Tuesday, July 23, 2019


             ትርጉም ጸሎተ ሃይማኖት  

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!

ምእትእስሳር ጸሎት ሃይማኖትን ቅዱሳት መጻሕፍትንወልድ ፍጡር እዩ ብምባል ናይ ክሕደት ትምህርቲ ንዝመሃረ ኣርዮስ ንምጋዝ ብ325 ዓ.ም. ዝተኣከቡ 318ን ናይ ዓለም ኤጲስ ቆጶሳትን መንፈስ ቅዱስ ከኣ ፍጡርን ናይ ወልድ ኣገልጋልን እዩ ኢሉ ናይ ክሕደርት ትምህርቲ ንዝመሃረ መቅዶንዮስ ንምውጋዝ ብ381 ዓ.ም. ዝተኣከቡ 150 ናይ ዓለም ኤጲስ ቆጶሳትን ከሓድትን ክሕደቶምን ድሕሪ ምውጋዞም ንናይ ክርስትና ሃይማኖት መሰረት ዝኾነ ብሽም ጸሎተ ሃይማኖት ዝፍለጥ ናይ እምነት ቀኖና ስርዓት ወሲኖም ።እዚ ቀኖና እዚ ከኣ ብዛዕባ እምነትና ኣጠቓላሊ ውሳኔታት ኣብ ሊዕሊ ምዃኑ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ ጐይትነት ፡ዓለም ከይተፈጥረ ካብ ምውላዱ ኩሉ ፍጥረት ዝፈጠረ ንሱ ምዃኑ ፦ምንም እኳ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ እንተኾነ ንደቂ ሰብ ከድሕን ኢሉ ካብ ሰማይ ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብመንፈስ ቅዱስ ምውላዱ፦መከራ ምቕባሉ፦ምማቱ፦ካብ ምውታን ተፈልዩ ፡ድሕሪ ምትንሣኡ ፣ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ የማን ኣብ ምቕማጡ፦ካልኣይ ከኣ ንመጽኢ ንናይ መወድእታ ፍርዲ ተመልሱ ክመጽእ ምዃኑ ፦ምስክርነት ተዋሂብዎ ኣሎ።ሓደ ሓደ ወገናት ነዚ ናይ ሃይማኖት ቀኖና (ጸሎተ ሃይማኖት ) ከም ቁም ነገር ኣብ ሊዕሊ ዘይምርኣዮም፦ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ውን ርክብ ዘይብሉ ይመስሎም ።  ቀዳምሞት ቅዱሳን ኣቦታት መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝኾነ ሲኖዶሳቶም (ጉባኤታቶም )ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሃይማኖት ቀኖናታት ኣብ ዝሰርዕሉ ግዜ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መሰረት ብምግባር ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ደኣ’ምበርብናታቶም ድሌት ጥራይ ዝሠርዑ ዘይምዃኖም፡ ኣብዚ ድሕርና እንርእዮ ምትእስሳር ጸሎተ ሃይማኖት ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከመይ ጌሮም ከም ዘወሃሃድዎ ንምምልካት ዝኣክል ነዚ ኣብ ታሕቲ እነቅርቦ ዝርዝር ንመልከት ፦ ኩሉ ብዝሓዘ ፡ ሰማይን ምድርን፡ ዝርአን ዘይርአን ዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ እግዚኣብሔር ኣብ ነኣምን ።v ብዘይካይ ካልኦት ኣማላክቲ ኣይሃልውኻ ።(ዘፀ 20፡3)
v እግዚኣብሔር ብ6 መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኡ ዝርከብ ኩሉ ፍጥረትን ፈጠረ። (ዘፀ 20፡11)
v እምበኣር ሎሚ እግዚኣብሔር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ብዘይካኡ ካልእ ከም ዘየሎ ሎሚ ፍለጥ ፡ኣብ ልብኻ ድማ ኣንብሮ። (ዘዳ 4፡39)
v  ዎ እስራኤል ስማዕ ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሔር እዩ። (ዘዳ 6፡4 )
v ከምኡ ውን እቲ ሊዕሊ ኩሉን ብኹሉን ኣብ ኩሉን ዝነብርን ሓደ ኣምላኽ ኣቦ ኩሉን ኣሎ ።(ኤፌ 4፡6)
v ናትና ኣምላኽ ግን ናይ ኩሉ ነገር ፈጣሪ ዝኾነን፡ ንሕና’ውን ናቱ ዝኾና ሓደ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ።(1ይ ቆሮ 8፡6)
ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ዝኾነ ብሓደ ጐይታ ወልደ ኣብ ብኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ነኣምንv እግዚኣብሔር ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ  ሎሚ ወደልኩኻ በለኒ።(መዝ 2፡7)
v  ቅድሚ ኮኾብ ጽባሕ ካብ ከርሲ ወለድኩኻ።(መዝ 110፡3)
v ብእኡ ዝኣምን ኩሉ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክረክብ ደኣ እምበር  ንኸይጠፍእሲ እግዚኣብሔር ሓደ ወዱ ንሞት ኣሕሊፉን ክሳብ ምሃብ ንዓለም ፈተዋ ። (ዮሓ 3፡16)
v ብጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ እመን ንስኻን ቤተ ሰብካን ክትድሕኑ ኢኹም።(ግ.ሓ 16፡31)
v  ኩሉ ነገር ብእኡ ዝተፈጥረን ንሕና ድማ ብእኡ እንነብርን ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ። (1ይ ቆሮ 8፡6)
v  ስለዚ ንኽብሪ ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ሰማይን ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኩሉ ፍጥረት ብብርኩ ክምብርከኽ እዩ፦እግዚኣብሔር ኣብ ክብሪ ብምሃብ ከኣ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ብርግጽ ጐይታ ከም ዝኾነ ብጋህዲ ክእመን እዩ። (ፊሊ 2፡10_11)
 ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ ዝተወልደ እምበር ዝተፈጥረ ኣይኮነን፡ በመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ።v ቃል ቅድሚ ኩሉ ነበረ፦እቲ ቃል ድማ ኣብ እግዚኣብሔር ነበረ ፦ እቲ ቃል ውን እግዚኣብሔር ነበረ። (ዮሓ 1፡1)
v ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና ።( ዮሓ 10፡30)
v  ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ረኣየ። (ዮሓ 14፡13)
v ናይ ኣብ ዝኾነ ኩሉ ናተይ እዩ ።ዮሓ 16፡15)
v ካብ ኣቦ ወጺአ ናብ ዓለም መጽእኩ፦ እንደገና ነዚ ዓለም ሓዲገ ናይ ኣብ ክኸይድ እየ። (ዮሓ 16፡28)
v እቲ ፍርዲ ከኣ እዚ እዩ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፦ ደቂ ሰብ ግን ግብሮም ክፉእ ሰለ ዝኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ፈተዉ።(ዮሓ 3፡19)
v ኩሉ ብእኡ ኮነ። ኩሉ ነገር ብእኡ ተፈጥረ ፣ካብ ዝተፈጥረ ነገር ድማ ብዘይካ ብእኡ ሓንቲ እኳ ዝተፈጥረ የለን ።(ዮሓ 1፡3
v ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ፡ ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ሓይልታት ሰማይ መናብርት ይኹኑ ጐይቶት፡ ሊቃናት ይኹኑ ስልጣናት ኩሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮም ።(ቆላ 1፡16)
    ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ድሕነትና ካብ ሰማያት ወረደ ፡ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ድማ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሰብ ኮነ ።v እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ውን ክትወልድ እያ፦ ስሙ ከኣ ኣማኑኤል ኢላ ክትጽውዖ እያ ።(ኢሰ 7፡14)
v ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ኩነታት ከምዚ እዩ።ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ከላ ከይተራኸቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጸኒሳ ተረኽበት ።(ማቴ 1፡18)
v እቲ መልኣኽ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ክወድር እዩ፦ሓይሊ ልዑል ውን ከጽልለኪ እዩ፦ስለዚ ከኣ እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ክበሃል እዩ እዩ።(ሉቃ 1፡35)
v እቲ ዝተወሰነ ግዜ ምስ ኣኸለ እግዚኣብሔር ንወዱ ለኣኸልና፣ንሱ ካብ ሰበይቲ ተወልደ ፦ሕጊ ንምፍጻም ከኣ ተኣዛዚ ኮነ ።(ገላ 4፡4)
ከምቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተጻሕፈ። ብዘመን ጲላጦስ ጴንጠናዊ ከኣ ምእንታና ተሰቕለ ፡ መከራ ተቐበለ፡ ሞተ ፡ተቐብረ፡ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ተንሰአ።v ብዘይካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ ናይ ሰማይ ዝዓረገ የለን (ዮሓ (3፡13)
v  ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጸሮ፦ ንስቓይና ከኣ ኣብ ነብሱ ጸዓኖ፦ንሱ ግና ብሰሪ ገበና ቆሰለ ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ ፡ንሕና ውን ብስንብራቱ ሓዌና ።(ኢሰ 53፡4-5)
v ስለዚ ጲላጦስ እዚ ነገር እዚ ናዕቢ ንምልዓል እንተ ዘይኮይኑስ ካልእ ገለ እኳ ከም ዘይጠቕም ምስ ረኣየ ማይ ኣምጺኡ ኣነ ካብ ደም እዚ ጻድቕ ሰብ እዚ ንጹሕ እየ ባዕልኹም ትፈልጡ እና በለ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕዝቢ ኣእዳዉ ተሓጽበ። (ማቴ 27፡24)
v ጐይታ ኢየሱስ ብዓቢ ድምጺ ጨርሐ እሞ ነፍሱ ድማ ወጸት።(ማቴ 27፡50)
v ንሕይወቱ ተሓጒሱ ንሞት ወፈያ ፡ምስ በደለኛትት ተቘጽረ ፦ንሱ ግን ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ጾር ሓጢኣቶም ምእንቲ ክሕደገሎም ከኣ ምእንቲ በደለኛታት ለመነ።(ኢሰ 53፡12)
v ዮስየፍ ድማ ነቲ ስጋ ወሲዱ ብጽሩይ በፍታ ገነዞ ፦ኣብቲ ኣብ ከውሒ ዘውቀሮ ናይ ባዕሉ ሓዱሽ መቓብር’ውን ኣንበሮ፦ሓደ ዓቢ እምኒ ኣንከራርዩ ድማ ነቲ ኣፍ መቓብር ኣጺዎ ከደ ። ( ማቴ 27፡59-60)
v ከምቲ ንሱ ካብ ምውታን ክትንስእ እየ ኢሉ ዝተዛረቦ ተንሲኡ እዩ እሞ ኣብዚ የለን ።(ማቴ 28፡6)
v ንምንታይ ነቲ ሕያው ምስ ምውታን ትደልይኦ ኣለኽን፧ ንሱ ተንሲኡ እዩ ኣብዚ የለን ።(ሉቃ 24፡5)
v ተቐብረ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ከኣ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተንሥአ ። (1ይ ቆሮ 15፡4)
v እንድሕሪ ደኣ ክርስቶስ ካብ ምውታን ተፈልዩ ዘይተንሲኡ ስብከትና ኮነ ዝሃብናኩም ትምህርቲ ከንቱ ምዃኑ እዩ ።(1ይ ቆሮ 15፡14)
ብስምጋና ናብ ሰማያት ዓረገ፦ ኣብ የማን ኣብኡ ተቐመጠ፦ኣብ ሕያዋንን ኣብ ሙታንን ክፈርድ’ውን መሊሱ ብምስጋናን ብኽብርን ከምጽእ እዩ።v ክባርኾም ከሎ ከኣ ካብኣቶም ተፈልየ ናብ ሰማይ ከኣ ዓረገ ።(ሉቃ ፡56)
v እዚ ድሕሪ ምዝራቡ ድማ ንሳቶም እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ዓረገ፦ካብ ኣዕይንቶም ከኣ ደመና ሠወረቶ። (ግ.ሓ 1፡19)
v ንሱ ክዓርግ ከሎ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ ከለዉ፦እንሆ ጸዓዱ ክዳውንቲ ዝተኸድኑ  ክልተ ሰብኣይ ኣብ ጥቕኦም ደው ኢሎም፦ ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ኢኹም ናብ ሰማይ ኣማዕዲኹም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘለኹም እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ጐይታ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ስማይ ክዓርግ ከሎ ዝረኣኽምዎ ከምኡ ኢሉ ከኣ ከምጽእ ኢዩ። (1፡10-11)
v እስጢፋኖስ ግን መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ጠሚቱ ክብሪ እግዚኣብሔር ረኣየ ፣ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን  ኣብ የማን እግዚኣብሔር ቆይሙ ረኣዮ። (ግ.ሓ 7፡55)
v ብለይቲ ረእይ ረኣኹ እንሆ ድማ ወዲ ሰብ ዝመስል ምስ ደመና ሰማይ መጸ፡ ኩሎም ወገናት ኣሕዛብን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኩሎምን ንኽግዝእዎ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ተዋህቦ፦ ግዝኣቱ ከኣ ዘይሓልፍ ዘለዓለማዊ ግዝኣት እዩ ፥መንግስቱ ድማ ፈጺሙ ዘይሓልፍ እዩ።(ዳን 2፡13_14)
v ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣብኡ ምስ መላእኽቱ ክመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክህቦ እዩ። (ማቴ 16፡27)
v ንሱ ኣብ ቤት ይዕቆብ ንዘለዓለም ክነግስ እዩ ፡ ንመንግስቱ ድማ መወድእታ የብሉን ።(ሉቃ 1፡33)
v ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን ድምጺ ሊቀ መላእክትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ ። (1 ተሰ 4፡16)
ጐይታን ሕይወትን ብዝኾነ ካብ ኣብ ብዝሰረጸ ኣብ ነብያት ሓዲሩ ብዝተዛረበ ብመንፈስ ቅዱስ’ውን ነኣምን፡ ምስ ኣብን ምስ ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን ።  v ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቂ መዛምርተይ ግበርዎም።(ማቴ 28፡20)
v ዳዊት ንርእሱ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ከምዚ በለ።(መዝ 110፡1-2 ማር 12፡36)
v እቲ ኣነ ካብ ኣብ  ዝሰደልኩም መጸናንዒ ካብ ኣቦ ዝወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ክምስክረለይ እዩ ። (ዮሓ 15፡26)
v ዝኾነ ትንቢት ብናይ ሰብ ድልየት ፈጺሙ ኣይመጽእን፣ እንታይ ደኣ እቶም ቅዱሳን ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ እግዚኣብሔር ተቐቢሎም ዝተዛረብዎ እዩ።( 2 ጴጥ 1፡21 )
v ኣብ ሰማይ ዝምስክሩ ሰለስተ እዮም፣ ንሳቶም ከኣ መንፈስን ማይን ደምን(ኣብን ቃልን መንፈስ ቅዱስን ) እዞም ሰለስተ ሓደ እዮ።(1 ዮሓ 5፡7)
ሊዕሊ ኩሉ ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ዓለም ለኻዊት ዝኾነት ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን’ውን ነኣምን።v ንስኻ ጴጥሮስ ከውሒ ኢኻ ፥ ኣብዛ ሊዕሊ ከውሕነትካ ንቤተ ክርስትያነይ ክሓንጻ እየ ። ነዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይከናውጽዋን እዮም ።(ማቴ 16፡18)
v ንዓኣቶም እንተ ዘይሰምዐ ንቤተ ክርስትያን ይንገር፡ ንቤተ ክርስትያን እንተ ዘይሰምዓ ግን፡ ከም ኣረሚ ከም ከሓዲ ይቈጸር። (ማቴ 18፡17)
ንስርየት ሓጢኣት ብዝኾነ ብሓንቲ ጥምቀት እውን ነኣምን፥ንዘለዓለም ዝመጽእ ሕይወትን ፥ ትንሳኤ ሙታንን ከኣ ተስፋ ንገብር፣ ኣሜን።v ጴጥሮስ ከምዚ በሎም ተነስሑ፡ ሓጢኣትኩም ንኽሕደገልኩም ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ ። ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ውህበት ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ክትቅበሉ ኢኹም።( ግ.ሓ 2፡38)
v ሓደ ጐይታ ሓደ እምነት ሓንቲ ጥምቀት ኣሎ። (ኤፌ 4፡5)
v ጥምቀት ማለት ካብ ሰውነት ርስሓት ምጽራይ ዘይኮነስ ብጽቡቕ ሕልና ናብ እግዚኣብሔር ዝቐርብ ልመና እዩ፥ እቲ ትድሕነሉ ምኽንያት’ውን ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጥማቕ እዩ። (1 ጴጥ 3፡21)
v ጐይታ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ከይተወልደ ከቶ ናብ መንግስተ እግዚኣብሔር ክኣቱ ኣይክእልን ። ( ዮሓ 3፡51)
v ካብቶ ኣብ መሬት ደቂሶም ዘለዉ ብዙሓት ገሊኦም ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት፡ ገሊኦም ድማ ናብ ናይ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለዓለም ነውርን ክትንስኡ ኢዮም ። (ዳኒ 12፡2 )
v ሙታን ምስ ተንስኡ ኣብ ሰማይ ከም ዘለዉ መላእኽቲ እግዚኣብሔር እዮም ዝኾኑ እምበር ፡ኣየእትዉን ኣይተኣታተዉን እዮም፥ብዛዕባ ሙታን ከም ዝትንስኡ’ኸ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ እግዚኣብሔር ኣብ እሾኽ ቈጥቋጥ ኰይኑ ኣምላኽ ኣብርሃምን፡ ኣምላኽ ይሓቅን፡ ኣምላኽ ያዕቆብን እዩ ዝበሎ’ዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ ስለዚ እግዚኣብሔር ናይ ሕያዋን ኣምላኽ ደኣሉ’ምበር ናይ ምውታን ኣምላኽ ኣይኮነን። (ማር 12፡25-26)
v ጽቡቕ ዝገበሩ ካብ ሞት ተንሲኦም ብሕይወት ከነብሩ ኢዮም። ክፉእ ዝገበሩ ግን ካብ ሞት ተንሲኦም ናብ ፍርዲ ክወጽኡ ኢዮም እሞ፡ ኣይትደነቑ።(ዮሓ 5፡29)
v ንሕና ግን ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ካብኣ’ውን መድኃኒና ክመጽእ፡ ንሱ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበ ኣለና። ንሱ በቲ ንኹሉ ዝመልከሉን ዝከኣሎን ሓይሊ ነቲ ክቡር ሰውነቱ ምእንቲ ክመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ክልውጥ እዩ። ( ፊሊ 3፡20-21)
   እምበኣር ከምዚ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዚ ናይ ጸሎተ ሃይማኖት መበገሲኡ መጽሓፍ ቅድሳዊ ከም ዝኾነ ነቶም ካሓድያን ጽኑዕ መረዳእታ ክኸውን ንዓናድማ ኣብ መጽሓፍ ኣይተጻሕፈን እንዳ በሉ ንዘሸጉርና ነዚ ኣብነት ጌርና ኩሉ ናይ ቤተክርስትያን ጸሎት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወጸ ደኣ እምበር ሓዱሽ ድርሰት ካብ ቃል ክርስቶስ ዝተፈልየ ከም ዘይኮነ ተቢዕና መታን ክምልሰሉን ክንፈጦን ከነጽንዖን ይግባእ።    ወስብሓት ለእግዚኣብሔር ኣሜን!!!!

