዩ ። 1ይጥኢሞ 6፡15 ብተወሳኺውን እቲ ገንሸል ግና ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዪ እሞ ክስዕሮም እዩ ።ይብል ራእይ 17፡14

ናይ እግዚኣብሔር ሓለዋ ኣመልኪቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል እግዚኣብሔር ንከተማ እንተዘይሓለዋ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ ። መዝ 127፡1 ከምኡውን እነሆ እቲ ንእስራኤል ዝሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቕስን እዩ ። መዝ 121፡4 ይብል ።

እግዚኣብሔር ጓሳይየይ እዩ ዝጎድለኒ የብለይን ብምባል ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እግዚኣብሔር ሓለዋ ተዛሪቡ ። መዝ 23፡1 ዎ ጓሳ እስራኤል ጽን በል ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ መዝ 80፡1 ።

ቅዱስ ዳዊት እግዚኣብሔር ንዝፈጠሮ ኹሉ ዝገበሮ ምንክባኻብ እቲ ንሰማያት ብደመና ዘጎልብብ ንምድሪ ዝናብ ዘዳሉ ና ኣኽራን ሳዕሪ ዘብቁል ነቲ ንእስሳን ነጨጫዊት ኳኻትን ዝምግብ ብምባል ይገልጾ መዝ 147፡8-9 ናይዚ ዕላአም ፈትእርን መጋብን ንሱ ጥራይ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ይምህር ።

ትዕግስተኛ ኣቦና እዮብ ውን ብባሕርን ብምድርን ብዙሕ ዓይነት ፍጥረታት ፈጢሩ ዘመሓድር እግዚኣብሔር ጥራይ ምዃኑ ይዛረብ እዮ 39፡1-30 ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ዑፍ ዶ ብእስራዮን ይሽየጣ ኣይኮናን ሓንቲ ካብኣተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ ብምባል ንፍሲ ወከፍ ፍጡር ዝብገሮ ሓለዋ የረድእ ። ማቴ 10፡29

4) መጽሓፍ ቅዱስ መን ጺሕፍዎ

መጽሓፍ ቅዱስ ዋንኡ እግዚኣብሔር ክኸውን ከሎ ጸሓፍቱ ግና ካብኡ ዝተላእኹ ቅዱሳን ሰባት እዮም ብዝሖም ካብ ኣርባዓ ንላዕሊ ክኾኑ ከለዉ ካብኦም ሓደ እኳ ብዘይፍቓድ እግዚኣብሔር ኣይጸሓፈን ። ንሳቶም ከኣ ንእግዚኣብሔር ጸሓፉ ዝበሎም ጺሒፎም ንኣብነት ሊቀ ነብያት ሙሴ ጸሓፍ ተባሂሉ ዝጸሓፈ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ ። ዘጸ 17፡14 ዘጸ 34፡31፡13

ነብዩ ኤርምሚያስ ውን እነሆ እግዚኣብሔር ቃላተይ ኣብ ኣፍካ እንብር ኣለኹ ኢሉ ዝተዛረቦ ከምዝጸሓፈ ።ኤር 1፡10

ዝጥቕለል መጽሓፍ ውሰድ እሞ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁድን ብዛዕባ ኩላቶም ህዝብታትን ካብቲ እተዛረብኩኻ መዓልቲ ካብ ዘመን ዮስያስ ጀሚረ ክሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ኹሉ ቃላት ኣብኡ ጸሓፍ ።ተባሂሉ ኤርምያስ ከምዝጸሓፈ ንርኢ ። ብተወሳኺ ነዘን ዝነገርኩኻ ቃላት ኩለን ኣብ መጽሓፍ ጸሓፈን ኢሉ እግዚኣብሔር ንኤርምያስ ከም ዝኣዘዞ ተጻሒፉ ኤር 38፡2 ኤር 30፡2

ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ዝተቐበልዎ ብምባል ዝተዛረቦ ነዚ የረድእ 2ይ ጴጥ 1፡20 ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሓንስ ጸሓፍ ተባሂሉ ከምዝጸሓፎ ክዛረብ ከሎ ንእትርእዮ ኣብ መጽሓፍ ጺሕፍካ ናብ ኤፈሶን ናብ ሰርሜነስ ናብ ጰኢርጋሞን ናብ ትያጥሮን ናብ ሰርዴስ ናብ ፍልድልያም ናብ ሎዶቅያ ኣብ እስያ ናብ ዘለዋ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስትያናት ለኣኽ ኢሉኒ ኢሉ ።ራእይ 1፡11

ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፍዎ ቅዱሳን ሰባት ዝተፈላለየ ስራሕን መነባብሮን ከምኡውን ዝተፈላለየ ዘመን ቦታን ዝነብሩ እዮም ። ይኹን እምበር ኩሎም ጸሓፍ እናተባህሉ ኣብ ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ ዝነበሮም ናይ ስራሕ ናይ ዘመን ናይ ቦታ ፍልልይ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓዲኦም መልእኽቲ ምስቲ ካልእ ዘይጋጮ ምዃኑ ዕጹብ ድንቂ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ የርኢ ።ካብቶም ጸሓፍቲ ካህናት ነብያት ነገስታት ሓረስቶት ይርከብዎም ።

ንኣብነት ካብ ናይ ብሉይ ኪዳን ጸሓፍቲ ኤርምያስ ፡ህዝቅኤል፡ ዘካርያስ፡ ካህናትን ነብያትን ክኾኑ ከለዉ ሳሙኤል፡ኤልያስ ፡ ዳኒኤልን ሆሴዕን ከኣ ነብያት እዮም ። ቅዱስ ዳዊትን ደቁን ከኣ ነገስታት እዮም። ካብቶም 12 ደቂቀ ነብያት ሓደ ዝኾነ ዓሞጽ ሓረስታይ ከምዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ። ኣሞጽ 1፡1

ካብ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ጸሓፍቲውን ክምኡ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ክፍሊ ዝነብሮም ይርከብዎም ። ንኣብነት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሓንስ ገፈፍቲ ዓሳ ኔሮም። ሉቃ 1፡11 እዚኣቶም ኣብቲ ግዜ ዝይተማህሩን በቲ ሕብረተ ሰብ ዝተናዕቑን ኔሮም። ናይ ሉቃስ ወንጌልን ግብሪ ሃዋርያትን ዝጸሓፈ ቅዱስ ሉቃስ ከኣ ሓኪም ኔሩ። ኣብ ቆላ 4፡14 ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ ከኣ ተቐባሊ ቐረጽ ኔሩ ። ማቴ 9፡9

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ዝመረጾም ሓዋርያት ቅድሚ ምጽውዖም ዋላኳ ዘይተማህሩ ይንበሩ ደኣምበር እግዚኣብሔር ዝገለጸሎም ብዝግባእ ጽሒፎም ሚህሮም እዮም። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ኣሕዋተየ ኣብቲ ጻውዒትኩም እሞ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት ብዙሓት ስልጡናት ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን ኣምላኽ ግና ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ከሕፍርሲ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ። ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ከሕፍር ከኣ ኣምላኽ ነቲ ድኹም እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ ። ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ከይምካሕ ውን ኣምላኽ ነቲ ኣነ ገለ እየ ዝብል ከንቱ ምእንቲ ኽገብር ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኮነ ሓረየ ። ብምባል ኣረዲኡ። 1ይቆሮ 1፡26-28

እቶም መጻሕፍቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ምጽሓፎም ሓሊፉ ዝተጻሕፈሎም ቦታታት ከምኡ ዝተፈላለየ እዩ ። ንኣብነት እቶም ሓሙስተ ናይ ሙሴ መጻሕፍቲ ኣብ ሲና ምድረ በዳ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ከኣ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ እስራኤል ቦታታትን ተጻሒፎም፡ናይ ህዝቄል ናይ ዳኒኤልን ናይ መብዛሕትኦም ናይ ደቂቀ ነብያት መጻሕፍቲ ኣብ ስደት ኣብ ባቢሎን ክኸውን ከሎ ናይ ዮዲትን ናይ ኣስቴርን መጻሕፍቲ ኸኣ ኣብ ፋርስ ዝተጻሕፉ እዮም ።

ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ከኣ ናይ ቅዱስ ጴሮስን ሓደ ሓደ ናይ ቅዱስ ጳውሎስን መልእኽትታትን ኣብ ሮም ከተማ ከምኡውን ኣብ ካልኦት ቤት ማእሰርቲ ናይ ዮሓንስ ራእይ ከኣ ኣብ ፍጥሞ ማሕዩር ዝተጻሕፉ እዮም ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝገብሮ ብኸምዚ ብዝተፈላልየ ዘመንን ቦታን ዝተጻሕፉ እኩባት መጻሕፍቲ እንተኾነ’ኳ መልእኽቱ ግና ዘይተመዛበለ ርቱዕ፡ ቀጥተኛ ናይ ሓደ ሓሳብ ምስቲ ኻልእ ዝሳማማዕ ምዃኑ እዩ ።


መጽሓፍ ቅዱስ መዓስ ተጻሒፉ ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ 1400 ዓ.ዓ ክሳዕ 400 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ዘመን እዩ ተጻሒፉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ዘመን ኣብ ሓደ ቦታ ብሓደ ሰብ ተጻሒፉ ዝተወድአ ኣይኮነን ።መጽሓፈ ሄኖክ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 4014 ዓመት ተጻሒፉ። ኩሎም መጻሕፍቲ ከም ፍልልይ ግዚኦም ድማ ኣጸዋውዖኦምን ጽሑፋቶምን ዝተጻሕፍሉ ቦታታትን ዝተፈላለዩ እዮም ።ግናኸ ዋላኳ በዚ መልክዕ እዚ እንተተፈላለዩ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም ስለ ዝጸሓፍዎ ናይ ሓሳብ ምግርጫው የብሉን ።1ይጵጥ 2፡21

ንኣብነት ካብ ጸሓፍቱ ንምጥቃስ ፥

ሰለሙን ንጉስ ኔሩ 1ይ ነገስ 1፡1

ህዝቄል ካህን ኔሩ ህዝ 1፡1

ኣሞጽ ጓሳ ኔሩ ኣሞ 1፡1

ማቴዎስ ቀራጺ ኔሩ ማቴ 9፡9

ሉቃስ ሓኪም ኔሩ ቆላ 4፡14

ኣብ ላዕሊ ከምዝተገልጸ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ቅዱሳን ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ዓይነት ዝተዋፈሩን ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ቦታን ዝነብሩ ዝነበሩ እዮም።

5) መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ብምንታይ ቋንቋ ተጻሒፉ ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ብእብራይስጥ ቋንቋ ተጻሒፉ። ዋላኳ እቲ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ (ብሉይ ኪዳን) ብእብራይስጥ ቋንቋ እንተተጻሕፈ ክሳብ ሓሙሻይ ሚኢቲ ክፍለ ዘመን ብሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተጻሒፉ እዩ።





1) ብሶርያ

2) ብናይ ጥንት ላቲን (ቮልጌት)

3) ብቅብጥ (ኮፕት)

4) ብኤርትራ (ግእዝ)

5) ብኣርመን

በዞም ኣብ ላዕሊ ዝረቋሕናዮም ቋንቋታት ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ። ምኽንያቱ ካብቲ ዋና ናይ እብራይስጥ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝተቐድሐ (ስለዝተገልበጠ)፥

ብ1525 ዓ.ም ቴንዳይል ዝተባህለ እንግሊዛዊ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብእንግሊዘኛ ተርጒምዎ። ብ1534 ዓ.ም ሉተር ናብ ቋንቋ ጀርመን ተርጒምዎ። በዚ ኩነታት መጽሓፍ ቅዱስ በብቋንቋኡ እንዳተቐድሐ ኣብዚ እዋንዚ ካብ 1500 ንላዕሊ ዝኾኑ ቋንቋታት ክጸሓፍ በቂዑ።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ቋንቋ ናብ ቋንቋ

