ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) ሳልሳይ ክፋል
ምኽንያት ጉባኤ ኤፌሶን ናይ ቢላግዮስን ናይ ንስጥሮስን ክሕደት እዮም ።
ቢላግዮስ ፡ እዚ ሰብ’ዚ ብ405 ዓ.ም. ኣብ ብሪታንያ ዝተወልደ ክኸውን ከሎ ናብ ሮምን ናብ ፍሊስጥኤምን ብዙሕ ግዜ ተመላሊሱ እዩ ።ኣብኡ ምስ መንኮሰ ኸኣ ናይ ክህነት መዓርግ ተቐበለ ።ናይዚ ሰብዚ ክሕደት እዚ ዝስዕብ እዩ። ናይ ኣዳም ሓጢኣት ናብ ደቁ ኣይተመሓላለፈን ፣ ሓደ ሰብ ክውለድ ከሎ ኣዳም ኣብ ሓጢኣት ቅድሚ ምውዳቑ ብዝነበሮ ኰይኑ ይውለድ ። ምስ እዚ ድማ ሓደ ሰብ ብናይ ተፈጥሮ ባሕርይ ብድልየቱ ናብ ዝለዓለ ናይ ቕድስና ደረጃ ዝበጽሕ ረዲኤት እግዚኣብሔር ብዘይ ምድላይ እዩ ኢሉ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ጐይታ ምእንቲ ድሕነትና ሰብ ኮይኑ ንዝተዋረዶ ክብሪ ዘየውህብ እዩ ፣ንናይ ክርስቶስ ደም፡ ክብሪ ዝቕንስን ነዞም ዝስዕቡ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጥቕስታት ዝቃረንን እዩ ።እንሆ ብዓመጻ ተጸንስኩ ኣደይ ከኣ ብሓጢኣት ወለደትኒ(መዝ 51፡3)ብሰሪ ሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፣ ብሓጢኣት ምኽንያት ውን ሞት መጸ፣ ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ተመሓላለፈ (ሮሜ 5፡12 )ብምኽንያት ኣዳም ኩሉ ሰብ ከም ዝመውት ከኡ ኸኣ ብክርስቶስ ምኽንያት ኩሉ ሕይወት ይረክብ ።(1ይ ቆሮ 15፡22)ብዓለም ለኻዊ ናይ ኤፌሶን ጉባኤ ክሳዕ ዝውገዝ እዚ መናፍቕ እዚ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ካብ ሃገር እናተዛዋወረ ምስፍሕፋሕ ቀጸለ።መናፍቕ ፓትርያሪክ ንስጥሮስ ንናይ ኤፌሶን ጉባኤ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ናይ ንስጥሮስ ክሕደት እዩ ። ንሱ ናይ ጐይታ ክርስቶስ መልኮትን ናይ እመቤታችን ናይ ኣምላኽ ወላዲትነትን ዝኸሓደ እዩ ። ናይ ክሕደት ትምህርቱ ከምዚ ዝብል እዩ፡ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ቅድሚ ኩሉ ዝነበረ ምዃኑ ይኣምን እየ። ማርያም ኣደ ኣምላኽ እያ ማለት ግን ኣይኣምንን። ኣደ ክርስቶስ ምዃና ኣይከሓድን፣ ነገር ግን ንትስብእቲ ንስጋ እዩ እግዚኣብሔር ኣይወለደትን። ነገር ግን ካብ ስጋ ዝተወልደ ስጋ እዩ ፣ካብ መንፈስ ዝተወልደ ከኣ መንፈስ እዩ ። ፍጡር ኮይኑ ዝወለደቶ ናይ እግዚኣብሔር መሳርሒ ዝኾነ ሰብ ደኣሉ እምበር ፈጣሪ ኣይኮነን። በዚ መሰረት ንጐይታ ክልተ ባሕርያትን ክልተ ኣካልን ክልተ ፍቓድን ድልየትን ኣለዎ። ብናቱ ኣበሃህላ ሰብኣ ሰገል ንሕጻን ጐይታ ኢየሱስ ምስጋዶም ስሕተት እዩ፣ ምኽንያቱ ብናቱ እምነት፡ ሕጻን ጐይታ ኢየሱስ መለኮት ዘይተዋሃሃደ ሰብ ስለ ዝኾነ ።