<<ምንጪ፥ መጽሓፈ ትምህርተ መለኮት ወስርዓተ ኣምልኮት>>      x
x

Saturday, July 20, 2019

        
              ነብይ እንባቆም 


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዕንባቆም ማለት ማእምር፡ ለባዊ ነባቢ ማለት እዩ። ካብ ነገደ ስምዖን ካብ ኣቦኡ ናኮርን ኣደኡ ሬፋን ተወልደ። ኣብ ዘመነ ሕዝቅያስ ዝተንሥአ ነቢይ እዩ።
እስራኤላውያን ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ነቢይ ዕንባቆም ኣብ ምድረ ይሁዳ ይምህር ነበረ። ነቢይ ዕንባቆም፡ ጸብሒ ኣብሲሉ እንጌራ ፈትፊቱ ነቶም ኣብ ግራት እኽሊ ዚዓጽዱ ዝነበሩ ሰባት ንኸብጽሓሎም ኂዝሎም ኪኸይድ ከሎ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ፦ “ሰድ ዘንተ ምሳሐ ለዳንኤል እኁከ ዘሀሎ ውስተ ግበ ባቢሎን/ ነዚ ምሳሕ እዚ ናብቲ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ኃውኻ ዳንኤል ውሰዶ።” በሎ። ነቢይ ዕንባቆም ድማ “ ባቢሎንሃ ኢየአምር፡ ግበ አናብስትሂ ኢርኢኩ / ባቢሎን ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፈልጦን እየ፣ ጕድጓድ ኣናብስት’ውን ኣይረኣኹን’’ በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ ብጸጕሪ ርእሱ ኣንጠልጢሉ ከም ንፋስ እናፋጸየ ናብ ባቢሎን ኣብጽሖ። ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ብዕጽዉ ኣትዩ ንነቢይ ዳንኤል ሂብዎ ከደ።
ሽዑ ነቢይ ዳንኤል “ ተዘከረኒኑ እግዚአብሔር ዘኢኃደጎሙ ለእለ ያፈቅርዎ/ ነቶም ዘፍቅርዎ ዘይኃድግ እግዚአብሔር ብሓቂ ዘኪርኒ” ብምባል ኣመስገነ። እዚ ምሳሌ እዚ፡ ሊቃውንት ከመሥጥርዎ ከለዉ ግበ ኣናብስት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ እቲ መግቢ ናይ መግበ ነፍስ፣ ነቢይ ዕንባቆም ከኣ ናይ ጐይታ ምሳሌ እዩ። ብዕፅዉ ኣትዩ ብዕፅዉ ምውፃኡ፡ ጐይታ ብኅቱም ድንግልና ተፀኒሱ ብኅቱም ድንግልና ናይ ምውላዱ ምሳሌ እዩ። (ተረፈ ዳንኤል 1፡33-39)
ነቢይ ዕንባቆም 4 ምዕራፋት ዘለዎ መጽሓፈ ትንቢት ጽሒፉ እዩ።
ነቢይ ዕንባቆም፡ ካብ ካልኦት ነቢያት ብዝተፈልየ ኣብ መጽሓፉ ንርእሱ ‘ነቢይ’ ኢሉ ዝጸውዐ እዩ።
ኣብዚ መጽሓፉ፡ ንሱ ብዛዕባ ምርኮ እስራኤላውያን ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ዝሓተቶን፣ እግዚአብሔር ድማ ዝመለሰሉን ተጠቒሱ ኣሎ።
ንሓዲስ ኪዳን ዘመልክቱ ትንቢታት ተገሊጾም ኣለዉ። ንምሳሌ፦ “እግዚኦ ሰማዕኩ ድምፀከ ወፈራህኩ ርኢኩ ግብረከ ወአንከርኩ በማእከለ ክልኤ እንስሳ ርኢኩከ/ ኦ ጐይታ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራህኩ፡ ተግባራትካ ርእየ ተደነቕኩ። ኣብ ማእከል ክልተ እንስሳ ረኣኹኻ።” በለ። (ዕን. 3፡2) እዚ ኸኣ ኣቐዲሙ ብመንፈሰ ትንቢት ንዝረሓቐ ኣቕሪቡ፡ ንዝረቐቐ ኣጕሊሑ ዝተዛረቦ ኮይኑ፥ ኣብ ጊዜ ልደት ኣብ መንጎ ላሕምን ኣድግን፣ ኣብ ጊዜ ስቕለት ኣብ መንጎ ፈያታዊ ዘየማንን ፈያታዊ ዘጸጋምን፣ ኣብ ጊዜ ወሪደ መቃብር ኣብ መንጎ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን፣ ኣብ ጊዜ ፍርዲ ኣብ መንጎ ጻድቃንን ኃጥኣንን ርኣኹኻ እሞ ድምፅኻ ሰሚዐ ፈራህኩን ተግባራትካ ርእየ ተደነቕኩን” በለ።
“እግዚአብሔርሰ እምቴማን ይመጽእ ወቅዱስኒ እም ደብረ ፋራን ወእም ኣኅጉረ ይሁዳ/ እግዚአብሔር ካብ ቴማን፡ እወ እቲ ቅዱስ ካብ እምባ ፋራን ይመጽእ ኣሎ” ኢሉ’ውን ብዛዕባ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተነበየ። ‘ፋራን’ ማለት ኃያል ማለት እዩ፡ ስለዚ “እቲ ኃያል ጐይታ ኣባኺ ኃደረ” ማለት እዩ።
ኣብ መወዳእታ መጽሓፉ ድማ ዘቕረቦ መዝሙርን ጸሎትን ጠቒሱ ኣሎ።
“ ሶበ ትትሀወክ ነፍስየ በምሕረትከ ተዘከረኒ . . . ወአንሰ እትፌሣሕ በእግዚአብሔር ወእትኃሠይ በአምላኪየ ወመድኃንየ። እግዚአብሔር አምላኪየ ወኃይልየ ዘይሠርዖን ለፍጻሜየ፡ ወያቀውመኒ ውስተ መልዕልት ወዲበ ልዑላት ያፄዕነኒ ከመ እማዕ በመኃልይሁ። / ኣብ ዝተሃወኽኩሉ ጊዜ ብምሕረትካ ተዘከረኒ . . . ኣነ ግና ብኣምላኸይን መድኃኒየይን እግዚአብሔር ፈጺመ ይሕጐስ። እግዚአብሔር ኣምላኸይን ኃይለይን እዩ፣ ነእጋረይ ዘጽንዐን፡ ፍጻሜየይ ዘሥምረለይ ንሱ እዩ። ኣብ ሕጉ ኣሚነ ንኽዕወት ኣብ ልዕልና የቑመኒን፡ ኣብ ኣሕዛብ የሥልጥነኒን። (ዕን. 3፡2-19)
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!
ሰላም እብል ለእንተ ኮንከ ነጻሬ፡
ነቢሮ አምላክ ማእከለ እንስሳ ኑባሬ፡