ኣብ ብሉይ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ መጀመርያ ካብ ዝተጻሕፈሉ ካብ ቋንቋ እብራይስጥ ናብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክትርጎም ክኢሉ። ካብ ናይ ብሉይ መጻሕፍቲ ትንቢት ዳኒኤል ብቋንቋ ኣራማይክ እዩ ተጻሒፉ።

ኣብ ግእዝ ከምኡውን ኣብ ናይ እንግሊዘኛ ናይ ብሉይ ኪዳን መጻሕፍቲ ሓደ ሓደ ቃላት ብቕጥታ ካብ እብራይስጥ ተወሲዶም ይርከቡ ። ንኣብነት ኤልሻዳይ ኩል ዝኽእል ኣምላኽ፡ ያህዌህ ይርኢ እግዚኣብሔር ይርኢ ናይ መሪባ ጠብ ቤቴል ናይ እግዚኣብሔር ገዛ፡ ማህናይም ናይ ክልተ ሰራዊት ሰፈር፡ ኤቤንኤዘር እግዚኣብሔር ረድኢና፡ ጐይታ ጻባኦት ናይ ሓያላን ጐይታ፡ ሃሌሉያ ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ ዝብሉ ይርከብዎም ።

እዚ ካብ ዘመነ ብሉይ ዝጅምር እዩ።ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ምትርጓም ንእግዚኣብሔርን ንፍቓዱን ወይ ከኣ ትእዛዙን ንምፍላጥ ፍሉይ ኣስተዋጽኦ ጌሩ እዩ ። ብርግጽ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከይነብሩ ሃይማኖት ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር ብዙሓት ንኽጥቀሙሉ ኣይተዓደሉን።ስለዚ ከኣ እግዚኣብሔር ንጸሓፍቲ እንዳለዓዓለ ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣቢሉ ፍጥረቱ መንነቱ ንኽፈልጡ ከምኡውን ክገብርዎም ዝግብኦም ክፈልጡ ገበረ። በዚ ምኽንያት መጀመርያ ዝተጻሕፉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብቋንቋ እብራይስጥ ጥራሕ ስለ ዝነበረ ንኻልእ ህዝብታት ምእንቲ ክበጽሕ ተርጎምቲ መጻሕፍቲ ኣለዓዒሉ ።

መብዛሕትኡ ናይ ሓዱሽ ኪዳን መጻሕፍቲ ብቋንቋ ግሪኽ እዩ ተጻሒፉ ። ወንጌል ዝብል ቃል ኣንገልሊዎን ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝወጸ ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ኸኣ ናይ ብስራት ማለት እዩ። ይኹን እምበር ካብ ናይ ሓዱሽ ኪዳን መጻሕፍቲ ወንጌል ማቴዎስ ብእብራይስጥ ናይ ማርቆስ ወንጌል ከኣ ብላቲን (ብሮማይስጥ) ቋንቋ ተጻሒፉ ።እዚ ኣብ ግዜኡ ብገፊሕ ዝዝረብ ዝነበረ ቋንቋ ብምዃኑ እዩ። ኣይሁድ ንጐይታናን ድሕሪ ምስቃሎም ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉስ ኣይሁድ ንዝብል ዓረፍተ ነገር ዝጸሓፍዎ ብስለስተ ቋንቋ እዩ።

ቀዳማይ ብእብራይስጥ ክኸውን ከሎ ናይታ ሃገር ሰባት ቋንቋ ብምዃኑ ካልኣይ ሮማይስጥ (ላቲን) ክኸውን ከሎ ኣብቲ እዋን ሮማውያን ንእስራኤል የመሓድርዎ ስለዝነበሩ። ሳልሳይ ግሪክ (ጽርዕ) ምዃኑ ግን ኣብቲ ግዜ ብገፊሑ ዝንገር ቋንቋ ስለዝነበረ እዩ። ዮሓ 19፡20