(ማቴ 2፡11)ነዘን ክሕደታት እዚአን ንምርኣይ ብቴዎዶስዮስ ዘይንእስ ዘመነ መንግስት ብ431 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኤፌሶን 200 ኣባላት ኤጲስ ቆጶሳት ዝተረኽብዎ ጉባኤ ናይቲ ጉባኤ ኣካቢ ወይ ጠርናፊ ናይ እስንድርያ ሊቀ ጳጳስ ዓቢይ ቄርሎስ ነይሩ ።ጉባኤ ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ ማለት ኣብ ኣኼባ ንኽርከብ ብንጉስ ዝተወከለ በዓል ስልጣን ምስ ንስጥሮስ ብምምሽጣር፡ ናይ ምሽጋር ፈተነ ድሕሪ ምግባሩን፡ ንንስጥሮስ ከኣ እንደገና ኣብ ጉባኤ ንኽርከብ ዝቐረበሉ መጸዋዕታ ንምቕባል ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ ኣብ ዘለዎ ከሎ ምስ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ተወጊዙ። ከምኡ’ውን ናይ ብላግዮስ ክሕደት ኣውጊዞም ።ንካሓደቲ ካብ ክህነቶም ብምስዓርን ካብ ሕብረተ ሰብ ምፍላይን ፍርዱ ዝሃበ ጉባኤ ናይ ክርስቶስ መልኮትን ትስብእትን ብዘይምትሕውዋስን ብዘይ ምፍልላይን ድሕሪ ምውሃሃዶም፡ ጐይታ ሃደ ኣካልን ሓደ ብሕርይን ዘለዎ ምዃኑን፡ እግዝእትነ ማርያም ከኣ ኣደ ኣምላኽ ምዃና ብምእማን፡ ናይ እምነት ቆኖና መቕድም ውሳኔ ኣሕሊፉ ።እዚ ናይ እምነት ቀኖና መቕድም እዚ ዝስዕብ እዩ ።ኦ ናይ ሓቀኛ ብርሃን ኣደ ነኽብረኪ ኢና፣ መጺኡ ነብስና ነዘድሓነ ናይ ኩሉ ዓለም መድሓኒት ስለ ዝወድክልና ኦ ቅድስት ድንግል ኣደ ኣምላኽ ነመስግነኪ ኣሎና።ናይ ሓዋርያት መመክሒ ፣ ናይ ሰማዕታት ኣኽሊል፣ ናይ ቅዱሳን ዕረፍቲ፣ ናይ ቤተ ክርስትያን መሰረት፣ ዝኾንካን ፣ኃጢኣትና እትሰሪ ጐይታናን ንጉስናን ክርስቶስ ክብሪ ንዓኻ ይኹን ።ስለ ስሉስ ቅዱስ ንሰብኽን ንምህርን፣ ንሓደ መለኮት ንሰግድን ነኽብርን፣ ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና፣ ኦ ጐይታ ባርኸና፣ ኣሜን ።እዚ ጉባኤ እዚ ሸሞንተ ቀኖናታት ሰሪዑ ኣቚሙ ኣብ ፍትሐ መንፈሳዊ ከኣ ተጻሒፉ ኣሎ።ካልኣይ ጉባኤ ኤፌሶን (449 ዓ.ም.)ናይ ኣውጣኪ ክሕትን ናይ ንስጥሮስ ክሕደትን ናይ ብዙሓት ኣተሓሳስባ ካብ መስመሩ ከም ዝውጽእ ገይሩ እዩ ።ንሓደ ሓደ ካብ ናይ ኣትናቴዎስን ቄርሎስን ትምህርቲ ተቓራኒ ዝኾነ፡ ናብ ናይ ክልተ ባሕርይን ክልተ ድልየትን ፍቓድን ዝብል ትምህርቲ ከም ዝስዕቡ ክገብር ከሎ፡ ንኻልኦት ከኣ በንጻሩ ናይ መለኮትን ትስብእትን ምውህሃድ ብምጥፋእን ብምትሕውዋስን፡ ትስብእት ጠፊኡ፡ መለኮት ጥራሕ ተሪፉ”ናብ ዝብል ክሕደት ወሲድዎም ።ነዚ ካልኣይ ክሕደት ዝሰዓበ ከኣ ኣውጣኪ ዝተባህለ ሰብ እዩ።