ዕንባቆም ነቢይ ወልደ ናኮር እምነገደ ኅሬ፡
ሥራዌ እንዘ ይኤምር እማሬ፡
ውስተ ዐፀደ ወይን ይብል ኢይከውን ፍሬ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

     ተመሳሰልቲ ቃላት ኦሪትን ሓዱሽን 
     

በመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ዱስ ኣሐዱ ኣምላክ  ኣሜን 

ኣብ ኦሪት ዝተባህለ ኣብ ሓዱሽ እንታይ ይብል ፧እስኪ 
ካብዚ ንሎሚ ኣዳልየዮ ዘለኹ ሓሳብ ናይ እግዚኣብ ቃል 
ኣብ ኦሪት ዝተባህለ ብዛዕብኡ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ስለምንታይ 
ክዛናባዕ ዘይከኣለ ፧ቃል እግዚኣብሔር ኣይቅየርን እዩ ነብያት ብዛዕብኡ ዝበልዎ ሓዋርያት ውን እቲ ዝተባህለ ፍጻሜ ረኺቡ ንምባል እዚ ቃል እዚ ናይ ክልቲኦም ፍልልይ ከም ዘይብሉ ካብዚ ክንመሃር ንኽእል 
 እስኪ እቲ ኣብ ኦሪት ዝተባህለ እንታይ ነይሩ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ከ 
እንታይ ተባሂሉ በብሓደ ንርኣዮም።   
 
ኦ ጎይታይ ንስኻ ካብ ቀደም ንምድሪ ፈጠርካያ ሰማያት ውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። ዕብ 1፡10። ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ ።ዘፍ 1፡1-2
ኣነ እቲ ቀዳማይን ዳሕረዋይን እቲ ህያውን እየ። ራእ 1፡18 ። ኣነ እቲ ዘሎኹ እየ ። ዘጽ 3፡14 ብግእዝ ከኣ ኣነ ዘሎን ዚነብርን እየ ይብል ።
ንሓድሕዱኩም ክትፋቀሩ ይእዝዘኩም ኣለኹ። ዮው 15፡17 ፡ንኣኻትኩም ብድሕረኹም ድማ ንደቅኹም ክጽብቐልኩም ኣብታ እግዚኣብሔር ኣምላኩም ንሓዋሩ ዝህበኩም ምድሪ መዓልታትኩም ምእንቲ ክነዉሕ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኩ ናይ ኣምላኽ ሕግታትን ትእዛዛትን ሓልውዎ። ዘዳ 4፡40
ነቲ ርስቲ ካብ ጎይታ ከም ዓስቢ ከም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኮነስ ንጎይታ ከም እትገብርዎ ጌርኩም ካብ ልቢ ግበርዎ።እቲ እተገልግልዎ ሓቐኛ ጎይታ ክርስቶስ እዩ። ቆላ 3፡24 ።እቶም ህዝቢ ድማ ንእያሱ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ነገልግል ቃሉ ከኣ ንሰምዕ በልዎ። እያሱ 24፡24
ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ እቲ ዝስዕበኒ ከኣ ብርሃን ህወይት ኪረክብ እምበር ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ። ዮው 8፡12። ንእግዚኣብሔር እንተ ፈራህኩምዎን እንተ ኣገልገልኩምዎን ቃሉ እንተ ሰማዕኩምን ንትእዛዝ እግዚኣብሔር ከኣ እንተ ዘይኣቢኹምዎን ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕልኹም ዚነግስ ንጉስን ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩምዎ ኺቐንዓኩም እዩ። 1ሳሚ 12፡14
ስለዚ ነቲ ኣብ ጸልማት ዝተሓብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ ሓሳባት ልቢ ከኣ ዝገልጽ ጎይታ ክሳዕ ዝመጽእ ቅድሚ እቲ ምዱብ ግዜ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። 1ቆሮ 4፡5። ነቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ከኣ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድልዮን ነበረ።ዮው 2፡25 ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኣብታ እትነብረላ ሰፍራ ኼንካ ስማዕ ይቕረ ከኣ በል ግበር ድማ ንልቢ ኩሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ ኣብታ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኩለን መዓልታት ምእንቲ ኺፈርሁካስ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ ከከም መገዱ ሃቦ። 1ነገስ 8፡39
ነቲ በኹሪ ወዱ ናብ ዓለም ኪልእኮ ከሎ ኩላቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ይሰግዱሉ ዕብ 1፡6.። ስለዚ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኩሉ ፍጥረት ብብርኩ ኪምብርከክ እዩ። ፊሊ 2፡10።ንስኻ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሔር ሰማይን ምድርን ኩሉ ፈጠርካ ፡ ኩሉ ከዋኽብትን ባሕርን ፈጠርካ ነዚ ኩሉ ብህይወት እተንብሮ ከኣ ንስኻ ኢኻ፡ ሰራዊት መላእኽቲ ይሰግዱልካ። ንህ 9፡6
ንሕና ኣብቲ ሓቂ ዝኮነ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ኢና ዘለና ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ሕወይት እዩ ። 1ዮው 5፡20 ብጀካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ የልቦን ፡ ብጀካ ኣምላኽና ከኣ ዕቑባ የልቦን። መዝ 18፡31
ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ። ዮው 10፡11 እግዚኣብሔር ጓሳይየይ እዩ ዚጎድለኒ የብለይን። መዝ 23፡1
ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ ። ዮው 8፡12.። እግዚኣብሔር ብርሃነይን ምድሓንይን እዩ ፡ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ እግዚኣብሔር ሓይሊ ሕይወተይ እዩ።መዝ 27፡1
ኪባርኾም ከሎ ከኣ ካብኣቶም ተፈልየ ናብ ሰማይ ውን ዓረገ። ሉቃስ 24፡51.። ኣምላኽ ብእልልታ እግዚኣብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ። መዝ 47፡5
እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረኣኹምሞ ከምኡ ገይሩ ከኣ ኺመጽእ እዩ በልዎም። ግብ ሃ 1፡11.፣ ኣምላኽና ኺመጽእ እዩ ግናኸ ሰላሕ ኢሉ ኣይኮነን ዚመጽእ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፡ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ። መዝ 50፡3
ኣብዚ የሎን ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ። ማቴ 28፡6። ሽዑ እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዚትንስእ ሰብ ተንስአ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚጭድር ጅግና ኮይኑ ተንስአ ። መዝ 78፡65
ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ እንተኮነ ኩሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ። ዮው 5፡22 ከመይ እግዚኣብሔር ንዓለም ኪፈርድ ኪመጽእ እዩ ንህዝቢ ዓለም ብፍትሕን ብቕንዕናን ኪፈርዶም እዩ።መዝ 96፡13
ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ።ማቴ 4፡16 ።ካብ ጸልማትን ጓህን ኣውጽኦም ፡መቓውሖም ከኣ ሰባበረ። መዝ 107፡14
እቲ ምድሓን ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ንኩሉ ሰብ ተገሊጹ። ቲቶ 2፡11።መዝ 129፡7
18 ኣነ ነቶም ዘፍቕሮም ዘበሉ እገንሖምን እቐጽዖምን እየ። ራእ 3፡19 ።ወደየ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዚቐጽዖ ከምኡ ከኣ እግዚኣብሔር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ እንተ ቐጽዓካ ኣይትመሪር ተግሳጽ እግዚኣብሔር ከኣ ኣይትንዓቕ ።ምሳሌ 3፡12
ብእኡ ክንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተዋህበን ስለዚ ድሕነት ብሓደ ካልእ ከቶ የልቦን ። ግብ ሃ 4፡12 ። ኣምላኸይ መድሓንየይ እዩ ብእኡ እእመን ፡ኣይፈርህን ከኣ እየ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሓይለይን ብርታዐይን እዩ ንሱ ምድሓነይ ኮነ።ትኢስ 12፡2
ንኣኹም ነዞም እትሳቐዩ ዘሎኹም ዕረፍቲ ኪህበኩም እዩ ንኣና እውን ከምኡ እዚ ኩሉ ጎይታና ኢየሱስ ምስቶም ሓያላን መላእኽቱ ብነበልባል ሓዊ ካብ ሰማይ ምስ ተገልጸ ኪኸውን እዩ። 2ተሰ 1፡7 ።ነቶም ፈራህ ዝልቦም፡ ኣጆኹም ኣይትፍርሁ እንሆ ኣምላኽኩም ሕነ ኺፈዲ ንጸላእትኹም ኪቐጽዕ ባዕሉ ኬድሕነኩም ኪመጽእ እዩ። ት ኢስ 35፡4
ጎደና እግዚኣብሔር ጽረጉ መገዱውን ኣቕንዑ ።ማር 1፡2 ። እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ድምጹ ዓው ኣቢሉ መገዲ እግዚኣብሔር ኣብ ምድሪ በዳ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ።ኢስ 40፡3
ኢየሱስ ከኣ እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኩ ንነብሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቢ ምሳይ ኣሎ። ራእ 22፡12 ።እንሆ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነቶም ዝተበጀዎም ህዝቢ ሒዙ ብሓይሊ ኺገዝእ ይመጽእ ኣሎ። ኢስ 40፡10።
እንሆ ኣነ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ። ማቴ 28፡20 ።ምሳኹም እየ ኣይትፍርሁ ኣነ ኣምላኽኩም እየ እሞ ኣይትሸበሩ ፡ ከበርትዓኩም ፡ክረድኣኩም፡ በታ ሓያል የማነይቲ ኢደይውን ክድግፈኩም እየ። ኢስ 41፡10።
መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና ሓይሊ ክትቅበሉ ኢኹም። ግብ ሃ 1፡8 ። ኢስ 43፡10
ስለዚ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኩሉ ፍጥረት ብብርኩ ኪምብርከኽ እዩ።ፊሊ 2፡10 ። ቃል ሓቂ ካብ ኣፈይ ወጺኡ ኣሎ ፡ ኣይኪልወጥን ከኣ እዩ፡ ኩሉ ብርኪ ኺሰግደለይ ኩሉ ልሳን ከኣ ብኣይ ኪምሕል እዩ ኢለ ብርእሰይ እምሕል ኣሎኹ። ኢስ 45፡23
ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክፈድዮኩም እየ። ራእ 2፡23 ። ኣነ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ ፡ ንነፍሲ ወከከፍ ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ ዝምርምር፡ ንሓሳብ ወዲ ሰብ ከኣ ዝፈልጥ ኣምላኽ እየ። ኤር 17፡10
ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኾነሉ እዩ እምበር ንዘለኣለም ኣይኪጸምእን እዩ። ዮው 4፡14። ኦ እግዚኣብሔር ተስፋ እስራኤል ንስኻ ኢኻ፡ እቶም ዚሓድጉኻ ዘበሉ ኺሓንኩ እዮም። ንኣኻ ንእግዚኣብሔር ፡ነቲ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ስለ ዝሓደጉ ከምቲ ብሓመድ ዝተጻሕፈ ስም ኪድምሰሱ እዮም። ት ኤር 17፡13።
እንሆ ምስ ህዝቢ እስራኤልን ምስ ህዝቢ ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልታት ኪመጻ እየን።ዕብ 8፡8።እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ ፡ምስ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልታት ኪመጻ እየን ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 31፡31
እምነቶም ምስ ረኣየ ድማ ኣታ ሰብኣይ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ኣሎ በሎ። ሉቃስ 5፡20. ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓቢይኦም ኩላቶም ኪፈልጡኒ እዮም ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ፡ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ንእግዚኣብሔር ፍለጦ ኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪመሃሃሩን እዮም ኣነ ከኣ ኣበስኦ ይቕረ ኽብለሎም ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዚ ኣይክዝክርን እየ።ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 31፡34
     እምበኣር  እዚ ከምዚ ዓይነት ጥቕስታት ከቕርብ ዝገደደኒ ነቶም ቃል ኣምላኽ ኣብ ነሓድሕዱ ይጋጮ እዩ ዝብሉ ከም መልሲ 
ነቶም ብትህኪት ተሰኒፍና ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘሎ ሰኣን ፈቲሽና ምውጻእ በተን ክልተ ጥቕሶም ንዘሳቑዩና መናፍቃን  ከም ቀዳማይ ረዲኤት 
 ወሲድና ንሕና ድማ ካብዚ ንላዕሊ ተበጊስና ከምዚኦም ዝዓይነቶም ጥቅስታት  እንዳ ኣውጻእና መጻሕፍትና ክንፍትሽ ንምባል ዝኣክል ከም ዝኾነ ክገልጸልኩም ይፈቱ ። እግዚኣብሔር ሓይሉ ይሃበና ።


         ስብሃት ለእግዚኣብሔር ልዑል
                 ወለወላዲቱ ድንግል
                 ወለመስቀሉ ድንግል
                     ኣሜን !