ዋላኳ ሓደሓደ መጽጻሕፍቲ ኣቐዲሞም ብቋንቋ ላቲን ተተርጒሞም ከምዝነበሩ ዝንገር እንተኾነ ኣብ ራብዓይ ክ.ዘመን ( ኣብ ዘመነ መንግስት ሄረዲሞስ ብ366 ከም ኣ.ፈ ) ዝተላዕለ)ዓቢ ናይ ቤተክርስትያን ኣቦ ኣባጅሮም ናብ ኢዮርሳሌም ተጓዒዙ ን40 ዓመታት ናይ እብራይስጥ ናይ ግሪክ ቋንቋታት ብዝግባእ ኣጽኒዑ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቬልጌት ተርጒምዎ እዩ ። ትርጉሙ ከኣ ቮልጌት ብምባል ይፍለጥ ።ቮልጌት ኣብ ሮም ዝነብሩ ዝነበሩ ቩልጌስ እናተባህሉ ዝጽውዑ ሰባት ቋንቋ እዩ (ሄርኒመስ ) ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ቩልገስ ቋንቋ ናብ ላቲን እናተርጎሞ ኸሎ ዓሪፉ። እቲ ንሱ ዝጀመሮ ብድሕሪኡ ዝተላዕሉ ሰባት ከምዝፈጸምዎ ይንገር።

ካብኡ ካብ ላቲን ናብ ጥንታዊት ናይ ጀርመን ቋንቋ ጐቲክ ተተርጒሙ ኣብ መበል ዓስርተ ሽዱሽተ ክፍለ ዘመን ዝተላዕለ ማርቲን ሉተር ኣቅበሉን ዝበሉ እቲ ካብ ናይ ኣቦ ጅሮም ትርጉም ዝተመልሰ ናይ ጐቲክ ትርጉም እዩ ። ሃገርና ኤርትራ ኸኣ ናይ ሓዱሽ ኪዳን መጻሕፍቲ ቅድም ኢላ ከዝረኸበቶ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ 4ይ ሚኢቲ ክፍለ ዘመን ብኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣቢሎም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ግእዝ ተተርጒሞም እዮም። ካብኡ ኣብ 5ይ ሚኢቲ ክፍለ ዘመን ናብ ሃገርና ብዝኣተዉ ዝመጹ ተስኣቱ ቅዱሳን ኣቢሉ ምሉእ ብምሉእ ናይ ሓዱሽ ኪዳን መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ግእዝ ተተርጒሞም እዮም።

ሶርያ ኸኣ ናብ ሱርሱት ቋንቋ ዝተተርጎሙ ብዙሓት ቅዱሳን መጻሕፍቲ ከምዝነበራ ይንገር ኣብ 5ይ ክፍለ ዘመን ናይ ሮሃ ኤጲስቖጶስ ዝኾነ ራቡለን ናይ መንበግ ኤጵስቆጶስ ዝነበረ ፊሊክስዮስ ኣብ 7ይ ሚኢቲ ክፍለ ዘመን ከኣ ቶማስ ዘሄራክልያ ኣብ ሃገሮም ኣብ ሶርያ ንዝነበሩ ትርጉማት ብምስትኽኻል ይፍለጡ። ኣብ ኣርመንያ ቅዱስ ሚስሮንን ቅዱስ ሳህክ ካብ 3ይ ክሳብ 4ይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ኣርመን መሊሶም እዮም።

ናይ ፕሮቴስታንት መስራቲ ዝኾነ ማርቲን ሉተር መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ናብ ቋንቋ ጀርመን ምስ ተርጎሞ ዳሕራይ ኣብ ኤውሮፓ ዓቢ (ኣመላኻኽታ) ሽግር ተፈጢሩ ። ብፍላይ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ፕሮቴስታትን ዘይምርድዳእ እናሓየለ ከደ። እዚውን ሉተር ናይ ኣባ ጅሮም ትርጉም ኣይቅበልን ኢሉ ብናቱ ክምራሕ ስለዝጀመረ እዩ ።