እዚ ኣውጣኪ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ጥቓ ቚስጥንጥንያ ዝርከብ ናይ ሓደ ገዳም ሓላፍን ንሃይማኖት ከኣ ብጣዕሚ ቀናኢ ከም ዝነበረ ይንገረሉ ። ንናይ ንስጥሮስ ክሕደት ብጣዕሚ ካብ ምጽልኡ ዝተላዕለ በቲ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ንምጅማር ዝገበሮ ናብ ዝገደደ ክሕደት ኣምርሐ ።ናይ ትስብእት ባሕርይ ብናይ መለኮት ባሕርይ ተዋሒጡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ዝተሓዋወሰ ጠባይ ባሕርይ ኣለዎ ኢሉ።ኣብ ግዜኡ ናይ ቊስጥንጥንያ ፓትርያሪክ ዝነበረ ፍሊፕያኖስ ብናይ ክልተ ኤጲስ ቆጶሳትን ብናይ ሳላሳን ሰለስተን ናይ ገዳማት ኣሕሉቕን ጉባኤ ባዕሉ ብዝገበሮ ኣኼባ ጉባኤ ገይሩ ንኣውጣኪ ኣውጊዙ ካብ ናይ ገዳሙ ሓላፍነት ዝስዕርን ናይ ንስጥሮስ ክሕደት ንምሕዳስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክለተ ባሕርይን ክልተ ፍቓድን ከም ዘለዎ ዝገልጽ ውሳኔ ኣሕለፈ ።ኣውጣኪ ግን ናብ ንጉስ ቴዎዶስዮስ ዘይንእስን ናብ ናይ ሮማ ኤጲስ ቆጶስ ልዮንን ይግባይ ስለ ዝበለ ናይ ጉባኤ ትኽክልነት ዝምርምር ኣኼባ ንኽግበር ንጉስ ብዝኣዘዞ መሰረት ኣኼባ ተገይሩ። ኣብ ስምምዕ ስለ ዘይበጽሐ ብዘይ ገለ ውሳኔ ተበተነ። እቶም ናይ ጉባኤ ኣባላት መብዛሕትኦም ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ዝነበሩ እዮም እሞ ቅድም ኣብ ሊዕሊ ንስጥሮስ ዘሕለፍዎ ውሳኔኦም ናይ ምልዋጥ ዝንባሌ ኣርኣዩ ።እቲ ንጉስ ከኣ ናይ ይግባይነት ጉባኤ ወሳንነት ምስአን ርእዩ ፡ ዓለም ለኻዊ ናይ ቤተ ክርስትያን ጉባኤ ንኽእከብ ወሲኑ ትእዛዝ ኣሕሊፉ። ሽዑ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስትያን መራሒ ንዝነበረ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ እቲ ጉባኤ ብናቱ ኣካቢነት ኣኼባ ንኽካየድ መልእኽቲ ኣመሓላለፈሉ ።ብወርሒ ነሓሰ 449 ዓ.ም. 130 ኤጲስ ቆጶሳት ኣባልነት ብዘለዎ ብቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኢቀ መንበርነት ጉባኤ ተኻይዱ ። ኣውጣኪ እምነቱ ንኸነጽር ምስ ተሓተ ኣብ ንቅያ ናይ ዝተኣከቡ ኣቦታትን ከምኡ’ውን ናይ ኣትናቴዎስን ቄርሎስን እምነት ከም ዝኣምን ብጽሑፍን ብቓልን ዘርዚሩ ምስ ኣረድአ እቲ ጉባኤ ገለ ጥፍኣት ስለ ዘይረኸበሉ ነጻ ሰዲድዎ። ምስ ኣውጣኪ ዝነበሩ እሞ ብፍልፕያኖስ ዝተወገዙ መነኮሳት ከኣ ነጻ ኮይኖም ናብ ገዳሞም ንኽምለሱ ተወሰነ ።ድሕሪ’ዚ ፍልፕያኖስ እምነቱ ከንጽር ተሓቲቱ ናይ ንስጥሮስ ክሕደት ኣሕዲሱ ብኽልተ ብሕርይን ብኽልተ ፍቓድን እምነት ስለ ዝጸንዐ ንሱን ሽድሽተ መንኮሳትን ተወጊዞም ።ኣውጣኪ ከኣ ካብ ውግዘቱ ንኽፍታሕ እቲ ጉባኤ ድሕሪ ምውሳኑ መሊሱ ንናይ ቅድም ክሕደቱ ኣሕዲሱ ስለ ዝተረኽበ ንመወድእታ ናይ ቤተ ክርስትያን ምፍልላይ ምኽንያት ጠንቂ ዀነ ።ራብዓይ ጉብኤ ኬልቄዶን ይቕጽል. . .