Wednesday, July 17, 2019


                ጉባኤ ኬልቄዶን (451) ራብዓይ ክፋል 



     ምክፍፋል ቤተ ክርስትያን


ናይ ኣውጣኪ ክሕደት ንምእራም ወይ ነቲ ከሓዲ ንምውጋዝ ብ449 ዓ.ም. ኣብ ኤፌሶን ናይ ዝተኣከበ ጉባኤ ሓላፊ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስትያን መራሒ ነበረ። እቲ ኣኼባ ብሊቀ መንበርነት ንኽመርሕ ንቅዱስ ዲዮስቆሮስ መጸዋዕታ ዝለኣኸሉ ቴዎዶስዮስ ንጉስ ዘይንእስ ብመሰረት እዚ ጉብኤ ተኻይዱ ኣውጣኪ እምነቱ ንኽገልጽ ምስ ተሓተ ናቱ እምነት ካብ ናይ ጉባኤ ኒቅያ ዝተኣከቡ ኣቦታትን ካብ ናይ ቅዱስ ቄርሎስ ትምህርት ዝተፈልየ ዘይምዃኑ ስለ ዝገለጸ ካብ ውግዘቱ ተፈቲሑ ናብ ናይ ቀደም ስርሑ ንኽምለስ ጉባኤ ወሰነሉ ።
በዚ ናይ ጉባኤ ውሳኔ መስረት፡ ናይ ቊስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳሳት ፍልፕያኖስ ካልኦት’ውን ብንስጥራዊ እምነቶም ተወጊዞም ። ካብ ሽዑ ግዜ በዓል ፍልፕያኖስን ካልኦት ንስጢሮሳውያንን ምስ ናይ ሮማ ቤተ ክርስትያን መራሒ ልዮን ሓድነት ብምፍጣር ኣብ ሊዕሊ ዲዮስቆሮስ ናይ በቐል ስጉምቲ ዝወስድሉ መንገዲ ክደልዩ ጀመሩ ። ነዚ ሓሳባቶም
እዚ ንምስላጥ ዝሓገዞም ኩነታት ድማ፡ ቀዳማይ ኣውጣኪ ናብ ናይ ቅድም ናይ ክሕደት ትምህርቱ ተመልሱ ምርካቡ እዩ ። ኮይኑ ከኣ ብማእከልነት ዲዮስቆሮስ ዝተኻየደ ጉባኤ ትኽክልነት ዝምርምር ካልእ ጉባኤ ክእከብ ኣለዎ ። ኢሎም ደጋጊሞም ዝሓተትዎ ሕቶ ንጉስ ቴዎዶስዮስ ውሳኔኡ ትኽክልን ቅኑዕን ስለ ዝኾነ ካልእ ጉባኤ ኣድልዪ ኣይኮነን ብምባል ንሕቶኦም ክሳብ ብሕይወት ዝነበረሉ ጊዜ ውዱቕ ብምግባር ኣይተቀበሎምን ።
ብ450 ዓ.ም. ንጉስ ቴዎድስዮስ ወራሲ ወዱ ዘይብሉ ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ፡ ብርክልያ ሓውቱ ካብ ኣሕሉቕ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓደ መርቅያኖስ ኣእቲዋ ንዝፋኑ መንበር መንግስቱ ወረሰ። ሰብኣይንን ሰበይትን ከኣ ብእምነት ንስጥሮሳውያን ስለ ዝነበሩ ንናይ ዲዮስቆሮስ ተቓወምቲ ጥጡሕ ባይታ ተፈጥረሎም ።
በዚ መሰረት እዚ፡ ብ451 ዓ.ም. ኣብ ኬልቄዶን ዝተኣከበ ጉባኤ መብዛሕቲኦም ኣባላት ንስጥሮሳውያን ኣብ ቅድሚ ዝነበርሉ ጉባኤ ዲዮስቆሮስ ናይ ኣውጣኪ ክሕደት ተኸታሊ እዩ ዝብል ክሲ ተመስሪትዎ ዓቢይ ክርክር ተላዕለ ። እዚ ክሲ እዚ ቀዳማይ ገርካ ምቑጽጻር ፡ካልኦት ዝተፈላለዩ ክስታት እውን ቀሪቦ ነይሮም እዮም። ቀደሙ ውን እንተ ኾነ ናይቲ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ሊዕሊ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ናይ በቐል ስጉምቲ ንምውሳድ እዩ ዝነበረ። ኣብ ይማኖታውያን ሰባት ዘይትጽበዮ ብተንኮል፡ ብሓደ ወገን ካብ ቤቱ ንኸይወጽእ ብዋርድያ ኣሓልዮም፣ብኻልእ ወገን ከኣ ጸዊዕናዮ ከይመጽአ ተሪፉ ንምባል መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎምሉ፣ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኣብ ዘይብሉ ብጠርናፊ ዘይብሉ ጉባኤ ኣብ ሊዕሊ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ዝደለይዎ ውሳኔኦም ምስ ኣቃንዑ ግን ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኣብ ኣኼባ ንኽርከብ ደልዮም ነይሮም ። ንሱ ግን ኣብ ጠርናፊ ማእከልነት ዘይብሉ ጉባኤ ንምርካብ ፍቓደኛ ኣይኮነን ።
ድሕሪ እዚ ንንጉስ ውሳኔኦም ኣእሚኖም ንድዮስቆሮስ ጋግራ ኣብ ዝተባህለ ደሴት ከም ዝሕየር ገበሩ ። ክሳብ ዕለተ ሞቱ ዝተረፈ ዘመነ ሕይወቱ ድማ ኣብዛ ጋግራ ዝተባህለት ደሴት ብምሕያር እዩ ዘሕለፎ። ናይ ኬልቄዶን ጉባኤ፡ ሕገ ኣልቦነት ውሳኔ ካብ ዘይተቐበሉ ወገን ናይ ግብጺ፣ ናይ ኢዮርሳሌም፣ ናይ ሶርያን ኣርመንን ኣብያተ ክርስትያናት ይርከባ ።በዚ ነገር እዚ ናይ ምብራቕን ናይ ምዕራብን ኣብያተ ክርስትያናት ወገናዊነት ዝተኸተለ መጸዋዕታ ዓለም ለኻውነት ምባል ተሪፉ፡ ሓንቲ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን ናብ ክልተ ተኸፍለት ።
ናይ ምዕራባውያን ወገናት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ባሕርይን ሓደ ፍቓድን ጥራሕ ኣለዎ ኢልካ ምእማን ንናይ ኣውጣኪ ክሕደት ምስዓብ እዩ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብ ክልተ ባሕርይ ክልተ ፍቓድ ዝብል እምነት ክጸንዑ ከለዉ፦ ምብራቓውያን ወገናት ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ብሓርይ ክልተ ፍቓድ ኣለዎ ኢልካ ምእማን ናይ ንስጥሮስ ክሕደት ምኽታል ምሓዝ እዩ ብምባል ኣብ ሓደ ባሕርይን ሓደ ፍቓድን ሓደ ኣካልን ዝብል እምነት ጸንዑ።
ክልቲኦም ወገናት እነቶም ንምግላጽ ኢሎም በብወገኖም ዘቕረብዎ ናይ መከራኸሪ ሓሳባት እዞም ዝስዕቡ እዮም ።
ምዕራባውያን ወገናት ክልተ ባሕርይ ክልተ ፍቓድ ዝብልሉ ምኽንያት ክገልጹ ከለዉ ምንም እኳ መለኮትን ትስብእትን ከም ዝተወሃሃዱ ዝእመን እንተኾነ እዚ ተዋህዶ እዚ ብዘይ ምትሕውዋስን ምፍላስን ክሳብ ዝኾነ ክልተ ብሕርይ ክልተ ፍቓድ ደኣ ንብል እምበር ሓደ ባሕርይ ጥራይ ክንብል ኣይግባኣናን እዩ ፣እንተ ዘይኮይኑ ኣውጣኪ ንምንታይ ተወጊዙ ኢሎም ይሓቱ ።
ምብራቓውያን ወገናት ድማ ኣውጣኪ ዝተወገዘሉ ሓደ ብሕርይ ሓደ ፍቓድ ሓደ ኣካል ኣብ ዝብል እምነት ብምጽንዑ ዘይኮነስ ፡ ትስብእት ምስ መለኮት ብምሕዋስን ምውሓጥን ጠፊኡ ናይ መለኮት ባሕርይ ጥራሕ ተሪፉ ብምባሉ እዩ ኢሎም መብርሂኦም ይቕጽሉ እሞ መልኮትን ትስብእትን ተወሃሂዶም ምስ ተባህለ ድሕሪ ምውህሃዶም ሓደ ባሕርይ ሓደ ፍቓድ እምበር ክልተ ምባል ግቡእ ኣይኮነን ። እንተ ዘይኮይኑ ንስጥሮስ ንምንታይ ተወጊዙ ኢሎም ይሓቱ ።
ምዕራባውያን ወገናት ናትና ሃይማኖት ዓለም ለኻዊ እዩ ንምባል ካቶሊክ ፡ ምብራቓውያን ወገናት ድማ ትኽክለኛ ቅኑዕ ሃይማኖት ናትና እዩ ንምባል ኦርቶዶክስ ዝብል ስም መጸዋዕታ መሪጾም ንሓንሳብን ንመጨረሻን ጊዜ ከፈላለዩ ከለዉ ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንስጥሮሳዊት ኢላ ኣውጊዛታ፡ ካትሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከኣ ንኦርቶድክሳዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ኣውጣኪ እምነት ሰዓቢት ኢላ ኣውጊዛታ።እዚ ኣበሃህላ እዚ ከም ሓቂ ተቖጺሩን ተኣሚንሉን ኣብ ክልቲአን ኣብያተ ክርስትያን ዝነብር ዘሎ ታሪኽ እዩ።ናይ ኬልቄዶን ጉባኤ ቅንዕናን መንፈሳውነትን ዝጐደሎ ኣብ ሊዕሊ ምዃኑ ድሕሪ እዚ ሓደ ሓደ ቅኑዕ ሓሳባት ዝነበሮም መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ፡ ነዚ ሽግር እዚ ብዘተን ስምምዕን መፍቲሒ ተረኺብሉ ፡ ናይ ቅድም ናይ ቤተ ክርስትያን ሓድነት ንኽምለስ ፈተነ እንተ ገበሩ እኳ ንሓሳባቶም ዝድግፍ ሰብ ተሳኢኑ ተሪፉ ፡ ጽልእን በቐልን ምንዕዓቕን ምንቕቓፍን ምቕጻሉ ንናይ ክርስትና መሰረታዊ ዕላማ ዝቃወም ተግባር እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ዘይርሳዕ ሓደ ጸሊም ነጥቢ ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ጐይታ ኣብዛ ዓለም ከም ሰብ ኮይኑ ነይሩ፣ ከም ሰብ ጸሎት ኣብ ዝጸለየሉ ግዜ ምእንቲ ምእመናን ማለት ምእንቲ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ምጽላዪ ኣብ ዮሓ. 17፡20-23 ክንምልከት ንኽእል ።


          ኣርባዕተ ጉባኤ ብሓጺሩ ነዚ ይመስል !


     ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል 
         ወለወላዲቱ ድንግል 
         ወለመስቀሉ ኩቡር 
            ኣሜን !!!! 


      ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) ሳልሳይ ክፋል 



ምኽንያት ጉባኤ ኤፌሶን ናይ ቢላግዮስን ናይ ንስጥሮስን ክሕደት እዮም ።

ቢላግዮስ ፡ እዚ ሰብ’ዚ ብ405 ዓ.ም. ኣብ ብሪታንያ ዝተወልደ ክኸውን ከሎ ናብ ሮምን ናብ ፍሊስጥኤምን ብዙሕ ግዜ ተመላሊሱ እዩ ።ኣብኡ ምስ መንኮሰ ኸኣ ናይ ክህነት መዓርግ ተቐበለ ።
ናይዚ ሰብዚ ክሕደት እዚ ዝስዕብ እዩ። ናይ ኣዳም ሓጢኣት ናብ ደቁ ኣይተመሓላለፈን ፣ ሓደ ሰብ ክውለድ ከሎ ኣዳም ኣብ ሓጢኣት ቅድሚ ምውዳቑ ብዝነበሮ ኰይኑ ይውለድ ። ምስ እዚ ድማ ሓደ ሰብ ብናይ ተፈጥሮ ባሕርይ ብድልየቱ ናብ ዝለዓለ ናይ ቕድስና ደረጃ ዝበጽሕ ረዲኤት እግዚኣብሔር ብዘይ ምድላይ እዩ ኢሉ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ጐይታ ምእንቲ ድሕነትና ሰብ ኮይኑ ንዝተዋረዶ ክብሪ ዘየውህብ እዩ ፣ንናይ ክርስቶስ ደም፡ ክብሪ ዝቕንስን ነዞም ዝስዕቡ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጥቕስታት ዝቃረንን እዩ ።
እንሆ ብዓመጻ ተጸንስኩ ኣደይ ከኣ ብሓጢኣት ወለደትኒ(መዝ 51፡3)
ብሰሪ ሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፣ ብሓጢኣት ምኽንያት ውን ሞት መጸ፣ ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ተመሓላለፈ (ሮሜ 5፡12 )
ብምኽንያት ኣዳም ኩሉ ሰብ ከም ዝመውት ከኡ ኸኣ ብክርስቶስ ምኽንያት ኩሉ ሕይወት ይረክብ ።(1ይ ቆሮ 15፡22)
ብዓለም ለኻዊ ናይ ኤፌሶን ጉባኤ ክሳዕ ዝውገዝ እዚ መናፍቕ እዚ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ካብ ሃገር እናተዛዋወረ ምስፍሕፋሕ ቀጸለ።
መናፍቕ ፓትርያሪክ ንስጥሮስ ንናይ ኤፌሶን ጉባኤ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ናይ ንስጥሮስ ክሕደት እዩ ። ንሱ ናይ ጐይታ ክርስቶስ መልኮትን ናይ እመቤታችን ናይ ኣምላኽ ወላዲትነትን ዝኸሓደ እዩ ። ናይ ክሕደት ትምህርቱ ከምዚ ዝብል እዩ፡ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ቅድሚ ኩሉ ዝነበረ ምዃኑ ይኣምን እየ። ማርያም ኣደ ኣምላኽ እያ ማለት ግን ኣይኣምንን። ኣደ ክርስቶስ ምዃና ኣይከሓድን፣ ነገር ግን ንትስብእቲ ንስጋ እዩ እግዚኣብሔር ኣይወለደትን። ነገር ግን ካብ ስጋ ዝተወልደ ስጋ እዩ ፣ካብ መንፈስ ዝተወልደ ከኣ መንፈስ እዩ ። ፍጡር ኮይኑ ዝወለደቶ ናይ እግዚኣብሔር መሳርሒ ዝኾነ ሰብ ደኣሉ እምበር ፈጣሪ ኣይኮነን። በዚ መሰረት ንጐይታ ክልተ ባሕርያትን ክልተ ኣካልን ክልተ ፍቓድን ድልየትን ኣለዎ። ብናቱ ኣበሃህላ ሰብኣ ሰገል ንሕጻን ጐይታ ኢየሱስ ምስጋዶም ስሕተት እዩ፣ ምኽንያቱ ብናቱ እምነት፡ ሕጻን ጐይታ ኢየሱስ መለኮት ዘይተዋሃሃደ ሰብ ስለ ዝኾነ ።(ማቴ 2፡11)
ነዘን ክሕደታት እዚአን ንምርኣይ ብቴዎዶስዮስ ዘይንእስ ዘመነ መንግስት ብ431 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኤፌሶን 200 ኣባላት ኤጲስ ቆጶሳት ዝተረኽብዎ ጉባኤ ናይቲ ጉባኤ ኣካቢ ወይ ጠርናፊ ናይ እስንድርያ ሊቀ ጳጳስ ዓቢይ ቄርሎስ ነይሩ ።
ጉባኤ ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ ማለት ኣብ ኣኼባ ንኽርከብ ብንጉስ ዝተወከለ በዓል ስልጣን ምስ ንስጥሮስ ብምምሽጣር፡ ናይ ምሽጋር ፈተነ ድሕሪ ምግባሩን፡ ንንስጥሮስ ከኣ እንደገና ኣብ ጉባኤ ንኽርከብ ዝቐረበሉ መጸዋዕታ ንምቕባል ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ ኣብ ዘለዎ ከሎ ምስ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ተወጊዙ። ከምኡ’ውን ናይ ብላግዮስ ክሕደት ኣውጊዞም ።
ንካሓደቲ ካብ ክህነቶም ብምስዓርን ካብ ሕብረተ ሰብ ምፍላይን ፍርዱ ዝሃበ ጉባኤ ናይ ክርስቶስ መልኮትን ትስብእትን ብዘይምትሕውዋስን ብዘይ ምፍልላይን ድሕሪ ምውሃሃዶም፡ ጐይታ ሃደ ኣካልን ሓደ ብሕርይን ዘለዎ ምዃኑን፡ እግዝእትነ ማርያም ከኣ ኣደ ኣምላኽ ምዃና ብምእማን፡ ናይ እምነት ቆኖና መቕድም ውሳኔ ኣሕሊፉ ።እዚ ናይ እምነት ቀኖና መቕድም እዚ ዝስዕብ እዩ ።
ኦ ናይ ሓቀኛ ብርሃን ኣደ ነኽብረኪ ኢና፣ መጺኡ ነብስና ነዘድሓነ ናይ ኩሉ ዓለም መድሓኒት ስለ ዝወድክልና ኦ ቅድስት ድንግል ኣደ ኣምላኽ ነመስግነኪ ኣሎና።
ናይ ሓዋርያት መመክሒ ፣ ናይ ሰማዕታት ኣኽሊል፣ ናይ ቅዱሳን ዕረፍቲ፣ ናይ ቤተ ክርስትያን መሰረት፣ ዝኾንካን ፣ኃጢኣትና እትሰሪ ጐይታናን ንጉስናን ክርስቶስ ክብሪ ንዓኻ ይኹን ።ስለ ስሉስ ቅዱስ ንሰብኽን ንምህርን፣ ንሓደ መለኮት ንሰግድን ነኽብርን፣ ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና፣ ኦ ጐይታ ባርኸና፣ ኣሜን ።
እዚ ጉባኤ እዚ ሸሞንተ ቀኖናታት ሰሪዑ ኣቚሙ ኣብ ፍትሐ መንፈሳዊ ከኣ ተጻሒፉ ኣሎ።
ካልኣይ ጉባኤ ኤፌሶን (449 ዓ.ም.)
ናይ ኣውጣኪ ክሕትን ናይ ንስጥሮስ ክሕደትን ናይ ብዙሓት ኣተሓሳስባ ካብ መስመሩ ከም ዝውጽእ ገይሩ እዩ ።ንሓደ ሓደ ካብ ናይ ኣትናቴዎስን ቄርሎስን ትምህርቲ ተቓራኒ ዝኾነ፡ ናብ ናይ ክልተ ባሕርይን ክልተ ድልየትን ፍቓድን ዝብል ትምህርቲ ከም ዝስዕቡ ክገብር ከሎ፡ ንኻልኦት ከኣ በንጻሩ ናይ መለኮትን ትስብእትን ምውህሃድ ብምጥፋእን ብምትሕውዋስን፡ ትስብእት ጠፊኡ፡ መለኮት ጥራሕ ተሪፉ”ናብ ዝብል ክሕደት ወሲድዎም ።ነዚ ካልኣይ ክሕደት ዝሰዓበ ከኣ ኣውጣኪ ዝተባህለ ሰብ እዩ።
እዚ ኣውጣኪ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ጥቓ ቚስጥንጥንያ ዝርከብ ናይ ሓደ ገዳም ሓላፍን ንሃይማኖት ከኣ ብጣዕሚ ቀናኢ ከም ዝነበረ ይንገረሉ ። ንናይ ንስጥሮስ ክሕደት ብጣዕሚ ካብ ምጽልኡ ዝተላዕለ በቲ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ንምጅማር ዝገበሮ ናብ ዝገደደ ክሕደት ኣምርሐ ።ናይ ትስብእት ባሕርይ ብናይ መለኮት ባሕርይ ተዋሒጡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ዝተሓዋወሰ ጠባይ ባሕርይ ኣለዎ ኢሉ።ኣብ ግዜኡ ናይ ቊስጥንጥንያ ፓትርያሪክ ዝነበረ ፍሊፕያኖስ ብናይ ክልተ ኤጲስ ቆጶሳትን ብናይ ሳላሳን ሰለስተን ናይ ገዳማት ኣሕሉቕን ጉባኤ ባዕሉ ብዝገበሮ ኣኼባ ጉባኤ ገይሩ ንኣውጣኪ ኣውጊዙ ካብ ናይ ገዳሙ ሓላፍነት ዝስዕርን ናይ ንስጥሮስ ክሕደት ንምሕዳስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክለተ ባሕርይን ክልተ ፍቓድን ከም ዘለዎ ዝገልጽ ውሳኔ ኣሕለፈ ።ኣውጣኪ ግን ናብ ንጉስ ቴዎዶስዮስ ዘይንእስን ናብ ናይ ሮማ ኤጲስ ቆጶስ ልዮንን ይግባይ ስለ ዝበለ ናይ ጉባኤ ትኽክልነት ዝምርምር ኣኼባ ንኽግበር ንጉስ ብዝኣዘዞ መሰረት ኣኼባ ተገይሩ። ኣብ ስምምዕ ስለ ዘይበጽሐ ብዘይ ገለ ውሳኔ ተበተነ። እቶም ናይ ጉባኤ ኣባላት መብዛሕትኦም ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ዝነበሩ እዮም እሞ ቅድም ኣብ ሊዕሊ ንስጥሮስ ዘሕለፍዎ ውሳኔኦም ናይ ምልዋጥ ዝንባሌ ኣርኣዩ ።እቲ ንጉስ ከኣ ናይ ይግባይነት ጉባኤ ወሳንነት ምስአን ርእዩ ፡ ዓለም ለኻዊ ናይ ቤተ ክርስትያን ጉባኤ ንኽእከብ ወሲኑ ትእዛዝ ኣሕሊፉ። ሽዑ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስትያን መራሒ ንዝነበረ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ እቲ ጉባኤ ብናቱ ኣካቢነት ኣኼባ ንኽካየድ መልእኽቲ ኣመሓላለፈሉ ።
ብወርሒ ነሓሰ 449 ዓ.ም. 130 ኤጲስ ቆጶሳት ኣባልነት ብዘለዎ ብቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኢቀ መንበርነት ጉባኤ ተኻይዱ ። ኣውጣኪ እምነቱ ንኸነጽር ምስ ተሓተ ኣብ ንቅያ ናይ ዝተኣከቡ ኣቦታትን ከምኡ’ውን ናይ ኣትናቴዎስን ቄርሎስን እምነት ከም ዝኣምን ብጽሑፍን ብቓልን ዘርዚሩ ምስ ኣረድአ እቲ ጉባኤ ገለ ጥፍኣት ስለ ዘይረኸበሉ ነጻ ሰዲድዎ። ምስ ኣውጣኪ ዝነበሩ እሞ ብፍልፕያኖስ ዝተወገዙ መነኮሳት ከኣ ነጻ ኮይኖም ናብ ገዳሞም ንኽምለሱ ተወሰነ ።ድሕሪ’ዚ ፍልፕያኖስ እምነቱ ከንጽር ተሓቲቱ ናይ ንስጥሮስ ክሕደት ኣሕዲሱ ብኽልተ ብሕርይን ብኽልተ ፍቓድን እምነት ስለ ዝጸንዐ ንሱን ሽድሽተ መንኮሳትን ተወጊዞም ።
ኣውጣኪ ከኣ ካብ ውግዘቱ ንኽፍታሕ እቲ ጉባኤ ድሕሪ ምውሳኑ መሊሱ ንናይ ቅድም ክሕደቱ ኣሕዲሱ ስለ ዝተረኽበ ንመወድእታ ናይ ቤተ ክርስትያን ምፍልላይ ምኽንያት ጠንቂ ዀነ ።
      ራብዓይ ጉብኤ ኬልቄዶን  ይቕጽል. . . 