ካብኡ ብ1525/26 ዓ.ም ቴንዳሎ ዝተባህለ እንግሊዛዊ ዝተወሰኑ መጻሕፍቲ ናብ እንግሊዘኛ ተርጒሙ ። ካቶሊክ ከኣ ተንዳሎ ንሉተር ተኸቲሉ ዝተርጎሞ ብምዃኑ ተቓወምዎ። ንዕኡውን ብ1536 ብኣ.ፈ መናፍቅ እዩ ኢሎም ቀተልዎ ።ናይ ተንዳሎ ተኸታሊ ዝነበረ ኮቨርዳቤ ናይ መምህሩ ስራሕ ወዲኡ ኣብ 1539 ብኣ.ፈ ናይ ማቴዎስ መጽሓፍ ቅዱስ(Mattew bible) ኢሉ ኣሕተመ ብ1552 ብኣ.ፈ ናብ ናይ ስልጣን መንበር ዝመጸት ጓል ንጉስ ሄንሪ ንግስት ሜሪ ኣኽራሪት ካቶሊክ ብምዃና ተቓወመት። ካብኡ ብ1568 ከኣ (the bishops bible)ብንግስቲ ኤልሳቤጥ ዘመን ተሓትመ። ብ1610 ኸኣ (the douay rbiems bible) ዝተባህለ ምስ ናይ ላቲን ትርጉም ዝመሳሰል ንካቶሊክ ኣብ ፈረንሳይ ተሓትመ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ድሕሪ ምሟታ ብ1603 ንጉስ ጀምስ ብ1604 ዝተመሓየሸ ናይ ኢንግሊዝ ትርጉም ንኽሕተም ሓደ ግሩብ ኣቋቒሙ በዚ መስረት ናይ ዱወይ ራይምስ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተሓትመ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብ1605 ስርሑ ተጻፊፉ ንሕትመት በቐዐ ።





ካልኣይ ክፋል ይቕጽል. . .

ምንጪ ፣ ቤተ ክርስትያን ሓመረ ኖህ ኪዳነምሕረት ናይሮቢ!!












































Saturday, July 13, 2019



ኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ



በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን !

     
ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወልዱ እዮም ክርስቶስውን ብስጋ ካብኣቶም እዪ ዝተወልደ ንሱ ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ ንዘለኣለም ብሩኽ እዩ ኣሜን።ሮሜ 95
ንሱ ብባህሪኡ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ኣይገድፍን   ኢሉ ኣይተኸራኸረን፡ እንተ ኾነ ሰብ ብምዃን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ። ፊሊ 26
ክርስቶስ ናይቲ ዘይርአ ኣምላኽ ምስልን ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነ በዂሪ ወዱ ንእግዚኣብሔር እዩ ።ከመይ ኣብ ሰማያት ዘሎ ዝርአን ዘይርአን መናብርቲ ይኹኑ ጐይትነት፡ሊቃናት ይኹኑ ስልጣናት ኩሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮም።ቈላሲ 115_17
ንምድሪ ቐደም ፈጠርካያ ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእካውካ እዮም። ንሳቶም ኪጠፍኡ  እዮም ንስኻ ግና ክትነብር ኢኻ። መዝዳዊት 10225_27.
ንጉስ እስራኤል ተበጃዊ ዝኾነ እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ ቀዳማይን ዳሕራዋይን ኣነ እየ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን /ኢሰ 446-7
ኢየሱስ ከኣ እንሆ ቐልጢፈ እመጽእ ኣለኹ እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዝሕሉ ከኣ ብጹእ እዩበለኒ ራኢ ዮሃ 227
እቲ ቐዳማይ ዳሕረዋይን ሞይቱ ዝነበረ ከምዚ ይብል ኣሎ። ጸበባኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ ግና ሃብታም ኢኻ። ራኢ ዮሃ 28
ናይ ዘለኣለም ሕይወት ከኣ ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን እቲ ዝለኣካዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑን ምፍላጥ እዩ ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝግበኣኒ ግብሪ ፈጺመ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ እየ ኣቦይ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈትጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ ዮሃ 173_7
ኩሉ ናተይ ናትካ እዪ፡እቲ ናትካውን ናተይ እዪ፡ኣነ ውን ኣብኣቶም ከበርኩ። ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ ኣነ ውን ናባኻ እመጽእ ኣለኹ ዮሃ 1710_12
ኣነ ኣብ ኣቦ ከም ዘለኹ ኣቦ እውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዝገብር ዘሎ እምበር፡እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ዘረባ ካብ ርእሰይ ኣይኮንኩን ዝዛረቦ ዘለኹ።ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ ኣቦ ውን ኣባይ ምህላዉ እነግረኩም ኣለኹ። ዮሃ 1410_11
ኣቦ ንምውታን ከም ዘተንስኦም  ሕያዋንውን ከም ዝገብሮም፡ ወልድ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደልዮም ሕያዋን ይገብሮም። ዮሃ 521
ኢየሱስ ግና ኣቦይ ክሳብ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ ፡ኣነ ውን እዓዪ ኣለኹ ኢሉ መለሰሎም ዮሃ 517.
ኣነ ከኣ ናይ ዘለኣለም ሕይወት እህበን ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን ካብ ኢደይውን ዝምንዝዐን ሓደ እኳ የልቦን እቲ ንኣኣተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኩሉ ይዓቢ እዪ ካብ ኢድ ኣቦይ ኪምንዝዐን ዚኽእል ከኣ ሓደ እኳ የልቦን ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና እና በለ መለሰሎም። ዮሃ 1028_30.።ዮሃ 1036_38
ንሕና ግና ኩሉ ካብኡ ዝኾነ፡ ምንባርና ከኣ ንዕኡ ዝኾነ ሓደ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣለና።ከምኡ ውን ብእኡ ኩሉ ዝተፈጥረን ንሕና ውን ብእኡ እንነብርን ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና። 1 ቆሮ 86
እቶም ዉሉድ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዝኾኑ ኢየሱስ ውን ከምኦም ሰብ ኮነ እዚ ከኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ድያብሎስ ምእንቲ ክስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባራዪ ኮይኖም ዝነብሩ ከኣ ሓራ ምእንቲ ከውጽእ ኢሉ እዩ ።ዕብ 214
ኢየሱስ ከኣ እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ ንነብሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቢ ምሳይ ኣሎ ራኢ 2212
ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚኣብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ። መዝ’ 475
ነቲ ካብ መላእኽቲ ንቁሩብ ግዜ ትሕት ኢሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና ብምኽንያት ሞቱ ሕጂ ኣኽሊል ክብሪን ግርማን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና።ሕጂ ከኣ ንሱ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ኪንዲ ኩሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዪ። ዕብ 29
ነቲ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ መዲሓኒና ዝኾነ ኣምላኽ ቅድሚ ኩሉ ዘመናትን ሕጂን ንዘለኣለም ዓለምን ክብሪ ግርማ ሓይሊ ስልጣን ይኹኖ ኣሜን። ይሁዳ 125
ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበኽልኩም መራሕቲ ዘክርዎም ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዕልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ ኢየሱስ ክርስቶስ ትማሊን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዪ።ዕብ 137 8.
ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረእዪ ከምዚ ኣባይ እትርእይዎ ዘለኹም መንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ በሎም። ሉቃስ 2439.
