Saturday, July 20, 2019


     ተመሳሰልቲ ቃላት ኦሪትን ሓዱሽን 
     

በመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ዱስ ኣሐዱ ኣምላክ  ኣሜን 

ኣብ ኦሪት ዝተባህለ ኣብ ሓዱሽ እንታይ ይብል ፧እስኪ 
ካብዚ ንሎሚ ኣዳልየዮ ዘለኹ ሓሳብ ናይ እግዚኣብ ቃል 
ኣብ ኦሪት ዝተባህለ ብዛዕብኡ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ስለምንታይ 
ክዛናባዕ ዘይከኣለ ፧ቃል እግዚኣብሔር ኣይቅየርን እዩ ነብያት ብዛዕብኡ ዝበልዎ ሓዋርያት ውን እቲ ዝተባህለ ፍጻሜ ረኺቡ ንምባል እዚ ቃል እዚ ናይ ክልቲኦም ፍልልይ ከም ዘይብሉ ካብዚ ክንመሃር ንኽእል 
 እስኪ እቲ ኣብ ኦሪት ዝተባህለ እንታይ ነይሩ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ከ 
እንታይ ተባሂሉ በብሓደ ንርኣዮም።   
 
ኦ ጎይታይ ንስኻ ካብ ቀደም ንምድሪ ፈጠርካያ ሰማያት ውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። ዕብ 1፡10። ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ ።ዘፍ 1፡1-2
ኣነ እቲ ቀዳማይን ዳሕረዋይን እቲ ህያውን እየ። ራእ 1፡18 ። ኣነ እቲ ዘሎኹ እየ ። ዘጽ 3፡14 ብግእዝ ከኣ ኣነ ዘሎን ዚነብርን እየ ይብል ።
ንሓድሕዱኩም ክትፋቀሩ ይእዝዘኩም ኣለኹ። ዮው 15፡17 ፡ንኣኻትኩም ብድሕረኹም ድማ ንደቅኹም ክጽብቐልኩም ኣብታ እግዚኣብሔር ኣምላኩም ንሓዋሩ ዝህበኩም ምድሪ መዓልታትኩም ምእንቲ ክነዉሕ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኩ ናይ ኣምላኽ ሕግታትን ትእዛዛትን ሓልውዎ። ዘዳ 4፡40
ነቲ ርስቲ ካብ ጎይታ ከም ዓስቢ ከም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኮነስ ንጎይታ ከም እትገብርዎ ጌርኩም ካብ ልቢ ግበርዎ።እቲ እተገልግልዎ ሓቐኛ ጎይታ ክርስቶስ እዩ። ቆላ 3፡24 ።እቶም ህዝቢ ድማ ንእያሱ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ነገልግል ቃሉ ከኣ ንሰምዕ በልዎ። እያሱ 24፡24
ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ እቲ ዝስዕበኒ ከኣ ብርሃን ህወይት ኪረክብ እምበር ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ። ዮው 8፡12። ንእግዚኣብሔር እንተ ፈራህኩምዎን እንተ ኣገልገልኩምዎን ቃሉ እንተ ሰማዕኩምን ንትእዛዝ እግዚኣብሔር ከኣ እንተ ዘይኣቢኹምዎን ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕልኹም ዚነግስ ንጉስን ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩምዎ ኺቐንዓኩም እዩ። 1ሳሚ 12፡14
ስለዚ ነቲ ኣብ ጸልማት ዝተሓብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ ሓሳባት ልቢ ከኣ ዝገልጽ ጎይታ ክሳዕ ዝመጽእ ቅድሚ እቲ ምዱብ ግዜ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። 1ቆሮ 4፡5። ነቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ከኣ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድልዮን ነበረ።ዮው 2፡25 ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኣብታ እትነብረላ ሰፍራ ኼንካ ስማዕ ይቕረ ከኣ በል ግበር ድማ ንልቢ ኩሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ ኣብታ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኩለን መዓልታት ምእንቲ ኺፈርሁካስ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ ከከም መገዱ ሃቦ። 1ነገስ 8፡39
ነቲ በኹሪ ወዱ ናብ ዓለም ኪልእኮ ከሎ ኩላቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ይሰግዱሉ ዕብ 1፡6.። ስለዚ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኩሉ ፍጥረት ብብርኩ ኪምብርከክ እዩ። ፊሊ 2፡10።ንስኻ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሔር ሰማይን ምድርን ኩሉ ፈጠርካ ፡ ኩሉ ከዋኽብትን ባሕርን ፈጠርካ ነዚ ኩሉ ብህይወት እተንብሮ ከኣ ንስኻ ኢኻ፡ ሰራዊት መላእኽቲ ይሰግዱልካ። ንህ 9፡6