Tuesday, July 16, 2019




ኢየሱስ ክስርቶስ ፈራዲ ከም ዝኾነ ፡ ካልኣይ ክፋል
 

እዚ ብጥቕስታት ጥራይ ነቕርቦ ዘለና
ጽባሕ ከም እዚ እንርኦ ዘለና እንተ ኾይኑ
እዞም ሓቐኛታት ቃላት ከምቲ ዝድለ ትርጉሞም ሒዞም ዘይክርከቡ
ይኽእሉ ኢዮም ።ስለዚ ሎሚ ኣብ ልቢ ኩሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ጸሪጾም እንተ ጸኒሖም ጽባሕ ብትርጉም ይኹን ብሓሳብ ኣይታለሉን እዮም ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን


ኢየሱስ ክርስቶስ ወልድ ከም ዝኾነ
ህጻን ተወሊዱልና ወዲ ውን ተዋሂቡና እዪ ንሱ ከኣ ገዛኢና ክኽውን እዪ።ንሱ ግሩም መኻሪ ብርቱዕ ኣምላክኽ ዘለኣለማዊ ኣቦ መስፍን ሰላም ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ ።ት’ኢሰያ 9፡6 ።
ቓል ብቅድሙ ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓል ውን ኣምላኽ ነበረ፡ንሱ ብቅድሙ ኣብ ኣምላኽ ነበረ ብእኡ ኩሉ ተፈጥረ ።ዮሃ 1፡1።
እቲ ቓል ስጋ ኮነ ጸጋን ሓቕን መሊእዎ ከኣ ኣባና ሓደረ ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዱ ነብኡ ርኤና ።ዮሃ 1፡14 ።
ነታ ሰበይቲ ውን ደጊምሲ ባዕላትና ሰሚዕና ደኣ እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ክርስቶስ መድሕን ዓለም ምኻኑ ፈሊጥና እምበኣር ብዘረባኺ ኣይኮናን እንኣምን ዘለና በልዋ። ዮሃ 4፡42።
ቶማስ ከኣ መሊሱ ጐይታይን ኣምላኽይን በሎ ኢየሱስ ከኣ ስለ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣምንካ እቶም ከይረኣዪ ዝኣምኑ ብጹኣን እዮም በሎ። ዮሃ 20፡28
ቦኽሪ ወዳ ክሳብ እትወልድ ኣይፈላጣን ስሙ ድማ ኢየሱስ ኢሉ ሰመዮ ማቴ 1፡25
ካብ ኣቦ ኩሉ ተዋሂብኒ ኣሎ ብዘይካ ኣቦ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን ነቦ ድማ ብዘይካ ወልድን እቲ ንሱ ኽገለጸሉ ዝፈቱን እንተ ዘይኮይኑ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የልቦን ማቴ 11 ፡27 ሉቃ 10 ፡22
ሽዑ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ወልድ ነቲ ኣብኡ ክገብሮ ዝረኣዮ እንተ ዘይኮኑ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ክገበር ኣይክእልን እዪ ነቲ ኣቦ ዝገበሮ ዘበለ ኩሉ ወልድ ውን ይገብሮ። ዮሃ 5፡19 ።
ኣቦ ንውልድ የፍቅሮ እዪ ነቲ ዝገብሮ ዘበለ ከኣ የርእዮ እዩ ንስኻትኩም ምእቲ ክትድነቑ ከኣ ካብዚ ዝዓቢ ግብሪ ከርእዮ። ዮሃ 5፡0 ።
ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዪ እንተኾነ ኩሉ ፍርዲ ዘበለ ንውልድ ሃቦ። ዮሃ 5፡22 ።
ከምቲ ነቦ ሕይወት ዘለዎ ወልድ ውን ናይ ባዕሉ ሕይወት ክህልዎ ሃቦ ። ዮሃ 5፡26 ።
ኣቦ ንወልድ ምእንቲ ከኽብር’ሲ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኩሉ ክገብረልኩም እየ ።ዮሃ 14፡13 ።
እቲ ንወልድ ዝኽሕድ ኣቦ ኣብኡ የለን እቲ ንወድ ዝኣምን ነቦ ይኣምን 1ይ ዮሃን 2፡23 ።
እቲ ካብ መጀምርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ኾይኑ ከኣ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም 1ይ ዮሃ 2፡24 ።
እቲ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝጸንዕ ኣብን ወልድን ኣብኡ ኣለዉ 2ይ ዮሃ 1፡9
እምበኣር ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕምዎም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም። ማቴ 28፡19