እምበኣር ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕምዎም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም። ማቴ 2819
ሕይወት ተጊሊጻ እያ ንሕና ኸኣ ሪኢናያ  ኢና ንምስክርውን ኣለና እታ ንዓና ዝተገልጸት ምስ ኣቦ ዝነበረት ዘለኣለማዊት ሕይወት ድማ ንነግረኩም ኣለና ምሳና ሕብረት ምእንቲ ክህልወኩም ኢልና ድማ ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግረኩም ኣለና።ሕብረትና ውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ። 1 ዮሃ 12_4
እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእኩኹም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ብጀካይ ድማ መድ የብልኩምን። ሆሲእ 134
ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ ብኡብኡ ካብ ማይ ወጸ እንሆ ከኣ ሰማያት ተኸፍተ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ኪዓልብ ረኣየ እንሆ ድማ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዪ ዚብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ። ማቴ 316
ምስ ረኣኹዎ ድማ ከም ምዉት ኮይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቅኩ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ከምዚ ዝስዕብ በለኒ፣ኣይትፍራሕ ኣነ እቲ ቀዳማይን እቲ ዳሕረዋይን እቲ ህያውን እየ።ሞይተ ውን ነበርኩ እንሆ ከኣ ንዘለኣለም ዓለም ሕያው እየ። ራኢ 117
ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፥እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦ ዘሎ፥እቲ በይኑ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ። ዮሃ 118
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ካባና ጽቡቅን ክፉእን ዝፈልጥ ኮነ ሕጂ ከኣ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ከይነብ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ኣይብላዕ በለ። ዘፍ 322
እምበኣር ነሓድሓዶም ምእንቲ ከይሰማምዑ ንዑ ንውረድ እሞ ቋንቆ ንደባልቕ በለ። ዘፍ 117
ንሳቶም ከኣ ንሓድሕዶም እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እዩ ኩላ ምድሪ ከኣ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ እና በሉ ይቀባበሉ ነበሩ።ኢሰያ 61
ሽሕ እኳ ኣምላኽ ተባሂሎም ዝጽውዑ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይቶትን ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኣለዉ እንተ ተባህለ፡ ንሕና ግና ኩሉ ካብኡ ዝኾነ ምንባርና ከኣ ንእኡ ዝኾነ ሓደ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣለና።ከምኡ ውን ብእኡ ኩሉ ዝተፈጥረን ንሕና ውን ብእኡ እንነብርን ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና       1  ቆሮ 85-6
እቲ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ንእኡ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ክንፈልጦ ኢሉ ምስትውዓል ከም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና ።ንሕና ኣብቲ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና ዘለና ።ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ሕይወትን እዪ 1 ዮው 520
ደቀየ ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ከምቲ ክርስቶስ ጻድቕ ዝኾነ እቲ ጽድቒ ዝገብር ከኣ ጻድቕ እዩ ።ካብ መጀመርታ ኣት ዝሓጥእ ዘሎ ድያብሎስ እዩ እሞ ኣት ዝገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ ።ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ከፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገጸ 1 ዮው 37-8
እዚ ኩሉ ብምስላ እየ ዝተዛረብኩኹም ካብ ሕጂ ንደሓር ብዛዕባ ኣቦ ብምስላ ዘይኮነ ንዓኻትኩም ብግልጺ ዝዛረበላ ግዜ ክትመጽእ እያ ።በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም ኣነ ነቦ ምእንታኻትኩም ክልምኖ እየ ኣይብለኩምን እየ ምኽንያቱ ንስኻትኩም ኣነ ካብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም እዩ ካብ  ኣቦ ወጺአ ናብ ዓለም መጻእኩ ከም በሓዱሽ ንዓለም ሓዲገ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣለኹ ።ዮው 1625-28
እቶም ዉሉድ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዝኾኑ ኢየሱስ ውን ከምኦም ሰብ ኮነ፡እዚ ከኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ሊዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕር ፡ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባራዩ ኾይኖም ዝነበሩ ኸኣ ሓራ ምእንቲ ኸውጽእ ኢሉ እዩ ከመይ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር ንመላእኽቲ ከድሕን ኣይመጸን  ዕብ 214

ኣብ ዝመጽእ 2ይ ክፋል ድማ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ፈርዲ  ድዩ   ኣማላዲ 
   ዝብል ብስፍሕ ዝበለ ከነቕርብ ኢና 
 ክሳብ ሽዑ ስላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትና ይኹን 
                ኣሜን ።
  
  


ተወሳኺ ጽሑስ ምስ እንደሊ   older posts ትብል ብምጽቃጥ ንወከስ  





                     በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን             ቅዱስ ሚካኤል  ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኵሎም መላእኽቲ ሓለቓ ኾይኑ ብፍላይ ከኣ ናይ ኃይላት ሓለቓ...