ንሕና ኣብቲ ሓቂ ዝኮነ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኢና ዘለና ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ሕወይት እዩ ። 1ዮው 5፡20 ብጀካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ የልቦን ፡ ብጀካ ኣምላኽና ከኣ ዕቑባ የልቦን። መዝ 18፡31
ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ። ዮው 10፡11 እግዚኣብሔር ጓሳይየይ እዩ ዚጎድለኒ የብለይን። መዝ 23፡1
ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ ። ዮው 8፡12.። እግዚኣብሔር ብርሃነይን ምድሓንይን እዩ ፡ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ እግዚኣብሔር ሓይሊ ሕይወተይ እዩ።መዝ 27፡1
ኪባርኾም ከሎ ከኣ ካብኣቶም ተፈልየ ናብ ሰማይ ውን ዓረገ። ሉቃስ 24፡51.። ኣምላኽ ብእልልታ እግዚኣብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ። መዝ 47፡5
እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረኣኹምሞ ከምኡ ገይሩ ከኣ ኺመጽእ እዩ በልዎም። ግብ ሃ 1፡11.፣ ኣምላኽና ኺመጽእ እዩ ግናኸ ሰላሕ ኢሉ ኣይኮነን ዚመጽእ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፡ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ። መዝ 50፡3
ኣብዚ የሎን ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ። ማቴ 28፡6። ሽዑ እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዚትንስእ ሰብ ተንስአ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚጭድር ጅግና ኮይኑ ተንስአ ። መዝ 78፡65
ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ እንተኮነ ኩሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ። ዮው 5፡22 ከመይ እግዚኣብሔር ንዓለም ኪፈርድ ኪመጽእ እዩ ንህዝቢ ዓለም ብፍትሕን ብቕንዕናን ኪፈርዶም እዩ።መዝ 96፡13
ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ።ማቴ 4፡16 ።ካብ ጸልማትን ጓህን ኣውጽኦም ፡መቓውሖም ከኣ ሰባበረ። መዝ 107፡14
እቲ ምድሓን ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ንኩሉ ሰብ ተገሊጹ። ቲቶ 2፡11።መዝ 129፡7
18 ኣነ ነቶም ዘፍቕሮም ዘበሉ እገንሖምን እቐጽዖምን እየ። ራእ 3፡19 ።ወደየ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዚቐጽዖ ከምኡ ከኣ እግዚኣብሔር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ እንተ ቐጽዓካ ኣይትመሪር ተግሳጽ እግዚኣብሔር ከኣ ኣይትንዓቕ ።ምሳሌ 3፡12
ብእኡ ክንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተዋህበን ስለዚ ድሕነት ብሓደ ካልእ ከቶ የልቦን ። ግብ ሃ 4፡12 ። ኣምላኸይ መድሓንየይ እዩ ብእኡ እእመን ፡ኣይፈርህን ከኣ እየ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሓይለይን ብርታዐይን እዩ ንሱ ምድሓነይ ኮነ።ትኢስ 12፡2
ንኣኹም ነዞም እትሳቐዩ ዘሎኹም ዕረፍቲ ኪህበኩም እዩ ንኣና እውን ከምኡ እዚ ኩሉ ጎይታና ኢየሱስ ምስቶም ሓያላን መላእኽቱ ብነበልባል ሓዊ ካብ ሰማይ ምስ ተገልጸ ኪኸውን እዩ። 2ተሰ 1፡7 ።ነቶም ፈራህ ዝልቦም፡ ኣጆኹም ኣይትፍርሁ እንሆ ኣምላኽኩም ሕነ ኺፈዲ ንጸላእትኹም ኪቐጽዕ ባዕሉ ኬድሕነኩም ኪመጽእ እዩ። ት ኢስ 35፡4
ጎደና እግዚኣብሔር ጽረጉ መገዱውን ኣቕንዑ ።ማር 1፡2 ። እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ድምጹ ዓው ኣቢሉ መገዲ እግዚኣብሔር ኣብ ምድሪ በዳ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ።ኢስ 40፡3