ኢየሱስ ክርስቶም ፈራዲ ከም ዝኾነ

ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ ፡እንተኾነ ኩሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ ፡እዚ ከኣ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ጌይሩ ኩሉ ሰብ ንወልድ ምእንቲ ከኽብሮ እዩ እቲ ንወልድ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ ውን ኣየኽብሮን እዩ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ እቲ ንቃለይ ዝሰምዕ በቲ ዝለኣኸኒ ውን ዝኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ ። ዮሓ 5፡22_29
ካብ ርእሰይ ገለ ነገር እኳ ክገብር ኣይክእልን እየ ከምቲ ዝሰማዕኩዎ እፈርድ ፍቃድ እቲ ዝለእኸኒ እምበር ፍቃደይ ስለ ዘይደሊ ከኣ ፍርደይ ቅኑዕ እዩ ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ ምስክረይ ሓቂ ኣይኮነን ፡ንኣይ ዝምስክረለይ ካልእ ኣሎ ፡እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዝምስክሮ ምስክርነት ከኣ ሓቂ ምኻኑ እፈልጥ እየ ። ዮሓ 5፡30
ንስኻትኩም ከም ፍርዲ ሰብ ኢኹም እትፈርዱ ዘለኹም ኣነ ግና ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እየ ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦን ኢና እመበር በይነይ ኣይኮንኩን እሞ ኣነ እንተፈረድኩ ፍርደይ ሓቂ እዩ ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ከም ዝኾነ ኣብ ሕግኹም ጽሑፍ እዩ ፡ብዛዕባ ርእሰይ ዝምስክር ኣነ ባዕለይ ኣለኹ ፡እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይውን ይስክረለይ ኣሎ ።ዮሓ 8፡15_18
ሽዑ ንሳቶም ንስኻ መን ኢኻ በልዎ ፡ኢየሱስ ከኣ ኣነ እቲ ካብ መጀመርታ ሕዘ ዝነገርኩኹም እየ ፡ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ ኣለኒ ፡እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቂ እዩ ። ዮሓ 8፡25_26
ኢየሱስ ድማ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ክርእዩ እቶም ዝርእዩ ከኣ ምእንቲ ኺዖሩ ኢለ ንፍርዲ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ መጺአ ዘለኹ በለ፡ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈርሳውያን ገሊኣቶም ነዚ ሰሚዖም ንሕና ኸ ዕውራት ምዃና ዲና በልዎ ፡ኢየሱስ ድማ ዕውራት እንተ ትኾኑስ ሓጢኣት ኣይምኾነኩምን ነይሩ ፥ሕጂ ግና ንርኢ ኢና ትብሉ ኣለኹም ስለዚ ሓጢኣትኩም ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ በሎም ። ዮሓ 9፡39_41
ነቲ ንኣይ ዝኣቢ ንቓለይ ውን ዘይቕበል ዝፈርዶ ኣሎ፡ እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ ፡መኽንያቱ ኣነ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር ፥ካብ ርእሰይ ኣይኮንኩን እቲ ትእዛዙ ከኣ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ከም ዝኾነ ይፈልጥ እየ ።ዮሓ 12፡48
ኣቦ ብወልድ ምእንቲ ክኸብርሲ ብስመይ ዝለምንኩምዎ ዘበለ ኩሉ ክገብረልኩም እየ ፡ብስመይ ዝኾነ ነገር እንተ ለመንኩም ውን ክገብረልኩም እየ ። ዮሓ 14፡13_14
በታ መዕልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም ኣነ ንቦ ምእንታኹም ክልምኖ እየ ኣይብለኩምን እየ ፡መኽንያቱ ንስኻትኩም ኣነ ካብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም እዩ ። ዮሓ 16፡26_29
ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኣጥምቀኩም ኣለኹ እቲ ድሕረይ ዝመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ ፡ኣነስ ኣሳእኑ ክጸውር እኳ ኣይበቕዕን እየ ፡ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ ፥ስርናዩ ኣብ ቆፍኡ ኺእክብ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ከንድዶ እዩ ። ማቴ 3፡11_12
ካብቲ እምባ ክወርድ ከሎ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።እንሆ ከኣ ሓደ ለምጻም ቀሪቡ “ጐይታይ! ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ እና በለ ሰገደሉ ።ኢየሱስ ከኣ ኢዱ ዘርጊሑ ፍቓደይ እዩ ንጻህ እና በለ ተንከዮ ብኡብኡ ከኣ ካብ ለምጹ ነጽሐ ።ኢየሱስ ድማ ንሓደ እኳ ከይትነግር ተጠንቀቕ ግና ሰብነትካ ብኻህን ኣመርምር ንኣታቶም ንምስክር ምእንቲ ክኾኖም እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ በሎ ማቴ 8፡1_4
ኢየሱስ ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ ፡ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ ቐሪቡ ፡ጐይታይ !ወደይ መጻጉዕ ኮይኑ ኣብ ገዛ ደቂሱ ኣዝዩ ይቚንዞ ኣሎ እና በለ ለመኖ ።ኢየሱስ ድማ እኔኹ መጺአ ከሕውዮ እየ በሎ ።እቲ ሓለቓ ሚእቲ ከኣ ጐይታይ! ንስኻ ናብ ቤተይ ክትእቱ ኣይበቅዕን እየ ፡ግና ሓንቲ ቃል ጥራይ ተዛረብ ወደይ ድማ ኺሓዊ እዩ ።ኣነ ውን ትሕቲ ስልጣን ዝሓደርኩ ሰብ እየ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣለዉ ነዚ ኪድ እብሎ ይኸይድ ነቲ ኻልእ ንዓ እብሎ ይመጽእ ንጊልያይ ድማ እዚ ግበር እብሎ ንሱ ድማ ይገብር እና በለ መለሰሉ ።ኢየሱስ ነዚ ሰሚዑ ተደነቐ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ድማ ኸምዚ በሎም ኽንዲዚ ዝኣክል እምነት ኣብ እስራኤል ኣብ ሓድ እኳ ከምዘይረኸብኩ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ክመጹ ኢዮም ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቕን ያዕቆብን ኪቕመጡ እዮም እብለኩም ኣለኹ ደቂ መንግስቲ ግና ናብቲ ኣብ ግዳም ዘሎ ጸልማት ክድርበዩ እዮም ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቕምቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ ። ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚኢቲ ኪድ ከምዝኣመንካዮ ይኹነልካ በሎ እቲ ወዲ ከኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ ። ማቴ 8፡ 5_13
ኢየሱስ ናብ ጃልባ ደይቡ ተሳገረ ፥ ናብ ዓዱ ውን መጸ። እንሆ ከኣ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሓደ ልሙስ ኣምጽእሉ ፥ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ ፡ነቲ ልሙስ ኣጆኻ እዚ ወደይ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ በሎ ።እንሆ ከኣ ገሊኦም ካብ መምህራን ሕጊ ንሓድሕዶም ብልቦም እዝስ ይጻረፍ ኣሎ በሉ ።ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዚ በሎም ።”ስለምንታይ ብልብኹም ክፉእ እትሓስቡ ኣየናይ ይቕልል፥ ሓጢኣትካ ትሓዲጉልካ ምባልዶ ወይ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል እምበኣር ከስ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ክትፈልጡ ኢሉ ሽዑ ነቲ ልሙስ ተንስእ ዓራትካ ኣልዕልካ ናብ ቤትካ ኪድ በሎ ተንሲኡ ድማ ናብ ቤቱ ከደ እቶም ህዝቢ ከኣ እዚ ርእዮም ፈርሁ ንሰብ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንዝሃበ ኣምላኽ ድማ ኣመስገንዎ ።ማቴ 9፡1_ 8
ኢየሱስ ካብኡ ምስ ሓለፈ ክልተ ዕውራት ዓው ኢሎም “ኦ ወዲ ዳዊት ምሓረና !”እና በሉ ሰዓብዎ ።ናብ ቤት ምስ ኣተወ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹ ፥ኢየሱስ ድማ እዚ ኽገብር ከም ዝኽእል ዶ ትኣምኑ ኢኹም በሎም ።ንሳቶም ከኣ እወ ጐይታይ በልዎ ።ንሱ ድማ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም እናበለ ኣዕይንቶም ተንከዮም።ኣዕይንቶም ከኣ ተኸፍታ ።ኢየሱስ ድማ ሓደ እኳ ከይፈልጥ ተጠንቀቑ እናበለ ብጽኑዕ ኣስማዓሎም ።ንሳቶም ግና ወጺኦም ኣብ ኩላ እታ ሃገር ዝናኡ ዘርግሑ ። ማቴ 9፡27_31
እዚ ነገራት እዚ ኽብሎም ከሎ ሓደ መራሒ ቤት ጸሎት ኣይሁድ መጸ ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞይታ እሞ ንዓ ኢድካ ኣንብረላ ክትሓዊ ድማ እያ እና በለ ሰገደሉ ።ኢየሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛምርቱ ሰዓቦ ።እንሆ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ ብልባ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኪፈ ኽሓዊ እየ ትብል ስለ ዝነበረት ብድሕሪኡ መጺኣ ዘፈረ ክዳኑ ተንከፈት።ኢየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ ኣጆኺ እዛ ጓለይ እምነትኪ ኣሕውያትኪ በላ ። እታ ሰበይቲ ድማ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።ኢየሱስ ኣብ ገዛ መረሒ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ምስ በጽሐ ነፋሕቲ መለኸት ዋይ ዋይ ዝብሉ ሕዝብን ረኣየ ፡እዛ ጓለይ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን እሞ ኣልግሱ በሎም ።ንሳቶም ድማ ሰሓቕዎ ።እቶም ሕዝቢ ምስ ወጹ ኣትዩ ኢዳ ሓዛ እታ ጓል ከኣ ተንሰአት።ኣብ ኩላ እታ ሃገር ውን ዝናኡ ተሰምዐ ። ማቴ 9፡18_26 ተመሳሳሊ ጥቅሲ 1 ነገስ 17፡17 2ነገ 4፡26
ኢየሱስ ነቶም ዓሰተው ክልተ ደቀ መዛምርቱ ጸዊዑ ንርኹሳት መናፍስቲ ከውጽእዎም ንብዘሎ ሕማም ድናሰን ኬሕውዩ ስልጣን ሃቦም ። ማቴ 10፡1_2
ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ክልእኮም እዩ ንሳቶም ከኣ ንኹሎም ምኽንያት ሓጢኣት ዝኾኑን ገበርቲ ክፉእን ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም እዮም ።ኣብ እቶን ሓዊ ክድርብይዎም እዮም ።ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ ።ሽዑ ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣብኦም ከም ጸሓይ ክበርሁ እዮም እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ ። ማቴ 13፡41_43
ኢየሱስ ብራባዓይቲ ክፍለ ግዜ ናይ ለይቲ ብማየ ማይ እና ኸደ ንብኣቶም ኣቢሉ መጸ ።እቶም ደቀ መዛምርቱ ብማየ ማይ ክኸይድ ምስ ረኣይዎ ተሸበሩ ፡ብፍርሂ ድማ ምትሃት እዩ ኢሎም ኣእወዩ ።ኢየሱስ ግና ብኡብኡ ኣጆኹም ኣነ እየ ኣይትፍርሁ ኢሉ ተዛረቦም ።ጴጥሮስ መሊሱ ጐይታይ ንስኻ እንተ ኼንካስ ብማየ ማይ ናባኻ ክመጽእ ኣዝዘኒ በሎ።ንሱ ኸኣ ንዓ በሎ ፣ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ ብማየ ማይ እናኸደ ናብ ኢየሱስ ኣቢሉ መጸ ።ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና ፈርሀ ፥ክጥሕል ምስ ጀመረ ድማ ጐይታይ ኣድሕነኒ ኢሉ ኣእወየ ።ኢየሱስ ድማ ብኡብኡ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ ኣታ በዓል ውሑድ እምነት ስለምንታይ ከ ተጠራጠርካ በሎ ።ናብ ጃልባ ምስ ደየቡ እቲ ንፋስ ሃድአ ።እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸኣ ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ እናበሉ ሰገድሉ ።ማቴ 14፡28_33
ኢየሱስ ካብኡ ወጺኡ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ኣልገሰ ።እንሆ ድማ ሓንቲ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኣብ ወሰናስን እቲ ምድሪ ኦ! ጐይታይ ወዲ ዳዊት ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ ኣሎ እሞ ራህርሃለይ እናበለት ጨርሐት ። ንሱ ግና ሓንቲ ቃል እኳ ኣይመለሰላን።ደቀ መዛምርቱ ከኣ ቐሪቦም ደሕረና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣፋንዋ ኢሎም ለመንዎ ።ንሱ ግና ብዘይካ ናብተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተለኣኽኩን ኢሉ መለሰ ።ንሳ ድማ ጐይታይ ርድኣኒ እንበለት ቀሪባ ሰገደትሉ ።ንሱ ከኣ መሊሱ እንጌራ ዉሉድ ኣልዒሊካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኮነን በላ ።ንሳ ኸኣ እወ ጐይታይ ኣኽላባት ውን እምበር ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ ኢዮም በለቶ። ሽዑ ኢየሱስ ኣቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓቢይ እዩ ከምቲ ዝደለኽዮ ይኹነልኪ ኢሉ መለሰላ ።በታ ሰዓት እቲኣ ከኣ ጓላ ሓወየት ። ማቴ 15 ፡21 _28
ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛምርቱ ክስዕበኒ ዝደሊ ሕይወቱ ይመንን መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ ከመይ እቲ ንሕይወቱ ኬድሕና ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ ።እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ክረኽባ እዩ ።ንሰብ ከ ኩሉ ዓለም ረቢሑስ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ፧ሰብ ከ በጃ ነፍሱ እንታይ ዘይምሃበ፧ ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣብኡ ምስ መላእኽቱ ክመጽእ እዩ እሞ ንስፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ እዩ ።ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኽመጽእ ከሎ ክሳዕ ዝርእይዎ ካብዞም ኣብዚ ቖይሞም ዘለዉ ዘይሞቱ ከም ዘለዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ በሎም ። ማቴ 16፡24 _28
ወዲ ሰብ ምስ ኩሎም መላእኽቱ ብኽብሩ ኣብ ዚመጸሉ ግዜ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ኺቕመጥ እዩ ። ኩሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ እዮም ። ጓሳ ኣባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈሊ ከምኡ ከኣ ንሱ በብወገኖም ክፈልዮም እዩ ።ነባጊዕ ብየማኑ ነጣል ድማ ብጸጋሙ ኬቕውም እዩ ። ማቴ 25፡31_46
እቲ ዝጸውዖ ፈርሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ እዚ ነቢይ እንተ ዝኸውንሲ እዛ ትትንክዮ ዘላ ሰበይቲ ሓጥእ እያ እሞ እንታወይትን ከመይ ዝበለትን ምዃና ምፈልጠ ነይሩ “ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።ኢየሱስ ከኣ ስምኦን ዝብለካ ኣለኒ በሎ፣ ንሱ ኸኣ መምህር ተዛረብ በሎ፣ንሓደ መለቅሒ ክልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፣ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፣ኣብቲ ሓደ ድማ ሓሙሳ ዲናር ነበሮ ።ዝፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና ንኽልቲኦም ሓደገሎም ።ካብኣቶም እቲ ኣዝዩ ዜፍቕሮ መኖም እዩ ፧ስምኦን ከኣ ንዓይሲ እቲ ብዙሕ ዝተሓድገሉ ይመስለኒ “ኢሉ መለሰ ኢየሱስ ከኣ ቅኑዕ ፈረድካ በሎ ።ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ንስምዖን ከምዚ በሎ ፣ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያ ዶ ኣለኻ ፧ናብ ቤትካ ኣትየ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፣ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ፥ብጸጉሪ ርእሳ ውን ደረዘት።ንስኻ ኣይተሳለምካንን እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኣእጋረይ ካብ ምስዓም ኣየቋረጸትን።ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይቀባእካንን እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ቕብአት ።ስለዚ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሓዲጉላ እዩ እብለካ ኣለኹ ።እቲ ሒደት ዝሕደገሉ ግና ሒደት እዩ ዘፍቅር ።ንእኣ ድማ ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ በላ ። እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኸኣ ብልቦም እዚ ሓጢኣት ኺሓድግ ዝኽእልስ መን ኮን ኮይኑ እዩ ኢሎም ሓሰቡ ።ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ እምነትኪ ኣድሕናትኪ ብሰላም ኪዲ በላ ። ሉቃ 7፡48
ንሳቶም ከኣ ናብታ ኣብ ማዕዶ ገሊላ እትርከብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ብጃልባ ተሳገሩ ።ኢየሱስ ካብ ጃልባ ኣብ ምድሪ ምስ ወረደ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብኣይ ካብታ ከተማ ወጺኡ ተጓነፎ ።ንሱ ከኣ ንነዊሕ ዘመን ክዳን ዘይክደን ኣብ መቓብር እምበር ኣብ ቤት ዘይቅመጥ እዩ ዝነበረ ።ንኢየሱስ ምስ ረኣዮ ወዲቑ ሰገደሉ ፣ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ንስኻ ምሳይ ኣነ ኸኣ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ከይተሳቕየኒ ኣማሕጽነካ ኣለኹ እናበለ ብዓቢይ ድምጺ ጨርሐ ።ኢየሱስ ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ክወጽእ ኣዘዞ ።ብዙሕ እዋን ይሕዞ ስለ ዝነበረ ድማ ብሰንሰለትን ብመቚሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ ።እንተ ኾነ ነቲ መእሰሪኡ ይበትኮ ነበረ እቲ ጋኔን ከኣ ናብ ምድረ በዳ ክኸይድ ይደፍኦ ነበረ ።ኢየሱስ ከኣ ስምካ መን እዩ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ ለጌዎን በለ ።ናብ መዓሙቕ ሲኦም ክጸድፉ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ ። ሉቃ 8፡26_30
ሓደ ኻብቶም ዝተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእ ውን ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን እና በለ ጸረፎ ።እቲ ኻልኣዩ ግና ኣታ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ፍርዲ ከሎኻ’ኸ ኣምላኽ ዶ ኣይትፈርህን ኢኻ ፧ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዝግበኣና ተፈዴና እዚ ግና ሓንቲ ክፍኣቲ እኳ ኣይገብረን ኢሉ ገሰጾ ።ንኢየሱስ ከኣ ኦ ኢየሱስ ጐይታይ ብመንግስትኻ ኽትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ በሎ ።ኢየሱስ ድማ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ እለካ ኣለኹ በሎ ።ሉቃ 23፡39_ 43
ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ ብዕብራይስጥ ቤተ ሳይዳ ዝብሃል ሓሙሽተ ገበላ ዘለዎ ቐላይ ነበረ ።ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋጽ ዝጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት ዕዉራት ሓንካሳት ልሙሳት ይድቅሱ ነበሩ ።እናሓንሳእ መልኣኽ እግዚኣብሔር ናብቲ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውጾ ነበረ ።እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ ዝተናወጸ ማይ ዝኣተወ ኸኣ ካብ ዘለዎ ኹሉ ሕማም ይሓዊ ነበረ ።ሳላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሓመመ ሓደ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ ።ኢየሱስ ድማ ንእኡ ደቂሱ ምስ ረእዮ ነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ ክትሓዊ’ዶ ትደሊ ኢኻ በሎ ።እቲ ሕሙም ከኣ ጐይታይ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን።ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ ኢሉ መለሰሉ ።ኢየሱስ ከኣ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ በሎ እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሓወየ ዓራቱ ኣልዒሉ ከደ ። ዮሓ 5፡2_10
ንሕና ኸኣ ናይቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝገበሮ ኹሉ ምስክር ኢና። ንሳቶም ንእኡ ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ ።ኣምላኽ ግና ንእኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ ።ብጋህዲ ኸም ዝርአ ከኣ ገበሮ። እንተኾነ ጐይታ ብጋህዲ ዝተራእየ ንኣና ነቶም ምስክር ምእንቲ ኽንከውን ኣምላኽ ቅድም ዝሓረየና ፡እወ ንኣና ነቶም ካብ ምውታት ድሕሪ ምትንስኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰቴናን እምበር ንኹሉ ሕዝቢ ኣይኮነን ።ኣምላኽ ንሕያዋንን ንምውታን ክፈርድ ዝመደቦ ንሱ ምኻኑ ንሕዝቢ ክንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና ።ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዝረክብ ኩሎም ነበያት ይምስክሩሉ ኣለዉ ።ግ’ሃ 10፡39 _43
ስለዚ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ በታ ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ ከምኡ ክኸውን እዩ ።ሮሜ 2፡16
ካብና ንርእሱ ኢሉ ዝነብር ወይ ንርእሱ ኢሉ ዝመውት ሓደ እኳ የልቦን ።ብሕይወት እንተ ነበርና ንጐይታ ኢና እንነብር ። እንተ ሞትና ውን ንጐይታ ኢና እንመውት ።ስለዚ ብሕይወት እንተ ነበረና ወይ እንተ ሞትና ናይ ጐይታ ኢና።ስለዚ ኸኣ ጐይታ ክርስቶስ ጐይታ ምውታትን ሕያዋንን ምእንቲ ክኸውን ኢሉ ሞይቱ ተንስአ ።ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውኻ እትፈርድ፧ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቖ ፧ኩላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና ። ከመይ ኣነ ሕያው እየ ይብል እግዚኣብሔር ፥ኩሉ ብርኪ ክሰግደለይ ፥ ኩሉ ልሳን ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ክእመን እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ።እምበኣር ከስ ነፍሲ ወከፍና ብናይ ገዛእ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ክህብ እዩ ። ሮሜ 14፡7_12
ስለዚኸስ ሰብ ንኣና ከም ኣገልገልቲ ክርስቶስ ከም መገብቲ ምስጢራት ኣምላኽን ገይሩ ይቚጸረና ።ኣብ ርእሲዚ ኸኣ መገብቲ ዘበሉ እሙናት ኮይኖም ኪርከቡ ይግብኦም ። ኣነ እኳ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ ግዲ የብለይን።ንገዛእ ርእሰይ ውን ኣይፈርድን እየ ።ሕልናይ ኣይወቕሰንን እዩ፥በዚ ግና ጻድቕ እየ ማለት ኣይኮነን እቲ ዝፈርደኒ ኣምላኽ እዩ ። ስለዚ ነቲ ኣብ ጸልማት ዝተሓብአ ናብ ብርሃን ዘምጽእ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዝገልጽ ጐይታ ክሳዕ ዝመጽእ ቅድሚ እቲ ምዱብ ግዜ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ምስጋንኡ ካብ ኣምላኽ ክቕበል እዩ። 1ይ ቆሮ 4፡1_6
ኣትን ኣንስቲ ከምቲ ንጐይታ ኢየሱስ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዝኦም። ኣቱም ሰብኡት ነንስትኹም ኣፍቅርወን፥ ከምኡ ውን ኣይተጨክኑለን ።ኣቱም ውሉድ ንጐይታ ባህ ዘብሎ ንሱ እዩ እሞ ንወለድኹም ብኹሉ ተኣዘዝዎም ።ኣቱም ኣቦታት ሕልናኦም ከይዓርቦም ነቶም ውልድኩም ኣይተኾርይዎም ። ኣቱም ገላዉ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም ዝኾኑ ንገጽ ርአ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኮነስ ብቕኑዕ ልቢ ንእግዚኣብሔር እናፈራህኩም ብኹሉ ተኣዝዝዎም ።ነቲ ርስቲ ካብ ጐይታ ከም ዓስቢ ኸም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኮነስ ንጐይታ ከም እትገብርዎ ጌርኩም ካብ ልቢ ግበርዎ ።እቲ እተገልግልዎ ሓቀኛ ጐይታ ክርስቶስ እዩ። እቲ ክፉእ ዝገበረ ኣብ ክንዲ እቲ ኽፉእ ግብሩ ኺፍደ እዩ ። ከመይ ኣብ እግዚኣብሔር ኣድልዎ ገጽ የልቦን ። 2ይ ቆሮ 3፡ 18_25
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንሕያዋንን ንምውታትንን ከፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ ኢየሱስን ብምጽኣቱን ብመንግስቱን ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር እማሕጽነካ ኣለኹ፥ብኹሉ ዓቕሊ ነቲ ቓል እናመሃርካ ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን ትጋህ ኣረድእ፡ገስጽ፡ምኸር። 2ይ ጢሞ 4፡1_ 6
ግናኸ ነታ ነብዪት እየ እናበለት ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣዖታት ዝተሰውዐ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኤልዛቤል እትበሃል ሰበይቲ ስቕ ኢልካ ብምርኣይካ ፈሪደልካ ኣለኹ ።ምእንቲ ክትንሳሕ ኢለ ግዜ ሂበያ ነይረ ፥ንሳ ግና ኻብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን ። ስለዚ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ክድርብያ እየ ። ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ ኻብቲ ተግባራታ እንተ ዘይተነስሑ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ ። ንደቓ ውን ክቐዝፎም እየ ፥ ብዘለዋ ኣብያተ ቤተክርስትያን ከኣ ኣነ ናይ ሰብ ሓሳብን ትምኒትን ዝምርምር ምዃነይ ከፈልጣ እየን።ንነፍሲ ወከፍኩም ውን ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ። ራኢ 2፡20_23
እቲ ገንሸል ነቲ ሓሙሳይ ማኅተም ምስ ፈትሖ ድማ ነፍሳት እቶም ምእንቲ ቃል ኣምላኽን ስለ እቲ ዝሃብዎ ምስክርነትን ዝተሓርዱ ኣብ ትሕቲ መሠውዒ ረኣኹ ።ዓው ብዝበለ ድምጺ ከኣ ፥ ኦ ! ቅዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ ፧ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ’ኸ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም እናበሉ ጠርዑ። 
           ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል
            ወለወላዲቱ ድንግል
             ወለመስቀሉ ክቡር
              ኣሜን !!!!


