ነብይ እንባቆም
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ዕንባቆም ማለት ማእምር፡ ለባዊ ነባቢ ማለት እዩ። ካብ ነገደ ስምዖን ካብ ኣቦኡ ናኮርን ኣደኡ ሬፋን ተወልደ። ኣብ ዘመነ ሕዝቅያስ ዝተንሥአ ነቢይ እዩ።
እስራኤላውያን ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ነቢይ ዕንባቆም ኣብ ምድረ ይሁዳ ይምህር ነበረ። ነቢይ ዕንባቆም፡ ጸብሒ ኣብሲሉ እንጌራ ፈትፊቱ ነቶም ኣብ ግራት እኽሊ ዚዓጽዱ ዝነበሩ ሰባት ንኸብጽሓሎም ኂዝሎም ኪኸይድ ከሎ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ፦ “ሰድ ዘንተ ምሳሐ ለዳንኤል እኁከ ዘሀሎ ውስተ ግበ ባቢሎን/ ነዚ ምሳሕ እዚ ናብቲ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ኃውኻ ዳንኤል ውሰዶ።” በሎ። ነቢይ ዕንባቆም ድማ “ ባቢሎንሃ ኢየአምር፡ ግበ አናብስትሂ ኢርኢኩ / ባቢሎን ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፈልጦን እየ፣ ጕድጓድ ኣናብስት’ውን ኣይረኣኹን’’ በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ ብጸጕሪ ርእሱ ኣንጠልጢሉ ከም ንፋስ እናፋጸየ ናብ ባቢሎን ኣብጽሖ። ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ብዕጽዉ ኣትዩ ንነቢይ ዳንኤል ሂብዎ ከደ።
ሽዑ ነቢይ ዳንኤል “ ተዘከረኒኑ እግዚአብሔር ዘኢኃደጎሙ ለእለ ያፈቅርዎ/ ነቶም ዘፍቅርዎ ዘይኃድግ እግዚአብሔር ብሓቂ ዘኪርኒ” ብምባል ኣመስገነ። እዚ ምሳሌ እዚ፡ ሊቃውንት ከመሥጥርዎ ከለዉ ግበ ኣናብስት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ እቲ መግቢ ናይ መግበ ነፍስ፣ ነቢይ ዕንባቆም ከኣ ናይ ጐይታ ምሳሌ እዩ። ብዕፅዉ ኣትዩ ብዕፅዉ ምውፃኡ፡ ጐይታ ብኅቱም ድንግልና ተፀኒሱ ብኅቱም ድንግልና ናይ ምውላዱ ምሳሌ እዩ። (ተረፈ ዳንኤል 1፡33-39)
ነቢይ ዕንባቆም 4 ምዕራፋት ዘለዎ መጽሓፈ ትንቢት ጽሒፉ እዩ።
ነቢይ ዕንባቆም፡ ካብ ካልኦት ነቢያት ብዝተፈልየ ኣብ መጽሓፉ ንርእሱ ‘ነቢይ’ ኢሉ ዝጸውዐ እዩ።
ኣብዚ መጽሓፉ፡ ንሱ ብዛዕባ ምርኮ እስራኤላውያን ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ዝሓተቶን፣ እግዚአብሔር ድማ ዝመለሰሉን ተጠቒሱ ኣሎ።
ንሓዲስ ኪዳን ዘመልክቱ ትንቢታት ተገሊጾም ኣለዉ። ንምሳሌ፦ “እግዚኦ ሰማዕኩ ድምፀከ ወፈራህኩ ርኢኩ ግብረከ ወአንከርኩ በማእከለ ክልኤ እንስሳ ርኢኩከ/ ኦ ጐይታ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራህኩ፡ ተግባራትካ ርእየ ተደነቕኩ። ኣብ ማእከል ክልተ እንስሳ ረኣኹኻ።” በለ። (ዕን. 3፡2) እዚ ኸኣ ኣቐዲሙ ብመንፈሰ ትንቢት ንዝረሓቐ ኣቕሪቡ፡ ንዝረቐቐ ኣጕሊሑ ዝተዛረቦ ኮይኑ፥ ኣብ ጊዜ ልደት ኣብ መንጎ ላሕምን ኣድግን፣ ኣብ ጊዜ ስቕለት ኣብ መንጎ ፈያታዊ ዘየማንን ፈያታዊ ዘጸጋምን፣ ኣብ ጊዜ ወሪደ መቃብር ኣብ መንጎ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን፣ ኣብ ጊዜ ፍርዲ ኣብ መንጎ ጻድቃንን ኃጥኣንን ርኣኹኻ እሞ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራህኩን ተግባራትካ ርእየ ተደነቕኩን” በለ።
“እግዚአብሔርሰ እምቴማን ይመጽእ ወቅዱስኒ እም ደብረ ፋራን ወእም ኣኅጉረ ይሁዳ/ እግዚአብሔር ካብ ቴማን፡ እወ እቲ ቅዱስ ካብ እምባ ፋራን ይመጽእ ኣሎ” ኢሉ’ውን ብዛዕባ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተነበየ። ‘ፋራን’ ማለት ኃያል ማለት እዩ፡ ስለዚ “እቲ ኃያል ጐይታ ኣባኺ ኃደረ” ማለት እዩ።
ኣብ መወዳእታ መጽሓፉ ድማ ዘቕረቦ መዝሙርን ጸሎትን ጠቒሱ ኣሎ።
“ ሶበ ትትሀወክ ነፍስየ በምሕረትከ ተዘከረኒ . . . ወአንሰ እትፌሣሕ በእግዚአብሔር ወእትኃሠይ በአምላኪየ ወመድኃንየ። እግዚአብሔር አምላኪየ ወኃይልየ ዘይሠርዖን ለፍጻሜየ፡ ወያቀውመኒ ውስተ መልዕልት ወዲበ ልዑላት ያፄዕነኒ ከመ እማዕ በመኃልይሁ። / ኣብ ዝተሃወኽኩሉ ጊዜ ብምሕረትካ ተዘከረኒ . . . ኣነ ግና ብኣምላኸይን መድኃኒየይን እግዚአብሔር ፈጺመ ይሕጐስ። እግዚአብሔር ኣምላኸይን ኃይለይን እዩ፣ ነእጋረይ ዘጽንዐን፡ ፍጻሜየይ ዘሥምረለይ ንሱ እዩ። ኣብ ሕጉ ኣሚነ ንኽዕወት ኣብ ልዕልና የቑመኒን፡ ኣብ ኣሕዛብ የሥልጥነኒን። (ዕን. 3፡2-19)
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!
ሰላም እብል ለእንተ ኮንከ ነጻሬ፡ነቢሮ አምላክ ማእከለ እንስሳ ኑባሬ፡
ዕንባቆም ነቢይ ወልደ ናኮር እምነገደ ኅሬ፡
ሥራዌ እንዘ ይኤምር እማሬ፡
ውስተ ዐፀደ ወይን ይብል ኢይከውን ፍሬ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

No comments:
Post a Comment