ኢየሱስ ከኣ እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኩ ንነብሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቢ ምሳይ ኣሎ። ራእ 22፡12 ።እንሆ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነቶም ዝተበጀዎም ህዝቢ ሒዙ ብሓይሊ ኺገዝእ ይመጽእ ኣሎ። ኢስ 40፡10።
እንሆ ኣነ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ። ማቴ 28፡20 ።ምሳኹም እየ ኣይትፍርሁ ኣነ ኣምላኽኩም እየ እሞ ኣይትሸበሩ ፡ ከበርትዓኩም ፡ክረድኣኩም፡ በታ ሓያል የማነይቲ ኢደይውን ክድግፈኩም እየ። ኢስ 41፡10።
መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና ሓይሊ ክትቅበሉ ኢኹም። ግብ ሃ 1፡8 ። ኢስ 43፡10
ስለዚ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኩሉ ፍጥረት ብብርኩ ኪምብርከኽ እዩ።ፊሊ 2፡10 ። ቃል ሓቂ ካብ ኣፈይ ወጺኡ ኣሎ ፡ ኣይኪልወጥን ከኣ እዩ፡ ኩሉ ብርኪ ኺሰግደለይ ኩሉ ልሳን ከኣ ብኣይ ኪምሕል እዩ ኢለ ብርእሰይ እምሕል ኣሎኹ። ኢስ 45፡23
ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክፈድዮኩም እየ። ራእ 2፡23 ። ኣነ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ ፡ ንነፍሲ ወከከፍ ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ ዝምርምር፡ ንሓሳብ ወዲ ሰብ ከኣ ዝፈልጥ ኣምላኽ እየ። ኤር 17፡10
ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኾነሉ እዩ እምበር ንዘለኣለም ኣይኪጸምእን እዩ። ዮው 4፡14። ኦ እግዚኣብሔር ተስፋ እስራኤል ንስኻ ኢኻ፡ እቶም ዚሓድጉኻ ዘበሉ ኺሓንኩ እዮም። ንኣኻ ንእግዚኣብሔር ፡ነቲ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ስለ ዝሓደጉ ከምቲ ብሓመድ ዝተጻሕፈ ስም ኪድምሰሱ እዮም። ት ኤር 17፡13።
እንሆ ምስ ህዝቢ እስራኤልን ምስ ህዝቢ ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልታት ኪመጻ እየን።ዕብ 8፡8።እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ ፡ምስ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልታት ኪመጻ እየን ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 31፡31
እምነቶም ምስ ረኣየ ድማ ኣታ ሰብኣይ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ኣሎ በሎ። ሉቃስ 5፡20. ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓቢይኦም ኩላቶም ኪፈልጡኒ እዮም ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ፡ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ንእግዚኣብሔር ፍለጦ ኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪመሃሃሩን እዮም ኣነ ከኣ ኣበስኦ ይቕረ ኽብለሎም ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዚ ኣይክዝክርን እየ።ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 31፡34
     እምበኣር  እዚ ከምዚ ዓይነት ጥቕስታት ከቕርብ ዝገደደኒ ነቶም ቃል ኣምላኽ ኣብ ነሓድሕዱ ይጋጮ እዩ ዝብሉ ከም መልሲ 
ነቶም ብትህኪት ተሰኒፍና ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘሎ ሰኣን ፈቲሽና ምውጻእ በተን ክልተ ጥቕሶም ንዘሳቑዩና መናፍቃን  ከም ቀዳማይ ረዲኤት 
 ወሲድና ንሕና ድማ ካብዚ ንላዕሊ ተበጊስና ከምዚኦም ዝዓይነቶም ጥቅስታት  እንዳ ኣውጻእና መጻሕፍትና ክንፍትሽ ንምባል ዝኣክል ከም ዝኾነ ክገልጸልኩም ይፈቱ ። እግዚኣብሔር ሓይሉ ይሃበና ።


         ስብሃት ለእግዚኣብሔር ልዑል
                 ወለወላዲቱ ድንግል
                 ወለመስቀሉ ድንግል
                     ኣሜን !

No comments:

                     በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን             ቅዱስ ሚካኤል  ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኵሎም መላእኽቲ ሓለቓ ኾይኑ ብፍላይ ከኣ ናይ ኃይላት ሓለቓ...