ሳይሳይ ክፋል
ኣብ ዝመጽእ ብዛዕባ ስላሴ ከነቕርብ ኢና ሰላም ቅነ

Monday, July 15, 2019



               ጉባኤ ቊስጥንጥንያ (381 ዓ.ም. )



  ካልኣይ ጉባኤ ናይ ቊስጥንጥንያ ይቕጽል 
   ኣብ ቊስጥንጥንያ ዝተኣከበ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ፡ሰለስተ ክሕደታት ንኽምርምር ቀሪቡሉ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ቀዳማይ ናይ ኣቡሊናርዮስ፣ ካልኣይ ናይ ኣውሳብዮስ ሳልሳይ ናይ መቅደንዮስ ክሕደታት እዮም።

ኣብሊናርዮስ ፦ እዚ ሰብ እዚ ናይ ላዞቅያ ኤጲስ ቆጶስ ነበረ። ናይ ፍልስፍና ትምህርቱ ናብ ክሕደት ኣምርሖ። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮት ኣብ ክንዲ ናይ ስጋ ሕይወት ዝኾነት ነብሲ ቦታ ተተኪኡ ሕማምን፡ ስቕለትን፡ ሞትን ተቐበለ ኢሉ መሃረ። ኣብ ማእከል መለኮታዊ ኣካላት ከኣ ምብልላጽ ምህላዉ ኣሚኑ መንፈስ ቅዱስ ዓቢይ እዩ፣ ወልድ ከኣ ዝበለጸ ዓቢይ እዩ፣ ኣብ ግን ልዕሊ ኩሎም ዓቢይ እዪ በለ።

ኣውሳብዮስ ፦ ናይ ሰብ ሰብኣልዮስ ክሕደት ብምሕዳስ እግዚኣብሔር ሓደ ኣክል ደኣሉ እምበር ሰለስተ ኣካላት የብሉን ።ስላሴ ብምባል ብሰለስትነት ዝንገር ከኣ፡ ብዘመነ ኦሪት ከም ኣብ ስለ ዝተፈልጠ፣ ብዘመነ ሓዲስ ሰብ ኮይኑ ከም ወልድ ስለ ዝተገልጸ እሞ፡ ከም መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣብ ሊዕሊ ሓዋርያት ስለ ዝወረደ እዩ ።

መቕደንዮስ ፦ እዚ ሰብ እዚ ካብ ተኸተልቲ ኣርዮስ ሓደ ነበረ። ኣርሳውያን ብወገን ቈስጠንጢኖስ ዘይንእስ ብዝነብሮም ተሰማዕነት ብ343 ዓ.ም. ናይ ቊስጥንጥንያ ኤጲስ ቅጶስ ኮይኑ ተሾመ ።ብትምህርቱ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኩሉ ፍጡር ዝተነዝሐ ናይ እግዚኣብሔር ፍጡር ደኣሉ እምበር ከም ኣብን ወልድን ሳልሳይ ኣካል ኣይኮነን፣ ብመልክዕ መላእኽቲ ተፈጢሩ፡ ካብ መላእኽቲ ግን ክብ ዝበለ እዩ በለ።

ብ362 ዓ.ም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ መንበሩ ምስ ተመልሰ ኣብ እስክንድርያ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣኪቡ ኣውገዞ። ዓቢይ ቴዎዶስዮስ’ውን በቲ ግዜ እቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ተኣኪቡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክዝቲ ኣዘዘ ።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተረኽቡ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ጢሞጢዎስ፡ መላትዮስ ዘኣንጾክያ፡ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት ዘእንዝናዙ፡ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስን ይርከብዎም። ጉባኤ ከኣ 381 ዓ.ም. ብዘን ቴዎዶስዮስ ብሚኢትን ሓምሳን ኤጲስ ቆጶሳት ኣባልነት ተኻየደ።

መቅዶንዮስ እምነቱ ኣብ ጉባኤ ንኽገልጽ ተሓቲቱ፡ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 1፡3 ኩሉ ብእኡ ተፈጥረ፡ ካብ ዝተፈጥረ ኩሉ ብዘይ ብእኡ ዝተፈጥረ የለን” ብዝብል ጥቕሲ መሰረት ብምግባር መንፈስ ቅዱስ ፍጡር እዩ በለ። እቲ ጉባኤ ከኣ መልሲ ብምሃብ ሓደ መንፈስ ንሱ ድማ ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ጥራይ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። ከም ናትካ ኣበሃህላ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ፍጡር እዩ እንድሕሪ ደኣ ኢልካ እግዚብሔር ሕያው ኣይኮነ ምባል እዩ ።ሕያው ኣይኮነ እንድሕሪ ደኣ ኢልና ኸኣ ዓቢ ክሕደት እዚ እዩ በሎ።

እቲ ጉባኤ ንመቅዶንዮስ ኣእሚኑ ናብ ኦርቶዶክሳዊት እምነት ንኽመልሶ እንተ ፈተነ መቅዶንዮስ ግን በዓል ድልየት ስለ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ምውጋዙ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝተጀመረ ናይ ሃይማኖት ጸሎት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ውን ንኣምን ካብ ዝብል ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ኣብጽሖ ።

ኣውሳብዮስ እምነቱ ንኽገልጽ ምስ ተሓተ ሥላሴ ክንብል ከሎና ሓድ ኣካል ሓደ መለኮት ዘለዎ ኣምላኽ ማለት ደእ እዩ እምበር፡ ንሰለስተ ኣካላት ዘመልክት ኣይኮነን፡ በለ። ኣፈ ጉባኤ ዝነበረ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ጢሞቴዎስ ከምዚ ክብል መልሰሉ።ስላሰ ሓደ ኣክላ እንተ ደኣ ኮይኑ ስላሴ ዝብል ስም ክህሉ ኣይክእልን እዩ፣ብኣብን ብወልድን ብመንፈስ ቅዱስን ዝተጠመቕካዮ ጥምቀት’ውን ዋጋ የብሉን ማለት እዩ ።ከም ኣባሃህላኻ እንተ ኾይኑ ስላሴ ሕማም ተቐቢሉ ሞይቱ ማለት እዩ፣ ወልድ ኣብ ዮርዳኖስ ምጥማቑን፣ መንፈስ ቅዱስ በተምሳል ርግቢ ምውርዱን፣ ኣብ ከኣ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ምድማጹ ዝምስክር ወንጌል ተሳዒሩ ማለት እዩ” በሎ።

ካብ ሕደቱ ንኽምለስ ምኽሪ ተዋሂብዎ ስለ ዘይተመልሰ ብውግዘት ከም ዝፍለ ተገብረ ።

ናይ ኣውሳብዮስ ክሕደት መሰረቱ ክሕደት ሰብኣልዮስ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ሰብኣልዮስ ዝዓበየሉ ሊብያ እዩ ።እዚ ክሕደት እዚ ከኣ ክሳዕ ሮም ኣብጺሕዎ ነይሩ። ንናይ ሰብኣልዮስ ክሕደት ከኣ ብ258 ዓ.ም. ኣብ ሮም ብ261 ዓ.ም. ድማ ኣብ እስክንድርያ ዝተኣከቡ ነናይ ሃገሩ ሲኖዶሳት ኣውጊዞምዎ እዮም ።
ኣቡሊናርዮስ ከኣ ብታርኡ ብዛዕባ እምነቱ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ ወልድ ሰብ ዝኾነ ብዘይካ ነባቢት ነፍስ መለኮቱ ምስ ስጋ ሰብ ብምውህሃድ እዩ፣ መኽንያቱ መለኮቱ ኣብ ክንዲ ነፍስ ልብን ቦታ ተተኪኡ ስለ ዝኣተወ እዩ”ኢሉ ገለጸ።
እቲ ጉባኤ ድማ ንናይ ኣቡሊናርዮስ ኣበሃህላ እዚ ዝስዕብ መልሲ ሂብሉ። እግዚኣብሔር ወልድ ምስ ባሕርይና ዝተዋሃሃደ ንዓና ንምድሓን እዩ፣ ናይ እንስሳ ብሕርይ ዘለዎ ስጋ ጥራሕ ተወሃሂዱ እንድሕሪ ደኣ ኮይኑ ንእንስሳ እምበር ንሰብ ኣየድሓነን ማለት እዩ ።ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ብግዜ ትንሳኤ ምውታን ዝትንስእ ብነባቢትን ፈላጢትን ሕያዊትን ነፍሲ ኮይኑ እዩ። ዋጋ ጽድቁ ኮነ ወይ ናይ ኩነኔ ውሳኔ ዝቕበሎ ውን ብወገን ነፍሲ እዩ ። ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ጥቕሙ ነዚ እዩ ።ኣብ ነባቢት ፈላጢትን ሕያዊትን ነፍሲ እንተ ዘይወሃሃድ ነይሩ፡ ጐይታ ንርእሱ ወዲ ሰብ ኢሉ ኣይምጸውዓን ነይሩ ።

ኣቡሊናርዮስ ካብ ክሕደቱ ንኽምለስ እቲ ጉባኤ ብዙሕ እንተ መኸሮ’ኳ ንኽምለስ ፍቓደኛ ስለ ዘይኮነ ብውግዘት ከም ዝፍለ ተገብረ ።ድሕሪ’ዚ እቲ ጉባኤ ሸውዓተ ቀኖናታት ኣቚሙ ስርሑ ደምደመ ።እቶም ዘቖሞም ስርዓታት ኣብ ፍትሒ መንፈሳዊ ማለት ፍትሐ ነገስት ተጻሒፎም ኣለዉ።

     ሳልሳይ ጉባኤ ኣብ ዝመጽእ ተኸታተሉ !

     ምንጪ ትምህርተ መለኮት ወስርዓተ ኣምልኮት

                     በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን             ቅዱስ ሚካኤል  ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኵሎም መላእኽቲ ሓለቓ ኾይኑ ብፍላይ ከኣ ናይ ኃይላት ሓለቓ...